ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ 25 ዓመት ዝገበረ ውዕል ኣልጀርስ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶን ጉተረዝ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ነዚ ትማሊ 12 ታሕሳስ መበል 25 ዓመት ዘቝጸረ ውዕል ኣልጀርስ ምኽንያት ብምግባር፡ "ንራኢ ነባሪ ሰላም፡ ከምኡ'ውን ምኽባር ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን፡" ውፉያት ኰይነን ክርከባ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ወሃቢ-ቓል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝዀነ ስቴፋን ዱጃሪክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ሎሚ መበል 25 ዓመት ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዶባዊ ግጭት ብወግዒ ዘብቅዐን ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ሰላማዊ ዝምድና ንምፍጣር ወሳኒ ማዕቀፍ ዝሰርዐን ፍሉይ ውዕል ሰላም ዝኽሪ ስምምዕ ኣልጀርስ'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ውዕል፡ "ናይ ሓባራዊ ዶብ ንምሕንጻጽ ዝሕግዙ ኣገባባት፡" ንምፍጣር ከም ዘገልገለ ዝሓበረ እቲ መግለጺ፡ ብደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም፡ "ንመሰረታዊ መትከላት ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ክልተአን ሃገራት ደጊሙ ከም ዘረጋገጸ፡" እውን ገሊጹ።
ቀጺሉ፡ "ኣብዚ ኣገዳሲ ምዕራፍ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንውዕል ኣልጀርስ ዝገብሮ ጽኑዕ ደገፍ ደጊሙ ይገልጽ፡" ኢሉ።
"ቅድሚ 7 ዓመት መራሕቲ ክልተአን ሃገራት [ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ምኒስተር ዓቢይን] ብሓባራዊ ኣዋጅ ንሰላም ዘለዎም ተወፋይነት ኣሐዲሶም፣ እዚ ድማ ምስክር ሓይሊ ዘተን ምትሕብባርን'ዩ።"
ኣብዚ ክልተአን ሃገራት ናብ ዳግማይ ወጥሪ ኣትየናሉ ዘለዋ እዋን፡ ጉተረዝ፡ "ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ ስምምዕ ኣልጀርስ ዝተቐመጠ ራእይ ነባሪ ሰላም፣ ከምኡ'ውን ምኽባር ልዑላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዳግማይ ቃል ክኣትዋን ሰናይ ጕርብትናዊ ዝምድና ንምህናጽ ዝግበር ጻዕርታት ከሐይላን፡" ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ፡ ክልተኦም ወገናት "ምስ ዞባውያንን ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምትሕብባር፡ ንዅሉ ዝጠቅም ልምዓታዊ ምትሕብባር ምክያድ ክቕጽሉ፡" ጸዊዑ።
እቲ ውዕል ድሕሪ'ቲ ካብ 1998 ክሳዕ 2000 ኣብ መንጎ ክልአቲን ጐረባብቲ ሃገራት ድሕሪ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት እዩ ተፈሪሙ። ብወገን ክልተአን ድማ ካብ 70,000 ክሳብ 80,000 ዝበጽሕ ህይወት ሰባት ከም ዝሓለፈ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ 'ናይ መመወዳእታን ቀያድን' ዝተባህለሉ ብይን ኮምሽን ዶብ እንታይ እዩ ነይሩ?
