ቢንያም ግርማይ ሻዱሻይ ወጺኡ፡ ጆናታን ሚላን ቀጠልያ ማልያ ሒዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳልሳይቲ መድረኽ ዙር ፈረንሳ 178.3 ኪሎሜተር ንናይ ሹኻ [ቮላቺስታታት] ተቐዳደምቲ እትምችእ ጐልጎል'ያ።
ተቐዳደምቲ ዝዀነ በዳሂ ናይ ምሙላቚ ፈተነታት ከየካየዱ'ዮም ናብ መወዳእታ ሕንጻጽ በጺሖም። ቅድሚ 118 ኪሎሜተር ከኣ ንዜና ዝኸውን ክስተት ኣይነበሮን።
ስለዝዀነ ጸብጸብ ካብ መበል 118 ኪሎሜተር እንተጀመርናዮ ይሓይሽ።
ኣብ መበል 118.2 ኪሎሜተር ከኣ ኣብ መንጐ ንቀጠልያ ማልያ ነጥቢ ተውህብ ሕንጻጽ ተዳልያ ነይራ።
ናብዛ መድረኽ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ጃስፐር ፍሊፕሰን ብ71 ነጥቢ ቀዳማይ፡ ቢንያም ግርማይ ብ17 ነጥቢ ድሒሩ ብ54 ነጥቢ ካልኣይ፡ ማትዮ ቫንደር ፑል ብ50 ነጥቢ ሳልሳይ፡ ኣንቶኒ ቱርገስ ብ36 ነጥቢ ራብዓይ ጆናታን ሚላን ከኣ ብ31 ነጥቢ ሓሙሻይ ኰይኖም'ዮም ጸወታ ጀሚሮም።
ኣብ መበል 118.2 ኪሎሜተር ኣብ ዝገበርዎ ቅጽበታዊ ውድድር ከኣ ጆናታን ሚላን ቀዳማይ ብምውጻእ ነጥቡ ናብ 51 በጺሑ።
ጃስፐር ፍሊፕሰን ግን ስለዝወደቐ ቅጽበታዊ ውድድር ከካይድ ኣይክኣለን።
ቢንያም ግርማይ ከኣ ሻውዓይ ወጺኡ 9 ነጥቢ ብምርካብ ነጥቡ ናብ 63 ክብ ኣቢልዎ።
ጃስፐር ፍሊፕሰን ኣብ ናይ መንጐ ቅጽበታዊ ውድድር ከቢድ ሓደጋ ምውዳቕ ኣጋጢምዎ ካብ ጸወታ ስለዝተኣለየ፡ ቢንያም ብ63 ነጥቢ ኣብ ቀጠልያ ማልያ ብ12 ጸብለልታ ነጥቢ መሪሕነት ተረኪቡ'ዩ ናብቲ ዝተረፎም 60 ኪሎሜተር ከማዕድዉ ጀሚሮም።
ንቀዳመይቲ መድረኽ ዝተዓወተላ ጃስፐር ፍሊፕሰን ሓደ ካብቶም ንቀጠልያ ማልያ ክዕቱላ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ልዑል ግምት ተዋሂብዎ ዝጸንሑ ተቐዳዳመቲ'ዩ።
ብኸምዚ ካብ ጸወታ ክእለ ከኣ ንዅሉ ኣፍቃሪ ቅድድም ብሽክለታ ዘሰንበደ'ዩ።
ውድድር ንቀጠልያ ማልያ ኣብ ቢንያም ግርማይ፡ ጆናታን ሚላን፡ ማትዮ ቫንደርፑል፡ ኣንቶኒ ትርጊስን ከምእትሕጸር ከኣ ርዱእ ኰነ።
ኣብ ናይ መወዳእታ ቅጽበታዊ ውድድር...
እዛ መደረኽ ከምቲ ዝተገመተቶ ጕጅለ ክሳብ ናይ መወዳእታ ውሑዳት ኪሎሜተራት ብሓባር ተጠርኒፋ'ያ ትጕዓዝ ነይራ፡ ጸወታ ኣስታት 10 ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ከኣ ጋንታታት ናይ ቅጽበታዊ ተወዳደርተን ቦታ ንኸትሕዛ ኣብ ቅድሚት ተገደማ።
ኣብ መወዳእታ ኣብ ዝተገበረ ቅጽበታዊ ውድድር ከኣ ቲም ሚልየር ካብ ጋንታ ኵክ ስቴፕ ቀዳማይ፡ ኣባል ጋንታ ሊድል ትሬክ ካልኣይ፡ ፊል ባሁስ ካብ ባሕረይን ቪክተርዮስ ሳልሳይ ወጺኦም።
ኣብ ከቢድ ምውዳቕ ዝተራኣዮ ቅጽበታ ውድድር ቢንያም ግርማይ ሻድሻይ ኰይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።
ብጫ ማልያ ትማሊ ዝተረከበባ ቫንደርፑል ብናይ 4 ካልኢት ፍልልይ ዓቒብዋ ኣሎ፤ ታደይ ፖጋቻ ይስዕቦ።
ኣብ ቀጠልያ ማልያ ሎሚ ካልኣይ ዝኣተወ ጆናታን ሚላን ብ81 ነጥቢ ቀዳማይ ድኰይኑ ሒዝዋ ኣሎ፤ ቢንያም ግርማይ ብ4 ነጥቢ ድሒሩ ብ77 ነጥቢ ካልኣይ ኰይኑ ይስዕቦ።
ሎሚ ቀዳማይ ዝኣተወ ቲም ሚልየር ከኣ ብ63 ነጥቢ ሳልሳይ ኣሎ።
ማልያ ኣንበሳ ዓቐበን ኣባል ጋንታ ዩኢኤ ቲም ዊልንስ ብ3 ነጥቢ ሒዝዋ ኣሎ።
ራብዓይቲ መድረኽ ንቅጽበታዊ ውድድር ዘይትጥዕምም ኣብ ብጫን ኣብ ናይ ዓቐበትን ማልያታት ፍልልይ ክትፈጥር እትኽእል፡ ጎቦታት ዝበዝሓ 174.2 ኪሎሜተር እትዝርጋሕ ተራር መድረኽ'ያ ክትከውን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







