ግብጺ፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምድጋፍ ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ኣረጋጊጻ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ መራሒ ግብጺ ብዛዕባ እንታይ ዘትዮም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንናይ ሓሙሽተ መዓልታ ዑደት ንግብጺ ዝገሸ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣ'ሲሲ ተራኺቦም ተዛትዮም።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብፕረዚደንት ዓብደልፋታሕ ኣ'ሲሲ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፡ ስደትን ኣብ ወጻኢ ዝሰርሑ ግብጻውያንን ዶክተር በድር ዓብደል ዓጢን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስተር ዑስማን ሳልሕ መሓመድን እውን ከምዝተረኸቡ እቲ መርበብ ሓበሬታ የመልክት።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣ'ሲሲ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት እዩ ናብ ግብጺ ኣቕኒዑ።

እቲ ብምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕ ዝተሰነየ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ጽንብል መመረቕታ ዓቢይ ሙዝየም እታ ሃገር ክሳተፍ እዩ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ግብጺ ኣ'ሲስን ኣብ ቤተ- መንግስቲ ተራኺቦም ሰፊሕ ዝርርብ ከምዘካየዱ ሓበሬታ መንግስቲ ግብጺ የመልክት።

እቶም መራሕቲ ሃገራት ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ዛዕባታት ዘትዮም ኣለዉ።

ኣብቲ ዝገበርዎ ዝርርብ፡ ፕረዚደንት ግብጺ ዓሚቝ ዝሰረቱ ስትራተጅያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኣስሚሩሉ። ኣብ ርክቦም ክልቲኦም መራሕቲ ንዞባዊ ምዕባለታት ዘለዎም መርኣያታት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ፕረዚደንት ኣ'ሲሲ፡ ሃገሩ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ ንምድጋፍ ዘለዋ ጽኑዕ ተወፋይነት ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኑ ግብጺ ምድልዳል ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምብራቕ ኣፍሪቃን ዘለዋ ተራ ዓሚቝ ኣድናቘቱ ገሊጹ።

ብዘይካ'ዚ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ እዋናዊ ምዕባለታት ዝዳህሰሱ እቶም መራሕቲ፡ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዘብቅዓሉ መንገድታት ዘለዎም ኣረኣእያታት ተመያይጦም። ክልቲኦም፡ ቅድምን ልዕሊን ኵሉ ኣድላይነት ምድጋፍ ሃገራዊን መንግስታውን ትካላት ሰራዊት ሱዳን ብምርድዳእ፡ ዝዀነ ይዅን ጐድናዊ ትካላት ንምፍጣር ዝግበር ሃቐነ ነጺጐም።

ሓድነት ሱዳን ንምርግጋጽ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት፡ ከምኡ'ውን ምዕቃብ ሃገራዊ ልኡላውነታ ንምርግጋጽ ዘለዎም ተወፋይነት ድማ ኣስሚሮምሉ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ኒያላ ርእሰከተማኡ ዝገበረ፡ ዳዕመሰሪዕ ዝመርሖ ተመዓዳዊ መንግስቲ ሱዳን ንምምስራት ብደገፍ ኢማራት ኣብ ኬንያ ጻዕርታት ክግበር ከም ዝጸንሐ ኣይርሳዕን።

እዚ ከምዚሉ እናሃለወ፡ እቲ ሰፊሕ ደገፍ ግብጽን ኤርትራን ከምዘለዎ ዝንገር ሰራዊት ሱዳን ካብታ ኣገዳሲት ምዕራብ ሱዳናዊት ከተማ ኤልፋሸር ብሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ተደፊኡ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ኵነታት ሱዳን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ኰይኑ ምህላዉ እውን ይፍለጥ።

ኣብቲ ርክብ ክልቲኦም ፕረዚደንትታት፡ ኣብ ሶማልያ ዝርአ ዘሎ እዋናዊ ምዕባለታት እውን ብምልዓል፡ ነቲ ኣብ ስሉሳዊ ዋዕላ መራሕቲ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ኣብ ኣስመራ ጥቅምቲ 2024 ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ ዝተገልጸ መርገጽ ሃገራቶም ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

እቲ መግለጺ መሰረታዊ መትከላት ኣህጉራዊ ሕጊ ብፍላይ ድማ ልኡላውነት፡ ናጽነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያን ኵለን ሃገራት እቲ ዞባን ምኽባር ከምዘድሊ ኣስሚሩሉ።

ኣብ መንጐ ኤርትራን ግብጺን ኣብዚ እዋን ጽቡቕ ዝምድና ከምዘሎ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብደረጃ መራሕቲ ይዅን ምኒስተራት ጽዑቕ ርክባት ክካየድ ከምዝጸንሐ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ከምዘካየደ፡ ፕረዚደንት ኣ'ሲሲ ብወገኑ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምግባር፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝተረኽበሉ ስሉሳዊ ኪዳን መስሪቶም ምንባሮም ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Eritrean Information Ministry

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዑደት ከምዘካየደ፡ ፕረዚደንት ኣ'ሲሲ ብወገኑ ኣብ ኤርትራ ዑደት ብምግባር፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ዝተረኽበሉ ስሉሳዊ ኪዳን መስሪቶም ምንባሮም ይዝከር።

ኣብዚ እዋን ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ዓሰብ ዝተላዕለ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ንዋንነት እታ ወደብ ኣመልኪቱ ዝተፈላለየ ምኽንያትን ምጕትን ኣብ ዝጽሕትረሉ ዘሎ እዋን እዩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ግብጺ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን እታ "ታሪኻዊት ጸላኢተይ" እትብላ ግብጺን እውን ብሰንኪ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ዝተፈጥረ ፍልልይ ዛጊት ብዘተ ክፍታሕ ስለ ዘይከኣለ፡ ብፍላይ ደሕሪ ምዝዛም እቲ ግድብ እቲ ኣብ መንጐአን ዝጸንሐ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ቍርቍስ ገና ዓሚቝ እዩ ዘሎ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ድማ ብተደጋጋሚ ንግብጺ ብሽርሕን ተጻባኢ መርገጽን፡ ብፍላይ ዕጡቓት ተቓወምቲ ብምዕጣቕ ክኸሱ እዮም ዝስምዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ናብ ግብጺ ብዝቐንዐ ዝመስል ቃና፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ባሕሪ ንዘትረፉዋ ዝበሎም ብስም ዘይጠቐሶም ሓይልታት ወጻኢ ክወቅስ ተሰሚዑ እዩ።

"እቶም ን60፡ 70 ዓመታት ሰሪሖም መሬት ተኸቢብና ክንተርፍ ዝገበሩና ጸላእቲ ስርሖም ቀጺሎም ኣለዉ፡" ድሕሪ ምባል "እቶም ቀንዲ ወነንቲ ናይቲ ንኢትዮጵያ ብመሬት ናይ ምዕጻው ኣጀንዳ እቶም ታሪኻዊ ጸላእቲ እዮም፡" ክብል ተሰሚዑ።