እድሪስ መሓመድ ኣድም፡ ጕዕዞ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ብብረት ዝደረኸ ተጋዳላይ

እድሪስ መሓመድ ኣድም

ምንጪ ስእሊ, DM

ኣብ 60’ታት ኣብ ሰውራ ኤርትራ፡ ኣብቲ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መዳያቱ፡ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ወይ ከኣ ‘ጀብሃ’ ዝዓበየ ተራ ከም ዝነበሮ ክትዕን ምስክርነትን ዘየድልዮ ሓቂ ኰይኑ፡ እቲ ዝዓበየ ጽልዋ ዝነበሮ ተጋዳላይ ከኣ እድሪስ መሓመድ ኣደም እዩ።

እድሪስ መሓመድ ኣደም ኣካይዳ ሓራካ፡ እቲ ንተሓኤ ዝወዳደር ዝነበረ ኣካል - ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብማሕበር ሸውዓተ ኣቢሉ ዝጕስጕስ ዝነበረ ምስጢራዊ ውደባ - ስለ ዘይዓጀቦ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብብረት እንተዘይተመኪቶም ካብ ኤርትራ ኣይክወጹኡን’ዮም ካብ ዝብል እምነት ተበጊሱ ብረታዊ ቃልሲ ከምዝጀመረ ይንገር።

ምንቅስቓስ ሓረካ ከመይ ይመስል ነበረ?

ብ50’ታት፡ እቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝተቘርነትሉ ስርዓት ፈደረሽን ከምቲ ሰብ ዝተጸበዮ ከም ዘይነበረ ክገሃድ ጀመረ። እቶም ንፈደረሽን ደጊፎም ዝጕስጐሱ ዝነበሩ’ውን ቅሒሮም’ዮም ተሪፎም። ኢትዮጵያ ከም ድላያን ከም ዝጥዕማን ገይራ ንኽትዕምጽ ከም መዋፈሪ ተጠቕመትሉ።

ብ1957 ተመሃሮ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣካየዱ፤ ብ1958 ከኣ እቲ ብኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ዝተጀመረ ማሕበር ሰራሕተኛታት ንኣርባዕተ መዓልታት ኣድማ ኣካየደ። ወተሃደራት ኢትዮጵያ ድማ ነቶም ተቓወምቲ ብተዅሲ ተታሓሓዝዎም።

ንዓመጻት ኢትዮጵያ ንምምካት ኣብ መወዳእታ 50ታት ሓረካ ተመስረተ። ሓረካ ብሕዳር 1958፡ ቅድሚ ምንቅስቓስ ተሓኤ ምብጋሱ’ዩ ጀሚሩ። ሓረካ ንኽምስረት ባይታ ዘጣጥሓሉ ጕዳይ ኣካይዳ መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴ ነበረ - ንውዕል ፈደረሽን ቀስ-ብቐስ እናባሕጐጐ ብምኻዱ።

እቶም ንምንቅስቓስ ሓረካ ዝመስረቱ ኣብ ፖርት-ሱዳን ዝነበሩ ሓሙሽተ ኤርትራውያን ነበሩ። መራሒኦም መሓመድ ስዒድ ናዉድ፡ ኣብ ሱዳን ኣባል ሰልፊ ኮሚኒስት ሱዳን ነበረ። ኰይኑ ድማ በቲ ዝነበሮ ጸጋማዊ ዝንባለ ንሓረካ በቲ ተምሳል’ቲ መስረታ። እዚ ማለት ሰባት በብሸውዓተ ዀይኖም ሚስጢራዊ ዋህዮታት ብምምስራት ይንቀሳቐሱ ነበሩ።

እቶም ሸውዓተ ኣባላት ድማ ነናቶም ሸሸውዓተ ሰባት ብምስጢር ብምውዳብ ንሓረካ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ከም እትዝርጋሕ ገበሩ።

