ኤርትራ፡ 13 ሰባት ድሕሪ 18 ዓመታት ጽኑዕ ማእሰርቲ ካብ ማይስርዋ ተፈቲሖም

ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ፡ ኣብ ሓንቲ መስመር ሓሙሽተ ሸላታት ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ፡ ኣብ ሓንቲ መስመር ሓሙሽተ ሸላታት ኣለዋ

መንግስቲ ኤርትራ ንኣስታት 18 ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 13 ሰባት ከም ዝፈትሐ መቕርብ እሱራት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዞም ነጋዶ፡ ኣባላት ፖሊስ፡ ሞያውያን ዝርከቡዎም እሱራት፡ ትማሊ 4 ታሕሳስ ናብ ስድራቤቶም ተጸንቢሮም።

እዞም እሱራት፡ ንጉዳይ ክልተ ነጋዶ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኤርትራ ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግድ ፈተነ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ካብ ጥቅምቲ 2007 ኣትሒዞም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ምዃኖም ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ንሓያለ ዓመታት ኣብ ማይስርዋ ተኣሲሩ ዝነበረ ሓቢሩ።

ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 30 ሰባት ዝግመቱ ተኣሲሮም ምንባሮም፡ ከም ሃለቃ በርሀ ብዓል ዓዲያቆብ (ደሓር ዝዓረፈ) ዝኣመሰሉ በብእዋኑ ክፍትሑ ከለዉ፡ 20 ሰባት ግን ክሳዕ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ቀይዲ ከም ዝጸንሑ ወሲኹ ይገልጽ።

ኦሎምፕያዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ዝነበረ ነጋዳይ ዘርኣጋብር ገብረህይወት፡ ፍሉጣት ነጋዶ ተስፋኣለም መንግስትኣብን በዅረ መብራህቱን፣ ከምኡ'ውን ክልተ ኣሕዋት እንጂነር ዳዊት ሃብተማርያምን ጆሜትራ ማትዮዎስ ሃብተማርያምን ይርከቡዎም።

ብተወሳኺ፡ ሽዱሽተ ኣባላት ፖሊስ ኤርትራ፡ ሓላፊ ምክልኻል ገበን ዝነበረ ኮሎነል ኣስመሮም ገብረወልዲ፡ ሓላፊ ወንጀል መርመራ ዝነበረ ኮሎነል ጐይትኦም ገብረስላሰ (ወዲ በኺት)፡ ሓላፊ ፋይናንስን ምምሕዳርን ዝነበረ ኮሎነል ሰለሙን ብርሃነ፡ ሓላፊ ምክትታል (surveillance) ዝነበረ ሜጀር ፍረዝጊ ህብትዝጊ፡ ሓላፊ ምክትታል ዕጸፋርስን ተመሳሳልቲ ጉዳያትን ዝነበረ ካፕቴን ተኪአ ገብረህይወት፡ ላዕልዎት መርመርቲ ሌ/ኮሎነል ኢሰያስ ዮሴፍን ሜጀር ተስፋልደት እያሱን እዮም።

ብዘይካ'ዚኦም ኣባል ውሽጣዊ ጸጥታ ዝነበረ ሜጀር ጐይትኦም ኣርኣያ (ወዲ ቢኒ) ካብቶም ወጺኦም ዘለዉ ምዃኑ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ኮሎነል ጐይትኦም ኣብ 2011 ምስ ዝወጽኡ ሓሙሽተ ሰባት ተለቒቑ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ዳግማይ ተመሊሱ።

ምስኦም ተኣሲሩ ዝነበረ ኮሎነል ገብረትንሳኤ ገብረሚካኤል (ወዲ ገሬ) ድማ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ (2011) ከም ዝሞተ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ካብኣቶም፡ እቶም ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብጽኑዕ ተኣሲሮም ዘለዉ 7 ሰባት ገና ኣይወጽኡን ኣለዉ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ከም ዓዲ ኣበይቶን ማይስርዋን ዝኣመሰሉ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ እሱራት ብዘይእኹል ማይን ጥዕናዊ ውሕስነትን ብኣሰቃቒ ኵነታት ከም ዝተሓዙ ገሊጹ ነይሩ።

እዞም እሱራት፡ ብስድራቤቶምን ፈተውቶምን ክብጽሑ ይፍቀደሎም ከም ዘይነበረ ይፍለጥ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፍሉይ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ብ16 ሰነ ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኵነታት ኤርትራ ከም ዘይተመሓየሸ ኣብሪሁ።