እቲ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘስዓበ ካብ ግንቦት 1998 ክሳዕ ሰነ 2000 ዝተኻየደ ኲናት ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ኣብ ሞንጎ ክልተአን ሃገራት ዕርቅን ምርድዳእን ከም ዝፈጥር ዝተኣመነሉ ሰነድ ኣብ ኣልጀርያ ከተማ ኣልጀርስ ቅድሚ 25 ዓመታት ልክዕ ከም ትማሊ (12 ታሕሳስ 2000) እዩ ተፈሪሙ።
እቲ ኣብ ሞንጎ ቀዳማይ ምኒስተር ነበር መለስ ዜናውን ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ዝተፈረመ ብዓል 6 ዓንቀጻት ሰነድ ስምምዕ፡ ኣርባዕተ መሰረታውያን ሸቶታት ነበሩዎ።
ንሳቶም ከኣ እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
- ኣብ ሞንጎ ክልተአን ሃገራት ዝነበረ መንፈስ ተጻብኦ ምቍራጽ፣ ከምኡ'ውን ካብ ምፍርራሕን ሓይሊ ዝተመልኦ ስጕምትታትን ምሕያብ፣
- ቅድሚኡ ኣብ ባሕቲ ሰነ 2000 ዝተበጽሐ፡ ሓንቲ ነታ ካልኣይቲ ከም ጸላኢ ናይ ዘይምርኣይን ምቍራጽ ተጻቦኦታትን ስምምዕ ክኽበርን ክፍጸምን ውሕስና ምሃብ፣
- ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ምሩኻትን ካልኦት ውልቀ-ሰባትን ነናብ ሃገራቶም ክምለሱ ምግባር፣
- ክልትአን ሃገራት፡ ኣብ ግዝኣተን ዝርከቡ ዜጋታት (እታ ሓንቲ ናይታ ካልእ ዜጋታት) ሰብኣዊ መሰላቶም ክሕሎን ምግባር እዮም።
እቲ ሰነድ፡ እቶም ዝተዘርዘሩ ሸቶታት ንኽፍጸሙ፡ ናጻ ናይ ዶብን ካሕሳን ኮምሽናት ንኽምስረቱ'ውን መበገሲ ኰነ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓሙሽተ ኣባላት ዝሓቘፈ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፡ ብናይ ገዛእ-ርእሱ መንገዲ ምርመራ ኣካይዱ፡ ንዘይምርድዳእ ምኽንያት ዝዀኑ ከባቢታት ዶብ፡ ነየነይቲ ሃገር ከም ዝግብኡ ንምውሳን ክኽእል ኣብ ስምምዕ በጺሑ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ሰነድ፡ ዓንቀጽ 2 (2) ቅድም ኢሎም ዝነበሩ ሕግታት መግዛእትን ዓለምለኻዊ ሕግን መሰረት ብምግባር እቲ ኮምሽን ውሳነ ከሕልፍ ተጠቒሱ'ዩ።
ከምኡ'ውን ኣብ ዓንቀጽ 2 (15) እቲ ኮምሽን ዝህቦ ውሳነ ደረትን ምኽላልን ናይ መወዳእታን ቀያድን ክኸውን ተነጺሩ ነይሩ።
ክልቲአን ሃገራት ዘለወን መረዳእታታት ብምቕራብ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ኔዘርላንድ ዘ-ሄግ ዝነበረ ኮምሽን ተኻቲዐን።
ብምያዝያ 2002፡ ኮምሽን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ ውሳነ ኣሕሊፉ። ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ እታ መበገሲ ግጭት ክልተአን ሃገራት ከም ምዃና ዝተገልጸት ባድመ ግዝኣት ኤርትራ ክትከውን ተበይኑ።
ኢትዮጵያ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ፡ ወተሃደራታ ካብቲ ቦታ ከተውጽእ ኣይደለየትን።
ነቲ ውሳነ ስዒቡ፡ ምምልካት ዶብ ክፍጸም እንተዀይኑ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግብኦም ነገራት ስለ ዘለዉ፡ ክፍጠሩ ይኽእሉ ዝበለቶም ጸገማት ብምዝርዛር፡ ኣብ ሞንጎ ክልተአን ሃገራት ተወሰኽቲ ልዝባት ክካየዱ ሓቲታ።
ኤርትራ ንሕቶ ኢትዮጵያ ብትሪ ነጺጋቶ። በዚ ድማ ጉዳይ ዶብ ኣብ ሞንጎ ክልተአን ሃገራት ኣብ ኵነተ 'ኣይሰላም ኣይኲናት' ንኽልተ ዓሰርተታት ዓመታት ቀጺሉ።
ኤርትራ ንዓመታት፡ ስምምዕ ኣልጀርስ በቲ 'ናይ መወዳእታን ቀያድን' ውሳነኡ ተግባራዊ ክኸውን ክትሓትት ጸኒሓ።
ምምጻእ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ
