ጆኣን ዴንሂ፦ 'ንኽትፍሳህ' ኢላ ደቂ ተባዕትዮ እትቐትል መንእሰይ!

ጆኣን ዴነሂ

ምንጪ ስእሊ, CAMBS POLICE

ብዝፈጸመቶ ገበን ንክልተ መዓልቲ ካብ ፖሊስ ክትሃድም ዝጸንሐት ጆኣን ዴንሂ፡ ኣብ ከባቢ ዘ ኦቫል ሄረፎርድ ክትተሓዝ እንከላ ኣብ ሓንቲ ቐጠልያ ቫውክሶል ኣስትራ ዝዓይነታ መኪና ተረጋጊኣ ስቕ ኢላ ነይራ።

ጆኣን ኣብ ቀይዲ ብምእታዋ እቲ ሓሓሊፋ ክትገብሮ ዝጸንሐት ቅትለት መዓልቦ ረኺቡ። ይኹን እምበር ድሮ በቲ ትሽዓተ ሴንቲ ሜትር ዝቑመቱ ካራኣ ሰለስተ ሰባት ብተደጋጋሚ መውጋእቲ ክሞቱ እንከለው ክልተ ከኣ ብኸቢድ ቆሲሎም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ረኺቦም።

ዕጡቓት መኮንናት ፖሊስ ምዕራብ መርሽያ፡ ንጆኣን ኣብ ዝደልዩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ጋሪ ስትሬች ዝተበሃለ ሓደ ነዊሕ ሰብኣይ “እቲ ኣብ ብሪጣንያ ኣዝዩ ዝድለ ዘሎ ሰብ ኣነ'የ መስለኒ" ክብል ቀይዑሎም። ‘እቲ ዝድለ ዝነበረ ሰብ ግን ንሱ ዘይኮነ ጆኣን ዴነሂ እያ ነይራ።

ሓንቲ ኣደ ክልተ ቖልዑ፡ ካብ ፒተርቦሮ፡ ተግባራት ጆኣን ከም ዘበናዊ ቅዲ ናይቶም ኣብ 1930ታት ኣብ ኣመሪካ ብ13 ገበናት ቅትለትን ስርቅን ዝፍለጡ መጻምድቲ ብምምስሳል ምስ አዕሩኽታ አዕሊላትሉ።

ዴሃኒ ዘርኣየቶ ጃህራ፡ ብዛዕባ ቅኒተ ሕሊናኣ ካብ ዘቕረበቶም ውሑዳት ፍንጪታት ሓደ እዩ።

ፖሊስ ብሪጣንያ፡ እዛ ብዘይካ ናይ መስተን ሓሽሽን ወልፊ እምበር ካልእ ዝኾነ ይኹን ሽግር ዘይነበራ ሰብ ስለምንታይ ሓንቲ ካብተን ዕሉላት ቀተልቲ ክትከውን ከምዝኸኣለት ንኽፈልጥ ተቓሊሱ'ዩ።

እቶም ብስሕለታ ተወጊኦም ካብ ሞት ዝደሓኑን ስድራ ቤት ናይቶም ግዳያትን እውን ንምንታይ ነቶም ቅትለታት ከም ዝፈጸመት ክፈልጡ ድልየት ኣለዎም። እንተኾነ እታ ኣብ ምዕጉርታ ብዝነበረታ ውቃጦ ‘ስታር’ ተባሂላ እትፍለጥ ዴንሂ ግን ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ክትህብ ኣይፈቐደትን።

ፖሊስ ኣብ ገበናዊ መዝገባ ዘስፈሮም "ትሑት ደረጃ ገበናት” ከምዚ ዝኣመሰለ ቅትለታት ክትፍጽም ከምእትኽእል ዘተንብዩ ኣይነበሩን።

