ኣንስትዮ ሮቦት ዝበዝሓሉ እከይ ምኽንያት ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, PA
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ዓለማዊ ጸገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ንምልላይ ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ ጀነቫ ተኻይዱ ነይሩ።
እዚ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት፡ ክሳዕ ሕጂ ዝዓበየ ምትእኽኻብ ሰብ ዝመስሉ ሮቦታት ተባሂሉ’ዩ ተገሊጹ።
ካብቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝነበሩ ሮቦታት ሓንቲ ኣይ-ዳ እያ - “ናይ ዓለምና ፈላመይቲ ኣዝያ ክውንነታዊ ሰብ መሰል ስነ-ጥበባዊት ሮቦት”።
ካልእ ድማ ግሬስን ክትከውን ከላ "ኣብ ዓለም ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ተሓጋጋዚት ሮቦት ነርስ” እውን ኣብቲ ዋዕላ ነይራ።
እቲ ምትእኽኻብ፡ ሮቦት ኮዀብ ሙዚቃ ሮክ ዝዀነት ደስደሞና፡ ከምኡ’ውን ሶፍያ፡ ናዲንን ሚካን ዝተበሃላ ሮቦታት ዘጠቓለለ ነይሩ።
እዘን ሮቦታት እንታይ የመሳስለን እንተይልኩም፡ ኩለን ብምስሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሰርሓ ምዃነን እዩ።
ግን ስለምንታይ እዩ ሮቦታት ብተለምዶ ኣንስታዊ ባህርያት ክወሃበን ዝምረጽ ዘሎ?
ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ናይ ጓል ኣንስተይቲ ስርዓታት ድምጺ ዝወሃበሉ ምኽንያት ኣብ ጾታዊ ኣድልዎን ወገናውነት ዝተሰረተ’ዩ ኢሎም ዝሙግቱ ኣለዉ።
ሓደ ሓደ ግዜ ግን ነደፍቲ፡ ጾታ ሮቦቶም ዝውስኑሉ ዝያዳ ንጹህ ምኽንያታት ክህልዉ ይኽእሉ’ዮም።
ሓደ ካብዚኦም ድማ ነደፍቲ ንገዛእ ርእሶም ሞደል ወይ ኣርኣያ ስለዝገብሩ እዩ።
ናይዚ ኣብነት ናዲን እያ፤ ነዳፊታ ናድያ ማግነናት ታልማን "ናይ ገዛእ ርእሰይ ስእሊ" ኢላ ትገልጻ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝነበረ እንኮ ተባዕታይ ሮቦት ጂሚኖይድ፡ ናይቲ ነዳፊኡ ጃፓናዊ ሂሮሺ ኢሺጉሮ ምስሊ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, ARAB NEWS/YOUTUBE
ሰብ-ሰርሖ ብልሒን ድምጺ ጓል ኣንስተይቲን
ሓላፊት ስርሒታት ፕሮጀክት ኣይ-ዳ ሊዛ ዘቪ፡ ኣይ-ዳ ብሰፊሑ ጓል ኣንስተይቲ መልክዕ ዝተወሃበትሉ ቅኑዕ ምኽንያት ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ትዛረብ።
"ድምጽታት ደቂ ኣንስትዮ ብተለምዶ ኣብ ስነ-ጥበብን ቴክኖሎጅን ኣዝዩ ትሑት ውክልና’ዩ ዘለዎም" ትብል። "ነቶም ትሑት ውክልና ዘለዎም ጉጅለታት ብኣድማዒ መንገዲ ድምጺ ክንህቦም ደሊና።"
ብፍላይ፡ ግዳማዊ ጠባይ ተፈጥሮ ከምኡ'ውን መልክዕ ኣይ-ዳ፡ ካብታ ብብዙሓት ከም ቀዳመይቲ ፕሮግራመር ኮምፒተር ትቑጸር ክኢላ ስነ-ሕሳብ ኣዳ ላቭለስ ዝተበገሰ እዩ።
ካብቶም ኣብ ሓደ ውልቀሰብ ሞዴል ዝዀኑ ሮቦታት ወጻኢ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጓል ኣንስተይቲ ሮቦት ንምምራጽ ሓደ ፍሉይ ምኽንያት ይቐርብ፡ ንሱ ድማ ሰባት ብባህርያዊ መንገዲ ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ስለዝመርጹ’ዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኢንዲያና ኣመሪካ ክኢላ 'ሮቦቲክስን' ርክብ ሰብን ኮምፒተርን ዝዀነ ካርል ማክዶርማን፡ እዚ ስነ-ሞጎት መሰረት ክህልዎ ከም ዝኽእል ይኣምን።
