ቢንያም ግርማይ፡ ኣምባሳደር ሕቡራት ሃገራት ክኸውን ተመዚዙ

ምንጪ ስእሊ, UNDP Eritrea
ፍሉጥ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ሃገራዊ ኣምባሳደር ኤጀንሲ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት (UNDP) ክኸውን ተመዚዙ።
እቲ ትካል ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዙር ፈረንሳ ቀጠልያ ማልያ ክዕወት ዝበቕዐ እንኮ ኣፍሪቃዊ ስፖርተኛ፡ "ሃገራዊ ኣምባሳደር ሰናይ ድሌት ክሊማዊ ተበግሶን ምሕያል መንእሰያት ኣብ ኤርትራ" ክኸውን ተሓርዩ ከምዘሎ'ዩ ኣበሲሩ።
"ቢንያም ግርማይ ትእምርቲ መንፈስ መንእሰያት ኣፍሪቃ እዩ" ክብል ዘለዎ ናእዳ ዝገለጸ ወኪል እቲ ትካል ኣብ ኤርትራ፡ ፓ ላሚን በያይ፡ ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ዘለዎ ጽልዋ ኣብ ምዕዋት ተልእኾ ዩ-ኤን-ዲ-ፒ ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ምስ ስድራቤቱ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ ቢንያም ብወገኑ፡ ክሊማዊ ለውጥን ሳዕቤናቱን ኣብ ምቅላስ ተራ መንእሰያት ኣገዳሲ ምዃኑ ተዛሪቡ።
"መንሰያት ኤርትራ፡ ከም ኵሎም ኣፍሪቃውያን [መንእሰያት] ኣሳታፍን ክሊማዊ-ተጻዋርነት ክህሉ ዝገብር ፍታሓት ኣብ ምንዳይ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ።"
"ሳዕቤናት ክሊማዊ ለውጢ ንምድራት፡ ተጻዋርነት ዘለዎም ማሕበረኮማት ብምህናጽን መንእሰያት ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ምውህሃድ ኣብ ቅድሚት ከምዝስርዑ ንምግባር ዝክኣለና ኵሉ ክንገብር ኣለና" ክብል ቢንያም ከምዝተዛረበ እቲ ካብ ኣስመራ ዝወጸ መግለጺ ይጠቅስ።

ምንጪ ስእሊ, UNDP Eritrea
ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተሳተፈ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ዘመደ ተኽለ ብወገኑ፡ "ፕሮፈሽናል ኣትሌትና ቢንያም ግርማይ ዝግብኦ ኣምባሳደር ሰናይ ድሌት ክኸውን ብዩ-ኤን-ዲ-ፒ ኤርትራ ምምዛዙ ዓሚቚ ክብሪ ይስመዓኒ" ኢሉ።
'ኣምባሳደር ሰናይ ድሌት (Goodwill Ambassador) ዝተፈላለያ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ይዅና ዓበይቲ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት ንዕላማታተን ንምድንፋዕ ንጸለውቲ ውልቀሰባት ዝህባኦ ናይ ክብሪ መዝነት'ዩ።
ፓቶራንኪን ከምኡ'ውን የሚ ኣላደ ዝተባህሉ ክልተ ፍሉጣት ናይጀርያውያን ሙዚቀኛታት ብተመሳሳሊ ደረጃ ኣምባሳደራት ኣፍሪቃን ዓለምን ዩ-ኤን-ዲ-ፒ ምዃኖም ጨንፈር ናይቲ ትካል ኣብ ኣስመራ ጠቒሱ'ሎ።
ኤርትራ ኣብቲ 11 ሃገራት ናይቲ ዞባ ዘለውኦ 'ተበግሶ ዓቢ ሓምላይ መንደቕ' ዘለዋ ተሳትፎ፡ ንመንእሰያታ ኣብ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ ተገዳስነት ክህልዎም ከምእትደሊ ዘመልክት'ዩ ክብል'ውን እቲ መግለጺ ይንእድ።
ቢንያም ግርማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተወድአ ቅድድም ዙር ፈረንሳ ዝተሳተፈ እንኮ ኣፍሪቃዊ ዝዀነ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ዘመዝገቦ ናይ ካልኣይ ወጽኢት እቲ ዝበለጸ ናይዚ ዓመት (ዙር ፈረንሳ) ውጽኢቱ'ዩ።
ብዘይካ'ዚ ቢንያም ኣብ ሳልሳይን ታሽዓይን መድረኻት ናይ ሻዱሻይ ደረጃ ውጽኢት ኣመዝጊቡ።
ኣብ ዓመተ 2024 ዘመዝገቦ ዓወታት ንስም እቲ ኤርትራዊ ኣትሌት ሰማይ ዝሰቐለ'ዩ ነይሩ።
ዓሚ ተዓዋቲ ቀጠልያ ማልያ ክኸውን ዝኸኣለ ቢንያም፡ ኣብ ዙር ፈረንሳ ናይ መድረኽ ዓወት ከመዝግብ ዝኸኣለ ፈላሚ ጸሊም ኣፍሪቃዊ'ዩ።
ኣብ ዙር ፈረንሳ ክልተ ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ፈላሚ ኣፍሪቃዊ ብምዃን'ውን ታሪኻዊ ክብረወሰን ሒዙ ይርከብ።
ባዕሉ ንኽብረ መዝገቡ ብምምሕያሻ እቲ ቀደማይ ኣብ ዙር ፈረንሳ ሰለስተ ናይ መድረኸ ዓወታት ከመዝግብ ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ እውን'ዩ።
ሎሚ ዓመት'ውን ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ንጃስፐር ፍሊፕሰን ብምኽታል ካልኣይ ኰይኑ ውድደሩ ብምዝዛም፡ ነታ ንዝበለጸ መንእሰይ እተወሃብ ጻዕዳ ማልያ ክለብሳ ክኢሉ፡ በዚ ከኣ እቲ ቀዳማይ ነዛ ማልያ ክለብሳ ዝኸኣለ ኣፍሪቃዊ ክኸውን በቒዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







