ብህይወቱ እንከሎ ናይ ሕልና ጸሎት ዝተገብረሉ ተጻወታይ

ቡልጋርያዊት ጋንታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ እትጻወት ቡልጋርያዊት ጋንታ ንሓደ ተጻዋታያ ነበር ካብዛ ዓለት ብሞት ተፋንዩ ብምባል ንሓደ ደቒቕ ዝቐጸለ ናይ ሕልና ጸሎት ኣካይዳ።

እንተዀነ፡ ድሒሩ ብዝወጽአ ሓድሽ ሓበሬታ፡ እቲ ተጻወታይ ገና ብህይወቱ ከም ዘሎ ድሕሪ ምፍላጣ፡ እታ ጋንታ ይቕረታ ሓቲታ።

እታ ኣርዳ ካርድሃሊ ዝተባህለት ቡልጋርያዊት ጋንታ ምስ ሌቭስኪ ፎፍያ ብሰንበት ናይ ሊግ ጸወታ ነይሩወን። ክልተአን ጋንታታት ድማ ኣብ ማእከል ሜዳ ተሰሪዐን ንኽብሪ ቻንቸቭ ንሓደ ደቒቕ ዝኸውን ርእሰን ኣድኒነን።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ጸወታ ገና ከይተዛዘመ እንከሎ፡ እታ ጋንታ ኣብ ፌስቡክ ገጻ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዝተዋህባ ገሊጻ።

ኣካየድቲ ጋንታ ኣርዳ፡ ንተጻዋታይ ኣርዳ ነበር ፔትኮ ጋንቸቭን ኣዝማዱን፡ እታ ክለብ ብዛዕባ ሞቱ ጌጋ ሓበሬታ ብምቕባላ፡ "እምብዛ ይቕረታ ክሓትት እደሊ፡" ኢላ።

"ፔትኮ ጋንቸቭ ተወሳኺ ብዙሕ ዓመታት ጽቡቕ ጥዕናን ዓወታት ኣርዳ ከስተማቕርን ንምነየሉ፡" ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።