ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናብ ሊቨርፑል - ኤኪቲከ መተካእትኡዶ መጻውትቱ?

ኢሳቕን ኤኪቲከን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክለባት ኵዕሶ እግሪ ንመሰጋገሪ ተጻወትቲ ዘውጽኣኦ ገንዘብ ብዙሕ ግዜ ንደገፍቲ ዘጨንቕ ጉዳይ ኣይከውንን እዩ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ገለ ደገፍቲ ኒውካስል ዩናይትድ ጋንታኦም ብእትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ከዕዘምዝሙ ይስምዑ ኣለዉ።

እታ ጋንታ ካብ ጀርመናዊት ክለብ ፍራንክፈርት ንኣጥቅዓይ ሁጎ ኤኪቲከ ከተፈርም ትጽዕር ኣብ ዘላትሉ፡ እቲ ፈለማ ዘቕረበቶ 70 ሚልዮን ፓውንድ ተነጺጉ። እዚ ዝርርብ እንተ ቀጺሉ፡ ኒውካስል ኣብ ሓደ ተጻዋታይ ዘውጽኣቶ ዝበዝሐ ገንዘብ ክኸውን እዩ።

ማዕረ ማዕረኡ ሻምፕዮን ፕረምየርሊግ እንግሊዝ ዝዀነት ዓባይ ክለብ ሊቨርፑል ሓድሽ ኣጥቃዓይ ሃሰው ትብል ኣላ። ብቐዳምነት ድማ ንኣጥቃዓይ ኒውካስል ኣሌክሳንደር ኢሳቕ እያ ትግደስ ዘለ። በዚ ምኽንያት ድማ ገለ ደገፍቲ ኒውካስል፡ ኤኪቲከ መተካእታ ኢሳቕ ድዩ ዝመጽእ ዘሎ ወይስ መጻውትቱ? ዝብል ሕቶ ከልዕሉ ጀሚሮም ኣለዉ።

ቢቢሲ ስፖርት፡ ሊቨርፑል ኣብ ቀረባ እዋን ነቲ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኮኾብ ከተፈርም ምንቅስቓስ ጀሚራ ከም ዘላ ኣረጋጊጹ'ሎ። እታ ጋንታ ክሳብ 130 ሚልዮን ፓውንድ ከፊላ ክትውንንኖ ከም እትኽእል እዩ ዝእመን፤ ኒውካስል ግን ንብሉጻት ተጻወትታ ብፍላይ ድማ ነቲ ቀንዲ ኣጥቅዓይ ኣሌክሳንደር ክትሸጦ መደብ ከም ዘይብላ ከተነጽር ጸኒሓ እያ። እንተዀነ፡ ነቲ ናብ ኤኪቲከ ገጻ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ምጥርጣራት ፈጢሩ'ሎ - ብፍላይ ንደገፍታ።

ምስታ ክለብ ቅርበት ዘለዎም ሰባት፡ ኒውካስል ቅዲ ጸወታኣ ብቐሊሉ ክቕይር ዝኽእል ስልቲ መጥቃዕቲ ክትሃንጽ ከም እትደሊን ነዚ ዝኸውን ተጻዋታይ ከም እትደሊን ይዛረቡ። ኤኪቲከ ብተዓጻጻፊን ብብዙሕ መዳያትን ሸቶ ከመዝግብ ዝኽእል ብምዃኑ ይፍለጥ። ንሱ ምስ ሊቨርፑል'ውን ስሙ ክተሓሓዝ ጸኒሑ'ዩ።

ወዲ 25 ዓመት ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣብ 2022 ካብ ሪያል ሶሲዳድ ብ63 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ኒውካስል ተጸንቢሩ። እቲ ዝኸበረ ተጻዋታዮም ዝግብኦ ምዃኑ ዝኣምኑ ደገፍቲ ኒውካስል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብ54 ሸቶታቱ ተሰራሲሮም እዮም።

እቲ ወዲ 23 ዓመት ኤኪቲከ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቅድሚት ኣጥቃዓይ ኰይኑ ብምጽዋት 15 ሸቶታት ኣመዝጊቡ 8 ሓጊዙ ፍራንክፈርት ኣብ ቡንደስሊጋ ሳልሳይ ደረጃ ክትሕዝ ኣበርክቶ ገይሩ።

ክልቲኦም ተጻወትቲ ተመሳሳሊ ቅዲ ዘለዎም ኰይኖም፡ ኣሰልጣኒ ኒውካስል ኤዲ ሃው መብዛሕትኡ ግዜ ብሓደ ኣጥቃዓይ ጥራይ እዩ ዝጻወት። ስለዚ ኤኪቲከ ደኣ ኣበይ እዩ ክኣቱ?

