ኤርትራ፡ ኣብ መኣዲ ኢትዮጵያ ከምዘይትዕደም ገሊጻ

ካኪ ዝተኸድነ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቃለመሕትት፡ ቀይሕ ክራቫታ ዝኣሰረ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፓርላማ

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea/Office of the prime minister - ethiopia

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኤርትራ፡ ነቲ ብምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ክትስሕብን ንልዝብ ድልውቲ ክትከውንን ዘቐረበ ጻውዒት፡ "ብቃናኡን ትሕዝቶኡን ዘስደምም" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ሕጂ'ውን ኣብቲ መኣዲ ከምዘይትዕደም ገሊጻ።

እቲ ሰኑይ 9 ለካቲት ብመንገዲ ምኒስትሪ ዜና ዝወጸ ምላሽ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበ ጥሕሰት ልኡላዊ ግዝኣት ኢትዮጵያን ምድጋፍ ዕጡቓት ሓይልታትን ዝኸስስ መግለጺ፡ "ናይ ሓሶት ጠቐነ፡" ኢሉ ብምግላጽ "ንጥጁእ ዕላማ ዝተፈብረኸ፣ ብቃናኡን ትሕዝቶኡን ዘስደምም፡" ኢሉዎ።

እቲ ብመንገዲ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጊዴዮን ጢሞትዮስ [ዶ/ር] ንመዘናኡ ምኒስተር ዑስማን ሳልሕ ብቀዳም 07 ለካቲት ዝተጻሕፈ ምዃኑ ዝተመልከተ ደብዳበ፡ ኤርትራ ልኡላዊ ዶብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ሰሜናዊ ምብራቕ ጥሒሳ ተቘጻጺራ ከምዘላ ይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ልኡላውነቱን ዶባቱን ካብ ምግሃስ ክቝጠብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ጸዊዓ ከምዝነበረት ጠቒሱ፡ እቲ ጻዕርታታ ግን ከምዘይተዓወተት ኣመልኪቱ ነይሩ።

ጥሕሰት ናይዚ ከባቢታት ካብ መዓስ ዝተፈጸመ ምዃኑ ግን ብንጹር ኣብቲ ደብዳበ ኣይተመልከተን።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኑ ከም ዝተዋግአ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ደሓር ግን ካብ መሬት ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ከምዝወጽአን፡ ኣብቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝቘመ ኮምሽን ዶብ ዝሃቦ ውሳነ ከምዘሎን እዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ'ውን ቅድሚ ሕጂ ንምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ኣብቲ ዝተበየነሎም ቦታ እዮም ዘለዉ፣ ካብኡ ወጻኢ እንተለዉ ግን ኮሚቴ ኣቝምና ከነጻርዮ ኢና ኢሉ ነይሩ።

ነዚ መሰረት ብምግባር ግን ብዛዕባ'ቲ ዝተባህለ ኮሚተ ይዅን ህላወ እቲ ሰራዊት ብዕሊ ዝተሓደሰ ሓበሬታ ኣይነበረን።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ደብዳበ ግን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬቱ ክወጽእ ብተደጋጋሚ ከምዝሓተተ እዩ ዝሕብር።

ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል

እዚ ሕቶ'ዚ ተቐባልነት እንተረኺቡ፡ "ንዅሉ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ጉዳያት፡ እንተላይ ኣገልግሎት ባሕርን ምብጻሕ ወደብ ዓሰብን ንምፍታሕ ኣብ ሰናይ ድሌት ዝተመርኮሰ ዝርርብ ንምክያድ" ድሉው ምዃኑ ገሊጹ'ሎ።

"ኤርትራ ሰራዊታ ብቕልጡፍ ክትስሕብን ንሰላማዊ ዝርርብ ድልውቲ ክትከውንን እውን ብግልጺ ንጽውዕ" ክብል'ውን ኣስፊሩ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ብተደጋጋሚ ዝተፈላለዩ ሕጋውን ታሪኻውን ምጕታት እናልዓለ፡ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ብሓይሊ'ውን ክፍታሕ እዩ ብምባል ተዅታዂ ትረኻታት ከስምዕ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ደብዳበ፡ ኤርትራ ንዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት ኢትዮጵያ "ቀጥታዊ ንዋታዊ ደገፍን ሓገዝን" ትገብር ኣላ ብምባል እውን ከሲሱ'ሎ።

እቶም ዕጡቓት ጕጅለታት ብኣስማቶም'ኳ እንተዘይተጠቕሱ፡ ቅድሚ ሕጂ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኤርትራ ንዕጡቓት ሓይልታት ህወሓትን ፋኖን ትድግፍ ኣላ ኢሉ ክኸስስ ተሰሚዑ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብዚ እዋናዊ መግለጺኡ፡ "ኤርትራ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ሕሱር ሃሶታት መኣዲ፡ ነዳዲ ንምኽዓውን ንፋስ ንምንብድባድን ከምዘይትዕደም ደጊማ ተረጋግጽ፡" ክብል ምላሽ ሂቡ'ሎ።

ምኒስተር ጊዴዮን ጢሞትዮስ

ምንጪ ስእሊ, MOFA

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝጸሓፎ ደብዳበ "ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝተዓዘብናዮ ምዕባለታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዝያዳ ኣዕናዊ መንገዲ ከም ዝመረጸ ዘመልክት'ዩ" ኢሉ።

እዚ ወተሃደራት ኤርትራ ብሰሜናዊ ምብራቕ ዶብ ኢትዮጵያ ናብ መሬት ኢትዮጵያ ብምእታው፡ ምስ ዕጡቓት ጕጀለታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዶብ እታ ሃገር ዘካይድዎ ዘለዉ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡ ምጥሓስ ሕጊ ጥራይ ዘይኮነስ ፍጹም ወራር'ውን" ክብል ኰኒኑ።

ኣተሓሒዙ ድማ "መንግስቲ ኤርትራ እዚ ዘይቅቡል ኵነታት ንከኽትም፡ ሰራዊቱ ብቕልጡፍ ካብ መሬት ኢትዮጵያ ከውጽእን ምስዞም ጕጅለታት ዝገብሮ ምትሕብባር ከቋርጽን ንጽውዕ።"

ክልቲአን ሃገራት ንፍርቂ ዘመን ኣብ ኵነታት ግጭትን ወጥሪን ከም ዝጸንሓ ዝገልጽ እቲ ደብዳበ፡ እዚ ዕንክሊል ግጭት "ብዘተን ዲፕሎማስያዊ ጻዕርን ክፍታሕ" ከም ዝከኣል ብምምልካት፡ ኤርትራ እወታዊ ምላሽ እንተሂባ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍልልያቱ ብሰላማዊ ልዝብ ክፈትሕ ድሉው ምዃኑ ይገልጽ።

ቅድሚ ሕጂ ክቐርበሉ ንዝጸንሐ ተመሳሰልቲ ክሲታት ኣመልኪቱ እውን መንግስቲ ኤርትራ፡ "ምጽሕታር ኲናት እዩ" ብምባል፡ ኢትዮጵያ ክትውልዖ ንዝደለየት ኲናት መመኽነይታ እተቕርቦ ዘላ ክሲታት እዩ ብምባል ክነጽጐ ጸኒሑ እዩ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ "ኲናት ንምክያድ ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ ምንባሩ ኣይርሳዕን።