እታ ምስጢራዊት ምንቅስቓስ መንፈሳዊ (ብሃይማኖት ምስልምና ዝተመርሐ) ስለ ዘይነበረት፡ ማለት ንኣስላምን ክርስትያንን ብማዕረ እተሳትፍ ኰይና፡ ኣብ ከበሳ፡ ምናዳ ኣብ ከተማታት ኤርትራ፡ ተቐባልነት ረኸበት።

ሓረካ ግን ነቲ ፈደራላዊ ስርዓት ንምስዓር ወይ ከኣ ንምፍሻል ብቝዕ ስትራተጂ ኣይነበራን። እቲ ሓረካ ትጥቀመሉ ዝነበረት ስልቲ ስቪላዊ-ኣብያ ነበረ።

ርግጽ’ዩ ቃልሲ ኤርትራ ሕልኽልኽ ዝበለ፡ ንመራሕቱ ድማ ንሓድሕዶም ከም ዝናቘቱ ይገብር ነይሩ’ዩ። ብ40’ታትን 50’ታትን መርገጺ እድሪስ መሓመድ ኣድም ከም ናይ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣይነበረን።

እዞም ክልተ ኣቦታት ቃልሲ ኤርትራ - ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያምን ሸኽ ኢብራሂም ስልጣንን - ምስ እድሪስ መሓመድ ኣደም ኣይሰማምዑን ከም ዝነበሩ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ንረኽቦ።

ብረታዊ ቃልሲ ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበረ ሓፈሻዊ ኵነታት

እድሪስ (ማእከል) ምስ ዓበይቲ ዓዲ ከረንን ምዕራባዊ ቘላን

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, እድሪስ [ማእከል] ምስ ዓበይቲ ዓዲ ከረንን ምዕራባዊ ቘላን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እድሪስ መሓመድ ኣድም ብረታዊ ቃልሲ’ምበር ስቪላዊ-ኣብያ ክሳብ ናጽነት ኣየሰጕመናን’ዩ ዝብል እምነት እዩ ነይርዎ።

ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ተጸምደት መራሕቲ ናጽነት እናተዳኸሙ ይኸዱ ነበሩ። ሓደ ካብኦም ኣቶ ወልደኣብ ነበሩ።

ኣቶ ወልድኣብ ብተድላ ባይሩን መሻርኽቶምን (ኣውራ ብደገፍ ኢደ-ምእታው ኢትዮጵያ) ተሸነፉ ክንብል ንኽእል። ምስኡ ድማ ስርዓታት ኣሜሪካን እንግሊዝን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንኢትዮጵያ ደጊፎም ይሰርሑ ስለ ዝነበሩ፡ እቶም ደለይቲ ናጽነት ተዳኺሞም ነይሮም’ዮም። ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ወልደኣብ ዝተኻየዱ ሸሞንተ ፈተነታት ቅትለት ብ1953 ከም ዝስደዱ ገይሩዎም።

ተድላ ባይሩ፡ ከም ዋና ኣመሓዳሪ፡ ቦታ ገፊሑሎም ቀሲኖም ክሰርሑ ምስ ጀመሩ፡ እቲ ዝመርሕዎ ዝነበሩ ስርዓት ፈደረሽን ብሰላሕታ ስልጣናቱ ክበሓጕ ምስ ጀመረ ግን ዓለሞም ተገልበጠ።

እቲ ቀዳማይ ኣሰምብለያ [ባይቶ] ዓበይቲ ኤርትራውያን ሃገራውያን ከም በዓል ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን፡ እድሪስ መሓመድ ኣደም ነበርዎ። ይዅን’ምበር ዲክታተርያዊ ባህርያት ተድላ ባይሩ፡ ምስኡ ኸኣ ኢደ-ምእታው ኢትዮጵያ፡ ንኣባላት ፓርላማ ከነዓዕቦም ጀመረ።

