መደረ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ስለምንታይ ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብቕድሚ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ፓርላማ ሃገሩ ቀሪቡ ብኣባላት ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዝሃቦ መልሲ ብመንግስታውያን ማዕከናት ዜና ብቐጥታ ከም ዝተመሓላለፈ ዝፍለጥ እዩ።
ሓያሎ ዘቤታውን ዞባውን ኣልዒሉ ዝተዛረበ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ ብሕልፊ እቲ ብዛዕባ ትግራይን ኤርትራን ኣተኲሩ ዝተዛረቦ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።
"መንግስቲ ፈደራል ኣብ ትግራይ ኵናት ናይ ምኽፋት ሽውሃት የብሉን'ዩ፡" ዝበለ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ትግራይ ኰይኖም ኵናት ንምጽሕታር ዝሓስቡ ሰባት ከም ዘለዉ ጠቒሱ። እንተዀነ፡ ብዓል መን ምዃኖም ስም ረቚሑ ኣገለጸን።
መራሕቲ ናይቲ ቅድሚ ኣዋርሕ ሕጋዊ ሰብነቱ ዝተሰረዘ ህወሓት ድማ፡ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ዘምልስ ተግባር ክፍጽም ፍቓደኛ ከም ዘይኰነ ይኸስዎ።
ኣቢይ ኣብ መደረኡ፡ ኵናት እንተ ተወሊዑ ካብቲ ዝነበረ ዝገደደ ክኸውን ከም ዝኽእል ተሓንዩ ኣሎ፣ "መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዓበይቲ ዓድን የገድሰና'ዩ እትብሉ ነጋዶን፡ ኵናት ቅድሚ ምውላዑ ናብ ትግራይ ኬድኩም ግዴታኹም ተዋጽኡ፡" ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ቢቢሲ ንገለ ካብቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ዘልዓሎ ዛዕባታት ኣልዒሉ ንተንታኒ ፖለቲካ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም፣ ከምኡ'ውን ኣባል ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፖለቲከኛ ንጉስ ኣረፈ ኣዘራሪቡ ኣሎ።
ኣብ መቐለ ዝምቕማጡ ኣባል ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ፖለቲከኛ ንጉስ ኣረፈ፡ ኣቢይ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ኣድሂቡ ዝሃቦም ሓሳባት ንሕብረተሰብ ዘርዓዱ ምዃኖም'ዩ ዝገልጽ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ልባዊ ፖለቲካዊ ምሕዝነት ዝደሊ እንተ ዝኸውን ነይሩ፡ ምስ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ካልኦት ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ክሰርሕ ይኽእል ነይሩ'ዩ ዝበለ ኣቶ ንጉስ፡ ዝኸውን ዘሎ ግን "ምስ ህወሓት ብዘለዎ ዘይምርድዳእ ብቐጥታ ንሕብረተሰብ'ዩ ኣጃሚሉ ዘርዕድ ዘሎ፡" ኢሉ።
መደረ ቀዳማይ ምኒስተር ምስቲ ናይ 2013 (ግእዝ) ድሮ ኵናት ትግራይ ዘስምዖ ዝነበረ ዘረባታት ከም ዝመሳሰል ዝጠቐሰ ኣቶ ንጉስ፡ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ዝፈረምዎ ውዕሊ ከም ዘይተተግበረ'ዩ ዝገልጽ።
"ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን፣ ኣብ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሰፈረ ልኡላዊ ግዝኣት ትግራይ ኣይተረጋገጸን ዘሎ። እዚ ድማ ሓላፍነት መንግስቲ ኢትዮጵያ'ዩ፡" ይብል።
"ህወሓት ሓላፍነት ዘይስምዖ ውድብ'ዩ፡" ኢሉ ዝኸሰሰ እቲ ፖለቲከኛ፡ መንግስቲ ፈደራል "ካብ ፍቓዱ ወጻኢ ምስ ናይ ደገ ሓይልታት ርክብ ይግበር ኣሎ ዝብል ነቐፌታ እንተ'ልይዎ ድማ ዶባት ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ ባዕሉ እቲ ማእከላይ መንግስቲ'ዩ፡" ኢሉ።
