ሜክሲኮ፡ ክላውድያ ሸንባውም ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ኰይና

ክላውድያ ሸንባውም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ክላውድያ ሸንባውም ዘመዝገበቶ ታሪኻዊ ዓወት ስዒቡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኰይና ተመሪጻ።

ብመሰረት ወግዓዊ በዓል መዚ መረጻ ሜክሲኮ፡ እታ ጓል 61 ዓመት ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ነበር ኣብቲ ዝተኻየደ መረጻ ካብ 58 ክሳብ 60 ሚእታዊት ድምጺ ከምዝረኸበት ይሕብር።

እዚ ድማ ካብ ቀንዲ መወዳድርታ ነጋዳይ ዞቺትል ጋልቨዝ ብኣስታት 30 ሚእታዊት መሪሕነት ክትረክብ ዘኽእላ’ዩ።

ክላውድያ ሸንባውም፡ ኣብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር ክትክኦ እያ።

ሳይንቲስት ጸዓት ነበር ሸንባውም፡ ነቲ ሎፔዝ ኦብራዶር ዝካየዶ "ምዕባለታት" ክትቅጽሎ ምዃና ገሊጻ ኣላ።

ዓወታ ኣመልኪታ ኣብ ዘስምዐቶ መደረ፡ "ኣብ ውሽጢ 200 ዓመታት ሪፓብሊክ [ሜክሲኮ] ንፈለማ እዋን፡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ሜክሲኮ ክኸውን እየ" ኢላ።

እቲ ዓወት ንዓኣ ጥራሕ ዘይኰነስ ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ዝረኸበቶ ከምዝዀነ እውን ጠቒሳ።

ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ኰይና ክትሰርሕ ዝጸንሐት ክላውድያ ሸንባውም፡ ነታ ስዕረታ ዝተቐበለት መንሓንሕታ ዞቺትል ጋልቨዝ እውን ኣመስጊና።

ደገፍቲ እቲ ክላውድያ ሸንባውም ትመርሖ ሰልፊ ሞረና ዓወታ ውዱእ ስለ ዝወሰድዎ ድሮ ጽንብል ጀሚሮም’ዮም፡ ክላውድያ ሸንባውም ግን ካብ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ወግዓዊ መግልጺ ክሳብ ዝወሃብ ብዓቕሊ ክጽበዩ ትምሕጸን ኣላ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ሜክሲካውያን ኣብ ሸሞንተ ዞባታት እታ ሃገር ኣባላት ኮንግረስ፡ ኣመሓደርቶምን መሪጾም ኣለዉ።

ኣብታ ብዕግርግርን ምዝውዋር ዕፈ ፋርስን ትፍለጥ ሃገር፡ ቅድሚ ምርጫ ምክያዱ 20 ዝዀኑ ተወዳደርቲ ከም ዝተቐተሉ ክግለጽ እንከሎ እቲ ቁጽሪ 37 ከም ዝብጽሕ ዝገልጽ ጸብጻባት’ውን ኣሎ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ኣድመጽቲ ኣብ ክልተ ቦታ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ’ውን ብውሕዱ ክልተ ሰብ ከም ዝተቐተሉ ሰብ መዚ ሜክሲኮ ገሊጾም።

መቀናቕንቲ ክላውድያ ሸንባውም ሶቺል ጋልቨዝ [የማን] ስዕረታ ተቐቢላ ኣላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መቀናቕንቲ ክላውድያ ሸንባውም ሶቺል ጋልቨዝ [የማን] ስዕረታ ተቐቢላ ኣላ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክላውድያ ሸንባውም ዘመዝገበቶ ታሪኻዊ ዓወት ስዒቡ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ሜክሲኮ ኰይና ተመሪጻ።

ብመሰረት ወግዓዊ በዓል መዚ መረጻ ሜክሲኮ፡ እታ ጓል 61 ዓመት ከንቲባ ከተማ ሜክሲኮ ነበር ኣብቲ ዝተኻየደ መረጻ ካብ 58 ክሳብ 60 ሚእታዊት ድምጺ ከምዝረኸበት ይሕብር።

እዚ ድማ ካብ ቀንዲ መወዳድርታ ነጋዳይ ዞቺትል ጋልቨዝ ብኣስታት 30 ሚእታዊት መሪሕነት ክትረክብ ዘኽእላ’ዩ።

ክላውድያ ሸንባውም፡ ኣብ ዕለት 1 ጥቅምቲ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ዘሎ ፕረዚደንት ኣንድሬስ ማኑኤል ሎፔዝ ኦብራዶር ክትክኦ እያ።

ክላውድያ ሸንባውም ተመራማሪት ኰይና ንከተማ ሜክሲኮ ካብ 2018 ክሳብ 2023 ከንቲባ ኰይና ዝመርሐትን በቲ ሕጂ ስልጣኑ ዘረክብ ፕረዚደንት ኣንደረስ ማንኤል ሎፐዝ ዓቢ ደገፍ ዘለዋን እያ።

ብመሰረት ቅዋም ሜክሲኮ ሓደ ፕረዚደንት ንሽዱሽተ ዓመት ምስ መርሐ ካልኣይ ግዜ ክወዳደር ኣይፍቐዶን’ዩ፡

ፕረዚደንት ኣንደረስ ማንኤል ሎፐዝ ብሜክሲኮውያን ኣዝዩ ፍቱው ኰይኑ፡ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ልዕሊ 60 ሚኢታዊት ካብ ህዝቢ ሜክሲኮ ኣብ ስልጣን ክቅጽል’ኳ ፍታዎም እንተኣርኣዩ፡ ንቅዋም እታ ሃገር ንምቅያር ዝገበሮ ፈተነ ግን ኣይሰለጦን።

ፕረዚደንት ኣንደረስ ማንኤል ሎፐዝ ንክላውድያ ሸንባውም ንክትምረጽ ኣዝዩ ስለ ዝጎስጎሰ፡ ስልጣን ፕረዚደንትነት ምስ ተረከበት ካብ ጽልዋ ፕረዚደንት ኣንደረስ ማንኤል ሎፐዝ ሓራ ክተከውን ድያ ዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ይልዓል ኣሎ።

ንሳ ግን ደጋጊማ ኣብ መሪሕነታ ጣልቃ ዝኣቱ ሰብ ከምዘየለ’ያ ትሕብር።

እንተዀነ ነቲ ፕረዚደንት ኣንደረስ ማንኤል ሎፐዝ ዝጀመሮ ስራሕ ናብ ዓወቱ ንምብጻሕ ክሰርሕ’የ ትብል ስለ ዝነበረት ካብ ጽለውኡ ክትውጽእ ከም ዘይትኽእል ዝገልጹ’ውን ኣለዉ።