እቲ ዛንታ ብሓጺሩ ንምቕራብ፡ ብ1955፡ ኣብ ኣስመራ ብዝተፈጥረ ምፍሕፋሕ ተድላ ባይሩ (ምስ ፕረሲደንት ኣሰምብለያ ዝነበሩ ዓሊ ራድኣይ) ካብ ስልጣኖም ወረዱ። ቦታ ዓሊ ራድኣይ ዝተክአ እድሪስ መሓመድ ኣደም ነበረ። ሽዑ ንቦታ መራሕ መንግስቲ ተድላ ባይሩ ዝተክኡ ድማ እቶም ንፈደረሽን ዘፍረሱ ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ነበሩ።

እድሪስ ፕረሲደንት ባይቶ ኤርትራ ንክኸውን ዝተሸመሉ እዋን፡ ፈደረሽን ብውሽጠ-ውሽጢ ይፍንጣሕ ነበረ። እድሪስ ግን ፈደረሽን ንኽዕቀብ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ነበረ።

ይዅን’ምበር፡ እድሪስ ንተግባራት ኣስፍሃ ወልደሚካኤል፡ ኣክንዲ ፈደረሽን ንሕብረት ዘቐድም ስለዝነበረ ክገጥሞ ኣይከኣለን። ንርእሰ-ምሕደራ ኤርትራ ከዕቢ ኢሉ ዝያዳ ስልጣን ምስ ሓተተ ብመራሕ-መንግስቲ ተነጽገ።

ሽዑ እቲ ናይ ሓቂ ኵነታት ፈደረሽን ንጸድፊ ገጹ የምርሕ ከም ዝነበረ ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ክርድኦም ጀመረ። ግናኸ ሓንቲ’ኳ ክገብሩ ኣይከኣሉን።

ብሓምለ 1956 እድሪስ መሓመድ ኣደም ብውዲት ጸላእቱን ጸቕጢ ኢትዮጵያን ካብ ስርሑ (ፕረዚደንትነት ባይቶ) ተኣልየ። ብድሕሪኡ፡ እድሪስ ብኣባላት ሓለዋ ተጠማቲ ዀነ፣ ኣስፍሃ ኸኣ በቲ ዝነበሮም ድልየት-ሕብረት ተደሪኾም ድላዮም ክገብሩ ጀመሩ። ኣብ ልዕሊ ደለይቲ ናጽነት ከኣ ጸቕጢ እናጸንከረ ከደ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ካልኣይ ምርጫ እድሪስ ክሳተፍ ኣይደለየን፣ ብሰላም ዋኒን ሕርሻኡ ኣብ ኣቑርደት ከካይድ መረጸ። ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ከኣ ብተጻብኦታት ይተዓናቐፉ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ካልኣይ ምርጫ ክዕወቱ ኣይከኣሉን።

ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ልዕሊ ኢብራሂም ሱልጣን ብባንዴራ ኤርትራ ብምውራዳ ዝተኣታተወ ሰበብ ክልተ ዓመት ናይ ቀይዲ ብይን ነይሩዎም’ዩ። ኣብ ልዕሊ እድሪስ’ውን ተመሳሳሊ መሰናኽላትን ይፍጠር ነይሩ’ዩ።

ባንዴራ ኤርትራ ብ24 ታሕሳስ 1958 ምስ ወረደት ብዙሕ ሰብ ቀበጸ። ካብ ኣባላት ባይቶ እንትርፎ ክልተ ኵሎም (ካብቶም በታ መዓልቲ ኣብ ባይቶ ዝተረኽቡ 64 ኣባላት ፓርላማ) ኣጽደቕዎ።

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ብዘበን ኣስፍሃ ወልደሚካኤል ብዙሕ ናይ ‘ምጽራይ’ ስርሓት ተኸሲቱ’ዩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ማለት፡ ብዙሓት ደገፍቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ይመጽኡ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ደለይቲ ናጽነት ይዋሰኑ ነይሮም’ዮም።

ጆሰፍ ቨኖሳ ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ ከም ዝበሎ፡ ኣብ Paths towards the Nation ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ናጽነት ዝደልዩ መራሕቲ ተዋሲኖም ጥራይ ዘይኰነስ ብዉዲት ይጥቅዑን ይልቀሙን ነይሮም’ዮም ይብል። ወሲኹ፡ “ብሰንኩ ንሸኽ ኢብራሂምን ንእድሪስ መሓመድ ኣድምን ፖሊስ ፈደራል ይጸናጸንዎም ከም ዝነበሩ ጽንጽንታ በጽሖም፡” ይብል።

