ምስ 23 ኣንስቲ ሓዳር ዝገበሩ ወዲ 78 ዓመት ኢትዮጵያዊ

ኣይተ ኢሳቅ ኣዳኖ ሳርቤ
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ናይ መወዳእታ ሕሳስ ጓሎም ሳልሳይ ወርሓ ሒዛ ኣላ። ካብ ደቆም እቲ ዝዓበየ ድማ 53 ዓመት መሊእዎ።

ኣይተ ኢሳቅ ኣዳኖ ወዲ 78 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ሞያሌ ማላቢ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዮም ዝነብሩ።

ምስ ናይ መጀመርታ በዓልቲ እንድኦም ወዲ 23 ዓመት እንከለዉ እዮም ሓዳር ገይሮም። ኣብ ዝሓለፉ 55 ዓመታት 23 ኣንስቲ ኣእትዮም፡ 70 ቆልዑ ወሊዶም (ኣፍርዮም)።

መበል 23 ሰበይቶም ካብ ዘእትዉ (ሓዳር ካብ ዝገብሩ)፡ ሓደ ዓመት ከም ዘይመልኦም እዮም ኣይተ ኢሳቅ ዝዛረቡ።

"ብዙሓት ኣንስቲ ተመርዕየ"

ኣይተ ኢሳቅ ኣዳኖ ፍሉጥ ኣርባሒ እንስሳት እዮም። ኣብ ሓደ እዋን 800 ጥሪት የርብሑ ነይሮም።

ብሃፍቶም ምኽንያት ምስ ብዙሓት ኣንስቲ ሓዳር ከም ዝገበሩ ይዛረቡ።

"ብፍቓደይ እየ ኣእቲወ። ብዙሓት ከፍቲን ንብረትን ነይሩኒ። ዘመሓድሮ ሃፍትን ንብረትን ብዙሕ እዩ" ይብሉ።

"ካብኡ ኣንስቲ ምእታወይ ቀፂለ። እዛ ሓዳሽ ሰበይተይ ካብ ትወልድ ሳልሳይ ወርሓ እዩ" ብምባል፡ እቶም በዓል ፀጋ ዕድመ ይገልፁ።

"እንስሳት ብምርባሕ'የ ዝመሓደር። ጊመል፣ ከፍቲን ኣጣልን አርብሕ። እተን ከፍቲ ንምግብነትን ወፃእታት ንምሽፋንን አውዕለን። ፀባ ጊመል'ውን እሓልብ" ብምባል ብዛዕባ ህይወቶም ይዛረቡ።

ኣይተ ኢሳቕ ዋላ'ኳ 23 ኣንስቲ እንተእተዉ፡ ምስ ኩለን ብሓደ ግዘ ኣይነበሩን።

እተን ዘእተውወን ወይ ሓዳር ዝገበሩለን ኣንስቲ ካብ ከተማታት ኡዳት፣ ኣሬሮ፣ ሞያሌን ካልኦትን እየን።

"ምስ ሓንቲኣ ሰበይተይ ተፈላልየ ካልእቲ የእትው"

ኣይተ ኢሳቅ፡ ሓዳር ምስ ዝገበሩላ ሓንቲ ሰበይቲ ድሕሪ ምፍልላዮም'ዮም ሓዳሽ ሰበይቲ ዘእትዉ።

"ፅብቕቲ (ምልክዕቲ) ሰበይቲ እንተድኣ ርእየ ምስታ ቅድሚኣ ሓዳር ዝገበርኹላ ሰበይቲ ተፈላልየ ነታ ሓዳሽ የእትዋ" ይብሉ።

ካብተን ዘእተውወን ወይ ሓዳር ዝገበሩለን ሰበይቲ እታ ቀዳመይቲ ብሞት ተፈልያቶም እያ። ሕዚ ምስ ሰለስተ ኣንስቶም'ዮም ዝነብሩ።

"ሕዚ ሰለስተ ኣንስቲ ሓቢረናኒ ኣለዋ። ምስተን 19 ተፈላሊና ኢና።" ብምባል ይገልፁ።

ምስ ገሊአን ኣንስቶም ተባኢሶም እዮም ተፈላልዮም። ገሊአን ድማ ብፍቓደን ከም ዝተፋትሓ ይዛረቡ።

ካብ 70 ደቆም እቶም 36 ኣወዳት እተን 34 ድማ ኣዋልድ እየን።

ደቆም ደቂ ደቆምን ተደሚሮም 279 ከም ዝበፅሑ ኣይተ ኢሳቅ ይዛረቡ።

ሕዚ መበል 24 ሰበይቲ ናይ ምእታው መደብ ከም ዘይብሎም እቶም በዓል ፀጋ ዕድመ ይገልፁ።

ከም ቅድሚ ሕዚ ብዙሓት ከፍቲ ከም ዘይብሎም ድማ ይዛረቡ።

ካብ ደቆም እቲ ዝዓበየ ኢብራሂም ይበሃል። ናይ መወዳእታ ሕሳስ ጓሎም ድማ ወርቂ ትበሃል።

"ሰባት ብኸመይ ኢኻ ንደቅኻ ተዕብይ? ኢሎም ይሓቱኒ። ዓሌታት ቦረናን ገርባን፡ ሽም ዘለዎ ስሙይ ሰብ ኢሎም ይፅውዑኒ" ይብሉ።

ብመሰረት ሕጊ ኢትዮጵያ ልዕሊ ሓደ ሰብኣይ/ሰበይቲ ምእታው ዘይሕጋዊ እዩ።

ምስ ሓደ ናይ ሓዳር መፃምድኻ እንከይተፈላለኻ ምስ ኻልእ ሓዳር ምግባር ክሳብ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ የቕፅዕ።