ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ብዛዕባ ዘለዉ ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ዛጊት እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, SM
ስሪላንካ፡ ብ7 ሕዳር 2024 ናብ ግዝኣታዊ ማያት ኤርትራ ጥሒሰን ብምእታወን ብብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ዜጋታታ ንምፍታሕ ዝገበረቶ ጻዕሪ ከም ዘይሰመረላ 'ዘ ኣይላንድ' ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስሪላንካ ዜጋታቱ ንምፍታሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ኤርትራን ኤምባሲታትን ጻዕሪታት ይገብር ከምዘሎ፡ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የነጽር።
እቶም ስሪላንካውያን ሰራሕተኛታት ናይቲ ካስፒያን ቢ.ቪ ዝተባህለ ኩባንያ ኣዘርባዣን ኰይኖም፡ ምስቶም 18 ኣዘርባዣናውያን ተኣሲሮም ዝነበሩ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።
ማዕከናት ዜና ኣዘርባዣን፡ እቶም 18 ዜጋታት ናይታ ሃገር ኣብ መንጎ ክልተኦም መንግስታት ድሕሪ ዝተኻየደ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ርክብ ተለቒቖም ናብ ዓዶም ከም ዝተመልሱ ኣብ መወዳእታ መጋቢት ገሊጸን ነይረን።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢለሃም ኣሊየቭ "ብዝሃቦ መምርሒ" ከም ዝተፈትሑ'ውን እተን ማዕከናት ዜና ወሲኸን ገሊጸን።
እዞም ከይተፈትሑ ተሪፎም ዘለዉ ባሕረኛታት፡ እቶም ሓሙሽተ ኣቐዲሞም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ስሪላንካ ዝነበሩ ኰይኖም፡ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ሰራዊት ዘገልገለ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ስሪላንካ ነቶም ብልክዕ ኣብ ምንታይ ከም ዘለዉ "ዘይፍለጡ" ዜጋታታ ንምፍታሕ፡ ብኢንተርነት ዘጠቓለለ ሓያሎ ርክባት እኳ እንተ ተኻየደ ፍረ ክርከቦ ከም ዘይከኣለን ሃለዋቶም ንምፍላጥ ምስ ቀይሕ መስቀል ስሪላንካ ምዝርራብ ይግበር ከም ዘሎን እታ ምንጪ ትገልጽ።
እታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ሃገር ኣብ ኤርትራ ዲፕሎማስያዊ ቤትጽሕፈት ስለ ዘይብላ፡ ብመንገዲ እቶም ኣብ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈታታ ኣቢላ ጻዕርታት ክትገብር ምጽንሓ እዩ ዝፍለጥ።
ኤምባሲ ስሪላንካ ኣብ ካይሮ (ቀንዲ ተልእኾ ስሪላንካ ናብ ኤርትራ) ነቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት ናብ ኤርትራ ብምኻድ ክርእዮም ከም ዝሓተተ'ውን እቲ ምንጪ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ተልእኾ ስሪላንካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሃገሩ ንኤርትራ ንምእማን ክትሕግዝ ሓቲቱ።
እንተዀነ፡ ስሪላንካ ነቶም ሽዱሽተ ዜጋታታ ዛጊት ከተውጽኦም ኣይከኣለትን።
እቶም 18 ኣዘርባዣናውያን ምስ ተፈትሑ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ናይታ ሃገር፡ "ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ሃገረ ኤርትራ ንዝገበሮ ቀጥታዊ ደገፍ ዘለና ዓሚቝ ምስጋና ንገልጽ፡" ብምባል ኣብ ምፍታሕ እቶም ባሕረኛታት ኣንካራ ንዝነበራ ኣበርክቶ መጒሱ ነይሩ።
ስድራቤት ናይቶም ንኣስታት 7 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ባሕረኛታት ኣብ ሻቕሎት ከም ዝርከቡ ዝሓበረ እቲ ማዕከን ሓበሬታ፡ ኣንጻር ኢደ-ወነናዊ ማእሰርቲ ንዝጣበቕ ጕጅለ ዕዮ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ መልሲ ክትህብ ጸቕጢ ክገብር ሕቶ ከም ዝቐረበሉ ገሊጻ።
እዛ ኣብ ደቡባዊ እስያ ትርከብ ደሴት፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እዞም ባሕረኛታት ወግዓዊ ክሲ ከም ዘይመስረተትን ሕጋዊ ማስርሑ ንጹር ከም ዘይኰነን ምንጪታት ይሕብሩ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስሪንላንካ ብመንገዲ ኣብ ግብጺ ዝርከብ ኤምባሲኡ ኣብ ካይሮ ምስ ዝርከቡ ሰበስልጣን ኤርትራ ክዋሳእ ከም ዝጸንሐ'ውን ይፍለጥ።
ምኒስተር ቪጂታ ሄራት ኣብዚ ጉዳይ ኣተኲራ ምስ ኤርትራውያን መዛኑኣ ክትዘራረብ ትጽቢት ይግበር።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ ነተን መራኸብ ዘካይደን ኩባንያ ኣገልግሎት ባሕሪ ካስፒያን ቢ.ቪ.፡ ብዛዕባ'ቶም ዝተኣስሩ ሰባት ኣድላዪ ሕጋውን ድሕነትን ደገፍ ንኽህብ፡ ዛጊት እንታይ ከም ዝገበረሎም ዝርዝር ጸብጻብ ክህብን ኢዱ ከእቱን ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ፍጻመ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብኣካታዕቲ ጉዳያት ብዛዕባ ዝተኣስሩ ሰባት ንጹርን ውፉይን ኣገባብ ከም ዘየሎ ዘርኢ ምዃኑ ገለ ተንተንቲ ይገልጹ።
ስድራ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ሰባት'ውን ናብ ሰበስልጣን ኤርትራን መራሕቲ ሃይማኖትን ጻውዒት የቕርቡ ከም ዘለዉ ማዕከን ዜና 'ዘ ኣይላንድ' ትገልጽ።
ብወገን መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ እዘን መራኸብ ኰነ ምስአን ዝተኣስሩ ሰባት ክሳዕ ሕጂ ዘውጽአ መግለጺ የሎን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