ብፓርላማ ኣቢልካ ምቅላስ ተስፋ ከም ዘይነበሮ ዝተረድኡ ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን እድሪስ መሓመድ ኣድምን ኣብ ኢድ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምውዳቘም፡ ተበላሒቶም ብመጋቢት 1959 ንሱዳን ሰሊኾም ኣተዉ። ካብኡ ድማ ንካይሮ ሰገሩ።

ኣብ ካይሮ

እደሪስ ኣብ ካይሮ

ምንጪ ስእሊ, DM

ኣብ መወዳእታ 50’ታት ብዙሓት ኤርትራውያን ደቂ መታሕት ናብ ካይሮ ንትምህርቲ ይሰግሩ ነበሩ። ዩኒቨርሲቲ ኣል-ኣዝሃር ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ተመሃሮ ኣፍርያ’ያ ክበሃል ይከኣል፣ ከምኡ’ውን ብጁዋት ተቓለስቲ።

ብ1958 ብዙሓት ካብቶም ተመሃሮ ኣብ ካይሮ ዀይኖም ንቃልሲ ብጁዋት ንምዃን ዘኽእሎም ሓደ ማሕበር ፈጠሩ። ኢትዮጵያ ካብ ኤርትራ ለቒቓ እትወጸሉ መንገድታት ከኣ ክፍትሹ ጀመሩ።

ኣቶ ወልደኣብ፡ ዋላ’ኳ ቃልሶም ኣብ ካይሮ ብራድዮ ኣቢሎም ይቕጽሉ እንተነበሩ (1956) እቶም ተመሃሮ ግዲ ኣይገብሩሎምን ነበሩ፣ ተነጺሎም ይነብሩ ነበሩ። እድሪስ ብ1959 ናብ ካይሮ ምስ መጽአ’ውን ከምኡ - ግዶም ኣይገበረን።

ኣቶ ወልደኣብ ምስቲ ዉሩይ ተቓላሳይ ሳልሕ ሳበ ክላዘቡ ምስ ጀመሩ ድማ እድሪስ ካብኡ ንክንጽሎም ኢዱ የእቱ ከም ዝነበረ ገሊጾም’ዮም።

ሸኽ ኢብራሂምን እድሪስን ድማ እሉኽ ነይሩዎም ክበሃል ይከኣል። ሸኽ ኢብራሂም፡ ብ1982 ኣብ ሮማ ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ መሰረት፡ ንእድሪስ ከም ጀማሪ ብረታዊ ቃልሲ ገይሮም ኣይርእይዎን ነይሮም።

ኣብ መወዳእታ 40’ታት እድሪስ ንሰልፊ ሸኽ ኢብራሂም ጠንጢኑ (ኣ’ራቢጣ ኣል እስላምያ) ምስ ብጾቱ ዀይኑ ናቱ ሰልፊ (ኣ’ራቢጣ ምዕራባዊ ቘላ ወይ ከኣ 'ተቕሲም') መስሪቱ ከም ዝነበረ ምዝካር የድሊ።

ኰይኑ ድማ ምስ ኣንድነታውያን ብምሕባር ሓደ ካብቶም ንተድላ ባይሩ ኣብ ስልጣን ካብ ዘምጽኡ ሰባት’ዩ ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ኢብራሂም ሱልጣንን እድሪስ መሓመድ ኣድምን ፍልልያት ከም ዝነበረ ይጥቀስ’ዩ።

