ፕሪምየር ሊግ፡ ኣብዚ ዓመት መቐናቕንቲ ሊቨርፑል ዝዀና ክለባት በዓል መን እየን?

ሊቨርፑል ሻምዮናነታ ድሕሪ 1984 ክትዕቅብ ኣይከኣለትን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሊቨርፑል ሻምዮናነታ ድሕሪ 1984 ክትዕቅብ ኣይከኣለትን

ክብረወሰን ብዝሰበረ ዋጋ ሓደስቲ ተጻወትቲ ዘፈረመት ሊቨርፑል ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ዋንጫ ፕሪምየር ሊግ ክትዕቅብ እምነት ኣለዋ።

ኣሰልጣኒ ኣርን ስሎት ኣብ ቀዳማይ ዓመቱ፡ እታ ክለብ ኣርባዕተ ጸወታታት ተሪፉዋ እንከሎ ፕሪምየር ሊግ ክትዕወት ኣኽኢሉ'ዩ።

ሕጂ ድማ ሊቨርፑል ኣብዚ ክራማት ክሳብ ሕጂ 269 ሚልዮን ፓውንድ ወጻኢታት ገይራ ሓደስቲ ተጻወትቲ ኣፈሪማ ኣላ። እዚ ድማ ንኣከፋፋሊ ባየር ለቨርኩዘን ዝነበረ ፍሎርያን ዊርትዝ ዝተኸፍለ ክብረወሰን ዝሰበረ 100 ሚልዮን ፓውንድ የጠቓልል።

ኣጥቃዓይ ኢንትራክት ፍራንክፈርት ዝነበረ ሁጎ ኤኪቲከ ብ69 ሚልዮን ፓውንድ፡ ጸጋማይ ተኸላኻላይ ቦርንማውዝ ዝነበረ ሚሎስ ኬርከዝ ብ40 ሚልዮን ፓውንድ ከምኡ'ውን የማናይ ተኸላኻላይ ለቨርኩሰን ዝነበረ ጀረሚ ፍሪምፖንግ ብ29.5 ሚልዮን ፓውንድ ካልኦት ምስታ ክለብ ዝተጸንበሩ እዮም።

ሓላዊ ልዳት ቫለንሽያ ጆርጂ ማማርዳሽቪሊ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ25 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝተጸንበረ ይዝከር።

ብዙሓት መቐናቕንቲ ሊቨርፑል እውን እንተዀነ ኣብዚ ክራማት ልዑል ወጻኢታት ገይረን ተጻወትቲ ኣፈሪመን ኣለዋ።

ቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቀንዲ መነሓንሕቲ ሓሙሽተ ጋንታታት ኣብዚ ክራማት ክንደይ ከምዘውጽኣን ንሊቨርፑል ክሳብ ክንደይ ክብድሃ ከምዝኽእላን ዳህሲሱ ኣሎ።

ኣርሰናል

ንኣጥቃዓይ ቪክቶር ጂዮከረስ ዘፈረመት ኣርሰናል ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ለውጢ ክትገብር ትትስፈ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንኣጥቃዓይ ቪክቶር ጂዮከረስ ዘፈረመት ኣርሰናል ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ለውጢ ክትገብር ትትስፈ

ደረጃ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት፡ ኣርሰናል ካብ ሊቨርፑል ብ10 ነጥቢ ድሒራ ካልኣይ ደረጃ ሒዛ እያ ዛዚመ።

ዝተጸንበሩ ተጻወትቲ፡ ቪክቶር ጂዮከረስ ካብ ስፖርቲንግ፡ ማርቲን ዙቢመንዲ ካብ ርያል ሶሲዳድ፡ ኖኒ ማዱከን ኬፓ ኣሪዛባላጋን ካብ ቸልሲ፡ ክርስቲያን ኖርጋርድ ካብ ብሬንትፎርድ፡ ክሪስቲያን ሞስኬራ ካብ ቫለንሽያ

ዝለቐቑ ተጻወትቲ፡ ኪራን ቲርኒ፡ ጆርጂኖ፡ ቶማስ ፓርቲ፡ ታከሂሮ ቶሚያሱ

ንተጻወትቲ ዝወጸ ገንዘብ፡ 201 ሚልዮን ፓውንድ

"እዚ ዓመተ ስፖርት ንኣርሰናል ኣገዳሲ'ዩ፡ ደገፍቲ'ታ ክለብ እውን እዚ ይኣምኑ እዮም" ይብል ሪፖርተር ቢቢሲ ስፖርት ኣሌክስ ሃውል።

