ብሽም ‘መንፈሳዊ ሕውየት’ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕምጹ 'ፈለጥቲ'

ቢቢሲ ዓረብኛ፡ ኣብ "መንፈሳዊ ሕውየት" ንሰርሕ ኢና ብዝብሉ ሰብኡት ዝፍጸም ሕቡእ ወሲባዊ መጥቃዕትን ምዛመዛን ኣቃሊዑ ኣሎ።
መንፈሳዊ ሕውየት ወይ ድማ "ቍርኣናዊ ሕውየት" ኣብ ሃገራት ዓረብን እስልምናን ልሙድ ተግባር እዩ። መብዛሕትአን ናብዞም ፈወስቲ ዝኸዳ ድማ ደቂ ኣንስትዮ እየን፤ ኣብ ነብሰን ዝሓደረ ርዅስ መንፈስ ወይ "ጅኒ" ብምብራር ጸገመን ክፈትሑለን ወይ ካብ ሕማም ክፍውሱወን ከምዝኽሉ ይኣምና።
ቢቢሲ፡ እዚ ተግባር ብሰፊሑ ኣብ ዝረኣየለን ሃገራት ሞሮኮን ሱዳንን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ምስክርነት 85 ደቂ ኣንስትዮ ኣኪቡን ኣሽማት 65 ፈወስቲ መዝጊቡ፤ ካብ ትንኮያ ክሳብ ምዕማጽ ዝበዝሕ ክሲታት ሰሚዑ።
ቢቢሲ ንዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ኣብያተ ፍርዲ፡ ጠበቓታትን ደቂ ኣንስትዮን ብምዝርራብ ዛንታታት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ምምዝጋብን ምርግጋጽን ኣዋርሕ ኣሕሊፉ እዩ። መቕረጺ ካሜራ ሓቢኣ ናብ ሓደ ካብቶም ፈወስቲ ኢና ዝብሉ ዝተልኣኸት ጋዜጠኛ እውን ዘይግቡእ ምትንኻፋት ስለዝተፈጸማ ካብቲ ቦታ ክትሃድም ተገዲዳ።
ዳላል (ሓቃዊ ሽማ ኣይኮነን) ኣብ መፋርቕ ዕስራታት እንከላ፡ ፈውሲ ጭንቀት ንምርካብ ኣብ ጥቓ ከተማ ካዛብላንካ ኣብ እትርከብ ከተማ ናብ ዝሰርሕ ሓደ ፈዋሲ ከይዳ። መንቀሊ እቲ ጭንቀት ኣብኣ ዝሓደረ "ርኩስ መንፈስ ኣፍቃሪ" ከምዝዀነ ምዝራቡ ትዝክር።
ሓደ መዓልቲ ንበይኖም ይሕክማ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብቲ እዋን ቆጽሊ ሽታ ሙስካ ከምዝዀነ ዝገመተቶ ቆጽሊ ክተሸትት ምስ ገበረ፡ ነብሳ ስሒታ። እንተዀነ ኣብዚ እዋን እቲ ሽታ መደንዘዚ ሓሽሽ ከምዝዀነ ትኣምን።
ቅድሚኡ ጾታዊ ርክብ ፈጺማ ከምዘይትፈልጥ እትገልጽ ዳላል፡ ምስተበራበረት ሞታንታኣ ወጺኡ ረኺባቶ፤ ከምዝተደፈረት እውን ኣረጋጊጻ። ሽዑ ብዓውታ ክትበኪ እንታይ ከምዝገበራ ክትሓቶን ከምዝጀመረት ትዝክር።
"ክትሓፍር ይግበአካ፤ ንምንታይ ከምዚ ጌርካኒ’ ኢለ ሓቲተዮ" ትብል።
ንሱ ድማ "እቲ ርኩስ መንፈስ ካብ ውሽጥኪ ክወጽእ ምእንቲ" ኢሉ መሊሱላ።
ሕፍረት ስለዝተሰመዓን ናዓኣ እውን ከውቅሳ ስለዝኽእልን ንዝዀነ ሰብ ከምዘይተዛበት ትገልጽ። ድሕሪ ውሑዳት ሰሙናት ከምዝጠነሰት ምስፈለጠት ድማ ኣዐርያ ፈሪሓ።
ብዛዕባ ርእሰ ቅትለት እንከይተረፈ ሓሲባ።