ንሱ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድምጺ ከም ዝመርጻ፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ብሓቂ ዝመርጽዎ ከም ዘይብሎም ኣረጋጊጹ።
"ስለዚ ድማ፡ ድምጺ ጓል ኣንስተይቲ ንኽልቲኦም ጾታታት ክኸውን ይኽእል እዩ" ክብል ማክዶርማን ይዛዝም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ከም ሲሪን ኣሌክሳን ዝኣመሰሉ ቀዳሞት ስረት ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ድምጺ ደቂ ኣንስትዮ ተዋሂብወን፡ መጽናዕቲ ማክዶርማን ድማ ነዚ ከም መመኽነይታ ተጠቒሱ እዩ።
"ኣብዚ ኣርእስቲ ዝዀነ ስራሕ ቅድሚ ምሕታመይ ውሳነኦም ድሮ ወሲኖም ከም ዝነበሩ እጥርጥር" ይብል።
ብዘይንቕሓት ወሲኖም ኽዀኑ፡ ወይ ድማ ክእመኑ ዘይደልዩሉ ምኽንያታት ክህሉ ከም ዝኽእልን ድሕሪኡ ድማ ብድሆ ምስ ዘጋጥሞም ዝዀነ መመኽነይታት ከም ዘድልዮምን ይገልጽ።
"ድሕሪኡ እቲ መጀመርታ ዝነበረ ልሙድ ሓሳብ፡ ንሰብ-ሰርሖ ብልሒ ድምጺ ጓል ኣንስተይቲ ንምሃብ ህዝባዊ ኣማራጺ ስለዝዀነ ጥራይ ደልዲሉ።"
ማክዶርማን እዚ ከም ጾታዊ ኣድልዎ ክውሰድ ከም ዝኽእል ይኣምን፣ ምኽንያቱ እቲ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ብተለምዶ ዝፍጽሞ ንጥፈታት ጊልያዊ እዮም።
እዚ ድማ ንሕልሚ ወይ ፋንታዝያ ደቂ ተባዕትዮ ክድግፍ ከም ዝኽእል ይሕብር።
ፍርሒ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዲ ሞንትፎርት ዓባይ ብሪጣንያ ፕሮፌሰር ስነ-ምግባርን ባህልን ሮቦታትን ሰብ-ሰርሖ ብልሒን ዝዀነት ካትሊን ሪቻርድሰን፡ ሰብ ዝመስሉ ሮቦታት ብተለምዶ ናይ ዓበይቲ ጓል ኣንስተይቲ መልክዕ ዘይሕዙሉ ዝነበሩ እዋን ከም ዝነበረ ትዝክር።
ንሳ ከም እትብሎ፡ ቅድሚ 15 ዓመት ትሰርሓሉ ኣብ ዝነበረት ቤተ-ፈተነ፡ ሮቦታት ናይ ህጻናት ድምጺ ይወሃቦም ነይሩ።
"እቲ ሓሳብ፡ ቆልዓ እንተመሲሎም ሰባት ኣይፈርሕዎምን፡ ናብ ገዝኦም ክወስድዎም ድማ ዝያዳ ምቹኣት ይዀኑ" ዝብል ከም ዝነበረ ንቢቢሲ ገሊጻ።
ሪቻርድሰን፡ እዚ ሮቦታት ከም ዘየስግኡ ንምግባር ዝግበር ድፍኢት፡ ናብዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ቅርጺ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተቐየረ ትዛረብ።
"ነቲ ብፍላይ ኣብ ውልቃዊ መዳያትና ዝያዳ ቴክኖሎጂታት ናብ ህይወትና ብምትእትታው ዝመጽእ ኣዝዩ ዓሚቕ ፍርሒ ምቕንጣጥ ሰብኣዊ መንነትን ሰብኣዊ ኽብሪን ክትኣልዮ ኣለካ" ትብል።
"ሰባት ፈጸምቲ ሮቦታት ክሳብ ክንደይ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ይጽሕፉ’ዮም። እዚኦም ኣብ ገዛኻ ምስ ዝህልዉ ድማ ዘስካሕክሕ ምዀነ ሓቀይ?"
ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሮቦታት ዝሰርሐ ማክዶርማን’ውን፡ እዞም ስግኣታት ኣብ ንድፊ ሮቦት ከም ዝነበሮም ይሰማማዕ።
"ኣንስተይቲ ሮቦት ብሓፈሻ ብፍላይ ንህጻናት ዝያዳ ምቹእ ክትከውን ትኽእል እያ፡ ስለዚ ብፍላይ ኣብ መጀመሪያ ንፈተነታት ርክብ ሰብን ሮቦትን ዝያዳ ከም እትሰማማዕ ተቖጺራ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Warner Bros/Getty Images
መማልኢ ድሌት ደቂ ተባዕትዮ?
