ዙር ርዋንዳ 2025፡ ስግኣት ፈጢሩ ዝነበረ ኵነታት ጸጥታ ከመይ ነይሩ?

ዙር ርዋንዳ ካብ 2009 ጀሚሩ ብዩሲኣይ ምሉእ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ዓመታዊ ብዘይምብታኽ ዘተኻየደ ውድድር'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዙር ርዋንዳ ካብ 2009 ጀሚሩ ብዩሲኣይ ምሉእ ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ዓመታዊ ብዘይምብታኽ ዘተኻየደ ውድድር'ዩ
    • Author, ሃብቶም ወልደዮውሃንስ
    • Role, ቢቢሲ ትግርኛ
    • Author, ሪቻርድ ፓርን እያን ዊልያምን
    • Role, ቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ

ኣብ ዙር ርዋንዳ ዝተሳተፉ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ብዛዕባ ጸጥታ ስክፍታታት ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

እቲ ንሸሞንተ መዓልታት ዝተኻየደ ውድድር፡ ኣብ ኪጋሊ ጀሚሩ፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ኣብ ሩባቩ'ዩ ኣትዩ። ሓሙሸይ መድረኽ'ውን ካብ ሩሱዚ እትበሃል ከተማ'ዩ ተገቢሱ።

እዘን ክልተ ከተማታት መዳብውቲ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኮይነን፡ ሩባቩ ምስ ጎባ ሩሱዚ ከኣ ምስ ቡካቩ ይዳወባ።

ጎማን ቡካቩን ከኣ ኣብ ትሕቲ ምቍጽጻር ኤም-23 ዝርከባ ከተማታት'የን።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ 14 ጋንታታት'የን ተሳቲፈን፡ ሓንቲ ካብተን ካብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ዝቦኸረት ቤልጂማዊት ጋንታ ሳውዳል ኵክ ስቴፕ'ያ።

ተቐዳዳማይ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪቃ ራይኮ ሹት ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን ኣብ ሩባቩን ሩሲዙን እንከለዉ ዝዀነ ስግኣት ናይ ጸጥታ ከምዘይነበረ ብምሕባር "ኣብ ዝኾነ ህሞት ዝዀነ ስክፍታ ኣይተሰማዓንን" ኢሉ።

ቤልጅየማዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ጋንታ ሎቶ ዲቨሎፕመንት፡ ካሚል ኢማን ብወገኑ "ሩዋንዳ ብጣዕሚ እየ ዝፈትዋ። ውሕስነት ተሰሚዑኒ።[ምስ ዝበሃል ዘሎ] ዝኾነ ዘስተብሃልኩሉ ነገር'ውን የለን" ኢሉ።

'ከም ካልኣይ ዘቐመጥናዮ ሕርያ የብልናን'

ዕጡቓት ኤም23 ካብ ጥሪ ጀሚሮም ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከተማታት ጎማን ቡካቩን ዝርከብአን ሓያለ ቦታታት ክሕዙ ክኢሎም'ዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ኤም23 ካብ ጥሪ ጀሚሮም ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከተማታት ጎማን ቡካቩን ዝርከብአን ሓያለ ቦታታት ክሕዙ ክኢሎም'ዮም

ርዋንዳ፡ ብዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሕቡራት ሃገራትን ንኤም23 ትድግፍ ኣላ ተባሂላ ብቀጻሊ'ዩ ስማ ዝልዓል፤ መንግስቲ ርዋንዳን ኤም-23 ግን ነዚ ክሲ እዚ ወትሩ ምስ ነጸግዎ'ዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዕጡቓት ኤም-23ን ንነዊሕ ፈኸም ክብል ዝጸንሓ ምውጥዋጥ ብረት ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ምስ ተጋደደ ጥራይ ብውሕዱ 8,500 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ኮንጎ ይሕብሩ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ካልኦት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ርዋንዳ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ዓቢ ድግስ ንምእንጋድ ኣብ ምሽብሻብ'ያ ዘላ - ን ቅድድም ሻምፕዮና ዓለም።

ምስቲ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ግን እቲ ዓለማዊ ውድድር ኣብ ካልእ ሃገር ክካየድ ጻውዒታት ይስማዕ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ኣውሮጳ፡ እቲ ውድድር ኣብ ካልእ ሃገር ክካየድ ኣድሚጾም።

