ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ንግድን ፖለቲካን ዓለም ብኸመይ'ዩ ወሳኒ ኰይኑ?

ኣብ ከባቢ ወደብ ባጽዕ ደው ዝበለት መርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከባቢ ወደብ ባጽዕ ደው ዝበለት መርከብ

ብባሕሪ ኣብ ዝካየዱ ንጥፈታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ገለ ኣገደስቲ መስመራት ኣለዉ፣ ቀይሕ ባሕሪ ድማ ካብቶም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ ሓደ እዩ።

እዚ ንኣህጉራት ኣፍሪቃ፡ ኤስያን ኤውሮጳን ዘራኽብ ማያዊ መስመር፡ ንንግዲ ዓለም ኣገዳሲ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቀይሕ ባሕሪ፡ ንህንዳዊ ውቅያኖስን ማእከላይ ባሕርን ዘራኽብ ኰይኑ፡ ብፍላይ ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ዓቢይ ጠለብ ዘለዎ ነዳዲ፡ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ንምጕዕዓዝ ዝሓጸረ መስመር እዩ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ብዘይካ'ተን ምስቲ ባሕሪ ዝዳወባ ኤርትራ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያ፡ ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን የመንን፡ ብዙሓት ካብቲ ከባቢ ርሒቐን ዝርከባ ሃገራትን ኣብ ካልኦት ኣህጉራት ዝርከባ ሃገራትን ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ረብሓታተን ንምሕላው ኣብቲ ከባቢ ይንቀሳቐሳ።

ቀይሕ ባሕሪ፡ ነቲ ካብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ዝግበር ነዊሕ ጕዕዞ ባሕሪ ብምሕጻር ሃገራት ቀረብ ነዳድን ጋዝን ብኣድማዕነት ክረኽባ የኽእለን።

ብተወሳኺ ካብ ኣውስትራልያ፡ ጃፓን፡ ቻይና፡ ህንዲን ካልኦት ሃገራትን ወሳኒ ፍርያትን ኣቑሑ ቴክኖሎጂ ዝጸዓና ዓበይቲ መራኽብ ዝሓልፋሉ ኣገዳሲ መስመር ባሕሪ እዩ።

ከምኡ'ውን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ውሽጢ ቀይሕ ባሕሪ ዓበይቲ መተሓላላፊ ዳታ- ገመዳት (ኬብላት) ተዘርጊሖም ስለ ዘለዉ፡ ሓደ ጫፍ ዓለም ምስቲ ካልእ ጫፍ ኣብ ካልኢታት ክራኸብን ሓበሬታ ክለዋወጥን የኽእል።

ባጽዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቀማምጣ ቀይሕ ባሕሪ
መግለጺ ስእሊ, ኣቀማምጣ ቀይሕ ባሕሪ

ዝሓጸረ ንግዳዊ መስመር

ዓመታዊ 30 ሚእታዊት ጽዕነት ኮንተይነራት ዝሓልፋሉ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ መንጎ ኣህጉራት ኤስያን ኤውሮጳን ዝህሉ ወጻኢታትን ግዜን ጕዕዞ መራኽብ ብዓቢዩ ዘቃልል እዩ።

ኣብ መንጎ ኤስያ፡ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ብቀይሕ ባሕሪ ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ፍርያት ዓመታዊ 1 ትሪልዮን ዶላር ከም ዝግመቱ ይእመን።

ካብ ኤስያ ዝመጽአት መርከብ ጽዕነት ብመትረብ ስወጽ ኣቢላ ናብ ኤውሮጳ ክትበጽሕ ቀይሕ ባሕሪ ሰጊራ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ክትኣቱ ኣለዋ። እንተዘይኰይኑ ብጫፍ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትዘውር ምተገደደት።

እዚ ብደቡብ ኣፍሪቃ ዝግበር ጕዕዞ ካብቲ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢሉ ዝኸይድ ኣቋራጭ መንገዲ ተወሳኺ 7,000 ኪሎሜተር ይሓትት።

ብመዓልታት እንተ ተሓሲቡ ድማ፡ ክሳብ 12 ተወሰኽቲ መዓልታት መገሻታት ባሕሪ ዝሓትት ኰይኑ፡ ወጻኢታቱ እውን ብኡ መንጽር ዝለዓለ እዩ።

ዓባይ መርከብ ጽዕነት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀይሕ ባሕሪ መልክዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣኡ፡ ልዑል ምህርቲ ነዳዲ ዝፈርየሉ፡ ኣብ ሃይማኖታውን ፖለቲካውን ንሕንሕ ኣብ ዘለዎ ዞባ ብምህላዉ፡ ሃገራት እቲ ከባቢን ሓይልታት ዓለምን፡ ረብሓታተን ንምሕላው ዝከኣለን ኵሉ ክገብራ ይስትውዓል።

ካብ ደቡባዊ መስመር ዝመጽኣ መራኽብ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዝኣትዋሉ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብን ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ዝርከብ መትረብ ስወጽን ቀንዲ ነጥቢታት ናይቲ ባሕሪ እዮም።

እቲ ብጸጋም ብጅቡቲ ብየማን ድማ ብየመን ዝዳወብ መጻብቦ ባብ ኤል-መንደብ፡ ምንቅስቓስ ዓበይቲ መራኽብ ጽዕነት ብምቍጽጻር ኣህጉራዊ ንግድን ወተሃደራዊ ንጥፈታትን ዝጸሉ ወሳኒ ከባቢ እዩ።