መንግስቲ ፈደራል ነቲ ዶብ ሓዲግዎ ከም ዝኸደን ሓላፍነቱ ብዝግባእ ከም ዘይተዋጽአን ዝነቅፍ ኣቶ ንጉስ፡ "ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ህወሓት ዘለዎ ምስሕሓብ ናብ ሕብረተሰብ ከውርዶ ምርኣይ ጌጋ እዩ፡" ኢሉ።
መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ወግዓዊ ብዘይኰነ መንገድታት ፖለቲካዊ ሽርክናታት ከም ዝፈጠሩ ይንገር'ዩ። ብደገፍቲ ክልተኦም ሓይልታት ዝሳሰ 'ጽምዶ' ዝተባህለ ምቅርራባት ካብ ዝጅመር ኣዋርሕ ዘቝጸረ ኰይኑ፡ ኣብ ዶባት ዝርከብ ሕብረተሰባት ክልተኡ ሃገራት ክራኸቡ ተራእዮም።
![ተንታኒ ፖለቲካ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም [ጸጋም] ኣባል መሪሕነት ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ንጉስ ኣረፈ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/ab4a/live/9b1621d0-5975-11f0-9941-530e56aea295.png.webp)
ምንጪ ስእሊ, Abuhashim and TBS
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ኣብ ጉዳይ ምርካብ ኣፍደገ ባሕሪ ዝጀመሮ ጐስጓስ ጸቒጡ ዝደፍኣሉ ኰይኑ፡ ኣብ ናይ ብቕድሚ ትማሊ መደረኡ፡ "ኢትዮጵያ ባሕሪ እንተ ዘይወኒና ሃለዋታ ከብቅዕ'ዩ፡" ኢሉ።
ተንታኒ ፖለቲካ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኤርትራዊ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሓሽም፡ ኢትዮጵያ ባሕሪ ናይ ምጥቃም መሰል እምበር ወናኒት ክትከውን ዘፍቅድ ሕጊ ከም ዘየሎ እዩ ዝገልጽ።
"ኢትዮጵያ ባሕሪ ወኒና ኣይትፈልጥን እያ። ኣፍደገ ባሕሪ ዝነበራ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ተሓዊሳ ዝነበረትሉ ግዝያት ጥራይ'ዩ፡" ኢሉ።
"ኢትዮጵያ ካብ 1952 ክሳዕ 1991 [ኣቈጻጽራ ኤውሮጳውያን] ጥራይ እያ ኣፍደገ ባሕሪ ነይርዋ፡" ዝበለ ኣቡሓሽም፡ እታ ሃገር ኢህወዴግ ኣብ ዝመርሓሉ ዝነበረ ዓመታት ወደባት ጐረባብቲ ሃገራት እናተጠቕመት ጽቡቕ ቍጠባዊ ምዕባለ ኣመዝጊባ ከም ዝነበረት'ዩ ዝጠቅስ።
'ኢትዮጵያ ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህሉ ኣይትኽእልን'ያ' ዝብል መደረ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር "ናይ ኵናት ቅስቀሳ'ዩ፡" ዝበለ ኣቡሓሽም፡ ሃገራት ብዘይ ኣፍደገ ባሕሪ ሃለዋተን ኣረጋጊጸን ስሉጥ ቍጠባዊ ምዕባለታት ከመዝግባ ከም ዝኽእላ ንስዊዘርላንድ ከም ኣብነት ጸሪሑ።
ፖለቲከኛ ንጉስ ኣረፈ፡ "ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ 'ብወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስትነት ዝጨበጠ ሰብኣይ [ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ] ሕጋውነቱ ኣጽዲቑ እንከብቅዕ ሕዚ ተገልቢጡ ክኸስስ ምጅማሩ ነንርእሱ ዝጋጮ'ዩ፡" ይብል።
ማእከላይ መንግስቲ ምስ እቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ናይ ሰላም ፖለቲካውያን ሓይልታት ሓዲጉ ምስ እቲ ሓቛፋይ ዘይኰነ ካቢነ ዝመስረተ ብሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስርሑ ጌጋ ከም ዝዀነ'ውን ኣቶ ንጉስ ተዛሪቡ።
ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ቃላት ዳርባ፡ ናብ ኲናት ከየምርሕ ስግኣት ሰፊኑ ኣሎ።
ኣብ ግዜ ኵናት ትግራይ መሻርኽቲ ዝነበሩ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን'ውን ንኣዋርሕ ኣብ ናይ ቃላት እንካን ሃባን ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