ነቲ ፈዋሲ ብዛዕባ እቲ ጥንሲ ምስነገረቶ፡ እቲ ጅኒ ኣጥኒሱኪ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ምላሽ ሂብዋ። ዳላል በቲ ዘጋጠማ ነገር ከቢድ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሃስያ ስለዘጋጠማ፡ ምስ ወለደት ነታ ህጻን ክትርእያ፡ ክትሓቝፋ ዋላ እውን ሽም ክተውጸአላ ኣይደለየትን፤ ንዘዕብዩ ሰባት ድማ ሂባታ።
ንሳ ንቢቢሲ ከምዝገለጸቶ ስድራኣ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠማ እንተዝፈልጡ ምቐተልዋ ነይሮም።
መብዛሕተአን ካብተን ቢቢሲ ዘዘራረበን፡ ንባዕልና ክንውቀስ ኢና ኢለን ስለዝሓሰባ፡ እቲ ዝተፈጸመን በደል ይትረፍ ንፖሊስ ንስድራአን ዝተዛረባ እኳ ኣዝየን ውሑዳት እየን። ገሊአን ድማ በቲ ዝተፈጸመን ነገር እንተኸሲሰን እቲ ጅኒ ሕነ ክፈዲ ከለዓዕሎ ይኽእል እዩ ኢለን ይኣምና።
ኣብ ሱዳን እትነብር ሰውሰን፡ ሰብኣያ ናብ ካልአይቲ ሰበይቱ ምስከደ፡ ኣዝዩ ስለዝጸገማ ናብ ሓደ ፈላጢ ከይዳ። ሰብኣያ ብዝሓሸ ክከናኸና ዝገብር መድሃኒት ክህባ ተጸብያ ምንባራ ትዛረብ።
እንተዀነ እቲ ዘቕረበላ መፍትሒ ሓሳብ ዘይተጸበየቶ ነበረ።
"ምሳይ ጾታዊ ርክብ ከምዝፍጽምን ነቲ ፈሳሲ ንሰብኣየይ ዘብለዖ መስተፋቅር መቃመሚ ከምዝጥቀመሉን ነጊሩኒ።"
በቲ ዘቕረቦ ሓሳብ "ዘይፈርሕ" ዓይነት ሰብ ከምዝዀነ ተረዲአ ትብል።
"ንፖሊስ ወይ ንቤት ፍርዲ ዋላ ንሰብኣየይ ከምዘይዛረብ ርግጸኛ እዩ ነይሩ።"

ሰውሰን ቀልጢፋ ነቲ 'ፍወሳ' ገዲፋ ካብቲ ቦታ ተኣልያ፤ በቲ ተግባሩ ግን ኣየቃለዓቶን።
ቢቢሲ ኣብ ሱዳን ብዛዕባ ወሲባዊ ትንኮያ ወይ ብዝበዛ ካብ ዘዘራረበን 50 ደቂ ኣንስትዮ፡ እተን ሰለስተ ሽም ሓደ ዓይነት ሰብ ጠቒሰን፤ ሸኽ ኢብራሂም እዩ። ሽማ ዘይንጠቕሳ ሓንቲ ምስክር ኣታሊሉ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽም ከምዝገበረ ሓቢራ። ካልእ ኣፋፍ ዝተባህለት ውልቀ ሰብ ድማ ንዘቕረበላ ሕቶ ጾታዊ ርክብ ደፊኣ ከምዘርሓቐቶ ተዛሪባ። ሓይሊ ከምዘይብላ ከምዝተሰመዓ ትገልጽ።
"ብዙሓት ሰባት መሻይኽ ከምዚ ከምዝብሉን ከምዝገብሩን ኣይቅበሉን፤ ኣይኣምኑን። ከመይ ገይረ ምስክር ክረክብ ይኽእል? ኣብቲ ክፍሊ ምስኡ ዝረኣየኒ ሰብ የለን።"
በዚ መሰረት ምስ ጕጅለ ቢቢሲ እትሰርሕ ሰብ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ሸኽ ኢብራሂም ክትከይድ ተሰማሚዓ።
እታ ሪም ኢልና እንጽወዓ ሪፖርተር፡ ውላድ ዝኣበያ ተሓካሚት መሲላ ከይዳ።
ሸኽ ኢብራሂም፡ ከምዝጽልየላን ናብ ገዛኣ እትወስዶ "ማሃያ" ተባሂሉ ዝጽዋዕ "ማይ ድሕነት" ከምዘዳልወላን ነጊርዋ።
ሪም ናብኣ ተጸጊዑ ኢድ ኣብ ከብዳ ከምዘቐመጦ ትዛረብ። ኢዱ ከልዕል ምስተዛረበቶ ድማ ናብ ኣብ ልዕሊ መራብሒ ኣካላ ኣቐሚጥዎ። ካብቲ ክፍሊ ሃዲማ ወጺኣ።
"ኣዝዩ ኣሰምቢዱኒ" እትብል ሪም ኣካውናኡ ንፈለማ ግዜ ዝገበሮ ከምዘይመስል ትግምት።
