ኢጋድ ኤርትራ ንዝወሰደቶ ውሳነ ምስሓብ ኣባልነት ግብረመልሲ ሂቡሉ

ምንጪ ስእሊ, IGAD
ኤርትራ ካብ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ ኣባልነታ ከምዝሰሓበት ምፍላጣ ከምዘሕዘኖ እቲ ውደብ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ውድብ "ንኣባላት ሃገራት፡ ብፍላይ ንኤርትራ ዒላማ ንምግባር መሳርሒ" ከምዝኾነ ብምኽሳስ "ሕጋዊ ሓላፍነት" ኣይፈጸመን ክብል ይወቅስ።
"ኤርትራ፡ ካብቲ ውድብ ክትስሕብ ዝወሰደቶ ውሳነ ንዋና ጸሓፊ ኢጋድ ብወግዒ ኣፍሊጣቶ ኣላ" ይብል እቲ ካብ ኣስመራ ዝወጸ መግለጺ።
ሎሚ ኣማስያኡ ግብረመልሲ ዝሃበ ኢጋድ ብወገኑ፡ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ናብቲ ውድብ ካብ እትምለስ ኣብ ኣኼባታቱ ከምዘይተሳተፈት ብምጥቃስ፡ ነቲ ሓድሽ ውሳነ ዳግመ-ግምት ክትገብረሉ ተማሕጺኑ'ሎ።
እታ ንነዊሕ ዓመታት ኣባልነታ ካብ ኢጋድ ስሒባ ዝነበረት ኤርትራ ኣብ ሰነ 2023 ናብቲ ውድብ ከምዝተመልሰት ይዝከር።
"ኤርትራ ኣብ ሰነ 2023 ኣባልነታ ዘሐድሰትሉ ምኽንያት፡ እቲ ውድብ ክጽገንን ንሕሉፍ ጌጋታቱ ክእርምን ንዝቐረበሉ ምሕጽንታ ኤርትራ እዝኒ ክህብ'ዩ ካብ ዝብል ተስፋ'ዩ ነይሩ።
"እቲ ዘሕዝን ግን፡ ኢጋድ ካብ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብምውጻእ ንኣገዳስነቱን መዝነቱን ኣብ ሓደጋ ምእታው ይቕጽል ኣሎ" ይብል እቲ ኣብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ብቋንቋ እንግሊዝ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ።
ኣብ 1993 ናብቲ ዞባዊ ውድብ ዝተጸንበረት ኤርትራ፡ ኣብ 2007 ንህላወ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማልያ ብምቅዋም እያ ኣባልነታ ኣደስኪላ።
ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት፡ ኢጋድ፡ ብመሪሕነት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ንምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ትህውኽ ኣላ ኢሉ ዝኸሰሳ ኤርትራ እገዳታት ክግበር ንሕብረት ኣፍሪቃን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራትን ጠለብ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ምስ ሶማልያ ብምትእስሳር ኣብ 2009 ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝተነብረ እገዳታት'ውን ኢጋድን ኢትዮጵያን ወሳኒ ኢድ ከምዝነበሮም'ዩ ዝግለጽ።
እዚ ሓድሽ ስጉምቲ ምስሓብ ኣባልነት'ውን ምስ ኢትዮጵያ ናብ ደግሲ ምትፍናን ኣትያትሉ ኣብ ዘላትሉ እዋን'ዩ ተወሲዱ ዘሎ።
ኢጋድ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ እቲ ውሳነ ኤርትራ ብሓውሲ-ውግዓዊ (ኖት ቨርባለ) ከምዝበጽሖ ብምርግጋጽ፡ ኣባልነት "ብዛዕባ ትካላዊ ይኹን ናይ ፖሊሲ ጽገናታት ጭቡጥ እማመታት ይኹን ልዝብ ከይተኻየደ ዝተወስደ ምስሓብ [ኣባልነት] ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።
"ካብ ሰነ 2023 ጀሚሩ፡ ኤርትራ ኣብ ኣኼባታት፡ ፕሮግራማትን ንጥፈታትን ኢጋድ ከይተሳተፈት'ያ ጸኒሓ። ኣብዚ ኩሉ እዋናት እዚ፡ ሰክሬታርያ [ቤትጽሕፈት ውድብ] ትዕግስትን ሰናይ ድሌትን ብምርኣይ ንሃናጺ ጽምዶ ድሉው ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።
"በዚ መንፈስ እዚ ኸኣ፡ ምስ መንግስቲ ሃገረ ኤርትራ ምርድዳእ ንምግባርን ንመርገጺኡ ዳግመ-ግምት ክገብረሉ ምትብባዕን ክንቅጽሎ ኢና።
