ኣስከሬን ደቂ-ሰብን ኣማኢት ጫማታትን ዝተረኸቦ 'መዓስከር ጽንተት'

ምንጪ ስእሊ, GBJ
ዝተቓጸለ ኣዕጽምቲ፡ ጫማታት፡ ቦርሳታት፡ ክዳውንትን ናይ ስንብታ ደብዳበን ገለ ካብቶም ኣብ ሜክሲኮ ብሰንኪ እቲ ምስ ጕጅለ ሸፋቱ ብዝተኣሳሰር ዝጠፍኡ ሰባት ዝእልሹ ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ዝረኸብዎ ኰይኑ፡ ነታ ሃገር ዘሰንበደ ጉዳይ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ 'ጉረሮስ ቡስካዶረስ ደ ጃሊስኮ' ዝፍለጥ ጕጅለ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሜክሲኮ ካብ ጓዳላሃራ ወጻኢ ኣብ እትርከብ ገጠራዊት ቍሸት ኣብ ዝርከብ ራንች ኢዛጉየር "ናይ ምልመላን ጽንተትን" ዝበሃል ቦታ ረኺቡ።
እዚ ከባቢ ዕርዲ ጃሊስኮ ሓድሽ ወለዶ ካርተል (CJNG) ዝበሃል ኰይኑ፡ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩን ዕሉላትን ተሻብኖ ዝገብርሉ ዕጸፋርስ ሜክሲኮ'ዩ።
እቲ ቦታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መስከረም ብሰበስልጣን ፈደራልን ክልላትን ውሑስን ምርመራን ተገይሩሉ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ነቲ ቦታ ክምርምሩ ምስ ጀመሩ ግን ኣብኡ ሬሳታት ደቂሰብ ተረኺቡ።
ወሃቢት ቃል ጉረሮስ ቡስካዶረስ ደ ጃሊስኮ ኢንዲራ ናቫሮ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "ቅድሚ ሕጂ ኣብ ውሑስ ገዛውቲ ኣቲና ነይርና፣ እንተዀነ፡ ዕላማና ንልምምድን ንምጽናትን ኣይነበረን፡" ኢላ።
"ሓያሎ ዋንነቱ ዘይፍለጥ ደወላት ስለ ዝነበረ ኢና ረኺብናዮ... ኣብ መቓብር ዝተቓጸለ ተረፍ መረፍ ኣካላት ደቂ-ሰብ ረኺብና፡" ይብል እቲ ኣብ 2015 ኣብ ግዝኣት ሶኖራ ዝጠፍአ ሓዉ ጀሱስ ሄርናን ናቫሮ ክደሊ ዝጸንሐ ናቫሮ።
ኣብ ጃሊስኮ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ቦታ ኣስከሬን ኣዕጽምቲ ከም ዝተረኸበን፡ ገሊኡ "ናይ ሕራር ምልክት" ከም ዘለዎን፡ ብዝሒ ዝሞቱ ግን ክሳዕ ሕጂ ከም ዘይተፈልጠን ገሊጹ።
ይዅን እምበር፡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ጫማታት፡ ክዳውንትን ቦርሳታትን ምርካቦም፡ እዚ ቦታ ብዙሓት ቅትለታት ዝተፈጸመሉ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዓዒሉ።

ምንጪ ስእሊ, GBJ
ዝለዓሉ ሕቶታት
ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ጃሊስኮ ሳልቫዶር ጎንዛለዝ፡ ሃገራዊ ሓለዋ ንመጀመርታ ግዜ ኣብቲ ቦታ ኣብ መስከረም ስርሒት ጸረ ገበን ከም ዘካየደን፡ ኣብኡ ገበናዊ ንጥፈታት ከም ዝተራእየን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ እዋን ዓሰርተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ክልተ ተጨውዮም ዝነበሩ ድማ ድሒኖም። ካልኦት ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ድማ ምስ ሓይልታት መንግስቲ ድሕሪ ምግጣም ሃዲሞም።
ሃገራዊ ሓለዋ ሬሳ ደቂ-ሰብ'ውን ዝረኸበ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ክሳዕ ጥቅምቲ ዝጸንሐ ሰፊሕ ኣለሻ ከም ዘስዓበን፡ ኣብቲ እዋን ግን ተወሳኺ ሬሳ ከም ዘይተረኽበን ጎንዛለዝ ገሊጹ። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ግን ብናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ኣስከሬናት ረኺቦም'ዮም።