መሓመድ ዓብዱሰላም ባቢከር ንቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ተቓውሞኦም ዝገልጹ ሰባት ምስዋር፡ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሱ።

እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰላት ካብ ዶባት እታ ሃገር ሰጊሩ ናብ ዳያስፖራ ከም ዝበጽሕ'ውን ሓቢሩ።

"እታ ሃገር እትፍጽሞ ስግረ-ዶባዊ ጸቕጢ ክሳብ ክንዮው ዶባታ ዘሎ ዳያስፖራ ዝዝርጋሕ'ዩ፡" ኢሉ ምግላጹ ይዝከር።

ኤርትራ ነዚ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኣተኲሩ መርመራ ዘካይድ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ክትቃወሞ ጸኒሓ እያ።

እዞም ዝተፈትሑ 13 እሱራት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝጸንሑለን 18 ዓመታት ዋላ ሓደ መዓልቲ ናብ ቤትፍርዲ ቀሪቦም ከም ዘይፈልጡ ይግለጽ።

ገለ ካብኦም ሕማማት ሽኮር፡ ልቢ፡ ጸቕጢ ደም፡ ናይ ዓይኒ ጸገምን ስንክልና ናይ ገድሊን ዝነበሮም ኰይኖም፡ ብዙሕ ስቓይ ከም ዘሕለፉ ቢቢሲ ዘዘራረባ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ መተኣስርቶም ነበር ሓቢራ።

ብ1998 ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ድሕሪ ምውልዑ፡ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይከዱ፡ ካብ ኣሃዱታቶም ዝተመልሱን ካልኦትን ምግፋፍ ጀሚሩ።

ከም ዓዲ ኣበይቶ ኣብ ዝኣመሰላ ቦታታት ዝነበረ ንትካላት ኮነ ካልእ መዓላታት ተባሂሉ ዝተሰርሐ ህንጻታትን ብዚንጎታት ብምርቃዕን ከም ኣብያተ ማእሰርቲ ከገልግል ጀሚሩ።

እዛ ሓንቲ ካብ ዓዲታት ደቂ-ተሽም ዝዀነት ዓዲ ኣበይቶ ድማ ሕሉፍ ታሪኻ እናሃሰሰ ከም ቦታ ማእሰርቲ ኣብ መላእ ኤርትራ ክትፍለጥ ጀሚራ።

ድሕሪ ውዕል ኣልጀርስ፡ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን ምክፍፋል ኣጓኒፉ፡ 13 ካብኦም ኣብ 2001 ናብ ቤት ማእሰርቲ ተወሲዶም።

ነዚ ስዒቡ ግንባራት ብዞባ ስርሒታት ተተኪኡ፡ ጀነራል ገብረእግዚኣብሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ኣዛዚ ዞባ ስርሒት 5 ኰይኑ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ዝነበረሉ፡ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣበይቶ ብዝያዳ እናተፈልጠ ከም ዝመጽአ ይፍለጥ።

ሓደ ካብ ቀዳሞት ዋርድያታት ማይስርዋ ዝነበሩ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ማይስርዋ ኣብ መፋርቕ 1999 ከም ዝጀመረ ይገልጽ።

ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ፡ ኣብ ሓንቲ መስመር ሓሙሽተን ሽዱሽተን ሸላታት ኣለዋ

ምንጪ ስእሊ, Human right council

ኣዛዚ ዞባ ስርሒት 2 ዝነበረ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ካብ ባረንቱ ናብ ኣስመራ ምስ ተቐየረ፡ እቶም ኣብያተ ማእሰርቲ ዝያዳ ከም ዝሰፍሑን ዝኸረሩን ወሲኹ ይገልጽ። እዚ ኣዛዚ'ዚ፡ ድሒሩ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዋላ እኳ እንተዀነ፡ እዞም ኣብያተ ማእሰርቲ ገና ኣብ ትሕቲኡ ከምዝርከቡ ምንጭታት ቢቢሲ ይሕብሩ።

እቲ 76 ብጽኑዕ ኮንክሪት ዝተሰርሐ ሸላታት ዘለዎ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ማይስሩዋ፡ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓሙሽተ ዓበይቲ ሸላታት ከም ዝተወሰኾን ልዕሊ 20 ዝኸውን ኮንተይነራት ከም ዘለዎን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

ብዛዕባ እዞም ትማሊ ዝተፈትሑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ዘውጽኦ ሓበሬታ የሎን።