ፅዕዳወ ኣስናንና ንምሕላው ዝሕግዙ ቀለልቲ ኣማራጺታት

ብጫ ሕብሪ ዘለዎ መግቢ

ምንጪ ስእሊ, BBC Food

መግለጺ ስእሊ, ዝዀነ ኣብ ሸሓነ ርስሓት ክገድፍ ዝኽእል ነገር፡ ኣስናንና'ውን ከርስሕ ተኽእሎ ኣሎ
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ደቂ ሰባት፡ ካብ ዝዀነ ንላዕሊ፡ ድምቀት ኣስናንና ኣዝዩ ዘገድሰና ይመስል።

ብፍላይ ኣብ ፍሽኽታና ክመጽእ ከሎ፡ ካብ ዝዀነ ነገር ንላዕሊ ድምቀት ወይ ጽዕዳወ ኣስናንና ክንቅይር እንምነ ውሑዳት ኣይኰነናን።

ፍሽኽ ብዝበለና ቁጽሪ ብብልዚ ኣስናንና ንክንሓፍር እንግደድ እውን ቁሩብ ኣይኰንናን።

ፍርያት መጸዕደዊ ኣስናን፡ እንኮ መፍትሒ ድዩ?

እንበልዖም መግብታት ኣስናንና ንከይብልዝ ክሕግዝ ይኽእሉ'ዶ?

እስኪ ሳይንስ ኣብዚ ጉዳይ ዝብሎ ንዳህስስ።

ጠንቂ ብልዚ ኣስናን እንታይ እዩ?

ክልተ ዓይነት ብልዚ ኣስናን ከምዘሎ ሓኪም ስኒ ቶቢ ሃንኮክ ይገልጽ - ውሽጣዊን ግዳማዊ ብልዚ።

ውሽጣዊ ብልዚ ማለት እቲ ምብልሻው ሕብሪ ካብ ውሽጢ ስኒ ምስ ዝመጽእ እዩ። ጠንቂ ናይዚ ንሕብሪ ኢናሜል ወይ ላዕለዋይ ሽፋን ስኒ ክጸልው ዝኽእሉ ጀነቲካዊ ወይ መፈጠራዊ ኵነታት እዮም።

ኣሜሎጀነሲስ ኢምፐርፌክታ (Amelogenesis Imperfecta) ከም ኣብነት ንውሰድ። እዚ፡ ተለዋዋጢ ጉጅለ ኵነታት ውርሻ ኢናሜል ስኒ ኰይኑ፡ ካልኦት ናይ ጥዕና ጸገማት ኣብ ዘይብሉ፡ ጽሬትን ብዝሕን ኢናሜል ዘይንቡር ክኸውን ይገብር።

ግዳማዊ ብልዚ ድማ ካብ ስኒ ወጻኢ ብዝዀነ ኵነታት ይመጽእ እዩ። ንኣብነት ሽጋራ ምትካኽ፡ ጽሬት ኣስናንና ዘይምሕላው ወይ ድማ ገለ መግብታትን መስተታትን ጠንቂ ናይዚ ብልዚ ክዀኑ ይኽእሉ።

ካሮት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣስናን ክብልዙ ዝገብሩ መግብን መስተን

ታኒን ዝተበሃለ ኣብ ተኽልታት ዝርከብ ተፈጥሮኣዊ ውህደት ዝሓዙ መስተታት ቀንዲ ጠንቅታት እዮም ይብል ሓኪም ስኒ ሃንኮክ።

"ቀይሕ ወይኒ፣ ቡንን ሻሂን - እዚኦም ልሙዳት ጠንቂ ብልዚ ኣስናን እዮም። ብፍላይ እስፕሪስ ብቕልጡፍ እዩ ኣብ ኣስናን ዝልጠፍ።"

እንተዀነ ብልዚ ኣስናን ዘስዕቡ ካልኦት ሕብራዊ መግብን መስተታትን እውን ኣለዉ።

ኮላ፣ ጸሊም ቤሪ ወይ ፍረ፣ ባልሳሚክ ቪነጋርን ባርባቤቶላን እውን ብልዚ ከበግሱ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ ኮሚደረ ዝተመርኮሰን ሶያ ሶስን ዝርከብ ሓያል ባህርያዊ ሕብሪ እውን ኣብ ኣስናንና ምልክት ክገድፍ ከምዝኽእል ክኢላታት የጠንቅቑ።

ቀመማትናን ንምውሳድ ዝእዘዙ መግብታትን እውን ካልኦት ጠንቂ ብልዚ እዮም።

"ሶስ ካሪ ቀንዲ ጠንቂ ብልዚ እዩ" ይብል ሃንኮክ፤ እዚ ዝኸውን ድማ ናይ ዕርዲ [ህሩድ] ትሕዝቶ ስለዘለዎ እዩ።

ብርያኒ (ህቡብን መዓዛዊ ጣዕሚ ዘለዎን መግቢ ሩዝ) ክንምገብ እንከለና፡ እቲ ሸሓነ ከመይ ሕብሩ ናብ ብጫ ከምዝቕይር ነስተብህል ኢና። እዚ ድማ እቲ መግቢ ኣብ ኣስናንና እውን እንታይ ክፈጥር ከምዝኽእል የመልክት።