"እዚ ዳሕረዋይ ርኽበታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ስራሕ እኹል ከም ዘይነበረ ንጹር'ዩ። ብወገን ዝዀነ ብዓልመዚ ክመጽእ ዝኽእል ውድቀት ንምፍላጥን ሓላፍነት ንምምዳብን መርመራ ከፊትና ኣለና፡" ኢሉ።
ጎንዛለዝ ወሲኹ፡ እቲ ናይ መጀመርታ ስራሕ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝካየድ ንደሓር ኣብቲ ቦታ ዝዀነ ምንቅስቓስ ከም ዘይተራእየን፡ ስለዚ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ዝረኸብዎ ሬሳታት ናይቶም ኣብ ቀረባ እዋን ግዳያት ዝዀኑ ሰባት ክኸውን ተኽእሎ ከም ዘየሎ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ክላውድያ ሸንባም ሃገራዊ ዓቃቢ ሕጊ ነቲ መርመራ ክቈጻጸሮ ኣዚዛ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መሪር ክስተት
ራንች ኢዛጉየር ውሑዳት ንኣሽቱ ህንጻታት ዘለዎን ብሓጹር ዝተኸበበን ኰይኑ፡ ኣብ ማእከል ናይ ሕርሻ መሬት ኣብ ቴውቺትላን ዝርከብ'ዩ።
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናብቲ ቦታ ምስ ኣተዉ ኣማኢት ናይ ውልቀ ሰባት ኣቑሑት ከም ጫማታት፡ ክዳውንትን ቦርሳታትን ዝኣመሰሉ ከም ዝረኸቡ፡ እዚ ድማ ብዙሓት ሰባት በቲ ከባቢ ሓሊፎም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይሕብሩ።
"ካብ መጀመርታ ብዙሕ ክዳውንትን ጫማን ረኺብና፣ እዚ ድማ ምስ ገለ ኣሳእል ናይ ቀደም ዓውደ ኵናታት ስለ ዝተነጻጸረ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ትሕዝቶ ኰነ። እዚ ናይ ብሓቂ ናይ ምልመላን ጽንተትን ቦታ እዩ ነይሩ፣ ምኽንያቱ፡ ህይወት ሰባት ኣብዚ የብቅዕ ስለ ዝነበረ'ዩ፡" ኢላ ኢንዲራ ናቫሮ ንኤኤፍፒ።
ድሒሮም ድማ ናይ ምልመላ ክዀኑ ዝኽእሉ ዝርዝር ሳጓታት ከምኡ'ውን ገለ ኣሳእል ዝሓዘ ደብተር ረኺቦም። ዳርጋ 100 ጠያይቲ እውን ኣኪቦም።
ብተወሳኺ፡ እቲ ናይ እለሻ ጕጅለ፡ "ፍቕረይ፡ ሓደ መዓልቲ እንተ ዘይተመሊሰ፡ ክሳብ ክንደይ ከም ዘፍቅርኪ ክትዝክሪ ጥራሕ እየ ዝሓትት፡" ዝብል ጽሑፍ ረኺቡ።
እቲ ደብዳበ፡ ምስ ዕለት ልደትን ዝተጻሕፈሉ ቦታን ተፈሪሙ ነበረ።
ድሒሩ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ እታ ግዝኣት፡ ጸሓፊ ናይታ ደብዳበ "ብህይወት ከም ዘሎ" ብምርግጋጽ፡ "ካብ ጥቅምቲ 2024 ጀሚሩ" ናብ ስድርኡ ከም ዝተመልሰ ገሊጹ።
እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ካልኦት ናይ እለሻ መርበባት ብዝረኸብዎ ተመኵሮ፡ ዝዀነ ምልክት ዝሞቱ ግዳያት ንምርካብ ኵዕታ ጀሚሮም።
ድሕሪኡ ድማ ገለ ካብኣቶም ብሓዊ ዝተቓጸሉ ምዃኖም ዝሕብር ምልክታት ኣዕጽምቲ ረኺቦም። ናቫሮ፡ እዚ ቦታ እዚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝረኣይዎ "ምልመላን ጽንተትን" ብዝተፈለየ መንገዲ ዝፍጸመሉ ቦታ ምዃኑ ገሊጹ።
ቤት ጽሕፈት ዋና ዓቃቢ ሕጊ ግዝኣት ጃሊስኮ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዝሒ እቶም ኣብኡ ተቐቲሎም ዝተባህሉ ሰባት ዛጊት ኣይተረጋገጸን። ገና መርመራታት ፎረንሲክ ከም ዘድሊ ኣብሪሁ።