ዝዀነ ኰይኑ፡ እቲ ኣብ ካይሮ ዝፍጠር ዝነበረ ቃልሲ ብመናእሰይ፡ ንብረታዊ ቃልሲ ንኽተሓሓዝዎ ድማ ሰገጥ ዘይብሉ፡ እቲ ናይ ቀደም ፖለቲካ ሸኽ ኢብራሂምን ኣቶ ወልደኣብን ኣካይዳ (ኣብ ሕቡራት ሃገራት ደጋጊምካ ምጥራዕ ዘተኰረ ልኡም ቃልሲ) ዘይዓጅቦም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ መንጐ ነባራትን ሓደስቲ ተቓለስቲ ዝነበረ ባእስን ሓድሕዳዊ ምግጫውን ከም ንቡር ክውሰድ ይከኣል’ዩ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ መንጐ እቶም ተመሃሮ ባንዴራ እድሪስ መሓመድ ኣደም ዝለዓለ ቦታ ሒዛ ከም ዝነበረት ምርዳእ የድሊ።

ብሓምለ1960 ብሰውራ ኣልጀርያ ተታባቢዖም ተሓኤ መስረቱ፤ ኣብ መንጐኦም ኰይኑ መሪሕ ተራ ዝተጻወተ እድሪስ መሓመድ ኣድም ነበረ። ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ኤርትራ ዝነብሩ ዝነበሩ ብምስረታ ተሓኤ ተታባቢዖም ቀስ ኢሎም ክሕወስዎም ጀመሩ።

እድሪስ መሓመድ ኣድም

ምንጪ ስእሊ, DM

እቶም ቀዳሞት መራሕቲ ናይቲ ሓድሽ ውድብ ኵሎም ኣስላም ነበሩ። ኰይኑ ድማ ነቲ ምንቅስቓሶም ኣብ ዓዲ ዓረብ ኰይኖም ስለ ዝመስረትዎ ጽልዋ ዓረባዊ ስነ-ሓሳብ ነይሩዎም’ዩ።

እቲ ማሕበሮም ከኣ ሓዲስ ስለ ዝነበረ ‘ስጡም ኣይነበረን’፡ ‘ጌጋታት ነይርዎ’ ዝብል ነቐፌታ’ኳ እንተሎ ሃገራዊ ተበግሶምኦ ግን ዝነኣድ ምንባሩ እዩ ዝግለጽ።

እቶም ኣባላት በቲ ጋማል ዓብደልናስር (መራሕ መንግስቲ ግብጺ ዝነበረ) ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ (pan-arabism) ተጸልዮም ብዝመስሎም እቲ መገዱ ብምሓዝ’ዮም ብትብዓት ብረታዊ ቃልሲ ኣተኣታትዮም።

መምዘኒኦም ቈራጽነቶምን ስብእነቶምን ምዃኑ ብዙሓት ተንተንቲ ፖለቲካ ዝኣምንሉ ሓቂ’ዩ። ተሓኤ ጸግዒ ዓረብ ብምሓዙ ኸኣ ብዙሕ ትንታነታት ኣስዒቡ’ዩ። ናይ ህይወትን ሞትን ስትራተጂ ብምንባሩ ግን ርዱእ’ዩ፣ ዝሓሸ ኣማራጺ ኣይነበሮምን ዝብሉ ብዙሓት ተንተንቲ ኣለዉ።

ኣብ ምፍጣር ተሓኤ እድሪስ መሓመድ ኣድም ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ’ዩ፣ ተባዕ ስጕምቲ’ዩ ወሲዱ፣ ኣንፈት ቃልሲ ኸኣ ንሓዋሩ ክልውጥ ከኣለ። ብእኡ ኸኣ’ዩ ዝዝከር።

ርግጽ’ዩ ተሓኤ ምስ ሓረካ ኣይተሳነዩን። ኣብ መወዳእታ ግን ተሓኤ እናሓየለ፡ ሓረካ ድማ እናተዳኸመ ምኻዱ ኣብ ሰነዳት ታሪኽ ኤርትራ ተመዝጊቡ ኣሎ። እቶም ኣብ ሱዳን ተኸቲቦም ዝሰርሑ ዝነበሩ (ኤርትራውያን) ኣባላት ፖሊስ'ውን ከይተረፉ ጸግዒ ተሓኤ ክሕዙ ጀመሩ።

