ትዊተር፡ ኮፕ28 ዘወዓውዓ ብኤኣይ ዝተፈጥራ ደቂ ኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ንሕቡራት ኢመራት ዓረብን ነቲ ኣብ ዱባይ ዝካየድ ዋዕላ ክሊማ ኮፕ28ን ብሓባር ናይ ምውዕዋዕ ስራሕቲ ዝሰርሑ ልዕሊ 100 ናይ ትዊተር ኣካውንታት ምህላዎም ቢቢሲ ብዘካየዶ መርመራ ከረጋግጽ ክኢሉ ኣሎ።
መብዛሕትኦም እዞም ኣካውንትታት፡ ኣብ ኢማራት ዓረብ ብዝነብራ ኣዝየን ጽቡቓት ደቂ ኣንስትዮ ዝመሓደሩ እዮም።
መብዛሕትአን ድማ፡ ጽብቕቲ ድሙ ካብ ምሕቋፍ ክሳብ ቡን፡ ፋሽን ሒጃብ ወይ ምችኦት ዝመልኦ ጉዕዞ ዝፈትዋ ኰይነን እየን ቀሪበን ዘለዋ።
ቢቢሲ ዘካይዶ ፈተነታት ግን ብዙሓት ካብቶም ነዞም ኣካውንትታት ዝጥቀሙ ዘለው ሰባት ዝተጠቐምሉ ናይ ፕሮፋይል ስእልታት ሰብ ሰርሖ ብልሒ (AI) ብምጥቃም ዝተፈጥሩ ክዀኑ ልዑል ተኽእሎ ከም ዘሎ ይሕብር።
ገሊኦም ድማ፡ እቲ ስእሊ ካብ ናይ ኦንላይን ዕዳጋ መርበባትን ትካላት ስእልን ዝተወሰዱ ይመስሉ፤ ወይ ድማ ካብ ኣካውንታት ጸለውቲ ዝተቐድሑ እዮም።
ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዱባይ ኣኼባ ኮፕ28 ከተአንግድ እያ።
እዚ ኣኼባ፡ ብልኡኽ ክሊማ ኢማራት ዓረብን ሓላፊ ኩባኒያ ነዳዲ ኣቡ ዳቢ ናሽናልን (Adnoc) ዝዀነ ሱልጣን ኣሕመድ ኣል ጃበር’ዩ ክምራሕ።
‘ኣድኖክ’ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኩባንያታት ነዳድን ጋዝን ዓለም ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ትዊተር፡ ብዙሓት ቢቢሲ ዝርኣዮም ኣካውንታት ንኣሕመድ ኣል ጃባር ኣብ ስርሑ “ብሉጽ ሰብኣይ” ከምኡ’ውን “ምንቅስቓስ ክሊማ ዝደልዮ መላፍንት” እናበሉ ዝንእዱ ኰይኑ’ዩ ረኺቡዎም።
ገሊኦም ኣካውንታት፡ ብኸመይ ደገፍ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ሓዊሱ ሓያሎ መንግስታት ከም ዝረኸበ ዝገልጹ ዜናታት ብሰፊሑ የካፍሉ።
ኣዳለውቲ COP28ን መንግስቲ ኢማራት ዓረብን ክልቲኦም ኣብ ምፍጣር ወይ ምምራሕ እዞም ኣካውንታት ኢድ ከም ዘይብሎም ይገልጹ።
እቲ ምኽንያት ንሱ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝሕብር ነገር’ውን የለን።
ገለ ነቐፍቲ ንሽመት ኣል ጃበር ዝቃወም ድምጺ ብሰፊሑ ከስምዑ ጸኒሖም ኣለው።
ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ልዕሊ 100 ሓገግቲ ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ ኣብ ነዳዲ ብዘለዎ ምትእስሳር ኣብ ዝርርብ ክሊማ ዘይግቡእ ጽልዋ ከሕድር ይኽእል እዩ ዝብል "ዓሚቕ ስክፍታ" ከም ዘለዎም ብምግላጽ ካብ ፕረዚደንትነት ኮፕ28 ክእለ ጸዊዖም ነይሮም።
ወሲዀም ኣል ጃበር፡ ብመንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝመሓደር ኩባንያ ተሓዳሲ ጸዓት ‘ማስዳር’ ድሕሪ ምምስራት ኩባንያ ኣድኖክ “ንምቕያር፡ ካርቦን ንምውጋድን መጻኢ እቲ ኩባንያ ንምርግጋጽን" ናብቲ ትካል ከም ዝኣተወ ይገልጹ።