  • ብ19 መጋቢት 2014፡ ኣብ ዶግስቶርፕ ኣብ ዝርከብ ብኬቨን ሊ ኣብ ዝውነን ገዛ፡ ሉካስ ስላቦሸቭስኪ ዝተበሃለ ሰብ ቀቲላ። ብ29 መጋቢት፡ ድሕሪ 10 መዓልታት ድማ ንወናኒ እቲ ገዛ ኬቨን ሊ ቀቲላቶ።
  • ብ29 መጋቢት 2014፡ ኣብ ያክስሊ ናይ ኬቨን ሊ መኪና ተቓጺላ ተረኺባ።
  • ብ29 መጋቢት 2014፡ ኣብ ባይፊልድ ጆን ቻፕማን ዝተባህለ ምስኣ ዝነብር ሰብ ቀቲላ።
  • ብ30 መጋቢት 2014፡ ሬሳ ኬቪን ሊ ኣብ ኒውቦሮ ተደርብዩ ተረኺቡ።
  • ብ3 ሚያዝያ 2014፡ ሬሳታት ሉካስ ስላቦሸቭስኪን ጆን ቻፕማንን ኣብ ቶርኒ ዳይክ ተረኺቡ።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ማግዳ ስክሪፕዛክ ዝተባህለት ሓፍቲ እቲ ፈለማ ዝተቐትለ፡ ሉካስ ስላቦሸቭስኪ እተባህለ ሰብ “ካብ ስድራና ተዋዛዪ እዩ ነይሩ" ክትብል ገሊጻቶ።

ፖሊስ ካምብሪጅሻየር ኢንስፔክተር ማርቲን ብራኒንግ ከም ዝጸብጸቦ፡ እቲ ወዲ 31 ዓመት መንእሰይ ሉካስ ምስ ዴነሂ ጾታዊ ርክብ ዝገብር እዩ መሲልዎ ነይሩ፤ ግን ተጋግዩ።

ኣብቲ ሳሎን፡ ኣብ መንጎኦም ክልቲኦም እንታይ ከም ዘጋጠመ ንጹር’ኳ እንተዘይኰነ፡ መወዳእታኡ ግን እቲ መንእሰይ ብተደጋጋሚ ኣብ ኣፍልቡ ብኻራ ተወጊኡ ምስ ሞተ ኣብ ዓቢ እንዳ ጓሓፍ ተደርብዩ ተረኺቡ።

ንሱ፡ ብ19 መጋቢት ከም ዝተቐትለ ይግመት፤ ሬስኡ ግን ንመዓልታት ኣይተረኸበን ነይሩ።

ኬቨን ሊን ጆን ቻፕማንን ድማ ድሕሪ 10 መዓልታት ብዕለት 29 መጋቢት - ዓርቢ ስቕለት - ተቐቲሎም።

ወዲ 49 ዓመት ኬቨን ሊ ኣብ ፒተርቦሮ ገዛውቲ የካሪ ነይሩ፤ ዴነሂ ድማ ኣብቲ ጆን ቻፕማንን ለስሊ ሌይተንን ዝነብሩሉ ኣብ ቢፊልድ ዝርከብ ገዝኡ ካብ ክራይ ነጻ መንበሪ ገዛ ንምርካብ ኣላይት ንብረቱ ኰይና ትሰርሕ ነይራ።

ርክቦም ግን ካብኡ ንላዕሊ ከይዱ - እንተወሓደ ብዓይኒ ኬቪን ይብል ኢንስፔክተር ብራኒንግ።

ኬቪን ኣብታ ዝተቐትለላ መዓልቲ፡ ንዴነሂ ክረክብ ናብ ሮለርስቶን ጋርት ቅድሚ ምኻዱ፡ ኣርባዕተ ሲዲታት ገዚኡ። እተን ክልተ ንበዓልቲ ቤቱ ክሪስቲና እተን ካልኦት ክልተ ድማ ንዴነሂ እየን ነይረን።

ንሱ ዘይፈልጦ ነገር እንተሃልዩ፡ ዴነሂ ብእኡ ከምዝተቖጥዐት እዩ።

ቅድሚ እቲ ቅትለት፡ ስትሬች፡ ንመጻምድቱ ካርላ ዋይት፡ ኬቪን "ንዴነሂ ናይ ዝስርሓትሉ ስለዘይከፈላን የሸግራ ስለዘሎን ትጭነቕ ከም ዝነበረት፡ ነጊርዋ።

"'ክትቐትሎ እያ' ኢሉ" ከምዝበለ ወይዘሮ ዋይት ትዛረብ።

"'ዓሻ ኣይትኹን፡ ከምኡ ዝበለ ነገር ኣይትገብርን’ያ ኢለዮ።"