ክልቲኦም ውድባት ንሓምድ እድሪስ ዓዋተ ተቓዳዲሞምሉ’ዮም። ንመዘኻኸሪ፡ ሓሚድ ኢድሪስ ዓዋተ (1911-1962) ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዕዙዝ ስም ዘለዎ ተጋዳላይ ነበረ።

ዓዋተ ምስ ሒደት ብጾቱ ዀይኑ ምስ ተሓኤ ብምስላፍ ኣብ ምዕራባዊ ኤርትራ ኣብ እምባ ኣዳል ዓሪዱ ንዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ ንመጀመርታ ግዜ - ብ01 መስከረም 1961 - ተታዀሰ።

ካብኡ ጀሚሩ ተጋደልቲ ተሓኤ ንብረትን መሳርያን መንግስቲ እናዘመቱ፡ ካብ ኣባላቶም ገንዘብ እናኣከቡ፡ እናሰደሩ ከዱ። ካብ ዒራቕ፡ ሶርያ፡ ፍልስጥኤም ሓገዝ ብምርካብ ድማ ሓደ ዓቢ ወትሃደራዊ ሓይሊ መስረቱ። ሓረካ ግን እናቐሃመ ከደ።

ብ1963 ተሓኤ ዳርጋ 250 ዝዀኑ ተጋደልቲ ነበርዎ፣ ብ1965 ከኣ ማዕረ 2,000 ተዋጋእቲ በጽሑ።

እድሪስ መሓመድ ኣድም በኒዓምረታይን ተኸታሊ ሃይማኖት ምስልምናን እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መታሕት ስለዝጀመረ ነቲ ሰውራ ብዙሓት ደቂ መታሕት ተኸተልቲ እስላም ተጸንበሩዎ።

ሰለስተ ዓበይቲ መራሕቲ ጀብሃ፡ ካብ ጸጋም ንየማን፡ ዑስማን ሳልሕ ሳበ / እድሪስ መሓመድ ኣድም / እድሪስ ገላውዴዎስ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ሰለስተ ዓበይቲ መራሕቲ ጀብሃ፡ ካብ ጸጋም ንየማን፡ ዑስማን ሳልሕ ሳበ / እድሪስ መሓመድ ኣድም / እድሪስ ገላውዴዎስ 

ተጋደልቲ ተሓኤ እናበዝሑ ምስ ከዱ ብ1963 ኣብ ከሰላ ብእድሪስ መሓመድ ኣድም ዝምራሕ መጅልስ ኣልኣዕላ (ላዕለዋይ ባይቶ) ተመስረተ። ሽዑ ብደቂ ቤን-ዓምር ዝተዓብለለ ቃልሲ ነበረ ክበሃል ይከኣል።

እቲ ዛንታ ነዊሕን ሕልኽልኽ ስለ ዝብልን ንዕብየት ተሓኤ ብምልኡ ምግላጹ ከሸግር’ዩ። ኣብ ከተማታት ዝርአ ዝነበረ ማእሰርቲ፡ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ሃድን፡ ኣብ መታሕት ዝኽሰት ዝነበረ ግፍዒ፡ ቅንጸላታት፡ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ዝተወልዐ ውግእ ሓድሕድ ... ታሪኹ ኣዝዩ ነዊሕ'ዩ። ኣሕጺርና ግን ከምዚ ዝስዕብ ከነቕርቦ።

ብ1963፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ተመስረተ። ፕረዚደንት ጋማል ዓብደልናስር ናይ ግብጺ ንኣዲስ ኣበባ ክመላለስ ምስ ጀመረ ንጕዳይ ኤርትራ ሸለል ክብሎ ጀመረ።

እድሪስ ንኣካይዳ ግብጺ ብምስትብሃል ምስ ደማስቆስ (ሶርያ) ዝምድናታት ክምስርት ጀመረ። ብኡ ምኽንያት ከኣ ተሓኤ ካብ ሶርያ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ ከኣለት።

