ስነስርዓት ቀብሪ ምኒስተር ወልደሚካኤል ተፈጺሙ፡ ቦታኡ ቀልጢፉ ይትካእዶ?

ሓመድ-ድበ ምኒስተር ወልድሚካኤል ኣብርሃ

ምንጪ ስእሊ, MOI

ኣብ መበል 87 ዓመቱ ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ - ግንቦት 24 - ዝዓረፈ ምኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኤርትራ ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ብሰሉስ 27 ግንቦት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ጸጸራት ኣስመራ ሓመድ-ኣዳም ከም ዝለበሰ መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ኤርትራ ሓቢረን።

ኣብቲ ስነስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ላዕለዎት ሰበስልጣንን ዝተረኽቡ ኰይኖም፡ እቲ ፕረዚደንትን ብዙሓት ኣካላትን ኣብ መቓብሩ ዕንባባ ኣንቢሮም።

ብ1938 ዝተወልደ ምኒስተር ወልደሚካኤል፡ ካብቲ 87 ዓመቱ እቲ 64 ኣብ ቃልስን መዝነትን ከም ዘሕለፎ ታሪኽ ህይወቱ ይገልጽ።

ምኒስተር ወልደሚካኤል ብ1961 ናብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ) ዝተሰለፈ ኰይኑ፡ ብ1974 ድማ ናብ ሜዳ ኤርትራ ብምውራድ ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ተጸምቢሩ።

ክሳዕ 1976 ከም ሓላፊ ክፍሊ ህዝቢ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኰይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1979 ኣብ ዝተቓንዐ መስራቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኣቦ መንበር ኰይኑ ተመሪጹ። እዚ ክሳዕ 1987 ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ዝነጠፈሉ መዝነት፡ እቲ ዝያዳ ዝፍለጠሉ ምዃኑ ይግለጽ።

ጐድኒ ጐድኒ ናይዚ ድማ ከም ናይ ደቀንስትዮን መንእሰያትን ዝኣመሰላ ህዝባውያን ማሕበራት ኣብ ምውዳብን ምውህሃድን ዓቢይ እጃም ከም ዘበርከተ ይዝረበሉ።

ሚኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebermeskel

መግለጺ ስእሊ, ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ

ኣብቲ ኣብ 1977 ከምኡ'ውን 1987 ዝተኻየደ ቀዳማይን ካልኣይን ጉባኤ ህዝባዊ ሓይልታት ደሓር ህዝባዊ ግንባር ዝተባህለ ውድብ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኰይኑ ተመሪጹ።

እዚ ካብ 1971 ጀሚሩ (ድሕሪ ናጽነት ህግደፍ ተሰምዩ) ዝቕጽል ዘሎ ውድብ፡ ኣብ 54 ዓመታት ሰለስተ ግዜ ጥራሕ እዩ ጉባኤ ኣካዪዱ። እቲ ዝደሓረ ኣብ 1994 ዘካየዶ ኰይኑ፡ ካብቶም ሽዑ ከም ኣባላት ማእከላይ ኰነ ፈጻሚት ሽማግለ ኰይኖም ዝተመርጹ ሒደት ጥራሕ እዮም ኣብ ስራሕ ዝርከቡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ገሊኦም ብሞት ዝተፈልዩ ክዀኑ እንከለዉ፡ ገሊኦም ኣብ ስደት፡ ገሊኦም ድማ ጉባኤ ክካየድ ብምጥላቦም ካብ 2001 ኣትሒዞም ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ይርከቡ። ንሃለዋቶም ዝምልከት ከኣ ክሳዕ ሕጂ ዝወጽአ ወግዓዊ ሓበሬታ የሎን።

ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ከም ኣባል ባይቶ ህግደፍ ኰይኑ ተመሪጹ።

ብ19 ግንቦት 1993 ኣብ ዝወጽአ ኣዋጅ፡ "ክሳብ ቅዋማዊ መንግስቲ ዝቐውም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነታትን ዘኽብር ናይ መሰጋገሪ እዋንን ናይ መሰጋገሪ እዋን መንግስትን፡" ከም ዘድሊ ብምጥቃስ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ጥራሕ ዝጸንሐ መሰጋገሪ መንግስቲ ቈይሙ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፡ ብኣባላት ህዝባዊ ግንባርን ካብ ባይቶታት ኣውራጃታት ዝተወከሉን መሰጋገሪ ሓጋጊ ኣካል (ሃገራዊ ባይቶ)፡ ናጻ ፍርዳዊ ኣካልን ፈጻሚ ኣካልን ከም ዝቐውም ተገይሩ።

ኣቶ ወልደሚካኤል ድማ ንህግደፍ ወኪሉ ኣባል መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኰይኑ ተመሪጹ።

እንተዀነ፡ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ካብ ፈለማ 2002 ጀሚሩ ብዘይ ወግዓዊ ኣዋጅ ብግብሪ ከም ዝፈረሰ እዩ ዝግለጽ። ንልዕሊ 20 ዓመታት ድማ ተኣኪቡ ኣይፈልጥን።

ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ድሕሪ ናጽነት ሓላፊ ብዓልመዚ ወደባትን መጓዓዝያ ባሕርን፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል፣ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጀርመን፣ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኰይኑ ሰሪሑ።