ዴነሂ ግን ቀቲላቶ። ሓደ ሓረስታይ ንሬሳኡ ኣብ ጥቓ ኒውቦሮ ኣብ ዝርከብ ጐዳጉዲ ክረኽቦ እንከሎ፡ ብጸሊም ቀምሽ ተሸፊኑ መቐመጫኡ ግን ተቐሊዑ ነይሩ።

 ጋሪ ስትሬች ንመጻምድቱ፡ ዴነሂ ንኬቨን ክቐትሎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, CAMBRIDGESHIRE POLICE

መግለጺ ስእሊ, ጋሪ ስትሬች ንመጻምድቱ፡ ዴነሂ ንኬቨን ክቐትሎ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ

እዚ ሓደ ዓይነት "ከቢድ ውርደት" ምዃኑ ንዳያኑ ተነጊርዎም። ኣማኻሪ ፎረንዚክ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓኪም ዶክተር ፍራንክ ፋርንሃም፡ ዴነሂ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዋ ክግምግማ ከሎ፡ ‘ፓራፊልያ ሳዶማሶኪዝም’ ዝበሃል ጸገም ከም ዘለዋ ተረዲኡ።

ሳዶማሶኪዝም፡ ንጾታዊ ርክብ ዝምልከት ዝንባለ ኰይኑ፡ ካብ ቃንዛ ወይ ውርደት ወይ ባርነት ባህታ ምርካብ የጠቓልል።

ኬቨን፡ ብዛዕባ ዝንባለ ጾታዊ ርክብ ዴነሂ ዝፈልጥ ዝነበረ ይመስል። ንሱ፡ ቅድሚ ሞቱ፡ ዴነሂ "ቀምሽ ክትኸድነኒን ክትዕምጸኒን" ደልያ ክብል ንሓደ ዓርኩ ነጊርዎ ነይሩ።

ዴነሂ ንኬቨን ድሕሪ ምቕታላ፡ ነቲ ብስድርኡ "ፈቃር ሓው፡ ሓሙን ኣኮን" ተባሂሉ ዝግለጽ ጆን ቻፕማን፡ ኣብ ኣፍልቡ ሰለስተ ግዜ ወጊኣቶ።

እቲ ዝያዳ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል፡ ጆን፡ ንዴነሂ ሰብነታ ክትሕጸብ እንከላ ስለዝረኣያን ሓጺር ንዘይኮነ ግዜ ስለዝጠመታን ክኸውን ከም ዝክእል እቲ ኢንስፔክተር ይሕብር።

ዴነሂ ንኬቨን ድሕሪ ምቕታላ፡ ናብታ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዝኣ ስትሬች ደዊላ፡ ናይ ብሪትኒ ስፒርስ ደርፊ ደሪፋትላ።

ንጽባሒቱ ንግሆ - ፋሲካ ምድሪ - ስትሬችን ዴነሂን ብመኪና፡ ጆርጂና ፔጅ ናብ ዝተባህለት፡ ናይ ቀደም ዓርኪ ዴነሂ ንምርኣይ ናብ ኖርፎክ ከይደን።

ዴነሂ ኣብ ሰለስቲኡ ቅትለታትን ክልተ ፈተነ ቅትለታትን ዝተጠቐመትሉ ካራ

ምንጪ ስእሊ, CAMBRIDGESHIRE POLICE

መግለጺ ስእሊ, ዴነሂ ኣብ ሰለስቲኡ ቅትለታትን ክልተ ፈተነ ቅትለታትን ዝተጠቐመትሉ ካራ

ኣብ ድሕሪት እታ መኪና እቲ ኣብ ኪንግተን ምስ ዴነሂ ሓደ ገዛ ሰይሩ ዝሰረቐ ማርክ ሎይድ ኮፍ ኢሉ ነይሩ። ንዴነሂ ኣዝዩ ስለ ዝፈርሓ እዩ ተጸንቢሩዎም።