ቢቢሲ፡ ሪም እንታይ ከምዘጋጠማ ንሸኽ ኢብራሂም ሓቲትዎ። ንሱ ሓገዙ ደልየን ኣብ ልዕሊ ዝመጻ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ትንኮያ ኮነ መጥቃዕቲ ከምዘይፍጽም ብምግላጽ ነቲ ቃለ መሕተት ብሓጺር ኣቋሪጽዎ።

ሸይካ ፋጢማ፡ ሓደጋ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዘየጋጥመሉ መንፈሳዊ ሕውየት ክረኽባ ንዝደልያ ኣማራጺት እያ።
እዛ ኣብ ካርቱም እትነብር ውልቀ ሰብ፡ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዝሕከማሉ ዝኸፈተቶ ማእከል፡ ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ካብ ዝግልገላሎም ውሑዳት ከባቢታት ሓደ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።
ሸይካ ፋጢማ ኣባላት ቢቢሲ እትሰርሓሉ ቦታ ክርእይዎ ፈቒዳትሎም። ንሳ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብተመስጦ ከባቢአን ኣብ ዘየስተብህላሉ ንሓደጋ ተቓላዕቲ ክኾና ከምዝኽእላ ትገልጽ።
"ብዙሐት ደቂ ኣንስትዮ እቲ ሸኽ ነቲ ሰይጣን ካብ ሰብነተን ንምውጻእ ከምዝተናኽፈን ከምዝኣምና ነጊረናና። ኣካል እቲ ሕክምና ከምዝዀነ እየን ዝኣምና" ትብል።
"ካብተን ደቂ ኣንስትዮ እትሰምዖ ነገር ዘሰንብድ እዩ።"
ቢቢሲ ነቲ ዝኣከቦ መረዳእታ ሒዙ ንሰብ መዚ ሱዳንን ሞሮኮን ተወኪሱዎም።
ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት እስልምና ሱዳን ሓላፊ ክፍሊ ስድራን ማሕበረሰብን ዶ/ር ኣላ ኣቡ ዘይድ፡ ኣብ ፈለማ ነቲ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝወርደን ሓበሬታ ከምዝሃባ ዝሕብር መግለጺ ኣይኣመነሉን። ጸኒሑ ግን ኣብ ኣገልግሎት መንፈሳዊ ሕውየት ቍጽጽር ዘይምህላዉ ብዙሕ ጸገም ከምዝፈጠረ ተኣሚኑ።
እንተዀነ ኣብዚ እዋን ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ቅልውላው እዚ ዛዕባ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝገብር ኣይኮነን ኢሉ።
ሚኒስተር እስላማዊ ጉዳያት ሞሮኮ ኣሕመድ ቶፊቕ፡ ንመንፈሳዊ ሓካይም ዝተፈለየ ሕጊ የድሊ ኢሉ ከምዘይኣምን ይገልጽ።
"ብሕጊ ኣብዞም ጉዳያት ጣልቃ ክትኣቱ ኣጸጋሚ እዩ፤ እቲ ፍታሕ ኣብ ሃይማኖታዊ ትምህርትን ስብከትን እዩ" ኢሉ።
ዋላ'ኳ ቢቢሲ ብዙሕ መረዳእታታት ዘቕረበ እንተዀነ ሰብመዚ ሱዳንን ሞሮኮን ግን ስጕምቲ ንምውሳድ ዕሽሽ ኢሎም ኣለዉ።
ስለዚ ነዞም ብሽም ድሕነት ዝብድሉ ዘለዉ ናይ ምቅላዕ ጾር ኣብ ዝባን ደቂ ኣንስትዮ ኰይኑ ክቕጽል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