"ኢጋድ፡ ንረብሓ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዓለመ ዞባዊ ምትሕግጋዝ፡ ልዝብን ሓባራዊ ተግባራት ንምዕዋት ዝተዋህቦ ሓላፍነት ጸኒዑ ክቕጽሎ እዩ" ይብል እቲ ካብ ጂቡቲ ዝወጸ መብርሂ።

ምንጪ ስእሊ, IGAD
ዋና ጸሓፊ ናይቲ ውድብ ዝኾነ ወርቅነህ ገበየሁ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዝነበረ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ለካቲት 2023፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝበሎ፡ ኤርትራ ናብቲ ውድብ ክትምለስ መራሒ ኬንያ ዊልያም ሩቶ ንዘቕረበሉ ጠለብ "ብዛዕብኡ ሕቶ የለን ኢለ" ክብል ከም ዝተቐበሎ ድሕሪ ምዝራቡ'ያ ኣስመራ በወግዒ ኣባልነታ ኣሐዲሳ።
"ዞባዊ ምውህሃድ ንዝብል ሓሳብ ንምብርባር ናብ ኢጋድ ክንጽንበር ወይ ክንምለስ ኢና" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ምትሕግጋሕ ብዘይ ውሁድ ዞባ ክዕወት ከም ዘይክእል ሽዑ ገሊጹ ምንባሩ'ውን ይዝከር።
"ሓድሽ ምህዞ የለን፡ ዳግማይ ምህዞ ኣይኮነን፡ እንምህዞ ሓድሽ ነገር የለን። ዝሰርሕ ሓቀኛ ዞባዊ ውድብ ክህልወና ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለዝኾነ፡ ንኢጋድ ምብርባር ብስም ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ እንገብሮ ግዴታና እዩ።"
ኣብቲ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መብርሂ "ንዓኹምን ኣብዚ ዞባ ዘሎ ኩሉን ከነረጋግጸልኩም እንደሊ ነገር. . .ደጊም ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ኣይኮነን" ኢሉ። እንተኾነ፡ እዚ ሓድሽ ስጉምቲ ደግሲ ናይቲ ናይ ቀደም ኮይኑ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ ኣብ 1993 ብወግዒ ናጽነታ ድሕሪ ምእዋጃ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቲ ኣብ ምግታእ ድርቅን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ተሓጺሩ ዝነበረ ውድብ ኣብ ምብርባር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ነፍሲሄር መለስ ዜናዊ ብምትሕብባር ዓቢ ተራ ከምዝነበሮ ይግለጽ።
መንግስቲ ኤርትራ፡ ብፍላይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣብ ምብታኽ "ህዉኽ" ስጉምቲ ብምውሳድ ንረብሓታት እታ ሃገር ከምዝሃሰዮ ብዙሓት ኤርትራውያን ዲፕሎማሰኛታት ነበር ክወቕሱ ጸኒሖም'ዮም።
ኣስመራ፡ ብተመሳሳሊ ምኽንያታት ካብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣባልነታ ዝሰሓበትሉ ሓያሎ ዓመታት ከምዝነበረ'ውን ይዝከር።
ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ኢጋድ ኣብ ርእሰከተማ ጂቡቲ ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኣባል ሃገራት ዘቝምዎ ኮሚተ ሓደ ካብ ኣካላት እቲ ውድብ ምዃኑ ይፍለጥ።
ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብሰንኪ'ቲ ኣብ 2008 ዝተወልዐ ዶባዊ ግጭት ናብ ንቡር ኣይተመልሰን።
ኣብ 2018 ብመንጐኝነት ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ዝተወስደ ንክልቲአን ሃገራት ናይ ምቅርራብ ተበግሶ'ውን ኣይተዓወተን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