ዴነሂ "ከምቶም ቀተልቲ ኣመሪካውያን ገበነኛታት ቦኒን ክላይድን ትሽዓተ ግዳያት እያ ትደሊ ነይራ"ይብል ማርክ ሎይድ።

ዴነሂ "ተኳሽሞ" ከም ዝነበረት ብምግላጽ "መዛነዪ እየ ዝደሊ" ኢላ ንጋሪ ስትሬች ከም ዝተዛረበቶ ይገልጽ።

እቲ "መዛነዪ" ዝበለቶ ንደቂ ተባዕትዮ ምህዳንን ምውጋእን ዝሕብር ቃለ-ሽፋን እዩ ነይሩ።

ኣብ ሄረፎርድ፡ ስትሬችን ዴነሂን ግዳያት ክደልዩ ብመኪና ኣብታ ከተማ ተዘዋዊሮም። ዴነሂ፡ ጓል ኣንስተይቲ ብፍላይ ድማ ቆልዑ ዘለዋ ክትቀትል ከም ዘይትደሊ ብንጹር ምግላጻ ማርክ ሎይድ ይዛረብ።

ብድሕሪኡ ዴነሂ ካብታ መኪና ወጺኣ ንኸልቡ ዘናፍስ ናብ ዝነበረ ሮቢን በሬዛ ዝተባህለ ወዲ 64 ዓመት ሰብኣይ ቀሪባ፡ በቲ ካራ ክልተ ግዜ ወጊኣቶ - ሓንሳብ ኣብ ኣፍልቡ ሓንሳብ ድማ ኣብ ከባቢ መንኵቡ።

"ክትዘምቶ እያ ኢለ ሓሲበ ነይረ፡ ድሕሪኡ ግን ተረዲኡኒ። 'ደም ጥራይ ኢያ ትደሊ' ኢለ ሓሲበ" ይብል ማርክ።

ማርክ ሎይድ፡ ኣብ ድሕሪት መኪና ኮፍ ኢሉ እቶም ክልተ ፈተነታት ቅትለት ኣብ ዝተፈጸመሉ፡ ዴነሂ ተኳሽሞ ከም ዝነበረት ገሊጹ
መግለጺ ስእሊ, ማርክ ሎይድ፡ ኣብ ድሕሪት መኪና ኮፍ ኢሉ እቶም ክልተ ፈተነታት ቅትለት ኣብ ዝተፈጸመሉ፡ ዴነሂ ተኳሽሞ ከም ዝነበረት ይገልጽ

እቲ ጡረተኛ ሰራሕተኛ ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ተጥቅዖ ከም ዘላ ቀልጢፉ ኣይተረድኦን።

ንሱ "ኣብ የማናይ መንኵበይ መውጋእቲ ተሰሚዑኒ። ግልጽ እንተበልኩ ነታ ሰበይቲ ርእየያ። ንሳ ትኽ ኢላ ውሽጠይ ትጥምተኒ ነይራ" ክብል ንመጋባእያ ዳያኑ ተዛሪቡ።

"ወቒዐ፡ ደፊአያ። እንተዀነ ዝዀነ ጽልዋ ኣይነበሮን። ትኽ ኢላ ናባይ ገጻ መጺኣ።"

እቲ ጡረተኛ ሰብኣይ ብድሕሪኡ ጎይዩ፤ "ኢደይ ናብ ጃኬተይ እንተእተኹ ደም ጥራይ እዩ" ይብል።

"መሊሳ መጺኣትኒ፡ መሊሰ ወቒዐያ፤ ዋላ ሓንቲ ኣይመሰላን።"

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ዴነሂ ፍሽኽ እናበለት ናብታ መኪና ከም ዝተመልሰት ማርክ ይገልጽ። ሮቢን በሬዛ እውን ምስ ሓደ ገዚፍ ሰብኣይ ናብ መኪና ክትምለስ ምርኣዩ ይዝክር።

ዴነሂ፡ ንስትሬች ኣብ ምዕጉርቱ ስዒማ "የቐንየለይ" ኢላቶ። እቲ ዝቕጽል ግዳይ ብዓል ከልቢ ክኸውን ከም ዘለዎ ተዛሪባ ይብል ማርክ።

ኢንስፔክተር ማርቲን፡ ጠንቂ ናይቲ ቅትለት ፈጺሙ ክፍለጥ ከም ዘይኽእል ይዛረብ።
መግለጺ ስእሊ, ኢንስፔክተር ማርቲን፡ ጠንቂ ናይቲ ቅትለት ፈጺሙ ክፍለጥ ከም ዘይኽእል ይዛረብ።

