ሶማልያ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሓ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ከምዝተፈትሐ ኣፍሊጣ

ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓይሻ መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, @mfaethiopia

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ኣሕመድ ሙዓሊም ፊቂ፡ ሃገሩ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ፡ ብሰንኪ'ቲ ምስ ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ ዝተፈረመ ውዕል ኣፍደገ ባሕሪ ዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ከምዝፈትሐት ትማሊ ኣፍሊጡ።

እቲ ምስሕሓብ ሶማልያ ብዘቕረበቶ ነጥብታት ከምዝተፈትሐን፡ ነቲ ወጥሪ ንምዝላቕ ዝዀነ ሕድገት ከምዘይተገብረን'ውን እቲ ምኒስተር ወሲኹ ገሊጹ።

እዚ መግለጺ'ዚ፡ ብምኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ መዛኑኡ ንምዝርራብ ናብ ሞቓድሾ ኣብ ዝኣተወሉ ዕለት እዩ።

ምኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ ዓይሻ መሓመድ ኣብ መንጐ ሶማልያን ኢትዮጵያን ወጥሪ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን ንመቓድሾ ከምዝኣተወት ይፍለጥ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ በወገኑ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ክልቲአን ሃገራት ኣብ ተልእኾ ዓቓብ ሰላም ሰማልያ (AUSSOM) ከምዝተሓባበራን ንክልተኣዊ ዝምድናታት ንምሕያልን ተሰማሚዐን ኢሉ።

እቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ኣብ መጀመርያ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኸተመ ዝርዝር ትሕዝቶኡ ዘይተገልጸ ስምምዕ ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ ንጸጥታን ምርግጋእን ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደጋ ከምዘእተወ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ዝጸንሐ ወጥሪ ከምዝተፈትሐ ዝገለጸ ሶማላዊ ምኒስተር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሶማል ዘመዝገበቶ "ዲፕሎማስያዊ ዓወታት" ጠቒሱ፡ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኽልተ ዓመት ዝጸንሕ ዝተዋህባ ዘይቀዋሚ መንበር ብሓጐስ ምቕባላ ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን ብሉምበርግ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ብምጥቃስ፡ እታ ምኒስተር ኣብ ሓድሽ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሶማልያ (ኣውሶም) ብዛዕባ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝህልዎ ሓድሽ ተሳትፎ ንምዝታይ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወት ጠቒሱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ "ኣብ መንጎ ሶማልን ኢትዮጵያን ዘሎ ግጭት ብስምምዕ ኣንካራ ድሕሪ ምፍታሑ፡ ሶማልያ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኣውሶም ንምእታው ትሓስብ ኣላ" ከምዝበለ እውን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ሓቢሩ።

ሶማልያ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ኣውሶም ንኸይህልዉ ዝወሰደቶ ውሳነ ክትስሕብ ድሌት ከምዘለዋ ብሉምበርግ ጸብጺቡ ኣሎ።

መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብ11 ታሕሳስ ኣብ ኣንካራ - ቱርኪ ብመንጐኝነት ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ተራኺቦም ብምዝርራብ ነቲ ምስሕሓብ ከብቅዕ ስምምዕ ከምዝፈረሙ ይዝከር።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ ብምኒስተር ድኤታ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል ዓሊ ዑመር ዝምራሕ ልኡኽ ንወግዓዊ ናይ ስራሕ ዑደት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ተዘራሪቡ ምምላሱ'ውን ናይ ቀረባ እዋን ተዘክሮ እዩ።

እቲ ዘተ እናተኻየደ እንከሎ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ንወተሃደራት ሶማልያ ኣጥቂዖም ብዝብል ክሲ ድማ ካልእ ወጥሪ ተፈጢሩ ነይሩ። ኢትዮጵያ ነዚ ክሲ ብምንጻግ፡ እቲ ፍጻመ ብ"ሳልሳይ ወገን" ዝተፈጸመ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጻ ነይራ።

