ብዛዕባ ጡብ ምጥባው ዝንገሩ፡ 7 ብሂላትን ክንፈልጦ ዝግብኣናን

ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሕቡራት ሃገራት ኣካል ናይቲ መጠን ጡብ ምጥባው ህጻናት ንምዕባይ ዝገብሮ ዓመታዊ ጐስጓስ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቦታ ስራሕ ከጥቡዋ ሓገዝ ክግበረለን ይጽውዕ ኣሎ።

ጸባ ጡብ ዘይጠብዉ ህጻናት ምስ ዝጠብዉ እንክነጻጸር ሓደ ዓመት ከይመለኦም ናይ ምማት ዕድሎም ብ 14 ዕጽፊ ይዓቢ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ደቂ ኣንስትዮ ደሞዝ ዝኽፈሎ ናይ ወሊድ ዕረፍቲ፡ ናይ መጥበዊ ዕረፍትን ኣብ ቦታ ስራሕ ዘጥብዋሉ ወይ ጸባ ዝሓልባሉ ክፍሊ ክዳለወለንን እዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

ደቂ ኣንስትዮ ከየጥቡዋ ዝኽልኸሉ ብዙሓት ብሂላት ኣለዉ። ብዛዕባ እቶም ልሙዳት ብሂላት ንሰብ ሞያ ሓቲተትና ኣለና።

ካትሪዮና ዋይት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሊቨርፑል ፕሮፌሰር ክሊኒካል ፋርማኮሎጅን ግሎባል ሄልዝን እያ። ኣላስተይር ሰትክሊፍ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሌጅ ለንደን ፕሮፌሰር ጥዕና ህጻናት እያ።

ብሂል 1፤ ክተጥብዊ ከለኺ ከቐንዝወክን ጫፋት ጡብ ክሓብጥን ልሙድ እዩ

ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሮፌሰር ዋይት፡ ኣብ መጀመርታ ምቾት ክትስእንን ጫፍ ጡብ ክሳብ ዝለምዶ ክሓብጥን ልሙድ ብምዃኑ ነዚ ሕቶ ምምላስ ክብድ ይብል። እንተዀነ ንቘልዓ ጡብ ምጥባው ዝጐድእን ከቢድ ቃንዛ ዝፈጥርን ክኸውን የብሉን። ከምኡ እንተዀይኑ ግን ጫፍ ጡብ ረኽሲ ኣጋጢምዎ ወይ ድማ እቲ ህጻን ብግቡእ ክጠቡ ኣይከኣለን ማለት እዩ።

ቅሩብ ዘይምምቻእ ንቡር ክኸውን ይኽእል፤ ብፍላይ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝወልዳ ድማ ክሳብ ዝለምዳኦ ቅሩብ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ሓያል ቃንዛን ጭንቀትን ዝፈጥር እንተዀይኑ ግን ምስ ዶክተር፡ ነርስ ወይ መሕረሲት ምምኽኻር የድሊ።

ብሂል 2፤ ሽዑ ንሽዑ እንተዘይጀሚርኪ ክተጥብዊ ኣይትኽእልን ኢኺ

ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሮፌሰር ሰትክሊፍ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከጥቡዋ ዘበረታትዕ ዝዀነ ነገር ኣብ ብዙሕ መዳያት ንጥዕና ሰባት ጽቡቕ እዩ። ዘየድሊ ግዜ ገደብ ብምቕማጥ ኣብ ባህርያት ደቂ ሰባት ተፈጥሮኣዊ ዘይኰነ ዕቀባ ምቕማጥ ሳይንሳዊ ኣይኮነን።

ኰይኑ ግን፡ ቈልዓ ምስተወለደ ሻዓ ኢሉ ክጠቡ ምግባር ረብሓ ኣለዎ።

ምግቢ እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ነገር እዩ። ማህጸን ቀልጢፉ መስርሕ ምሽምራር ክጅምር ይሕግዝ። እዚ ብግዲኡ ድሕሪ ወሊድ ዘጋጥም ምፍሳስ ደም ማህጸን ክከላኸል ወይ ክቕንስ የኽእል። ብተወሳኺ ድሕሊ ወሊድ ኣብ ዘለዋ ሒደት ፈለሞት መዓልቲታት፡ ሰብነት ደቂ ኣንስትዮ ውሱናት ብፕሮቲን ዝሃብተሙ ኮሎስትረም ዝበሃሉ ንጥረ ነገራት የመንጩ። ከይዲ ምጥባው ዘጀምር ብንጥረ ነገራት ዝሃብተመ ነገር እዩ።

