ኣሌክሳንደር፡ 'ታሪኽ ክሰርሕ እየ ዝደሊ' ኢሉ፣ ኒውካስልከ እንታይ በለት?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሊቨርፑል ንኣጥቃዓይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንኽብረወሰን ዋጋ ምስግጋር ተጻወትቲ ዓዲ እንግሊዝ ብዝሰበረ መጠን ገንዘብ - 125 ሚልዮን ፓውንድ - ኣፈሪማቶ። እዚ ኤርትራዊ ሽወደናዊ፡ ኣብ ኣንፊልድ፡ "ታሪኽ ክሰርሕን ዋንጫ ክዓትርን ከም ዝደሊ" ገሊጹ።
ምንጭታት ኒውካስል፡ እዚ ውዕል ምስ ተወሳኺ ውዕል ክሳብ 130 ሚልዮን ፓውንድ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ወዲ 25 ዓመት ኣሌክሳንደር፡ ቅድሚ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ውዕል ምፍራሙ ትማሊ ሰኑይ ሕክምናዊ መርመራ ኣካይዱ። እዚ ምስኡ ዝተገብረ ውዕል ድማ ሊቨርፑል ኣብዚ ወቕቲ ዝገበረቶ ወጻኢታት ናብ 416.2 ሚልዮን ፓውንድ ክብ ከም ዝብል ገይሩ። እዚ ድማ ተወሳኺ ክፍሊታት ከየጠቓለለ እዩ።
ቍጽሪ ትሽዓተ ማልያ ዝኽደን ኣሌክሳንደር ንመርበብ ሓበሬታ ሊቨርፑል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "እዚ ኣብ ናይ ኩዕሶ እግሪ ህይወተይ ሓደ ስጕምቲ ንቕድሚት እዩ። ነዚ ዕድል ስለ ዝተዋህበኒ ብዘይ መጠን ሕጉስ እየ። ሓደ ብሉጽ ነገር ክገብር ድማ ዘተባብዓኒ እዩ፡" ኢሉ።
"ታሪኽ ክሰርሕ እየ ዝደሊ፣ ዋንጫ ክዕወት እዩ ድላየይ። እዚ እዩ ንዓይ እቲ ናይ መወዳእታ ዝዓበየ ድርኺት።"
"ካብዚ ዘለኹዎ ደረጃ ንኽዓቢ፡ ኣጸዋውታይ ናብ ዝቕጽል ደረጃ ክብ ከብሎ፣ ከምኡ'ውን ነዛ ጋንታ ክሕግዛ - እዚ ንዓይ እቲ ልክዕ ቦታ እዩ።"
ሊቨርፑል ነዚ ኣጥቃዓይ ንምዕዳግ ኣብ ነሓሰ 110 ሚልዮን ፓውንድ ዘቕረበቶ እኳ እንተ ተነጸገ፡ መወዳእታኡ ግን ነቲ ቀዳማይ ምርጫኣ ዝነበረ ምስግጋር ኣብ ሸቶኡ ኣብጺሓቶ ኣላ።
እዚ ንነዊሕ ግዜ ኣንጠልጣሊ ኰይኑ ዝቐጸለ ዛንታ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ መስኮት ምስግጋር መኽተያ ረኺቡ ኣሎ። ሊቨርፑል መስርሕ ምስግጋር ድሕሪ ምዕጻዉ ሰዓትን ፈረቓን ጸኒሓ እያ ዕላዊ ገይራቶ።
እዚ ጋህዲ ክኸውን ዝኸኣለ፡ ኒውካስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንጀርመናዊ ኣጥቃዓይ ኒክ ዎልተማደ ካብ ስቱትጋርድ፡ ሰኑይ ድማ ንኣጥቅዓይ ብሬንትፈርድ ዮኣነ ዊሳ ብ50 ሚልዮን ፓንድ ድሕሪ ምፍራማ እዩ።
እንተዀነ፡ ሊቨርፑል ንተኸላኻላይ እንግሊዝ ማርክ ጉሂ ብ35 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ክሪስታል ፓላስ ንምፍራም መስርሑ ክትውድእ ኣይከኣለትን። እዚ ወዲ 25 ዓመት ተጻዋታይ ኣብታ ጋንታ ሕክምናዊ መርመራ እኳ እንተ ገበረ፡ ፓላስ መተካእታኡ ከተፈርም ብዘይምኽኣላ ግን እቲ ውዕል ፈሪሱ።
