ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ንሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመታት ዕዉት ናይ ግዜ ውድድር ኰይኑ

ኣማንኤል ገብረዝግዝኣብሄር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣባል ኣመሪካዊት ጋንታ ሊድስ ትሬክ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ኣከታቲሉ ንሳልሳይ ዓመቱ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኰይኑ።

ንኣማኑኤል ተኸቲሉ ዓሚ'ውን ካልኣይ ዝወጽአ ኣባል ጋንታ ኣስታና ካዛኪስታን ሄኖክ ምሉእብርሃን ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ኣባል ጋንታ ኢንተርማርች መዋእል ግርማይ ሳልሳይ ኰይኑ ጸወትኡ ዛዚሙ።

መዋእል ግርማይ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ቀዳማይ ብምዃን ወርቒ መዳልያ ወሲዱ።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ኣባል ክለብ ሰንበል ሄብሮን ብርሃን ንመዋእል ተኸቲሉ ካልኣይ ክወጽእን እንከሎ ኣብ ዩሲኣይ ኣብ ምስልጣን ዝርከብ ያፌት ሙሊጌታ ተዓዋቲ ነሓስ መዳልያ ኰይኑ።

ኣማንኤል፡ ነቲ ዝተሰራዓሉ 36 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት 49.96 ኪሎሜተር እናዘወረ ንውድድሩ ብ43 ደቂቕ፡ 14 ካልኢትን 2 ንኡስን ካልኢትን'ዩ ዛዚምዎ።

ሄኖክ ምሉእብርሃን ከኣ ብ45 ካልኢትን 8 ንኡስ ካልኢትን ካብ ኣማንኤል ድሒሩ ካልኣይ፡ መዋእል ግርማይ ብ2 ደቂቕ 13 ካልኢትን 87 ንኡስ ካልኢትን ድሒራ ሳልሳይ ሄብሮን ብርሃነ ከኣ ብ2 ደቂቕ 28 ካልኢትን 35 ንኡስ ካልኢትን ካብ ኣማንኤል ድሒሩ ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ።

ኣብ ኢሊት ደቂ ኣንስትዮ ሞናሊዛን ኣርዛያን ብርኽቲ ፍስሃየን ካብ ጋንታ ዓራግ ከምኡ ከኣ ሱዛን ፍስሃ ካብ ጋንታ ደቡበን ኣብ ካብ ቀዳመይቲ ክሳብ ሳልሰይቲ ኮይነን ውድድረን ዛዚመን፡

ሰለስትኤን ዕድሚኤን ትሕቲ 23 ዓመት ስለዝኾነ ነቲ ንትሕተ 23 ዓመት ዝውሃብ መዳልያታት'ውን ደጊምን ተዓዊተናሉ።

ሞናሊዛ ኣርኣያ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ኤርትራ ኣብ ናይ ጽርግያ ኣብ ናይ ኢሊትን ትሕቲ 23 ዓመትን፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ናይ ኢሊትን ትሕቲ 23 ዓመትን ቀዳማይቲ ብምውጻእ ኣርባዕተ ወርቂ መዳልያታት ክትወስድ ክኢላ።

ኣብ ናይ ጁንየር [ትሕቲ 23 ዓመት] ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ሮዚና ብርሃነ፡ ኣርሴማ ዓንደጽዮንን ሲዶን ሃብቶምን ካብ ቀዳመይቲ ክሳብ ሳልሰይቲ ክወጽኣ እንከለዋ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ብውልቁ ዝወዳደር ዮውሃንስ ኣኽሊሉ፡ ናታን ተስፍኣለም ካብ ጋንታ ደንደን፡ ናሆም ኤፍሬም ካብ ጋንታ ኤረቴል ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኮይኖም ብምውታው ተዓወትቲ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያታት ኮይኖም።

ኣብ ታሪኽ ቻምፕዮን ኤርትራ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ሓሙሽተ ግዜ ብምዕዋት ኣብ ቅድሚት ተሰሪዑ ዘሎ ኦሎምፒያዊ ተቐዳዳማይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት'ዩ።

ኣብ 2019 ተዓዋቲ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ክኸውን ዝኸኣለ ኣማኑኤል፡ ምስቲ ኣብ 2023፡ 2024፡ ከምኡ ከኣ 2025 ኣከታቲሉ ዝተዓወቶ ብሓፈሻ ኣርባዕተ ግዜ ነዚ ውድድር ብምዕዋት ደድሕሪ ዳንኤል ተኽለሃማኖት ተሰሪዑ ኣሎ።