ብሂል 3፤ ተጥብዊ እንተዄንኪ ዝዀነ መድሃኒት ክትወስዲ ኣይትኽእልን

ኣደታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሮፌሰር ዋይት፡ ኣብ ዝዀነ ክፋል ዓለም ዘላ ኣደ እተቕርቦ ፈላማይ ሕቶ እዩ። ዝዀነ መድሃኒት ነቲ ህጻን ውሑስ ድዩ? እቲ ሓቂ ብዙሓት መድሃኒታት ብውሑድ መጠን ናብቲ ህጻን ይበጽሑ እዮም። ዶክተር መድሃኒት ክትወስዲ ኣለኪ እንተኢሉኪ ሕተትዮ፤ ግን እቲ መድሃኒት ነቲ ህጻን ውሑስ ናይ ምዃን ዕድሉ ዝዓበየ እዩ። እቲ ህጻን ዝያዳ ጥዕናኣ ዝተሓለወ ኣደ እያ እተድልዮ። ምስ ረኽሲ፡ ጭንቀት ወይ ሓፈሻዊ ቃንዛ ዝተተሓሓዙ ልሙዳት መድሃኒታት ውሑሳት ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎም።

ኣብ ምጥባው ክውሰዱ ዘይብሎም መድሃኒታት ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ከም ካንሰር ዝኣመሰሉ ከበድቲ ሕማማት ዝተሓሓዙ እዮም። ጥቕሞምን ጉድኣቶምን ክጽናዕ ዘለዎ መድሃኒታት እውን ኣለዉ። መድሃኒት ዝተኣዘዘላ እተጥቡ ኣደ፡ ሕቶ ክትሓትት ክትተባባዕ ኣለዋ።

ፍልፍል ጸባ ዝቕንሱ ገለ መድሓኒታት ሰዓልን ቁርን ግን ጥንቃቐ ክግበረሎም ኣለዎ፡፡ ኣብ ባህላዊ መድሓኒታት ድማ ዝያዳ ጥንቃቐ የድሊ፤ ምኽንያቱ መብዛሕተኦም ብግቡእ ኣይተጸንዑን።

ብሂል 4፤ ቅድሚ ጡብ ምሃብ ቀመም ዘይብሎም ምግብታት ክትምገቢ ኣለኪ

ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሮፌሰር ዋይት፡ ኣብ እዋን ምጥባው ኣደ ክትበልዕ የብላን ዝበሃል ዓይነት ምግቢ የለን። ኰይኑ ግን ትሕዝቶ ጸባ ጡብኪ ብእትምገብዮ ምግቢ ይውሰን እዩ።

ኣብ ገለ ድማ እታ ኣደ ለውጢ ክትርኢ ትኽእል። ንኣብነት ኣብ ሓደኦም ደቀይ፡ ከም ኣራንሺ ዝበለ ሲትረስ ዘለዎ ጽማቝ ኣብ ዝሰትየሉ ዕውልውል ክብል ኣስተውዒለ።

ገለ እዋን ህጻናት ነቶም እትምገብኦም ነገራት ግብረ መልሲ ክህቡ ትርእዪ ኢኺ። ኰይኑ ግን ዝጐድእ ወይ ብሕክምና ዝኸልከል ምግቢ የለን።

ብሂል 5፤ ጡብ ክተጥብዊ እንተደሊኺ ፎርሙላ ክትጥቀሚ ኣይትኽእልን

ኣደታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሮፌሰር ዋይት፡ ፍጹም እዩ ማለት ኣይኮነን። መብዛሕትኡ መስርሕ ምጥባው ብጠለብን ቀረበን እዩ ዝምራሕ።