ኣሌሳንደር ኣብ መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ፍጻመ ዋንጫ ካራባኦ ኒውካስል ንሊቨርፑል 2ብ1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ሸቶ ብምምዝጋብ እታ ክለብ ድሕሪ 70 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገራ ዋንጫ ክትዓትር ኣኽኢሉዋ።
ይዅን'ምበር ኣብ መጀመርታ ክራማት ካብታ ክለብ ክወጽእ ከም ዝደልን ኣብቲ ዘካየደቶ ቅድመ-ምድላው ኣይተጸንበራን።
ኒውካስል ንምውጻእ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣመልኪታ 37 ቃላት ዝሓዘ ሓጺር መግለጺ ኣውጺኣ።
ኣብቲ ናይታ ክለብ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ ኣሌክሳንደር ንኽብረወሰን ምስግጋር ተጻወትቲ እንግልዝ ብዝሰበረ ዋጋ ናብ ሊቨርፑል ከም ዝተሰጋገረ፣ ከምኡ'ውን ናብ ጋንታኦም ብ2022 ካብ ርያል ሶሲዳድ ድሕሪ ምስግጋሩ ኣብ 109 ጸወታታት እግሩ ከም ዝሓወሰ ሓቢራ።
እዚ መግለጺ፡ እቲ ኵሉ ሰብ ዝፈልጦ ደረቕ ሓበሬታ ጥራሕ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጽዑቕ ወቕቲ መስኮት ምስግጋር ሊቨርፑል
ሊቨርፑል ኣብ 2024-25 ብ10 ነጥቢ ንኣርሰናል በሊጻ ዋንጫ ፕረምየር ሊግ ክትዓትር ከላ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት'ዚ ኣብ ዘካየደቶ ቀዳሞት ሰለስተ ጸወታታት ኣብ ኵሉ ብምዕዋት 9 ነጥቢ ኣዋህሊላ ኣላ።
ድሮ ኣብዚ ክራማት ንጀርመናዊ ኣጥቃዓይ ኣከፋፋሊ ፍሎርያን ዊርትዝ ክብረወሰን እንግሊዝ ብዝሰበረ (ኣብ መጀመርታ 100 ሚልዮን ፓውንድ ዝኽፈል፡ 16 ሚልዮን ፓውንድ ዝስዕብ) ኣፈሪማቶ እያ።
ብዘይካዚ ንሁጎ ኤኪቲከ፡ ሚሎስ ኬርከዝ፡ ጀረሚ ፍሪምፖንግ፡ ጆርጂ ማማርዳሽቪሊ፡ ኣርሚን ፔቺን ጆቫኒ ሊዮኒን ድሕሪ ምምጻኣ፡ ሊቨርፑል ኣብ ታሪኽ ፕረምየርሊግ ኣብ መስኮት ምዝውዋር ዝለዓለ ወጻኢታት ኣካዪዳ።
እንግሊዛውያን ክለባት ኣብ ሓደ ናይ ምስግጋር ወቕቲ ልዕሊ 400 ሚልዮን ፓውንድ ክበጽሓ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ። ኣብ 2023 401.2 ሚልዮን ፓውንድ ዝተገብረ ወጻኢታት ዝለዓለ ኰይኑ ጸኒሑ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብምኻድ ሉዊስ ድያዝ፡ ዳርዊን ኑነዝ፡ ጃረል ኳንሳ፡ ካኦይምሂን ኬለሄር፡ ትሬንት ኣሌክሳንደር-ኣርኖልድ፡ ታይለር ሞርተንን ቤን ዶክን ኣስታት 190 ሚልዮን ፓውንድ ኣታዊ ረኺባ እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሌክሳንደር ብኸመይ ናብ ሊቨርፑል ተሰጋጊሩ?
