ፕረዚደንት ሶማልያ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምኒስተራት ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ካይሮ

ፕረዚደንት ሶማልያ ናብ ኣዲስ ኣበባ፡ ምኒስተራት ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ካይሮ

ምንጪ ስእሊ, EBC

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ንወግዓዊ ዑደት ቀዳም 11 ጥሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቕኒዑ፤ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ግብጺን ሶማልያን ድማ ኣብ ካይሮ ቀዳማይ ስሉሳዊ ኣኼባኦም የካይዱ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ሓሰን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ኣቢይ ኣሕመድ ከምዝተቐበሎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝምድና ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ቱርኪ ከምዝተመሓየሸ ዝፍለጥ እዩ።

እተን ሃገራት ኣብ ባሕቲ ጥሪ ዝሓለፈ ዓመት [2024] ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ብዝፈረማኦ ስምምዕ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪን፡ ኣምሳያኡ ወግዓዊ ተፈላጥነት ሶማሊላንድ ከምሃገርን ዝምድናአን ሓርፊፉ፡ ኣብቲ ዞባ ከቢድ ወጥሪ ኣስዒቡ ጸኒሑ እዩ።

ሶማልያ፡ እቲ ኢትዮጵያ ዝፈጸመቶ ተግባር ከም ምድፋር ልኡላውነትን ምዝራግ ሓድነትን ሶማልያ ከምእትርእዮ ብምግላጽ፡ ንምቕልባሱ ብዙሕ ተንቀሳቒሳ እያ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ በዚ ጉዳይ ብፍላይ ናብ ኤርትራን ግብጺን ብተደጋጋሚ ብምምልላስ፡ ክሳብ ስሉሳዊ ኪዳን ሃገራት ኤርትራ፡ ግብጺን ሶማልያን ምምስራት ተበጺሑ፤ ዝተፈላለያ ዞባውያን ተዋሳእቲ ድማ ኣብቲ ጉዳይ ክሰሓባ ምኽንያት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ነዚ ጉዳይ ንምፍታሕ ቱርኪ ብዝወሰደቶ ተደጋጋሚ ጻዕሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ክልቲኦም መራሕቲ ኣራኺባ ነቲ ወጥሪ ኣህዲኣቶ።

እቶም ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኢርዶጋን ኣብ ቱርኪ ዝተራኸቡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን 'ንሓድሕዶም ልኡላዊ ግዝኣታቶም ብምክብባር' ዘለዎም ጸገማት ንኽፈትሑ ተሰማሚዖም።

እቲ ታሪኻዊ ምዃኑ ዝተገልጸ ስምምዕ ቱርኪ፡ ፕረዚደንት ኤርዶጋን "ሓድሽ ምጅማር ንቀዳማይ ስጕምቲ 'ዩ" ክብል ሓቢሩ።

ከም ውጺኢት ናይዚ ድማ፡ ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓይሻ መሓመድ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ንዝተፈጥረ ኵነታት ንምልዛብ ግብራዊ ስጕምቲ ብምውሳድ ኣብ ፈለማ እዚ ወርሒ ናብ ሞቓድሾ ኣምሪሓ።

ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ግብጺን ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, @MfaEgypt

ኣብቲ እዋን፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ሙዓሊም ፊቂ፡ ሃገሩ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ፡ ብሰንኪ'ቲ ምስ ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ዝተፈረመ ውዕል ኣፍደገ ባሕሪ ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ከምዝፈትሐት ሓቢሩ።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ድማ፡ ፕረዚደንት ሶማልያ ሸኽ ሓሰን ንወግዓዊ ዑደት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሑ ኣሎ። ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ድማ፡ ብመገዲ ናይ ማሕበራዊ ሜድያ ሕሳቡ ነቲ ፕረዚደንት እንቋዕ ብደሓን መጻእካ እብሎ፡ ብምባል ነቲ ወግዓዊ ዑደት እቲ ፕረዚደንት ወግዓዊ ገይሩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ እተን ሰለስተ ሰብ ኪዳን ሃገራት ኣብ ካይሮ ቀዳማይ ኣኼባኦም ከምዘካየዱ፡ ኣፈኛ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብመገዲ ኤክስ ሓቢሩ።

እቲ ሓበሬታ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ዕላማ እቲ ኣኼባ፡ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ንምሕያ፡ ጸጥታን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምድንፋዕ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

መራሕቲ ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማልያን ኣብ ጥቅምቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘካየድዎ ስሉሳዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሶማልያ፡ ሱዳንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ብሰፊሕ ድሕሪ ምዝርራቦም፡ "ዞባዊ ምርግጋእ ንምስፋን ዘካይድዎ ጻዕርታት ንምውህሃድ" እቲ ሱሉሳዊ ጥምረት ከምዘቘሙ ብኣጋኡ ተሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።