ኣብ ምያዝያ 2018 ናብ ስልጣን ዝመጽአ ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ምስ ኤርትራ ዕርቅን ሰላምን ምግባር ሓደ ካብ ቀዳሞት ዕማማቱ ምዃኑ ኣበሲሩ።
ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ሰነ 2018 ስሩዕ ኣኼብኡ ዘካየደ ኮሚተ ፈጻሚት ስራሕ ኢህወዴግ፡ ምእንቲ ንመጻኢ ሰላም ክልተአን ሃገራትን ኣሓት ህዝብታትን፡ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ኣልጀርስ ተግባራዊ ከም እትገብር ኣፍሊጡ።
እዚ ድማ ክልተአን ሃገራት ን20 ዓመታት ተፋጢጠን ንኽጸንሓ ዝገበረ ጉዳይ ዶብ ክፈትሕዶ ይኸውን? ዝብል ተስፋ ዝሓዘለ ሕቶ ክለዓል ምኽንያት ኰይኑ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ሓሙሽተ ነጥብታት ዝሓዘ 'ናይ ሰላምን ምሕዝነትን' መዘክር ፈሪመን።
እቲ ሓባራዊ ኣዋጅ፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት፡ ኵነተ-ኲናት ከብቅዕ፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ ክምስረት፡ ዳግም ርክባት መጓዓዝያ፡ ንግዲ፡ መራኸቢታትን ዲፕሎማስን ክጅምር፡ ውሳነ ኮምሽን ዶብ ክትግበር፡ ዞባዊ ሰላም፡ ልምዓትን ምትሕግጋዝን ንምርግጋጽ ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዐን።
ኣብ ጅዳ እውን እቲ ናይ ኣስመራ ስምምዕ፡ "ምትግባር ውሳነ ኮምሸን ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ፣ ምውሓስ ዞባውን ኣህጉራውን ሰላምን ጸጥታን፣ ምውጋድ ግብረሸበራ፣ ንግዲ ደቂሰብን ኣጽዋርን ዕጸፋርስን፣ ከምኡ'ውን ነቲ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ዝኣልን ዝከታተልን ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚተን ንኡሳን ኮሚተታት ምቛም. . . ብዝብል ተወሳኺ ሓሳባት ደልዲሉ።
ኣብቲ ጅዳ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ተረኺቡ፡ "ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተስፋ ዝህብ ንፋስ ይነስፍ ኣሎ፡" ክብል ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ጥቅምቲ 2019 ኣቢይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል 2019 ኰይኑ ተረቚሑን ተሸሊሙን።
ካብ 3 ሕዳር 2020 ክሳዕ 3 ሕዳር 2022 መንግስቲ ፈደራልን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣትዮም።
እቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ፡ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ዝተሻረኹሉ፡ ኣሽሓት ህይወትን ብቢልዮናት ዝግመት ንብረትን ዘጥፍአ፡ ሚልዮናት ሰላማውያን ዘመዛበለ፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዝተገብረ ውግእ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ብስምምዕ ፕሪቶርያ ድሕሪ ደው ምባሉ፡ ዝምድና ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን እናሻሕከረ ተጓዒዙ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም፡ ብዛዕባ ተጠቃምነት ባሕሪ ሕቶ ካብ ዘልዕሉ ንደሓር ድማ ዝምድናኦም ናብ ምብታኽ ገጹ ኣምሪሑ፡ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ዳግማይ ግጭት ከይውላዕ ንብዙሓት የሻቅል ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







