'ዝዓመፀኒ ፖሊስ፡ ክልተ ግዜ ክእሰር ርእየዮ'

ምንጪ ስእሊ, MET HANDOUT
ሎረን ቴይለር ኣብ 2010 ብሓደ ኣባል ፖሊስ ክትዕመጽ ከላ ጓል 16 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ።
እቲ ፖሊስ ኣዳም ፕሮቫን ይበሃል፤ ብዕድመ ዳርጋ ብዕጽፊ ይበልጻ እኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ወዲ 22 ዓመት ምዃኑ ብምንጋር፡ ናብ ሲነማ ክወስዳ ቃል ኣትዩላ።
ቅድሚኡ ግን ኣብ ምብራቕ ለንደን፡ ኣብ ሮምፎርድ ኣብ ዝርከብ መናፈሻ ብእግሮም ክጓዓዝ ከም ዝደሊ ነጊርዋ። ናብ ሓደ ዱር ወሲዱ ድማ ዓሚጽዋ።
ድሕሪ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት፡ ፕሮቫን ተፈሪድዎ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።
እቲ ወዲ 44 ዓመት መኮነን ፖሊስ ነበር፡ ን16 ዓመት እዩ ተፈሪዱ፤ ኣብ ልዕሊ ሎረን ብኽልተ ገበናት ዓመጽ።
ኣብ መንጎ 2003ን 2005ን ንሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ፖሊስ ብምዕማጽ ብሽዱሽተ ገበናት ዝተኣሰረ ክኸውን ከሎ፡ ናይ 16 ዓመት ማእሰርቲ፡ ብድሕሪኡ ድማ ተወሳኺ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ 'ናይ ትሕቲ ቁፅፅር' ከሕልፍ እዩ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ፍትሒ ክሳዕ ዝረኽባ ግን ሓያሎ ዓመታትን ሰለስተ መስርሕ ፍርዲን ወሲዱለን'ዩ።
"በቃ ብፍርሒ ደስኪለ ነይረ ይመስለኒ" ትብል ሎረን።
"ከምኡ'የ ንኹሉ ስንባደ ሓሊፈ ብሰላም ናብ ገዛይ ክበጽሕ ዝኸኣልኩ - ኣብኡ ከምዘየለኹ ከምስል ጥራይ፡ ኣነ ከምዘይኰንኩ ንኽስማዓኒ ጥራይ'ዩ ገይሩ። ዘጋጥመኒ ዝነበረ ነገር ኣይኰነን ንምባል።"
ፕሮቫን፡ ምስ ዓመጻ ዝዀነ ነገር ከም ዘይተፈጠረ ጀላተ ከም ዝገዝኣላን ድሒሩ ድማ እንደገና ከም ዝዓመጻን ሎረን ትገልጽ።

ቀዳማይ መስርሕ ፍርዲ ፕሮቫን ዕውት ኣይነበረን። ኣብቲ 2018 ዝተኻየደ ካልኣይ መስርሕ ብኽልተ ገበናት ዓመጽ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ ን9 ዓመት ተፈሪዱ።
ኣብ 2019 ካብ ፖሊስነቱ ተባሪሩ'ኳ እንተነበረ፡ ድሒሩ ግን ብይግባይ ተመሊሱ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ተረኺባ ነቲ መስርሕ ዝተኸታተል ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ነይራ።
ከም ፕሮቫን መኮነን ፖሊስ ኰይና ንሳ’ውን ብፕሮቫን ተዓሚጻ እያ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ መስርሕ ቤት ፍርዲ፡ እታ ፖሊስ፡ ፕሮቫን ካብ ሎረን ዓመታት ኣቐዲሙ ከም ዝዓመጻን ከም ዝበደላን ንሓላፍታ ከም ዝነገረትን፡ ግን ንሞያኣ ክትብል ብዛዕባ እዚ ስቕ ክትብል ከም ዝተነግራ መስኪራ።
እታ ፖሊስ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ግዳይ እየ፡ ግን ከም ዘይእመንዝዀን ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ብምባል ኣብ ስርሓ ከም ዝተደንደነት ግዳይ ከም ዝዀነት ኰይኑ ክስምዓ ከም ዝተገብረትን ሓቢራ።
ዳኛ ሉቃስ፡ ፖሊስ ዘርኣዮ ኣተሓሕዛ 'ፅልሙት' ከምኡ’ውን "ዘሰንብድ" ምዃኑ ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, MET POLICE
'እቲ ሓቂ’ዩ ብህይወት ኣጽኒሑኒ’
ሎረን ግን ካብ መኮንናት ፖሊስ ዝረኸበቶ ኣተሓሕዛ ኣዝዩ ዝተፈልየ ምዃኑን ንዝገበርዎ ደገፍ ከም እተመስግንን ትገልጽ።
ሕጂ ጓል 29 ዓመት ዝዀነት ሎረን፡ ካብ ጾታዊ ዓመጽ ዝደሓነት ኰይና ስማ ከይተገልጸ ክትነብር ሕጋዊ መሰል ኣለዋ፤ እንተዀነ ግን ካልኦት ንቕድሚት ክወጹ ንምትብባዕ ክትብል ታሪኻ ተካፍል ኣላ።
ነቲ ገበን ናብ ፖሊስ ንምሕባር ነዊሕ ግዜ ወሲዱላ’ዩ።
"ፖሊስ ምዃኑ ምፍላጠይ ዘሕምም እዩ ነይሩ" ትብል። "ናብ ፖሊስ ንምኻድ ብዙሕ ትብዓትን ሓይልን ክረክብ ነይሩኒ።"
"ግን ይመስለኒ፡ ምስ ግዜ፡ ካብቲ ገለ ስድራቤታት ዝገበሩላይ ንላዕሊ ደጊፎሙኒ" ክትብል ዘይከምታ ፖሊስ፡ ንሳ ሓገዝ ከም ዝረኸበት እያ ትገልጽ።

