ኤርትራ፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ተኣሲሮም ዝጸንሑ 6 ስሪላንካውያን ተፈቲሖም

ምንጪ ስእሊ, Ministry of Foreign Affairs, Foreign Employment & Tourism
ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ከምዝተፈትሑ ተገሊጹ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ምኒስትሪ ስርሓት ወጻእን ቱሪዝምን ከምኡ ከኣ ኤምባሲ ስሪላንካ ኣብ ግብጺ ምስ ሰብ መዚ ኤርትራ ድሕሪ ዝገበርዎ ዘተን ምርድዳእን እቶም ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ከምዝተፈትሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ሃገር ኣብ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ቤትጽሕፈት ስለ ዘይብላ፡ ብመንገዲ እቶም ኣብ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈታታ ኣቢላ'ያ ነቶም ባሕረኛታት ንምፍታሕ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ጸኒሓ።
እዞም ባሕረኛታት ብ7 ሕዳር 2024 ምስተን ናብ ግዝኣታዊ ማያት ኤርትራ ጥሒሰን ብምእታወን ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽብ ዝነበሩ'ዮም።
እቶም ስሪላንካውያን ሰራሕተኛታት ናይቲ ካስፒያን ቢ.ቪ ዝተባህለ ኩባንያ ኣዘርባዣን ኰይኖም፡ ምስቶም 18 ኣዘርባዣናውያን ተኣሲሮም ዝነበሩ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።
ማዕከናት ዜና ኣዘርባዣን፡ እቶም 18 ዜጋታት ናይታ ሃገር ኣብ መንጎ ክልተኦም መንግስታት ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ርክብ ተለቒቖም ናብ ዓዶም ከም ዝተመልሱ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ገሊጸን ነይረን።
እዞም ከይተፈትሑ ዝጸንሑ ባሕረኛታት፡ እቶም ሓሙሽተ ኣቐዲሞም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ዝነበሩ ኰይኖም፡ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ሰራዊት ዘገልገለ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ኣምባሳደር ስሪላንካ ኣብ ካይሮ፡ ናብ ኤርትራ ዘእትዎ ቪዛ'ኳ ተኸሊኡ እንተነበረ፡ ጸኒሑ ግን ስለዝተፈቐደሉ ብረቡዕ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ቢቢሲ ከረጋግጽ ክኢሉ።
እቲ ኣምባሳደር ናብ ኤርትራ ምስ ኣተወ ረቡዕን ሓሙስን ምስ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ኤርትራ ብምዝታይ ነቶም ሽዱሽተ ባሕረኛታት ስሪላንካ ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ መንገዲ ከምዘጣጠሐ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቶም ባሕረኛታት ትማሊ ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመለስሉ ከአ ሰብ መዚ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ካልኦትን ኣብ ስሪላንካ ዓለምለኻዊ መዓርፎ ነፈርቲ ባንዳራናኪ ተቐቢሎሞም።
እተን ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር 2024 ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተተሓዛ ሰለስተ መራኽብ [ታግቦት] ባንዴራ ኣዘርባዣን ዝሰቐላ ሲ-ኤም-ኤስ ፓህላቫን፡ ሲ-ኤም-ኤስ ኢጊድን ሲ-ኤም-ኤስ-3ን ዝብሃላ መራኽብ ብሓደ ኣገልግሎት ባሕሪ ካስፒያን ቢ-ቪ (Caspian Marine Services B.V.) ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል መጓዓዝያ ባሕሪ ዝመሓደራ እየን።
እተን መራኽብ እንታይ ጽዒነን ምንባረን ካብ መንግስቲ ኣዘርባዣን ይዅን መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ዝተሓበረ ነገር የለን።
መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣብተን መራኽብ ዝነበሩ ነቶም ኣቐዲሞም ዝተፈትሑን 18 ባሕረኛታትን ነዞም ናይ ሕጂ 6 ባሕረኛታትን ብድምር ኵሎም እቶም 24 ድኣ'ምበር እተን መራኽብ ነጻ ከምዘይፈነወን'ዩ ዝግልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