ከም ውጽኢቱ ወተሃደራውን ቍጠባውን ሓይልታት ዓለም፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ሃገራት፡ ሃገራዊ ረብሓታተን ንምሕላውን ድሕነት መራኽበን ንምርግጋጽን ሓይሊ ባሕረን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣዋፊረን ይርከባ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣመሪካ፡ ፈረንሳን ቻይናን ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት፡ ኣብታ ኣብ ወሳኒ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ጅቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣለወን።

ሩስያ'ውን ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከር ክትምስርት ድሌት ከም ዘለዋ ይዝረብ። ቱርኪ'ውን ብሶማልያ ኣቢላ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ምትእትታዋት ትገብር ኣላ።

እታ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ገጻ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ትገብር ዘላ ኢትዮጵያ፡ ገና ኣበይ ከም ዝዕስክር ብንጹር ዘይተፈልጠ፡ ሓድሽ ሓይሊ ባሕሪ ኣቝማ ትንቀሳቐስ ኣላ።

ቀይሕ ባሕርን ከባቢኡን ጽዑቕ ቍጠባውን ፖለቲካውን ኣገዳስነት ዘለዎ ዞባ ብምዃኑ፡ ተቐናቐንቲ ሃገራት ጽልዋአን ንምሕያል ዝወዳደራሉ'ውን እዩ።

ነዚ ድማ ብሰንኪ ባህሪ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ብወጥሪ ዝሕመስ ዞባ ይገብሮ።

ኣብተን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ግጭትን ዘይምርግጋእን ዘጋጥም፡ ንግዲ ዓለም ይዕንቀፍ፣ እዚ ድማ ኣብ ዓለማዊ ቍጠባ ምዝንባዕ የስዕብ።

ወሳኒ ቀረብ ነዳድን ካልኦት ኣቑሑን ስለ ዘሰናኸል ድማ ወሰኽ ዋጋን ሕጽረትን የጋጥም።

ሃገራት ክሳብ ዞባዊ ሰላም ንምሕላው፡ ድሕነት መራኽበን ንምርግጋጽ፡ ቍጠባአን ንምርግጋእ፡ ከምኡ'ውን ዘድልየን ቀረብ ኣብ ግዚኡን ብዘድልየን ብዝሒን ንኽበጽሕ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክወስዳ ይግደዳ።

ቀይሕ ባሕሪ ኣገዳሲ ቍጠባዊ መስመር ዓለም ኰይኑ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ድማ ጽልዋኡ ልዑል እናዀነ ከም ዝመጽእ ይግመት።

ኣብዚ መስመር ዘጋጥም ዝዀነ ይዅን ስግኣት ጸጥታ፡ መራኽብ ጽዕነት መንገደን ክቕይራ ዘገድድ እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዕጡቓት ሑቲ የመን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ መራኽብ ምዕራባውያን መጥቃዕቲ ብምፍጻም ዕንወትን ምዝባዕን ፈጢሮም።

ነዚ ደው ንምባል ድማ ብኣመሪካ ዝምራሕ ሓይሊ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይዱ።

መርከብ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ጸጥታዊ ጽልዋ ቀይሕ ባሕሪ

ኣብዚ እዋን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ልዑል ጽልዋ ዘለወን ሃገራት ግብጺ፡ እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ኰይነን፡ እተን ዝተረፋ ካልኦት ብሰንኪ ድኹም ቍጠባአንን ግጭታትን ጽልዋእን እምብዛ ኣይኰነን።

ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ቀይሕ ባሕሪ ክንዮ እቲ ዞባ ክሳብ ማእከላይ ባሕሪ፡ መትረብ ስወጽ፡ ህንዳዊ ውቅያኖስን ወሽመጥ ሕርሙዝን ይዝርጋሕ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ሱታፌ ካልኦት ሃገራት ኣብቲ ዞባን ክንዮኡን፡ ምስ ግዜ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ካልኦት ሓደስቲ ሓያላት ሃገራት ድማ ኣብቲ ከባቢ ተራ ንኽህልወን ዝከኣለን ምትእትታዋት ይገብራ ኣለዋ።

ኣብ ኲናት ሓድሕድ ተሸሚሞም ዘለዉ ሑቲ የመን መራክብ ብምጥቃዕ ስግኣት ኣብ ዝፈጠሩሉ እዋን፡ ኣብተን ምስ ባሕሪ ዝዳወባ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠለብ ነዳዲ፡ ጋዝ፡ ጸጋታት ባሕሪ፡ መራኽብን ኣገልግሎት ወደባትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ኣብቲ ንዘመናት ኣገዳሲ ቍጠባውን ወተሃደራውን ማእከል ኰይኑ ዝጸንሐ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ባሕሪ ክረኽባ ይጽዕራ ኣለዋ።

ገሊአን፡ ኣብ ወሰን ቀይሕ ባሕሪ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ቍጠባውን ወተሃደራውን ስምምዓት ብምብጻሕ ግደአን የስፍሓ ኣለዋ።

ካልኦት ካብቲ ከባቢ ርሒቐን ዝርከባ ሓያላን ሃገራት ድማ ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብምቛም ሓይልታት ባሕረን ብምውፋር ረብሓታተን ይሕልዋ።