ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ብዛዕባ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ዝተኻደ ዝርርብ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/x
ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ተካይድ ዘላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ተዘራሪባ ከምዘላ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ሎሚ ብዛዕባ'ቲ ምብጻሕ ርእይቶ ከምዝሃበ ይግለጽ ኣሎ።
ትማሊ ናብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝኣተወት ሚኒስተር ማሪያ ማልመር ስተነርጋረድ ምስ ኤርትራዊ መዘናኣ ዑስማን ሳልሕ ዝርከቦም ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ተራኺባ።
ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስር ዑስማን ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ "ምዕባለታት ዞባ" ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን "ሰላምን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ" ከምዝተዘራረቡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።
እታ ሚኒስተር ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደት ላዕለወይቲ ሽወደናዊት ብዓልቲ ስልጣን እያ።
ክልቲኦም ሚኒስተራት ብዛዕባ "ክልተኣዊ ዝምድናታቶም" ከምዝተዘራረቡ'ውን እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ንኣኼባ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ርእሰከተማ ብራሰልስ (በልጂም) ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ንጋዜጠኛታት መብርሂ ከምዝሃበ ማዕከናት ዜና ሓቢረን ኣለዋ።
ኡልፍ ክሪስተርሰን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሓያለ ዞባዊ ጉዳያትን ኣገደስቲ ክልተኣዊ ጉዳያት ኣለዉ፡ ኩሎም ድማ ክዝረበሎም እዩ" ከምዝበለ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ጉዳይ ናይቲ ካብ 2001 ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ተኣሲሩ ዘሎ ሽወደናዊ-ኤርትራዊ ዳዊት ኢሳቕ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ጉዳያት ዝተባህሉ እንተኾይኑ ምስተሓተተ'ውን "እወ፡ ብርግጽ" ክብል ከምዝመለሰ መንግስታዊ ራድዮ ሽወደንን ኣፍቶንብላደት ዝተባህለ ማዕከን ዜናን ሓቢሮም።
እቲ ልዝብ ኣብ ምንታይ ከምዝበጽሐ ግን ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ብኻልእ ወገን፡ ቤተሰብ ዳዊት ኢሳቕ ብዛዕባ ምብጻሕ ናይታ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቐዲሙ ከምዝተሓበሮም ማዕከናት ዜና ሽወደን ንኣባላት ናይቲ ስድራ ብምጥቃስ ጸብጺበን ኣለዋ።
ብስጉምቲ ናይታ ሚኒስተር ከምዝተሓጎሱ ዝገለጹ እቶም ኣባላት ናይቲ ስድራ "ንዓና እቲ ምብጻሕ ዕዉት ዝኸውን ኣቦና ክፍታሕ እንተኽዒሉ ጥራይ'ዩ" ከምዝበሉ እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ስቶክሆልምን ኣስመራን ንዓሰርተታት ዓመታት ብሰንኪ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ሓርፊፉ ምጽንሑ ይፍለጥ።
ብፍላይ ናይቲ ንልዕሊ 24 ዓመታት ኣብ ማሕዩር ተሰዊሩ ዘሎ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ'ውን ቀንዲ ካብቲ ንክልቲአን ሃገራት ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ጉዳይ እዩ።
ሓደ ካብ መስረትቲ ጋዜጣ ሰቲት ዝነበረ ዳዊት፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት ዜግነት ዘለዎ እዩ።