ኣብዚ ውድድር 13 ተቐዳደምቲ'ዮም ተሳቲፎም፤ መዋእል ግርማይ፡ ኤስሮም ተስፋይ ክፍላይ፡ ኤስሮም እስቲፋኖስ፡ ሄብሮን ብርሃነ፡ መርሃዊ ቅዱስ፡ ዩኤል ሃብተኣብ፡ ዳዊት ሳምኤል፡ ያፌት ምሉጌታ፡ ኤስሮም ተስፋይ፡ መትከል እዮብ፡ ሳሙኤል ሓየሎም፡ ሄኖክ ምሉብርሃንን ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄርን።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ናይ ግዜ ውድድር ዝተዓወቱ

  • 2024፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር
  • 2023፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር
  • 2022፡ ቢንያም ግርማይ
  • 2021፡ መርሃዊ ቅዱስ
  • 2020፡ ብምኽንያት ኮቪድ-19 ኣይተኻየደን
  • 2019፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር
  • 2018፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2017፡ መኽሰብ ደበሳይ
  • 2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2015፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2014፡ ናትናኤል ብርሃነ
  • 2013፡ መትከል ክፍላይ
  • 2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት
  • 2011፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት

ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ ካልእ ውድድር

ናሆም ኤፍሬም፡ ኣድያም ተስፉን ሞናሊዛ ኣርኣያን ቻምፕዮን ኰይኖም

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮን ኤርትራ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ዝካየድ ጸወታታት'ዩ ተሰሪዕሉ።

ናይ ትሕቲ 18 ዓመት ደቂተባዕትዮ 22 ሰነ ኣብ ከተማ ከረን ክካየድ እንከሎ፡ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን (ብሓባር) ከምኡ ከኣ ናይ ጁንየር ደቀንስትዮ (ትሕቲ 18 ዓመት) 25 ሰነ ኣብ ከተማ ደቀምሓረ ተኻዪዱ።

ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ኢሊትን ትሕቲ 23 ዓመትን ናይ ግዜ ውድድር ሎሚ ኣብ ኣስመራ ከባቢ ቤትገርግሽ ክከያድ እንከሎ፡ ናይ ጽርግያ ውድድር ከኣ ሰንበት 29 ሰነ ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ክካየድ'ዩ ጸወታ ተሰሪዑ።

ኣብ ከረን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ጁንየር ደቂተባዕትዮ ተቐዳደምቲ 129 ኪሎመተር'ዩ ተሰሪዕሎም።

ናሆም ኤፍሬም ካብ ጋንታ ኤሪተል ቀዳማይ ብምውጻእ ቻምፕዮን ኤርትራ 2024 ክኸውን እንከሎ፡ ናኦድ በረኸት ካብ ጋንታ ሰንበልን ዳንኤል ምክኤል ከኣ ካብ ጋንታ ደንደን ካልኣይን ሳልሳይን ብምውጻእ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ተሸሊሞም።

ናሆም ኤፍሬም ኣብ ኬንያ ከተማ ኤልዶረት ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2024 ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ከኣ ተዓዋቲ ነሓስ መዳልያ ክኸውን ምኽኣሉ ይዝከር።

ብ25 ሰነ ኣብ ደቀምሓረ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ደቀንስትዮ ውድድር፡ ኣብ ናይ ጁንየር ኣድያም ተስፉ ቻምፕዮን ክትከውን እንከላ፡ ናርዶስ ጸጋይ ክለብ ዞባ ደቡብ፡ ኣርሴማ ዓንደጽየን ካብ ጋንታ ዓራግ ካልኣይትን ሳልሰይትን ኰይነን ውድድረን ዛዚመን።

ኣብ ናይ ኢሌት ደቂ ኣንስትዮ፡ ናይ 2022 ቻምፕዮን ኤርትራ ክትከውን ዝኸኣለት ሞናሊዛ ኣርኣያ ደጊማ ሎሚ ዓመት'ውን ቻምፕዮን ክትከውን ክኢላ።

ንሞናሊዛ ተኸቲለን ራሄል ነጋሲ ካብ ጋንታ ዓራግ፡ ሱዛን ፍስሃየ ካብ ጋንታ ደቡብ ካልኣይትን ሳልሰይትን ብምዃን ውድድረን ዛዚመን።

ሰለስትኤን ዕድመኤን ትሕቲ 23 ስለዝኾነ ከኣ ደጊምን ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት'ውን ተዓወትቲ ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን ብምዃን ናብ ፖንድዮም ደይበን።