ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ትግራይን ዝሃቦ ኣዘራራቢ መብርሂ

ምንጪ ስእሊ, EBC
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪን እዋናዊ ኩነታት ትግራይን ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።
ንሱ፡ ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዝቐረቡሉ ሕቶታት ምላሽ እንትህብ እዩ፡ ኣብ ኩነታት ፀጥታ እታ ሃገርን ምስ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ርክብን ኣመልኪቱ ዝተዛረበ።
"ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይረኺባ ሃገር ክትከውን ኣይትኽእልን'ያ" ክብል መርገጺኡ ደጊሙ ዘነጸረ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብቲ ዞባ ፈጢርዎ ዝጸንሐ ስግኣት መሊሱ ኣራጒድዎ ኣሎ።
ሓደ ካብ ጠንቅታት ምርፋፍ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ኣዲስ ኣበባ ክትህቦ ዝጸንሐት ንመሰል ተጠቃምነትን ዋንነትን ኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት መግለጺታት ምዃኑ ይፍለጥ።
"ብኤርትራ ወገን ውግእ ከምዝውላዕ ዓይነት ወረታት ይቃልሑ'ዮም። ንዝተኸበረ ቤት ምኽሪ ኣርጊጸ ክንግረኩም ዝደሊ፡ ብኣና ወገን ሓንቲ ጥይት ኣይክትኮስን እያ"።
ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ንፓርላማ እታ ሃገር ዝሃቦ ሰፊሕ መብርሂታት፡ ኢትዮጵያ "ብሰላም" ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ባህጊ ከምዘለዎ'ኳ እንተገለጸ፡ ምስ ህልውና እታ ሃገር ምትእስሳሩ ግን ነቲ ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ መሊሱ ከምዘጋድዶ ይንገር።
"ንኣብነት ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር'ያ፡ ብግዲ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን ኣይንደልን ኢና። ልኡላዊት ሃገር ክትከውን መሰላ'ዩ። ጂቡቲ ልኡላዊት ሃገር'ያ፡ ክኽበር ኣለዎ። ሶማልያ ልኡላዊት ሃገር'ያ ክኽበር ኣለዎ። ኣብዚ ሕቶ የብልናን"።
"ኢትዮጵያ'ውን ልኡላዊት ሃገር'ያ፡ ኣፍደገ ባሕሪ እንተዘይረኺባ ግን ሃገር ክትከውን ኣይትኽልን'ያ። እዚ'ውን ብኣኣቶም ወገን ክኽበር ኣለዎ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለዋ ዶባት ብንጹር ዝተሓንጸጸ ዘይምዃኑ'ውን ጠንቂ ምስሕሓብ ይኸውን ከምዘሎ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብሪሁ።
እንተኾነ ግን፡ ብፍላይ ምስ ኤርትራ ዘለዎም ዶባት በቲ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ዝተመስረተ ኮሚሽን ዶብ ዝተዋህበ ውሳነ ኣብ ወረቐት ከምዝተነጸረ ይፍለጥ።
'ኣብ ምድሪ ትግራይ ሓንቲ ጥይት ክንትኩስ ድልየት የብልናን'
ብዛዕባ ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ "ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ኣምጺእሉ'ዩ" ኢሉ።
"ደቆም መዓልታዊ ካብ ምስኣን ኣድሒኑ'ዩ። ንኢትዮጵያ ድማ ሓድሽ ባህሊ ፈጢሩ'ዩ"።
ብዘይካ'ዚ፡ ከም መራኸቢታት ተለፎን፡ ባንኪ፡ መብራህቲን መጓዓዝያ ኣየርን ዝርከብዎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላሱ'ውን ዓወት ምዃኑ ጠቒሱ።
