መንግስቲ ኤርትራ ምስ እምነት ብዝተኣሳሰር ንዓመታት ኣሲሩዎም ዝጸንሐ 98 ሰባት ፈቲሑ

ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, YEMANE G/MESKEL

ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 98 ሰዓብቲ ዝተኣገዳ ኣብያተ ክርስትያን ከምዝተፈትሑ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ካብቶም ብሓሙስ ብዋሕስ ዝተፈትሑ 36 ኣመንቲ እተን 20 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ኣብ ኣስመራን ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ቤተሰብ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ሓያሎ ካብቶም ዝተፈትሑ እሱራት ንኣስታት 5 ዓመት ኣብቲ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ማይ ስርዋ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ክስን ንቡር መስርሕ ቤት ፍርድን ተኣሲሮም ዝጸንሑ እዮም።

ትማሊ'ውን 17 ሰባት ካብ ቀይዲ ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ'ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዘይካ እዞም ዝተጠቕሱ እሱራት ብ3 ታሕሳስ ናይዚ ዓመት ንኣስታት 3 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ኣሲሩዎም ዝጸንሐ 16 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም ካልኦት 26 ሰባት ከምዝፈትሐ ይዝከር።

ብዘይካ'ዚ ብ18 ሕዳር ኣብ ከተማ ከረን ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ፡ ሰለስተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 19 ሰባት ከምዝተፈትሑ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣብ 2002 ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበን እምነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ካቶሊክ፡ ወንጌላዊት ሉተራዊትን ሱኒ እስልምናን ኮይነን ብዙሓት ሰዓብቲ ናይተን ካልኦት ዝተኣገዳ እምነታት ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

ሓያሎ ካብ መራሕቲ እተን ዝተኣገዳ ኣብያተ ክርስትያናት እውን ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ተሰዊሮም ከምዘለዉ ጸብጻባት ናይቶም ብተደጋጋሚ ፍትሒ ክረጋገጽ ጻውዒት ዝገብሩ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክት።

ብዘይካ እዚ ብርክት ዝበሉ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርሰትያን ኣቕሽሽትን መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ብቐጻሊ ክንገር ጸኒሑ እዩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ መምሃራን ናይተን ብ'መሓድ' ዝፍለጣ ብሃይማኖት ምስልምና ዝማሓደራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዎምን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኩሎም እቶም ብስም ጅሃዳዊ ምንቅስቓስ ከምዝተቐየዱ ዝንገረሎም ግዳያት ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሎም፤ ኣብ ዝኾነ ናጻ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ'ውን ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ብዘይ ወግዓዊ ክስን ፍርድን ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ናይ እምነት፡ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፈትሖም ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።

እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኹሉ እቲ ዝቐርበሉ ሃይማኖታዊ ክስታት "ኤርትራ መሰል ናይ ሃይማኖታት እተኽብር ሃገር" ምዃና ብምግላጽ እዩ ዝነጽጎ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ስድራ ቤታት ግዳያትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኩሎም እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ተቐይዶም ዝርከቡ እሱራት ግቡእ ክሲ ቀሪቡሎም ብንቡር ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ቤት ፍርዲ ክረአን ዝግበኦም ካሕሳ ተዋሂቡዎም ክፍትሑን እዮም ዝጽውዑ።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ቀይዱዎም ዘሎ እሱራት ብዝምልከት ዝሃቦ ሓበሬታ የሎን።