እታ ክለብ ድሕሪ 2020 ንፈለማ እዋን ዋንጫ ክትዕወት ትጥምት ከም ዘላ ወሲኹ ይገልጽ።

"ማይክል ኣርተታ፡ ኣርሰናል ኣብቲ ሊግ ብተደጋጋሚ መቐናቕንቲ ንክትከውን ብሉጽ ስራሕ ሰሪሑ'ዩ፡ ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ'ውን ብቐጻሊ ክትሳተፍ ገይሩ'ሎ። ሕጂ ግን ካብኡ ንላዕሊ ዘድልይሉ ግዜ'ዩ።"

ማንቸስተር ሲቲ

ማንቸስተር ሲቲ ኣብዚ ክራማት ኣብ ዋንጫ ዓለም ክለባት ብኣል-ሂላል ተሳዒራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማንቸስተር ሲቲ ኣብዚ ክራማት ኣብ ዋንጫ ዓለም ክለባት ብኣል-ሂላል ተሳዒራ

ደረጃ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት፡ ማንቸስተር ሲቲ ካብ ሊቨርፑል ብ13 ነጥቢ ድሒራ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዛዚመ።

ዝተጸንበሩ ተጻወትቲ፡ ቲጃኒ ራይንደርስ ካብ ኤሲ ሚላን፡ ራያን ቸርኪ ካብ ሊዮን፡ ራያን ኣይት-ኑሪ ካብ ዎልቭዝ፡ ጀምስ ትራፎርድ ካብ በርንለይ፡ ስቨረ ኒፓን ካብ ሮዘንቦርግ

ዝለቐቑ ተጻወትቲ፡ ኬቨን ደ ብሩይን፡ ካይል ዎከር

ንተጻወትቲ ዝወጸ ገንዘብ፡ 154 ሚልዮን ፓውንድ

ማንቸስተር ሲቲ ብዘይ ዝዀነ ዓቢ ዋንጫ ተስፋ ዘቑርጽ ዓመተ ስፖርት ከምዘሕለፈት ዝጠቅስ ሪፖርተር ቢቢሲ ስፖርት ሻሙን ሓፊዝ፡ ካብ ዋንጫ ዓለም ክለባት ብኣል-ሂላል ተረቲዓ ኣብ ዙር 16 ምግላፋ ስዒቡ ዝቖሰለት ኣንበሳ ኰይና ከምዘላ ይገልጽ።

"ኣሰልጣኒ ፔፕ ጋርድዮላ 5 ሓደስቲ ተጻወትቲ ብምፍራም ነታ ጋንታ ኣሐዲስዋ ኣሎ፡ እዚ ድማ ንቲጃኒ ራይንደርስ ካብ ኤሲ ሚላን ብምግዛእ ንማእከል ሜዳ ዳግማይ ጸዓት ንምሃብ ዝተገብረ ፈተነ ዘጠቓልል'ዩ" ይብል።

"ካብ 2017 ጀሚራ ንፈለማ ግዜ እያ ሲቲ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ" ብምባል እታ ክለብ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት እትህቦ ምላሽ ብዝምልከት ቁሩብ ዘይርጉጽነት ክህሉ ከምዝኽእል'ዩ ዝጠቅስ።

"ሻምፕዮን ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ንዋንጫ ንምዕታር ግምት ይወሃብ ስለዘሎ፡ ሲቲ ብዘይትኹረት ክጥዕማ ይኽእል'ዩ" ክብል ይውስኽ።

ቼልሲ

ቼልሲ ኣብዚ ክራማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቼልሲ ኣብዚ ክራማት ዋንጫ ዓለም ክለባት ተዓዊታ

ደረጃ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት፡ ቼልሲ ካብ ሊቨርፑል ብ15 ነጥቢ ድሒራ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ዛዚመ።

ዝተጸንበሩ ተጻወትቲ፡ ሊያም ደላፕ ካብ ኢፕስዊች፡ ጆኣው ፔድሮ ካብ ብራይተን፡ ጄሚ ጊተንስ ካብ ቦሩስያ ዶርትሙንድ፡ ጆረል ሃቶ ካብ ኣያክስ

ዝለቐቑ ተጻወትቲ፡ ኬፓ ኣሪዛባላጋ፡ ጆኣው ፌሊክስ፡ ጆርጅ ፔትሮቪች፡ ማቲስ ኣሞጉ

ንተጻወትቲ ዝወጸ ገንዘብ፡ 249 ሚልዮን ፓውንድ

"ቸልሲ ኣብ መዛዘሚ ግጥም ዋንጫ ዓለም ክለባት ኣንጻር ሻምፕዮን ኤውሮጳ ፓሪስ ሴንት ጀርመን 3 ብ 0 ዝተዓወተትሉ ግጥም፡ ትጽቢት ክግበረላ ዘለዋ ክለብ ምዃና ዘመልክት'ዩ ነይሩ" ይብል ሪፖርተር ቢቢሲ ስፖርት ኒዛር ኪንሰላ።