ኣብ ደቡብ ትግራይ (ራያ) "ሚእቲ ካብ ሚእቲ"፡ ከምኡ'ውን ከባቢታት ጸለምቲ ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ከምዝተመልሱ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ።
ኣብቲ "ወልቃይት" ክብል ዝገለጾ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቐልቲ ከምዘይተመልሱን፡ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ መሊኡ ከምዘይተፈትሐን ብምእማን፡ "መንግስቲ ዝተፈናቐሉ ዜጋታትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም ዝብል ጽኑዕ መርገጺ'ዩ ዘለዎ" ኢሉ።
"ነዚ ንምግባር ብኹሎም ወገናት ዘለዉ ሓይልታት ክተሓባበሩ ኣለዎም"።
ምፍታሕ ዕጥቂ'ውን ብተመሳሳሊ ክፍጸም ከምዘለዎ ዝገለጸ ኣብይ፡ እቲ ጸገም ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ ከምዘይኮነ ይምጉት።
"ንኣንጭዋ ጻዕረ ሞታ ንድሙ መጸወቲኣ" ዝብል ምስላ ትግርኛ ብምጥቃስ "ንሓደ ሓደ ብዛዕባ ውግእ ክዛረቡ እንከለዉ ንመንእሰያት ግን ጉድኣት'ዩ" ክብል'ውን ኲናት ከብቅዕ ከምዘለዎ ክዛረብ ተሰሚዑ።
ቅዲ ኲናት ካብ ልምዳዊ ናይ ጎቦታት ውግእ ናብ "ዘመናዊ ኣገባብ" ከምዝተቐየረ'ውን ኣጠንቂቑ።
"ዝሕግዙና ሃገራት ኣለዉ ኢልካ ምሕሳብ'ውን ኣሎ። እዞም ሃገራት እዚኦም ንዓኹምሲ ይትረፍ ንገዛእ ርእሶም'ውን ክሕግዙ ኣይክእሉን'ዮም። ሞራል ቲፎዘነትን ምድጋፍን በበይኑ'ዩ"።
"ትግራይ ዘድልያ ሰላም እዩ። ትግራይ ዘድልዮ ብዝርርብን ብምይይጥን ጉዳያት ምፍታሕ'ዩ"።
"ኣብዚ ዝተኸበረ ቤት ምኽሪ ሓደ መልእኽቲ ከመሓላልፎ ዝደሊ፡ ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ኣለኹም። ካልእ ስራሕ የብልኩምን። ብቕልጡፍ ትግራይ ናብ ግጭትን ኲናት ከይኣቱ ስራሕኩም ሕጂ ጀምሩ፡ ድሕሪ ምውልዑ ምዝራብ ትርጉም የብሉን"።
"ሰብ ሃብቲ፡ ምሁራት፡ ኤምባሲታት ሕጂ ውግእ ከይጅመር፡ ምኽንያቱ ምስተጀመረ ከም ቅድሚ ሕጂ ንፈልጦ ኣይክኸውንን'ዩ፡ ነገር ክበላሾ እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
"ብኣና ወገን ኣብ ምድሪ ትግራይ ሓንቲ ጥይት ክንትኩስ ድልየት የብልናን። እንተኽኢልና ከነልምዕ ኢና ንደሊ። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓይልታት ህዝቢ ትግራይን ክፈልጥዎ ዘለዎም፡ ብሰላምን ብልዝብን ጉዳያትና ክንፈትሕ ይክኣል'ዩ። ሎሚን ትማሊን ሓደ ኣይኮነን፡ ስለዚ [ኲናት] ይትረፍ"።
እንተኾነ ግን፡ ቅድሚ'ቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ'ውን ኣብ ትግራይ ኲናት ምውላዕ "ዕብዳን'ዩ" ክብል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
ካልእኸ እንታይ ኢሉ?
ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘሎ ግጭታት'ውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብልዝብ ክፍታሕ ከምዝደሊ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ፡ ኣብዚ መግለፂኡ፡ ስልጣን ብጉልበት ንምምንጣል ዝድርኹ ዘለዉ ዝበሎም፡ ድኽነት፣ ድሕረትን ዓሌትነትን፤ ሰላምን ድሕንነትን'ታ ሃገር ከይሕሎ ናይ ባዕሎም ተራ ከምዝተፃወቱ ሓቢሩ።
እዚ ኩሉ ምኽንያታት፡ ንናይ ወጻኢ ምትእትታዋት ከምዝዕድም'ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ኣብ ክልቲአን ዓበይቲ ክልላት ዝካየድ ዘሎ ብረታዊ ጐንፂ ብዙሕ ኪሳራን ጥፍኣትን የስዕብ ከምዘሎ ዝግለፅ ኰይኑ፡ ንኣመሪካ ሓዊሱ ገለ ሃገራት መንግስቲ ሰላማዊ ፍታሕ ከናድየሉ ይምሕፀኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