ኢማራት ዓረብ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ኣፍረይቲ ነዳድን ጋዝን ዓለምና ኰይና ክትቅጽል እንከላ፡ ብዙሓት ካብዞም ናይ ትዊተር ኣካውንታት እታ ሃገር "ኣብ ስጉምቲ ክሊማ ዓለማዊት መራሒት" ብምባል ይንእዱ።
ተመራመርቲ ክላይሜት ኣክሽን ትራከር - ኣብ መላእ ዓለም ስጉምቲ ክሊማ ዝከታተል ናጻ ፕሮጀክት - ፖሊሲታት ክሊማ ኢማራት ዓረብ "እኹል ኣይኰነን" ክብሉ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ገሊጾም ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ኢማራት ዓረብ ብወገና፡ "ሸቶታት ልቀት ንምዕዋት ምሉእ ተወፋይነት ከም ዘለዋ" ትገልጽ።
ብጠቕላላ፡ እዚ 108 ኣካውንታት ዘለዎ ኔትዎርክ ብዛዕባ ኮፕ28ን እቲ ፕሬዝደንትን ልዕሊ 500 ትዊታት ትዊት ገይሩ ኣሎ።
መብዛሕትኦም ብቋንቋታት ኢንግሊዘኛን ዓረብን ኰይኖም፡ ብፈረንሳን ሂብሩን ዝጽሓፉ’ውን ኣለው።
ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ዝቃለስ ኩባንያ ቴክኖሎጂ ዝሰርሕ ክሪስ ፕሩፕስ "እዚ ዝተዋደደ ባህሪ መርበብ ምዃኑ ዳርጋ ርግጸኛ ምዃን ይክኣል” ይብል።
እዞም ኣካውንታት ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለዉ መርትዖታት እኳ እንተሃለው ፕሮፕስ ግን ብድሕሪኦም ዘለዉ ሰባት ምልላይ "ከቢድ" እዩ ኢሉ።
እዞም ኣካውንታት ንኻልኦት ተጠቀምቲ ንምውፋር ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ፡ ብተደጋጋሚ ስእልታት ደማሙ፡ ዕምባባታት፡ መግብን ወርቅን ኣብ ትዊተር ይዝርግሑ ነይሮም።
ኣብ መንጎ እዞም ንእሽቶ ዝመስሉ ልጣፋት፡ ንገዛእቲ ኢማራት ዓረብ ዝንእዱ ወይ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንፖሊሲታት እታ ሃገር ዘጉልሑ ትዊታት ይርከቡ።

ምንጪ ስእሊ, Twitter
ብውሕዱ ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት፡ እዞም ኣካውንታት ንረብሓታት ኢማራት ዓረብ ንዝነቕፉ ትዊታት ምላሽ ሂቦም ነይሮም።
ሴናተር ኣሜሪካ ጀፍ መርክሊ ኮፕ28 ኣብ ዱባይ ክካየድ ንዝሓለፈ ውሳነ ኣመልኪቱ "ትርጉም ኣልቦን ጽዩቕን” እዩ ክብል ድሕሪ ምንቃፉ ብሓደ ካብ ደገፍቲ ኢማራት ዓረብ ዝዀኑ ኣካውንታት ቅልጡፍ ተግሳጽ በጺሑዎ።
ሓደ ተጠቃሚ "ሓሶትን ሕማቕ ወረ ምዝርጋሕ ኣቋርጽ" ክብል መሊስሉ።
"ክቡር ሱልጣን ኣል ጃበር ንዝግባእ ቦታ ዝምጥን ሰብ'ዩ።"
ትንተና ስእልታት፡ ትሕዝቶን ባህርያትን ናይዞም ኣካውንታት፡ ናይ ሓቀኛታት ተጠቀምቲ ክዀኑ ተኽእሎ ከም ዘየለ የመልክቱ።
ክልተ ዝተፈላለዩ ኣካውንታት ልክዕ ሓደ ዓይነት ትዊት ዝጽሓፍሉ ኣጋጣሚ ኣሎ።