ሪቻርድሰን ግን ኣብ ዘመናዊ ዲዛይናት ሰብ ዝመስሉ ሮቦታት ብሓፈሻ ዝያዳ መሰረታዊ ድራኸ ክህሉ ከም ዝኽእል ትጥርጥር።
ንሳ ንሮቦታት ምስ ስነ-ጥበብ ተመሳሰሎም - ከምቲ ዘመናውያን ነቐፍቲ ስነ-ጥበብ ታሪኻዊ ስእልታት ክግምግሙ ከለዉ መብዛሕትኡ ግዜ ዘልዕልዎም ጉዳያት ኣብ ንድፊ ሮቦት እውን ከም ዝርአ ትኣምን።
"ስነ-ጥበባውያን ንደቂ ኣንስትዮ ከም ተገዛእቲ፡ ዕርቃነን፡ ከም መማልኢ ድሌት ደቂ ተባዕትዮ ይውክሉወን ነይሮም” ብምባል እዚ ብገለ መልክዑ ኣብ ንድፊ ሮቦት ከም ዘጋጥም ትገልጽ።
ማክዶርማን’ውን በዚ ይሰማማዕ፤ ኣብቲ ኣዝዩ ብደቂ ተባዕትዮ ዝዕብለል ኢንዱስትሪ፡ ኣብ ኣንጻራዊ ጾታ ባህጊ ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ነደፍቲ፡ ኣብ ኣንጻር ጾታ ተገዳስነት ስለዘለዎም ሮቦታቶም ደቂ ኣንስትዮ ክገብርወን ይመርጹ።
"ብርግጽ ምስ ጾታዊ ርክብ ዝግበር ምትእስሳር ኣሎ። እቲ ሮቦት ዝያዳ ክውንነታዊ ብዝዀነ መጠን፡ እቲ ድምጺ እውን ዝያዳ ክውንነታዊ ብዝኾነ መጠን፡ ምስ ጾታዊ ርክብ ናይ ምትእስሳር ዝንባለ ይዓቢ" ይብል።
ምስ ሮቦታት ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ዝብል ሓሳብ ኣብ ቀንዲ መዘናግዒታት ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ እዩ፤ ኣብ ከም በዓል ‘ብሌድ ራነር’፡ ‘ኤኣይ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ’፡ ‘ሀር ኤንድ ኤክስ ሜሽና’ ዝኣመሰላ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ፊልምታት ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል።
ሪቻርድሰን ኣብታ ‘ማን-ሜድ ወመን’ እትብል መጽሓፋ፡ ብዛዕባ ሓደ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ኣንፈት ተጠንቅቕ።
እዚ ሓሳብ ካብ ሳይንሳዊ ልቢ ወለድ ናብ መዓልታዊ መደባት ዕላልን ቪድዮታት ሙዚቃን ተጸንቢሩ ኣሎ። ኣብ ባርሴሎና፡ በርሊንን ሞስኮን ኣገልግሎት ፋይቶታት ባምቡላ ዝህባ ትካላት ይኽፈታ ከም ዘለዋ ትገልጽ።
ወሲኻ’ውን ከምዚ ዓይነት ምትእስሳር ናብ ንቡር ንምምላስ ዓቢ ወጻኢታት ከም ዝሓትት ተጠንቅቕ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማክዶርማን፡ ኣብዚ ጉዳይ ሓደ ኢንዱስትሪ ክምዕብል ተኽእሎ ከም ዘሎ ይሓስብ።
ገለ ሰባት ካብ መጻምድቲ ምርካብ ፖርኖግራፊ ምርኣይ ክቐሎም ይኽእል፤ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ድማ ምስ ካልኦት ደቂ ሰባት ርክብ ንምጅማር ካብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ከምኡ'ውን እዚ ዘምጽኦ ፍርሒ ንጽገት ንምውጋድ ኣማራጺ ክህብ ከም ዝኽእል ይዛረብ።
ማክዶርማን ከም ዝብሎ፡ እዚ ሓደ ፍሉይ ሓደጋ ኣለዎ፤ እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ጊልያዊ ባህሪ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ፡ ንክቱር ርእሰ ኣምልኾ ወይ ርእሰ ተገዳስነት ደቂ ሰባት ነዳዲ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።
እዞም ሮቦታት ንምስራሕ ልዑል ወጻኢታት ዝሓቱ እዮም።
ስለዚ፡ ስነ-ስርዓት ጾታዊ ርክብ ዝምልከት ድሌታትና ብዘየገድስ፡ ሰብ ዝመስሉ ሮቦታት ብተመጣጣኒ ዋጋ ምርካብ ንመብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ከቢድ ኢሉ ይሓስብ።
ንመብዛሕትኦም – ንኩሎም ግን ኣይኰነን።
እዚ ሮቦታት ምስ ጾታዊ ርክብ ክትኣሳሰሩ ምግባር መዓስ’ዩ ደው ዝብል?
ሪቻርድሰን፡ ሮቦታት ብስሩዕ ንጾታዊ ዕላማ ዝውዕልሉ ግዜ ከይመጽእ ትሰግእ።
ምስ’ዚ ጉዳይ ብዝተኣሳሰር ዝነጥፍ ‘ሀር ካምፔን አጌይንስት ፖርን ሮቦትስ’ ወይ ድማ ወፍሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣንጻር ሮቦት ፖርኖገራፊ፡ ከምዚ ዓይነት ኣጠቓቕማ ሮቦታት ንቡር ምግባር ስነ-ምግባራዊ ጉድኣት ከም ዘስዕብ ንቕሓት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







