ኢራን ብስለያ ንዝኸሰሰቶ ምክትል ሚኒስተር ምክልኻላ ነበር ብቕትለት ቀጺዓ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ናይ ብሪጣንያን ኢራንን ድርብ ዜግነት ዝነበሮ ዓሊረዛ ኣክባሪ፡ ብቕትለት ከም ዝተቐጽዐ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ኢራን ሓቢረን።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ፡ ስድራቤት ኣኽባሪ "ንመወዳእታ ግዜ" ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከይዶም ክሓቱዎም ከም ዝተነግሮምን፡ ኣኽባሪ ድማ ንብሕቱ ተኣሲሩ ከም ዝነበረን በዓልቲ ቤቱ ገሊጻ ነይራ።
ምክትል ሚኒስተር ምክልኻል ኢራን ነበር ኣሊረዛ ኣክባሪ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ይፍለጥ።
ንሱ’ኳ እንተዘይኣመነሉ፡ ንዓባይ ብሪጣንያ ሰሊዩ ተባሂሉ እዩ ንሞት ተፈሪድዎ።
ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዓሊረዛ ኣክባሪ ዝበየነቶ ናይ ሞት ፍርዲ ገዲፋ ብቕልጡፍ ክትፈትሖ ክትሓትት ጸኒሓ'ያ።
ብዓርቢ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ጀምስ ክለቨርሊ፡ "ኢራን ነቲ ኣረሜናዊ ቅትለታዊ ምፍርራሕ ክትቅጽሎ የብላን" ክብል ኣጠንቂቑ።
ክለቨርሊ ዝሓለፈ ረቡዕ'ውን ኣብ ትዊተር "እዚ ንፖለቲካዊ መኽሰብ ዝግበር ጨካን መቕጻዕቲ'ዩ። ኢራን ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣይትግደስን እያ" ኢሉ ነይሩ።
ኣብዚ ሰሙን ኢራን፡ ዓሊረዛ ኣክባሪ ብግዴታ ዝመስል ገበናቱ ክናዘዝ ዘርኢ ቪድዮ ኣውጺኣ።
ኣገልግሎት ቋንቋ ፋርስ ቢቢሲ ግን ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸ ቅዳሕ ድምጺ ዓሊረዛ ኣክባሪ ንህዝቢ ኣቃሊሑ።
ኣብዚ መልእኽቲ፡ ንሱ ድሕሪ ከቢድ ማህረምቲ ንዓባይ ብሪጣንያ ይስሊ ከም ዝነበረ ክኣምን ከም ዝተገደደ ገሊጹ።
ኣመሪካ ብወገና፡ ብመንገዲ ዲፕሎማሰኛኣ ቬዳንት ፓቴል ኣቢላ፡ ኢራን ቅትለት ኣክባሪ ከይትፍጽም ሓቲታ ነይራ።
ፓቴል ብዓርቢ "ኣብ ልዕሊ ዓሊረዛ ኣክባሪ ዝቐረበ ክስን ናይ ሞት ፍርድን ፖለቲካዊ እዩ" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቶም ንስድራቤት ኣኽባሪ ደገፍ ይገብርን ምስ ሰበስልጣን ኢራን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብተደጋጋሚ ይዘራረብ ከም ዘሎን ገሊጹ።
ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ እሱር ህጹጽ ናይ ምኽሪ ደገፍ ክግበረሉ እኳ እንተሓተተት፡ ኢራን ዜጋታታ ድርብ ዜግነት ክሕዙ ስለዘይትፈቅድ ግን እቲ ሕቶ ተነጺጉ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ኢራን ኣብ ካልእ ሃገር ድርብ ዜግነታን ቀዋሚ መንበሪን ዘለዎም ዜጋታታ ብክስታት ስለላን ሃገራዊ ድሕነትን ኣብ ቀይዲ ኣእትያቶም ኣላ።
ትውልደ ኢራናዊ ዝዀኑ ብሪጣናውያን፡ ናዛኒን ዛጋሪ-ራትክሊፍን ኣኑሸ ኣሹሪን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም፡ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝነበራ ዕዳ ምስ ከፈለት፡ ካብ ኢራን ክወጹ ከም ዝተፈቕደሎም ዝዝከር እዩ።
ብውሑዱ ክልተ ወለዶ መበቆል ኢራን ዘለዎም ዜጋታት እንግሊዝ ክሳብ ሕጂ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ። ሓደ ካብኣቶም ሞራድ ታህባዚ ዝተባህለ ናይ ኣሜሪካ ዜግነት ከም ዘለዎ ይንገር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