"ብመሰረት ጸብጻብ እታ ክለብ፡ ኣሰልጣኒ ኤንዞ ማሬስካ ክሳብ 1.4 ቢልዮን ፓውንድ ዝዋግኦም ተጻወትቲ ኣጣሚሩ'ሎ። ዋላ'ኳ እቶም ተጻወትቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፕሪምየር ሊግ ዝነኣሰ ዕድመ ዘለዎም እንተዀኑ፡ ዋንጫ ንምዕታር ግን ኣይሰንፉን።"

ካብቶም ኮኾባት ተጻወትቲ ኮል ፓልመር፡ ኤንዞ ፈርናንደዝ፡ ሞይስ ካይሰዶን ማርክ ኩኩረላን ይርከብዎም።

እታ ክለብ ኣብዚ ክራማት ከም ጆኣው ፔድሮ፡ ሊያም ደላፕ፡ ጄሚ ጊተንስ፡ ኤስተቫ ዊልያንን ጆረል ሃቶን ዝኣመሰሉ ተጻወትቲ ወሲኻ ኣላ።

እዚ ድማ ቼልሲ "ኣብ ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ናብ ሻምፕዮንስ ሊግ ንምምላስ ዘድሊ ቃልሲ" ንምምካት ክሕግዙ ከምዝኽእሉ ይግምት።

ኒውካስል

ኣንቶኒ ኤላንጋ (የማን) ንኒውካስል ኣብ ምሕዝነታዊ ጸወታ ኣንጻር ኣርሰናል ሸቶ ኣመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣንቶኒ ኤላንጋ (የማን) ንኒውካስል ኣብ ምሕዝነታዊ ጸወታ ኣንጻር ኣርሰናል ሸቶ ኣመዝጊቡ

ደረጃ ዝሓለፈ ዓመተ ስፖርት፡ ኒውካስል ካብ ሊቨርፑል ብ18 ነጥቢ ድሒራ ኣብ ሓምሻይ ደረጃ ዛዚመ።

ዝተጸንበሩ ተጻወትቲ፡ ኣንቶኒ ኤላንጋ ካብ ኖቲንግሃም ፎረስት፡ ኣሮን ራምስዴል ካብ ሳውዝሃምፕተን ብልቓሕ

ዝለቐቑ ተጻወትቲ፡ ሾን ሎንግስታፍ፡ ሎይድ ኬሊ

ንተጻወትቲ ዝወጸ ገንዘብ፡ 55 ሚልዮን ፓውንድ

"ኒውካስል ዩናይትድ፡ ብቴክኒካዊ መዳይ፡ ዝሓለፈ ዓመት ክልተ ጸወታታት እናተረፈ ካልኣይቲ ኮይና ክትዛዝም ትወዳደር ከም ዝነበረት ምርሳዕ ቀሊል'ዩ" ይብል ሪፖርተር ቢቢሲ ስፖርት ሲያራን ኬሊ።

ኒውካስል ግን 5ይ ደረጃ ሒዛ እያ ዛዚማ። ድሕሪ 70 ዓመታት ድማ ዋንጫ ካራባኦ ዓቲራ። እታ ክለብ ናብ ሻምፕዮንስ ሊግ እውን ሓሊፋ ኣለ።

ኣብዚ ክራማት ግን ለውጢ ዘምጽእ ዝውውር ከምዘየካየደት ሲያራን ኬሊ ይገልጽ።

"ኒውካስል ከም ሁጎ ኤኪቲከ፡ ጆኣው ፔድሮ፡ ጀምስ ትራፎርድ፡ ሊያም ደላፕን ዲን ሁይሰንን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ተጻወትቲ ኣምሊጦማ።"

"ኣብ ዙርያ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ዘሎ ወረታት እውን ይቕጽል ኣሎ። ዳይረክተር ስፖርት ፖል ሚቸል ድሕሪ ምኻዱ ድማ ኣብ ቦርድ እታ ክለብ ተወሳኺ ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ'ሎ" ይብል ወሲኹ።

"ኒውካስል ሕጂ'ውን እንተዀነ ክሳዕ መወዳእታ ክትነሓነሕ ትኽእል'ያ፡ ከምቲ ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ካራባኦ ኣንጻር ሊቨርፑል ዘመስከረቶ፡ እታ ክለብ ግን ኣብ ኣርባዕተ ውድድራት ስለትሳተፍ ኣብ ተጻወትቲ ህጹጽ ምድልዳል የድልያ'ዩ" ብምባል ስግኣቱ የመልክት።