ቀጺሉ፡ ምኒስተር መጓዓዝያን መራኸቢታትን ኰይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 2013 እቲ ካብ ሓራካ ኣትሒዙ መጋድልቱ ዝነበረ ምኒስተር ወልደሚካኤል ገብረማርያም ምስ ዓረፈ፡ ንዓኡ ተኪኡ ምኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ኰይኑ ተመዚዙ።

ኣቶ ወልደሚካኤል ገብረማርያም'ውን ነቲ ምኒስትሪ ዝመርሖ ዝነበረ ስዒድ መሓመድ ባርህ ምስ ዓረፈ እዩ ተኪኡዎ።

እዚ ዝበዝሐ ክፋል ህይወቱ ኣብ ቃልስን ስራሕ መንግስትን ዘሕለፎ ምቝሉል ምዃኑ ዝንገረሉ ኣቶ ወልደሚካኤል፡ ብሰንኪ ሕማም ካብ ንጡፍ ስራሕ ተኣልዩ ምጽንሑ ይንገር።

ድሕሪ ዘይወግዓዊ ምፍራስ መሰጋገሪ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ፡ እቲ ሓደ ተሪፉ ዝነበረ ኣካል መንግስቲ ካቢነ-ምኒስተራ እዩ። እንተዀነ፡ ንሱ'ውን ድሕሪ መስከረም 2018 ተኣኪቡ ኣይፈልጥን። ብዙሓት ምኒስተራት ድማ ኣብ ከም ምዕዳል ሽልማትን ምቕባል ኣጋይሽን ኣብ ዝኣመሰሉ ንጥፈታት እዮም ክረኣዩ ጸኒሖም።

ኣቦ ሰለስተ ውሉዳት ዝዀነ ኣቶ ወልደሚካኤል፡ ሓደ ካብቶም ብዕድመ ዝደፍኡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ'ዩ ነይሩ።

ኣብቲ ብ19 ግንቦት 1993 ዝወጽአ ኣዋጅ፡ "ፕረዚደንት ኣብ ዘይህልወሉ ምኒስተር ውሽጣዊ ምምሕዳራት ከም ፕረዚደንት የገልግል፡" ዝብል ንኡስ ዓንቀጽ ሰፊሩ ኣሎ። ይዅን'ምበር፡ ምኒስተር ወልደሚካኤል ከምኡ ስልጣን ነይሩዎ ድዩ ዝፍለጥ የሎን።

ዞባዊ ምምሕዳር ቀልጢፉ ምኒስተር ይምደበሉዶ ይኸውን?

ጸጸራት ኣስመራ፡ ፈነዋ ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ

ምንጪ ስእሊ, MOI

መግለጺ ስእሊ, ጸጸራት ኣስመራ፡ ፈነዋ ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ

ኣብዚ እዋን'ዚ ከም ትካላት ኣለዋ ዝበሃላ 17 ምኒስትሪታት፡ ጉዳያት ወጻኢ፡ ሕርሻ፡ መሬት ማይን ኣከባብን፡ ዜና፡ ጥዕና፡ መጓዓዝያን መራኸቢታትን፡ ጸዓትን ማዕድንን፡ ትምህርቲ፡ ፋይናንስ ሃገራዊ ልምዓትን፡ ፍትሒ፡ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን፡ ንግዲ፡ ህንጻ፡ ቱሪዝም፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ዞባዊ ምምሕዳርን ምክልኻልን እየን።

ገለ ካብዚአን ብዘይ ምኒስተር ካብ ዝጸንሓ ዓመታት ኣሕሊፈን ኣለዋ።

ንኣብነት፡ ምኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ 2013 ዝተፈተነ ወተሃደራዊ "ዕልዋ" መንግስቲ ናብ ምኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ድሕሪ ምስግጋሩ፡ ንምኒስትሪ ምክልኻል ክሳዕ ሕጂ ምኒስተር ኣይተመደበሉን።

ነቲ ኣብ 2019 ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምስንካሉ ናብ ስርሑ ዘይተመልሰ ምኒስተር ስብሓት ዝትክእ ሰብ'ውን ኣብ ምኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን ኣይተመደበን።

ምኒስተር ትምህርቲ ሰመረ ርእሶም'ውን ካብቲ ደሪቡ ሒዙዎ ዝነበረ መዝነት ኣምባሳደር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መጋቢት 2022 ድሕሪ ምምላሱ፡ ብሰንኪ ዘለዎ ናይ ጥዕና ጸገም ካብ ስራሕ በዂሩ ምህላዉ ይግለጽ። ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ኣገዳሲ ምኒስትሪ ብውክልና ብታሕተዎት ሰብመዚ'ዩ ዝመሓደር ዘሎ።

ምኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር'ውን ተመሳሳሊ ዕጫ ኣጋጢምዎ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እዚ ምኒስትሪ'ዚ ንውሽጣዊ ህዝባዊን ጂኦግራፊያዊን ናይ ምምሕዳርን ምውህሃድን ሓላፍነት ዝተዋህቦ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ዝዓበየ ኣገዳስነት ዘለዎ'ዩ።