ሓሓሊፉ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ካብ ነንሕድሕዶም ኣዝዩ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ይጥቃዕ ነይሩ።
ከምዚ ዓይነት ባህሪ ኣብ ዝተወደበ መርበባት ናይ ሓሶት ኣካውንታት ልሙድ ዝዀነ ደረጃ ምውህሃድ ምህላው ዘመልክት እዩ።
እዚኦም፡ መን ይመርሖም? ወይ ስለ ምንታይ? ዝብል ግን ንጹር ኣይኰነን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወሃቢ ቃል ኮፕ28፡ "እዞም ኣካውንታት ብናይ ደገ ተዋሳእቲ ዝፍጠሩ ብምዃኖም፡ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ትዊተር ብሓባር ንምስራሕ ጠበቓታት” ከም ዝገበሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ።
መንግስቲ ኢማራት ዓረብ፡ "ህላወ ናይቶም ብኤኣይ ዝማዕበሉ ናይ ትዊተር ኣካውንትታት ከም ኣይፈልጥን" ይብል።
ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኢንተርነት ዝጽሓፉ ዘለው ትዊታት ኣብ ዙርያ ኮፕ28 ክቕረጽ ዝተሓስበ ተረኽ ዝሕብር ክኸውን ይኽእል።
ይኹን’ምበር፡ ክሳብ ክንደይ ዕውታት ነይሮም ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር የለን።
ካብቶም ቢቢሲ ኣብ መርመራኡ ዝተንተኖም 500 ልጣፋት፡ እቶም ዝበዝሑ ነፍሲ ወከፎም ውሑዳት ኣማኢት ግዜ ወይ ትሕቲኡ ጥራይ እዮም ተራእዮም።
እንተዀነ፡ እዚ "ምልክት ውድቀት" ክኸውን ከም ዘይክእል ተንተንቲ ይሕብሩ።
"እዞም መርበባት፡ እቲ ኣርእሰቲ ብሰብ ሰራሕ መገዲ ተበጻሕነቶም ንምዕባይ ዝተዳለዉ እዮም። እቶም ብዙሓት ተጠቀምቲ ኣብ ሓደ ኣርእስቲ ክዛተዩ ዝርእዩ መድረኻት(ንኣብነት ከም ኮፕ28) ተጠቀምቲ ናብኡ ከቕንዑ እዮም ዝገብሩ” ይብል ፕሮፕስ።
ትዊተር ኣብዚ ጉዳይ ርኢይቶ ኣይሃበን።
መጥቀሚ ሽም እዞም ናይ ትዊተር ኣካውንታት ኣብ ቲክቶክን ኢንስታግራምን ምህላዎም የመልክት።
ብውሑዱ ክልተ ኣካውንታት እውን ዋናታት ‘ብሎግ’ ዘካይዱ ኰይኖም ተረኺቦም።
ኣብኡ ተመሳሳሊ ዋሕዚ ዘነቓቕሑ ጥቕስታት፡ ስእልታትን ብዛዕባ ኢማራት ዓረብ ዝገልጹ ጽሑፋትን ተሓቲሞም ነይሮም።
ንረብሓታት ኢማራትስ ዘስፋሕፍሑ ዝተዋደደ ናይ ኦንላይን ጎስጓሳት ክቃላዕ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።
መንግስቲ ኢማራት ዓረብ ግን ከምዚ ዓይነት ሜላታት ኣይጥቀምን ብምባል ንዝቐርበሉ ክስታት ይነጽግ።
ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ክላይሜት ኣክሽን ኣንጻር ግጉይ ሓበሬታ - ዓለማዊ ጥምረት ትካላት ክሊማን ኣንጻር ናይ ሓሶት ሓበሬታን - ኢማራት ዓረብ ኣብ ዙርያ ኮፕ28 እትገብሮም ዘላ ጻዕርታት ዝድግፉ ካልኦት ዓሰርተታት ኣካውንታት ኣለልዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