ሰብነት ጓል ኣነስተይቲ ንውላዳ እኹል ጸባ ክተጥቡ ብዘኽእል ኣገራሚ ኣገባብ ዝተፈጠረ እዩ። እቲ ህጻን ነቲ ጡብ ኣብ ዝስሕበሉ፡ ነቶም ሆርሞናት እኹል ጸባ ከመንጭዉ ይገብሮም።

ስለዚ ደቂቕ ቈልዓ ዲኺ ወይ መናቱ እተጥብዊ ዘለኺ፡ ሰብነትኪ እኹል ጸባ የመንጩ።

ዝተመስረሐ ጸባ ወይ ፎርሙላ ምሃብ እንተጀሚርኪ እቲ ዑደት ግብረ መልሲ ይቋረጽ። እቲ ህጻን ተወሳኺ ጸባ ይደሊ ብዛዕባ ምህላዉ ሰብነትኪ ምልክት ኣይረክብን።

ሕጽረት ጸባ ኣጋጢሙኪ ፎርሙላ እንተደኣ ጀሚርኪዮ፡ ንሓጺር እዋን ዕረፍቲ ክትረኽቢ ትኽእሊ፤ ነቲ ጸገም ግን ከጋድዶ ይኽእል።

ብኻልእ ገጽ ሓሓሊፉ፡ ለይቲ ደቃስ ዝኸልአኪ ወይ ድኻምን ሕማምን እንተሃልዩኪ፡ ንስኺ ክትዓርፊ በዓል ቤትኪ ነቲ ህጻን ፎርሙላ ዝህቦ እንተዀይኑ፡ ክተጥብዊ ኣይትኽእልን ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ፍጹም ነገር ኣይኰነን ግን ሓጋዚ ዘይክኸውን ይኽእል።

ብሂል 6፤ ሓሚምኪ ክተጥብዊ ኣይግባእን

ኣደታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሮፌሰር ሰትክሊፍ፡ ሓቂ ኣይኮነን፤ እዚ ብሂል እዩ። ኣደ ከተጥቡ ዘይግበኣ ኤችኣይቪ ኤድስ ወይ ሄፓታይቲስ እንተሃልዩዋ ጥራሕ እዩ።

እዞም ቫይረስ ብዘሕዝን ኵነታት ከምዝተዓዘብናዮም፡ ብምጥባው ይሓልፉ እዮም።

መብዛሕትኡ እዋን ኣደታት ንደቀን እውን ዝከላኸል ሰብነት ጸረ ተህዋስ (ኣንቲቦዲ) ስለዘፍርያ፡ ምጥባው ምቕጻለን ውሑስ እዩ።

ብጸባ ጡብ ኣቢሉ ካብ ኣደ ናብ ህጻን ዝሓልፍ ሕማም ኣዝዩ ውሑድ እዩ።

ብሂል 7፤ ህጻን ንልዕሊ ሓደ ዓመት እንተጠብዩ ከተግድፎ ከቢድ እዩ

ኣደታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕሮፌሰር ዋይት፡ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሓደ ህጻን ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸባ ጡብ ጥራይ፤ ብድሕሪኡ ድማ ተወሳኺ ምግቢ ክወሃቦ እዩ ዝመክር።

ጸባ ጡብ ግን ክንዲ ዝኸኣልክዮ እዋን ክጠቡ ኣለዎ። ደው ክብል ኣለዎ ተባሂሉ ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ የለን።

ኣብ ከም ብሪጣንያ ዝበላ ልዑል ኣታዊ ዘለወን ሃገራት፡ ህጻናት ካብ ሓደ ዓመት ክሳብ ክልተ ዓመት ኣብ ዘሎ እዋን ጡብ ይገድፉ።

ኣብ ከም ዩጋንዳ ዝበላ ትሑት ኣታዊ ዘለወን ድማ ካብ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ዓመት ይጠቡ። እቲ ዓለምለኻዊ ጸገም ብዙሓት ሃገራት ከምቲ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝመኽሮ፡ ኣደታት ጸባ ጡብ ጥራይ ክህባ ዘኽእለን ናይ ወሊድ ዕረፍቲ የብለንን።