ብ1967 ውግእ እስራኤልን ሃገራት ኣዕራብን ምስ ጀመረ ሶርያ ኣብ ኤርትራ ዝነበራ ተገዳስነት ኣጸቢቝ ነከየ። ብ1968 እድሪስ ምስ ዒራቕ ዝምድና ኣማዕበለ። ስለዚ እድሪስ ናብ ባቕዳድ፡ ደማስቆ፡ ከሰላ፡ ውሽጢ ሜዳ እናተመላለሰ ይሰርሕ ነበረ።

ተጋደልቲ ጀብሃ እናበዝሑ ኣብ ዝኸዱሉ ዝነበሩ እዋን፡ መጅልስ ኣልኣዕላ ከም ብሓድሽ ነብሱ ሰርዐ - ብቕይዳ ዓማ (ጠቕላሊ መሪሕነት) ተተክአ። እድሪስ ከኣ ከም ኣቦ መንበር ተመርጸ። ኣብቲ እዋን ኣብ ውሽጢ ሜዳ ዝነበሩ መራሕትን ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ኰይኖም ዝመርሑ ዝነበሩ መራሕቲ ምትፍናን መጽአ።

ኵነታት ሜዳ ኤርትራ ከፍአ - ውግእ ሓድሓድ ኣርከበ። ተሓኤ፡ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዝገራጨውሉ ዝነበረ እዋን፡ መሪሕነት ተሓኤ ቅርጹ ናብ ሰውራዊ ባይቶ ቐየረ። ሽዑ’ውን እድሪስ ንኽመርሖ ተመርጸ።

ውግእ ሓድሕድ ቀጸለ። ስርዓት ደርግ ኸኣ ኣርከበ። ሽዑ፡ ብ1975፡ እድሪስ መሓመድ ኣድም ብኣሕመድ ናስር ተተክአ። ንስዑዲ ዓረብ ምስ ገዓዘ ቀስ ኢሉ ስም እድሪስ ቀሃመ። ሒደት ዓመታት ጸኒሑ ህላወ ተሓኤ ኣብ ሓደጋ ኣተወ።

ኣብ ፈለማ 80’ታት መብዛሕትኦም ተጋደልቲ ተሓኤ ካብ ሜዳ ኤርትራ ንስደት ኣምርሑ።

እድሪስ ኣብ ጀዳ ኰይኑ ምስ ኣባላት ተሓኤ ይራኸብ’ኳ እንተነበረ ካብ ንጡፍ ኣገልግሎት ረሓቐ።

ናጽነት ኤርትራ ምስ ኣርከበ፡ እቶም ኵሎም ነባራት ተጋደልቲ ጀብሃ - ተራ ተጋደልቲ ይዅኑ መራሕቲ በቲ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዛዚሙ ብዓወት ዝኣተወ መንግስቲ ዘቘመ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ብዙሕ ኣቓልቦ ኣይረኸቡን።

እቲ ዅሉ ቃልሲ፡ እቲ ዅሉ ምዝንባል-ህይወት፡ እቲ ዅሉ ስንክልናን መስዋእትን፡ እቲ ዅሉ ስደት ተረሲዑ ኤርትራ ናይ ሓቂ ሕብራ ኣርኣየት።

እንተ እድሪስ መሓመድ ኣድም ግን፡ ድሕሪ’ቲ ዅሉ ታሪኽ ኣብ 82 ዕድመኡ ኣብ ጂዳ ብ29 ነሓሰ 2003 ብሞት ተፈልዩ። ሬሳኡ ኸኣ ኣብ መካ ተቐብረ። ሬሳ እድሪስ ኣብቲ ዝተወልደሉ ዓዲ ኣብ ኣቝርደት ዘይተቐብረሉ ምኽንያት ንብዙሕ ሰብ ኣዛረበ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነ’ውን ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ኮነ ዑስማን ሳልሕ ሳበ’ውን ስለምንታይ ኣብ ኣብ ኤርትራ ዘይተቐብሩ ዝብል ጉዳይ ክሳብ ሕጂ የዛርብ እዩ።