ወኪል ቢቢሲ ኒውካስል ማቲው ራይስቤክ፡ "ኤኪቲከ ንኢሳቕ መተካእታኡ ጥራይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ፤ ብሓባር እውን ክጻወቱ ይኽእሉ እዮም። ኒውካስል ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ክጻወቱ ዝኽእሉ ተጻወትቲ እያ ትፈቱ። እዚ ስጕምቲ ድማ ኣብ እዋን ጸወታታት ዝያዳ ኣማራጺታት ንኽትረክብ የኽእላ፡" ብምባል ነቲ ዘሎ ስክፍታታት ምላሽ ይህበሉ።

ወሲኹ፡ "ኒውካስል ክሳብ ሕጂ ኢሳቕ ክሽየጥ ከም ዘይኰነ እያ ትገልጽ፤ እቲ ገንዘብ ኣየድልያን'ዩ። ዝመጽእ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትጻወት'ያ፤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውድድራት ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ከተመዝግብ ከድልያ እዩ። ካሉም ዊልሰን ቅድሚ ምኻዱ'ውን ካልእ ኣጥቃዓይ ንምምጻእ መደብ ነይርዎም። ኤኪቲከ ምስ ቅዲ ጸወታኦም ዝሰማማዕ ኰይኑ፡ ኣብታ ጋንታ ዝያዳ ሓይሊን ዕምቈት ጸወታን ዝውስኽ እዩ።"

ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ክልቲኦም ብሓደ ክጻወቱ ይኽእሉዶ?

ንሁጎ ኤኪቲከ ምፍራም፡ ንኒውካስል ከቢድ ውሳነ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ስታቲስቲክስ ከም ዘመልክቶ፡ ክልቲኦም ኣሌክሳንደርን ኤኪቲከን ሓደ ዓይነት ተራ ክጻወቱ ይፈትዉ - ከም ቀንዲ ኣጥቃዓይ ኣብ ቅድሚት።

ዝሓለፈ ዓመት ኣሌክሳንደር 98% ናይ ፕረምየርሊግ ደቓይቕ ከም ማእከላይ ኣጥቃዓይ ኰይኑ እዩ ተጻዊቱዎ። ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ መጥቃዕቲ ንሓጺር እዋን ጥራይ እዩ ተጻዊቱ። ኣብ 34 ጸወታታት 23 ሸቶታት ስለ ዘመዝገበ ድማ እቲ ቦታ ጽቡቕ ከም ዝሰማምዖን ከም ዝመልኮን ንጹር'ዩ።

ኤኪቲከ ከኣ ኣብ ተመሳሳሊ ተራ እውን ጽቡቕ ውጽኢት ኣመዝጊቡ። 95% ጸወታታቱ ከም ኣጥቃዓይ ተጻዊቱ ኣብ 31 ጸወታታት ሊግ ምስ ፍራንክፈርት 15 ሸቶታት ኣመዝጊቡ።

ኒውካስል ድሮ ኣብ ክንፊ ሓያላት ተጻወትቲ ኣለዉዋ፤ ከም በዓል ኣንቶኒ ጎርደን፡ ሃርቪ ባርነስ፡ ጃኮብ መርፊ፡ ከምኡ'ውን እቲ ሓድሽ ብ55 ሚልዮን ፓውንድ ዝፈረመ ኣንቶኒ ኤላንጋ።