ይዅን እምበር፡ ሰብመዚ "ኣብ ኣርባዕተ ጉድጓድ ሽዱሽተ ኣዕጽምቲ" ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።
ብተወሳኺ፡ እቶም ዝተረኸቡ ውልቃዊ ኣቑሑት ናይቶም ኣብ "ዘይሕጋዊ ንጥፈታት" ዝነጥፉ ሰባት ከምኡ'ውን ግዳያት ናይቲ ንጥፈታት ምዃኖም ይኣምኑ።

ምንጪ ስእሊ, GBJ
ናይ ምልመላ ቦታ
ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ራንች ኢዛጉየር ንዝተወደበ ገበናት ከም መመልመሊ ቦታ'ውን ኰይኑ ከም ዝነበረ መርትዖታት ኣመልኪቶም።
ንሓያሎ ዓመታት፡ ጉረሮስ ቡስካዶረስ ደ ጃሊስኮን ካልኦት ትካላትን፡ ኣብ ሜክሲኮ ዝርከቡ መንእሰያት ሰሓቢ ደሞዝ ዘለዎም መታለሊ ስራሕ ብምቕራብ ናብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ መርበባት ከም ዝስሓቡ ኣነጺሮም እዮም።
ንናቫሮ ዝረኸበ ግዳይ፡ ኣማኢት መንእሰያት ናብቲ ቦታ ከም ዝተወስዱ፡ ስቅያትን ሓድሕዶም ክጠቓቕዑ ምግዳድን ሓዊሱ ኢሰብኣዊ ተግባራት ከም ዝተፈጸሞምን ገሊጹ።
እቶም ሰብመዚ ነዚ ከረጋግጹን ክኽሕዱን ከም ዘይክእሉ እኳ እንተ ገለጹ፡ ኣብቲ ንብረት "ታክቲካዊ ልምምድ" ዝግበረሉ ቦታ ከምኡ'ውን ኣጽዋርን ጠያይትን ከም ዝነበረ ግን ኣስተብሂሎም።
ጎንዛለዝ ኣብቲ መርመራ "ግሉጽነት" ክህሉ ምዃኑን ቤት ጽሕፈቱ ድማ ኣዝማድ እቶም ግዳያት ንኸለልይዎም ንምሕጋዝ ናይ ኵሎም ኣብቲ ንብረት ዝተረኽበ ኣቑሑት መረዳእታን ኣሳእልን ኣሕቲሙ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, FGJ
ዋና ዓቃቢ ሕጊ ሜክሲኮ ኣሌሃንድሮ ገርትዝ ከም ዝበሎ፡ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ቅድሚ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ዝተኣከበ መርትዖታት ኣይረኸብዎን ነይሮም ዝብል ዘይእመን'ዩ ኢሉ።
ኤል ዩኒቨርሳል ዝተባህለት ጋዜጣ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ሰበስልጣን ሜክሲኮ ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ብውሑዱ ሓሙሽተ ተመሳሰልቲ መሳለጥያታት ከም ዝረኸቡን እዚኦም ድማ ዝተፈላለዩ ገበነኛታት ትካላት ንሰባት ንምቕታልን ሬሳታቶም ንምጕሓፍን ዝጥቀምሉ ዝነበሩ መሳለጥያታት ከም ዝረኸቡ ኣዘኻኺራ።
ኣብ 2009፡ ሓደ ካብ መራሕቲ ካርተል ቲጁዋና ዝዀነ ሳንትያጎ ሜዛ ሎፔዝ፡ ኣብ ወሰን ከተማ ቲጁዋና ኣስታት 300 ሬሳታት ከም ዝተቓጸሉ ብምንዛዝ ነታ ሃገር ኣሰንቢዱዋ።
እቲ ገበናት ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ዓመታት ከም ዝተፈጸመ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።
ሜክሲኮ ምስዚ ቅልውላው ንዓመታት ክትቃለስ ዝጸንሐት ሃገር ኰይና ልዕሊ 110 ሽሕ ውልቀሰባት ከም ዝተሰወሩ ተገሊጹ።
ጃሊስኮ ዝበዝሐ ቍጽሪ ሰባት ደሃዮም ዝጠፍኡላ ግዝኣት ኰይና፡ ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ከም ዝተሰወሩ ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ከባብያዊ መንግስቲ ዝረኸቦ ወግዓዊ መረዳእታ ይሕብር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብዛዕባ ዝፈትውዎም ሰባት መርትዖ ንምርካብ ኣብ ዝገብሩዎ ፈተነ፡ ነቲ ካብ ራንች ኢዛጉየር ዝተኻፈለ መረዳእታን ኣሳእልን ክምርምሩ ጸኒሖም እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