"ሶማል ኣብ ትሕቲ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራ ተዋፊሮም ዘለዉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንዝኸፍሉዎ መስዋእቲ ኣፍልጦ" ከምትህብ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ዝተኸተመ ስምምዕ ኣንካራ ይጠቅስ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ስምምዕ "ክልቲአን ሃገራት ኢትዮጵያ ንሓድነት ሶማልያ እናኽበረት ዘተኣማምን ተበጻሕነት ባሕሪ ምርካባ ንዝህልዎ ብዙሕ መዳያዊ ኣገዳስነት ኣፍልጦ" ከምዝህባ የመልክት።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ተጋራጫዊ ርእይቶታት ክህቡ ከምዝጸንሑ ዝተሰምዐ ኰይኑ፣ ገሊኦም እቲ ኣካታዒ ጉዳይ ተጠቃምነት ባሕሪ ምስተሰረዘ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ክገልጹ እንከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ገና ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ፕረዚደንት ኤርዶጋንን ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን

ሶማልያ ንወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብቲ ንመሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ (ATMIS) ዝትክእ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሶማል (ኣውሶም) ከተካትት ከምእትደሊ ዘመልከተት ኰይና፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዝጸንሐ ወጥሪ ኣብ ኣንካራ ብዘካየድኦ ዘተ ዝሃድአ ይመስል።

ኣብ ቀረባ እዋን ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኣትሚስ ንዝትክእ ኣውሶም ፍቓድ ከምዝሃበ ይዝከር።

ኢትዮጵያ፡ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ሰራዊታ ናብታ ሃገር ከዋፍር ካብ ዝሓተተሉ እዋን ኣትሒዛ፡ ንዝሓለፉ 17 ዓመታት ሰራዊታ ኣብ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ትሕቲ ሓልዮት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዋፊራ ጸኒሓ እያ።

ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኣትሚስ ኣስታት 3 ሽሕ ወተሃደራት ከምኡ'ውን ምስ ሶማልያ ብዝነበራ ክልተኣዊ ስምምዕ ድማ ክሳብ 7 ሽሕ ወተሃደራት ኣዋፊራ እያ።

ኢትዮጵያ ምስ ርእሰ ምሕደራ ሶማሊላንድ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራማ፡ ሶማልያ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ መሬታ ክወጹ ምሕታታ ዘይርሳዕ እዩ።

ኣብ ሶማልያ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይምህላዉ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ዓቢ ክፍተት ክፈጥር ከምዝኽእል ስክፍታታት ክግለጽ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ምስታ ናጽነታ ዝኣወጀትን ብዓለም ደረጃ ኣፍልጦ ዘይረኸበትን ሶማሊላንድ 20 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ንምርካብ ዝፈረመቶ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ንሶማልያ ኣዝዩ ኣቘጢዑ ኣብቲ ዞባ ዓቢ ወጥሪ ፈጢሩ እዩ ጸኒሑ።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት

ምንጪ ስእሊ, ATMIS

ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሶማልያ (ኣውሶም) ኣብዚ መጀመርታ ናይ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳ ስርሑ ከምዝጅምር ትጽቢት ይግበር።

ኣብዚ እዋን ኣብ ሶማልያ ተዋፊሩ ዘሎ ዓቃቢ ሰላም ኣትሚስ ካብ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ብሩንዲን ጅቡትን ብዝመጹ ሰራዊት ዝቘመ እዩ። እቲ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ክምክት ጸኒሑ'ዩ።

ንዝቕጽል ተልእኾ ኣውሶም፡ ሶማልያ ሰራዊት ኣየነይቲ ሃገር ከምዝዋፈር ናይ ምምራጽ ሓላፍነት ስለዘለዋ፡ ኢትዮጵያ ኣብዚ ተልእኾ ክትሳተፍ ድያ ኣይትሳተፍን ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ዝጸንሐት ግብጺ፡ ሰራዊታ ኣብ ሓድሽ ዓቃቢ ሰላም (ኣውሶም) ከተዋፍር ምዃና ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ከምዘፍለጠ ይዝከር።

ኢትዮጵያን ሶማልያን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ወጥሪ ኣብ ዝኣተዋሉ እዋን፡ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ኣብ ስሉሳዊ ስምምዕ ከምዝበጽሓ'ውን ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ሶማልያ እውን ልዕሊ ሰለስተ ግዜ ናብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ተመላሊሱ እዩ።