ኣሌክሳንደር ኣብ 2022 ካብ ክለብ ላሊጋ ርያል ሶሲዳድ ብ60 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ኒውካስል ዝተጸንበረ ኰይኑ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኵሉ ውድድራት ኣብ 42 ጸወታታት 27 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ኣብ መጋቢት ኒውካስ ዋንጫ ካራባኦ ክትዓትር ሓጊዙዋ፣ ኣብ ፕረምየርሊግ ድማ ሓሙሻይ ደረጃ ብምሓዝ ናብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትሓልፍ በቒዓ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ክራማት፡ ኣሌክሳንደር፡ እታ ክለብ "ቀሊል ማህረምቲ ሰለፍ" ኢላ ብዝገለጸቶ ምኽንያት ኣብቲ ኣብ እስያ ዝገበረቶ ቅድመ-ምድላው ከም ዘይተሳተፈ ደኣ ይገለጽ'ምበር፡ ናብ ካልእ ክለብ ክሰጋገር ከም ዝደሊ ስለ ዝነገራ ምዃኑ ክገልጽ ጸኒሑ።
ብድሕሪ'ዚ ኣብታ ናይ ቀደም ክለቡ ሶሲዳድ በይኑ ልምምድ ኣካይዱ። ኒውካስል ንጠለብ ሊቨርፑል ውዱቕ ገይራቶ።
ኣሌሳንደር ድሒሩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ዝተኣተወሉ መብጽዓታት ብኒውካስል ከም "ዝተሰብረ"ን ርክቦም "ክቕጽል ከም ዘይክእል"ን ገሊጹ።
ኒውካስል፡ ካብ ክለቦም ክወጽእ ብዝዀነ ብዓል ስልጣን ናይታ ክለብ ቃል ተኣትይሉ ከም ዘይፈልጥ ንእለቱ መሊሳ።
ይዅን'ምበር፡ ካብ ምድላው ድሕሪ ምግላሉን ቀዳሞት ሰለስተ ጸወታታት ድሕሪ ዘይምስላፉን፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ እቲ ብዙሕ ዘዘራረበ ምስግጋር ተፈጺሙ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሌክሳንደር ብዋጋ ምስግጋር ኣብ ዓለም መበል ክንደይ ይስራዕ?
ሊቨርፑል ንኣሌክሳንደር ምፍራማ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ውዕላት ኩዕሶ እግሪ እዩ።
ክሳዕ ሕጂ ብሓንሳብ ብዝኽፈል መጠን ገንዘብ ክብረወሰን ምስግጋር እንግሊዝ ኰይኑ ዝጸንሐ፡ ቸልሲ ኣብ 2023 ንኣርጀንቲናዊ ኣከፋፋሊ ኤንዞ ፈርናንደዝ ንበንፊካ ዝኸፈለቶ 107 ሚልዮን ፓውንድ እዩ።
ዊርትዝ፡ ሞይስ ካይሰዶ፡ ደክላን ራይስን ጃክ ግሬሊሽን ብመጀመርታ ክፍሊት 100 ሚልዮን ፓውንድ ክግዕዙ እንከለዉ፡ ውዕል ዊርትዝ 116 ሚልዮን ፓውንድ ክበጽሕ ይኽእል'ዩ። ካይሰዶ ኣብ 2023 ካብ ብራይተን ናብ ቸልሲ ምግዓዙ ድማ ኣብ መወዳእታ 115 ሚልዮን ፓውንድ ክበጽሕ ተኽእሎ ኣለዎ።
ብደረጃ ዓለም ክርአ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ብዝኽፈል እንክዕየር፡ ሊቨርፑል ንኣሌክሳንደር ንምስግጋር ዝኸፈለቶ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።
ቅድሚኡ ተሰሪዖም ዘለዉ ፓሪስ ሴንት ጀርመይን ዘፈረመቶም ነይማርን ኪልያን ምባፐን እዮም። እታ ፈረንሳዊት ክለብ ኣብ 2017 ንነይማር ካብ ባርሴሎና ንምምጻእ 200 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ገይራ። ምባፐ ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ፈለማ ብልቓሕ ተጸንቢሩዋ፣ እዚ ድማ ብ165.7 ሚልዮን ፓውንድ ቀዋሚ ውዕል ኰይኑ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/660/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