ኣብቲ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝተነበበ መግለጺ ጽልዋ እቲ ዓመጽ፡ ብሰንኪ እቲ ዓመጽን ጽልዋኡን እትምስርቶም ርክባት ከም ዘይጸንዑን ክሳዕ ሕጂ ድማ "ተመላሲ ስንባደ መጥቃዕትን" ከም ዘጋጥማ ሓቢራ።
ዋላ'ኳ ፕሮቫን፡ ተመለሱ ናብ ቤት ማእሰርቲ ብምእታዉ እንተመስገነት፡ ካልእ መስርሕ ፍርዲ ክትሓልፍ ብምግዳዳ ግን ትጒሂ።
"ሓቂ ንምዝራብ፡ ብርትዕቲ ዝዀንኩ ኰይኑ ኣይስምዓንን። ግን ዝዀነ ነገር ክገብር ዝኽእል እንኮ ሰብ ኣነ ጥራይ ይመስለኒ" ትብል።
"እቲ ሓቂ እፈልጦ እየ፡ ንሱ ጥራይ'ዩ ድማ ክኽቕጽል ዝገብረኒ።"
'ንሕስያ ዘይብሉ መሰል'
ዳኛ ሉቃስ ንፕሮቫን ኣብ ዝፈረደሉ እዋን፡ እቲ ተኸሳሲ "ንሕስያ ዘይብሉ መሰል ጾታዊ ርክብ" ከም ዝመስል ገሊጹ።
ወሲኹ’ውን እቲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ እታ ዝተዓመጸት ፖሊስ ኣብ 2005 ኣንጻር ባህሪ ፕሮቫን ዘቕረበቶ ናይ መጀመርታ ጥርዓናት ዝሓዘሉ ኣገባብ ንምርዳእ ከም ዘጸግም ኣመልኪቱ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ንጥርዓና "ብዕቱብ ካብ ምውሳድ ንሓደ ኣባሎም ኣብ ምሕብሓብ ዝያዳ ተገዲሶም" ኢሉ።
ጥርዓና ብዕቱብ ወሲዶም መርመራ እንተዘካይዱ ነይሮም፡ ምናልባት ፕሮቫን ንሎረን ኣይምዓመጸን ብምባል እቶም ኣባላት ፖሊስ ዕሽሽ ምባሎም ዋጋ ከም ዘኽፈለ ኣብሪሁ።
ዳያኑ ኣብ እዋን መስርሕ ፍርዲ፡ ሃዳናይ ባህሪ ፕሮቫን ካብ 1990ታት ከም ዝጅምር ሰሚዖም።
ኣብ 2003 ድማ ዝርዝር ሓበሬታ ምስ ዝሃበት ሓንቲ ጓል 16 ዓመት ምስክር ርክብ ከም ዝፈጸመ’ውን ተሓቢሮም።
ካልእ ጓል ኣንስተይቲ ፖሊስ መኮነን እውን ኣብ 2005 ፕሮቫን "መርከኽ" መልእኽቲ ከም ዝሰደደላን፡ እቲ ጉዳይ ግን "ብዘይወግዓዊ መንገዲ" ከም ዝተፈትሐን ንቤት ፍርዲ ተነጊሩ።
ዳኛ ሉቃስ ነቲ ተኸሳሲ "ክብደት በደልካ በዚ ጽንኩር ቃላት ክቐርብ ከሎ ንጹር'ዩ" ኢልዎ።
"ብተግባራትካ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ፖሊስ ውርደት ኣምጺእካ ኣለኻ።"
ተሓጋጋዚት ኮሚሽነር እቲ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሉዊዛ ሮልፍ፡ ንተግባራት ፕሮቫን "ፍጹም ዘሕዝን" ክትብል ገሊጻቶ።
"ናብ ፍርዲ ንኽነቕርቦ ወይ ናብ ፖሊስ ንኸይጽንበር ንምክልኻል ቀልጢፍና ስጉምቲ ክንወስድ ንኽእል ነይርና፡ ፕሮቫን ኣብ ቤት ጽሕፈትና ዘለዎ ታሪኽ ገበንን ባህሪን ንምርምር ኣለና" ኢላ።
"ደቂ ኣንስትዮ ክንድግፈን ዝከኣለና ኩሉ ዘይገበርናሉን ቁልፊ ህሞታት ከም ዝነበረ ሕዚ ፈሊጥና ኣለና" ብምባል፡ ኣድላዪ ገምጋም የካይዱ ከም ዘለዉ ሓቢራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