"ካይላ ወይ ፖርሰሊንን ላዕለዋይ ሽፋን ስኒን ብመንጽር ማይክሮስትራክቸሮም (ርስሓት ዝስሕብ) ክረኣዩ እንከለዉ፡ ኣዝዩ ዘመሳስል ባህሪ ኣለዎም" ይብል እቲ ሓኪም።

"ዝዀነ ኣብ ሸሓነ ርስሓት ክገድፍ ዝኽእል ነገር፡ ኣስናንና'ውን ከርስሕ ተኽእሎ ኣሎ።"

ካብ ከምዚኦም ዝበሉ መግብታትን መስተታትን ምርሓቕ ኣስናንና ጻዕዳ ኰይኑም ክቕጽሉ ክሕግዘና ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ግን ክውንነታዊ መፍትሒ ክኸውን ኣይክእልን።

ምቕያር ሕብሪ ኣስናን ዝከላኸሉ መግብታት

ድሕሪ መግቢ ብቅጽበት ኣስናንና ምጽራይ እቲ ዝበለጸ ርስሓት ዝከላኸል መንገዲ እዩ። እዚ ግን ኵሉ ግዜ ዝከኣል ኣማራጺ ዘይክኸውን ይኽእል።

ኣብ ቀረባ መፅረዪ ስኒ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን ብልዚ ኣስናን ንምክልኻል ዝሕግዙ ኣማራጺታት ኣለዉ።

"ዝዀነ ተሪር መግቢ ብውጽኢታዊ መንገዲ ጽሬት ንምሕላው ይሕግዝ እዩ። ንኣብነት ዘይበሰለ ካሮትን ሰደኖ ምሕያኽ፡ ኣስናንና ንምጽራይ ይሕግዝ። ካብ ኣስናን ድማ ጽላት ርስሓት የልግስ።"

ኣብ ፍረታት ግን ጥንቃቐ የድሊ፤ ምኽንያቱ ፍረታት ነቲ ግዳማዊ መከላኸሊ ነጸላ ስኒ ክጎድእ ዝኽእል ኣሲድ ዝሓዙ እዮም። እዚ ማለት ብቐሊሉ ብልዚ ክፍጠር ዝገብር እዩ።

ዘይበሰለ ካሮትን ሰደኖን

ምንጪ ስእሊ, BBC Food

መግለጺ ስእሊ, ዘይበሰለ ካሮትን ሰደኖን ምሕያኽ፡ ኣስናንና ንምጽራይ ይሕግዝ

ብሓኪም ስኒ ዝተፈቐዱ ኣማራጺታት

ኣስናንና ጻዕዳ ንክዀኑ እቲ ብሉጽ መንገዲ፡ ካብ መጀመርታኡ ጽሬቱ ምሕላው ምዃኑ ሓኪም ስኒ ሃንኮክ ይዛረብ።

ኣብ መዓልቲ እንተወሓደ ክልተ ግዜ ኣስናንና ከነጽርይ ይግበኣና፤ ብተወሳኺ መግቢ ድሕሪ ምብላዕና እውን እንተጽረና ዝበለጸ ይኸውን።

"ላዕለዋይ ሽፋን ኣስናንና ጽቡቕን ጽሩይን እንተዀይኑ፡ ርስሓት ብቐሊሉ ኣይጣበቕን" ክብል ይገልጽ።

ስለዚ ካብ ኣብ ክንዲ ፈውሲ፡ ገና ካብ መጀመርትኡ ምክልኻል ዝሓሸ ይኸውን።

ብፍላይ ስኒ ምጽራይ ሕክምናታት ክሳብ ክንደይ ንድሕሪት ከም ዝመልሰካ ኣብ ግምት ምስ እተእቱ።

ካልኦት ብዘገርም መልክዑ ቀለልቲ መገድታት እውን ኣለዉ፡ ብፍላይ ነቶም ብታኒን ዝተዋሃደ መስተ ዝፈትዉ።

"ድሕሪ ቡን ምስታይና፡ ናብ ጽሬት ነቕንዕ፤ ነቲ ቡን ዝሰተናሉ ኩባያ ሓጺብና ማይ መሊእና ኣፍና ንጉመጽመጽ" ይብል ሃንኰክ።

ኣብ ኣነባብራና እንገብሮ ምትዕርራይ እውን ሓጋዚ ክኸውን ከምዝኽእል ክኢላታት ይገልጹ። ንኣብነት ኣብ እንሰትዮ ሻሂን ቡንን ገለ ጸባ ምሕዋስ ብልዚ ክንክይ ይሕግዝ እዩ።

ብተወሳኺ ፀሊም ሕብሪ ዘለዎም ዝሑል መስተታት፡ መስተዪ ሸምበቆ (ስትሮው) ተጠቒምና ክንሰትይ እንከለና፡ እቲ ፈሳሲ ንኣስናንካ ከይተንከፈ ስለዝሓልፍ፡ ብልዚ ንክፍጠር ዘሎ ተኽእሎ ዝተሓተ ይኸውን።

ስለዚ፡ ብጸዓዱ ኣስናን ዝተሰነየ ፍሽኽታ እንተደሊና፡ ቅድሚ ኣብ ሕክምናታት ምጉያይና፡ ባዕልና ክንፍትኖም እንኽእል ብዙሓት ኣማራጺታት ኣለዉ።