ኣብ ውሽጢ 10 ደቓይቕ ድማ ንሳን ስትሬችን ካልእ ሰብ ረኺቦም - ወዲ 56 ዓመት ጆን ሮጀርስ ከልቡ የናፍስ ነይሩ። ንሱ’ውን ኣብ መጀመርታ ትጻወቶ ዘላ ከምዝመሰሎ ይዛረብ።

ኣብ ቅልጽሙ፡ ኣፍልቡ፡ ከብዱን ሕቖኡን 40 ግዜ ብኻራ ወጊኣቶ፤ ዝሞተ መሲልዋ ድማ ኣብ ጎደና ገዲፋቶ ነቲ ከልቡ ሒዛ ከይዳ። ሓለፍቲ መገዲ ግን ኣምቡላስ ጸዊዖም ህይወቱ ከም ዘድሓኑ ፖሊስ ይሕብር።

መርመርቲ፡ ዴነሂ ንክልቲኦም ሰባት ዘጥቃዓትሉ ምኽንያት ከም መዛነዪ ጥራይ ምዃኑ እዮም ዝኣምኑ።

ፖሊስ ዌስት መርሽያ ኢንስፐክተር ዴቪድ ዊልያምስ፡ " ነቲ መጥቃዕቲ ከም መዛነዪ እያ ትፍጽሚ ነይራ። ናይ ምዝማት ድራኸ ኣይነበረን። ብመኪና እናተዘዋወሩ፡ ሃንደበት ኣብ ዝረኸብዎም ግን ከኣ ኮነ ኢሎም መጥቃዕቲ ይፍጽሙ ነይሮም" ይብል።

ኢንስፔክተር ማርቲን፡ እቶም መጥቃዕቲታት "ብሃንደበት ግን ከኣ ኮነ ኢልካ" ዝተፈጸሙ'ዩ ይበል

ምንጪ ስእሊ, BBC/LAURENCE CAWLEY

መግለጺ ስእሊ, ኢንስፔክተር ማርቲን፡ እቶም መጥቃዕቲታት "ብሃንደበት ግን ከኣ ኮነ ኢልካ" ዝተፈጸሙ'ዩ ይበል

እቲ ዓመጽ ጾታዊ ምልከት እምበር ኣጋጣሚ ኣይነበረን ይብል ኣማኻሪ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮ ኤሊ ጎድሲ።

"ዴነሂ ከቢድ ናይ ነብሳ ናይ ምጉዳእ ታሪኽ ኣለዋ። ስለምንታይ ነብሳ ትጎድእ ነይራ? ተመኩሮ ጾታዊ ርክባ ምስ ጭካነ ዝተኣሳሰር ክኸውን ኣለዎ " ይብል።

"ኣብ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ከምኡ ምስ ዝኸውን፡ ኣዝዩ ቀልጢፎም ዓመጽቲ ይዀኑ። ደቂ ኣንስትዮ ናብቲ ምዝንባል ንምብጻሕ ኣዝዩ ዝያዳ ግዜ ክወስደለን ይኽእል። ስለዚ ንነብሰን ክጎድኣን ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጸገም ከስዕበለንን ኣዝዩ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ"

"ደቂ ተባዕትዮ ጭንቀቶም ኣውጺኦም ይትግብሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ግን ጭንቀተን ብውሽጢ’ዩ ዝስመዐን" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።

ኣማኻሪ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮ ኤሊ ጎድሲ፡ ዴነሂ ነቲ ኣብ ሄረፎርድ ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት ንምግላጽ "መዛነዪ" ዝብል ቃል እኳ እንተተጠቐመት፡ ብሓቂ ግን፡ ካብኡ ዝረሓቐ ከም ዝነበረ ይኣምን።

ውጽኢት "ምሉእ ውህደት ፍጻመታት" እዮም ነይሮም ይብል።

ይኹን እምበር፡ ዴነሂ ስለምንታይ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ክትእመን ትኽእል’ዶ?

ኣብ ማእከል ተግባራዊ ስነ-ገበን ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም ሲቲ ላዕለወይቲ መምህር ዶክተር ኤልሳቤጥ ያርድሊ፡ ክትእመን ተኽእሎ ከም ዘየለ ትኣምን።

“እቶም ብተኸታታሊ ሰባት ዝቐትሉ፡ ነቲ ሓቂ ብቐሊሉ ኣይገልጹዎን እዮም። ምስተፈርዱ ነዊሕ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ሓይሊ ይህቦም’ዩ።"