ሽወደን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዛዕባ ሃለዋቱ ክትሓትትን ንክፍታሕ ጻዕርታት ከተካይድን ጸኒሓ እያ።
እታ ንክልተ መዓልታት ኣብታ ሃገር ከምእትጸንሕ ዝተገልጸት ኣውሮጳዊት ብዓልቲ ስልጣን ብዛዕባ ማእሰርቲ ዳዊት ምስ ሰብመዚ ኤርትራ ደጊማ ክትዘራረብ ትጽቢት ይግበረላ።
እታ ሚኒስተር ቅድሚ ሕጂ ምስ ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ዘካየደቶ ርክባት፡ እቲ ጋዜጠኛ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ሽወደን ክረክብን ብዓይኒ ሰብኣውነት ተራእዩ ካብ ቀይዲ ክፍታሕን ጸዊዓ ምንባራ ይግለጽ።
ምስ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ኤርትራ ልኡል ገብረኣብ ኣብ ዘካየደቶ ርክብ'ውን፡ "ብዛዕባ ኤርትራ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዘለዋ መደባትን ዝተጓናጸፈቶ ዓወታትን መብርሂ" ከምዝተዋህባ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ሽወደን፡ ኣብ 2014 ምስቲ ጉዳይን ክልእን ብዝተሓሓዝ ንሓደ ኤርትራዊ ዲፕሎማሰኛ ኣብ ስቶክሆልም ከምዝሰጎገት ይዝከር።
ሰብመዚ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ንዓመታት ኣብ ቀይዲ ንጸንሑ እሱራት ምፍትሖም፡ ንብዙሓት ስድራቤታት ግዳያት ማእሰርቲ ተስፋ ኣስኒቑ ከምዘሎ ይግለጽ።
እቲ ንልዕሊ 24 ዓመታት ተሓይሩ ዝርከብ ዳዊት ኢሳቕ፡ ንናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ብዝገበሮ ተወፋይነት፡ ሽልማት ሰብኣዊ መሰላት ሽወደን - "ኤደልስታም" ተዓዊቱ ምንባሩ ይዝከር።
ዳዊት ኢሳቕ መን እዩ?

ምንጪ ስእሊ, The Edelstam Foundation
ዳዊት ኢሳቕ፡ ኣብ 2001 መንግስቲ ኤርትራ 11 ካብቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሚኒስተራት፡ ጀነራላትን ኣባላት ሃገራዊ ባይቶን ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ዝሰዓበ ማእሰርቲ ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ናጻ ፕረስ ኣብ ማሕዩር ተሰዊሩ።
ዳዊት፡ ኣብ 1990ታት ካብቶም ፈላሞት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ዝጀመረ ሓደ እዩ፡፡
ጋዜጠኛን ጸሓፍን ዳዊት፡ ዝተፈላለየ ሓጸርቲ ዛንታታትን ድራማታትን ዝደረሰ ኰይኑ፡ ኣብ ጋዜጣ ሰቲት ኣገደስቲ ስርሓት ከምዘበርከተ እውን ይንገረሉ።
ንልዕሊ 25 ዓመት ብዘይ ክሲን ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲን ኣብ ማእሰርቲ ብምሕላፉ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝነውሐ ዓመታት ዝተስሩ ጋዜጠኛታት ብምዃን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ይርከብ
ብመሰረት ትካል ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ጋዜጠኛ ዳዊት ክሳብ 2005 ብህይወት ከምዘሎ ጽንጽንታ'ኳ እንተነበረ፡ ካብኡ ንደሓር ግን ሃለዋቱ ኣይፍለጥን።

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea
ኤርትራ፡ ናጻ ብሕታዊ ማዕከን ሓበሬታ ዘይብላ እንኮ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኰይና፡ ኣብ 2001 "ሃገራዊ ድሕነት" ብዝብል ምስምስ ምሉእ ብምሉእ ናጽነት ፕረስ ዓጽያ ትርከብ።
ኣብ 1987 ናብ ሽወደን ተሰዲዱ፡ ኣብታ ሃገር ዜግነት ዝረኸበ ዳዊት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ 1993 ተመሊሱ ኣብኡ ይሰርሕ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
ብዘይ ዝኾነ ሃገራዊ ምርጫ ነታ ሃገር ንልዕሊ 34 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምግሃስ ሰባዊ መሰላት ይኽሰስ።
ኤርትራ እታ እንኮ ቅዋምን ሓጋጊ ኣካል (ሃገራዊ ባይቶን) ዘይብላ ሃገር ምዃና ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