መብዛሕትኡ ግዜ ኩዕሶ ኣበይ ከም ዝትንክፉ ክጥምቱ ከለዉ፡ ክልቲኦም ኢሳቕን ኤኪቲከን ንውሽጢ ጸጋማይ ሸነኽ ሜዳ እዮም ዝፈትዉ። ይዅን'ምበር፡ ኤኪቲከ ዝያዳ ክዘውር ዝኽእል ዓይነት ተጻዋታይ ኰይኑ፡ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ናብ ማእከል ሜዳ ንውሽጢ ይኣቱ። ኤኪቲከ ምስ ኣከፋፈልቲ ዝያዳ ክተሓሓዝ ይኽእል እዩ፤ ኢሳቕ ድማ ኣብ ቅድሚት ይጸንሕ። ኤኪቲከ ሸቶ ዘመዝግብ ጥራይ ኣይኮነን - ዕድላት'ውን ይፈጥር። ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቡንደስሊጋ ዕድላት ሸቶታት ብምፍጣር ቅድሚት ይስራዕ።

እዚ ትንተና ነቶም ክልቲኦም ኣጥቃዕቲ ብሓባር ክጻወቱ ክርእዩ ተስፋ ዘለዎም ደገፍቲ እታ ጋንታ ጽቡቕ ምልክት ክኸውን ይኽእል እዩ።

'ኤኪቲከ ብዙሕ ዕማማት ዝፍጽም በሊሕ'ዩ'

ኤኪቲከ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኒውካስል ንኤኪቲከ ካብ ጥሪ 2022 ጀሚራ እያ ዓይና ኣውዲቓትሉ፤ እዚ ድማ ደድሕሪ'ቲ ብስዑዳውያን ወነንቲ ምግዛኣ እዩ። ሽዑ ከተፈርሞ ስለ ዘይከኣለት ግን ድሒራ ንኣሌክሳደር ኢሳቕ ረኺባ። ኣብ ልዕሊ እቲ ተጻዋታይ ዘለዋ ተምሳጥ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተቐየረን።

ሞያኡ ረይምስ ፈረንሳ ዝጀመረ ኤኪቲከ፡ ኣብ 2023 ናብ ፓሪስ ሴንት ጀርመን ተሰጋጊሩ ብዙሕ ግን ኣይተጻወተን። ድሕሪኡ ብልቓሕ ናብ ፍራንክፈርት ተጸንቢሩ፣ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ድማ ብቐዋምነት ፈሪሙ።

ጀርመናዊ ክኢላ ኩዕሶ እግሪ ኮንስታንቲን ኤክነር ንቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኤኪቲከ ዝተፈላለየ ስልቲታት ጸወታ ኣጸቢቑ ይርድኦ እዩ። ኣብ ፍራንክፈርት በይኑን ብሓባር ምስ ካልኣይ ኣጥቃዓይን እናተሰለፈ ጽቡቕ ተጻዊቱ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጸወታታት ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዑመር ማርሙሽ ብልጽቲ ጋንታ ፈጢሮም ነይሮም እዮም። ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ጥሪ ንማርሙሽ ድሕሪ ምፍራማ ግን ኤኪቲከ በይኑ ተጻዊቱ።"

ኤክነር ወሲኹ፡ "ኤኪቲከ ኣመና ቅልጡፍ ተጻዋታይ ኣይኰነን፣ ግን ኣመና በሊሕ'ዩ፡ ንተኸላኸልቲ ክሓልፍ ይኽእል'ዩ፣ ኣብ ሳንዱቕ ጥራይ ደው ኢሉ'ውን ኣይጽበን እዩ።"

ዳይረክተር ስፖርት ፍራንክፈርት ማርኩስ ክሮሸ፡ እታ ክለብ ንኤኪቲከ ትሕቲ 86 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዘይትሸጦ እዩ ዝዛረብ። ኤክነር ብተወሳኺ፡ ፍራንክፈርት ብሉጻት ተጻወትቲ ናብ ክለባት ፕረምየርሊግ ምሻጥ ከም ዝለመደት ገሊጹ። መደቦም ንፉዓት ተጻወትቲ ምርካብን ምምዕባልን ኰይኑ፡ ሓደስቲ ተጻወትቲ ንምምልማል ምሻጥ ከም ዘድልዮም የረድእ።