ኣባላት ባይቶ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ዋላ ድኣ እቲ ውድድር ካብ ርዋንዳ ክቕይርዎ መሰል ኣይሃልዎም፡ ኣብ ርዋንዳ ከይካየድ ምድማጾም ግን፡ ንርዋንዳ ሻቕሎት ፈጢሩላ እዩ።

ዩሲኣይ ግን ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓሳቡ'ዩ ጸኒዑ ዘሎ።

ፕረዚደንት ዩሲኣይ ደቪድ ላፓርተንት ቅድሚ ዙር ርዋንዳ ምጅማሩ ምስ ሳይክሊን ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ንሻምፕዮና ዓለም ካብ ኪጋሊ ንምቕያር ዝዀነ ከም ካልኣይ ዝተተሓዘ መደብ ከምዘይብሎም'ዩ ኣነጺሩ።

ኣብ ናይ ልዕሊ 100 ዓመት ታሪኽ ዩሲኣይ፡ ሻምፕዮና ዓለም ኣብ መሬት ኣፍሪቃ ክካየድ እዚ ንፈለማ'ዩ ክኸውን። ርዋንዳ ኸኣ ተቛዳሲት እዚ ክትከውን'ያ።

ዩሲኣይ ኣብ መስከረም 2021 ኣብ መበል 190 ስሩዕ ኣኼባኡ'ዩ እቲ ዓቢ ውድድር ኣብ ርዋንዳ ክካየድ መሪጹ፤ ኣብቲ ኣጋጣሚ ደቪድ ላፓርተንት'ውን ንኻልኣይ እብረ ንዩሲኣይ ክመርሕ ዝተሓረየሉ ጉባኤ'ዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዩሲኣይ ደቪድ ላፓርተንት "[ሻምፕዮና ዓለም] ኣብ ኪጋሊ ክካየድ ምምራጽና ኣዝዩ'ዩ ዘሕጉሰኒ" ኢሉ።

ኣብ መኽፈቲ ዙር ርዋንዳ 2025 ተረኺቡ ምስ ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ ብምዃን ነቲ ውድድር ምኽፋቱ'ውን፡ ሻምፕዮና ዓለም ኣብ ርዋንዳ ክካየድ ክሳብ ክንደይ ጸልይዎ ከምዘሎ ዘርኢ'ዩ።

ኪጋሊ ካብ ጎማ ለዕሊ 160 ኪሎሜተር ካብ ቡካቩ ከኣ ልዕሊ 250 ኪሎሜተር ርሒቓ'ያ ትርከብ።

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኢትዮጵያን፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ጠርኒፉ ናብ ርዋንዳ ዝገሸን ኣቶ ፍጹም ወልደኣብ፡ ሻምፕዮና ዓለም ኣብ ኪጋሊ ምክያዱ ዝዀነ ጸገም ከምዘይብሉ'ዩ ምስክርነቱ ሂቡ።

ኣቶ ፍጹም "ኣብ ዙርያ እዘን ከተማታት ጐንጽታት ከምዘሎ ክንሰምዕ ጸኒሕና፡ ግን ብፍጹም ዝረኣናዮ ነገር የለን። ኵሉ ውሑስ'ዩ ነይሩ" ኢሉ።

ኣቶ ፍጹም፡ "ብዓቢኡ ሻምፕዮን ዓለም፡ ኣብ ሓንቲ ከተማ ጥራይ ስለ ዝካየድ፡ ኪጋሊ ነዚ ከተአንግድ ድልውቲ ዘላ ይመስለኒ" ኢሉ።

ኣርማ ዙር ርዋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣርማ ዙር ርዋንዳ

'ንቱሪዝምን ወፍርን ምሉእ ብምሉእ ውሕስቲ'ያ'

ዙር ሩዋንዳ ካብ 1988'ዩ ጀሚሩ፡ ኣብ መጀመርታ 1990ታት ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዝነበረ ዕግርግር ተቋሪጹ። ብዓቢኡ ኣብቲ እዋን ብተቐዳደምቲ እታ ሃገር ጥራይ ዝተባሓተ'ዩ ነይሩ።

ካብ 2009 ጀሚሩ ግን ብዩሲኣይ ምሉእ ኣፍልጦ ተዋሂቡ ብዘይ ምብታኽ ን17 ዓመታት ተኻይዱ።

ብፍላይ ካብ 2019 ክሳብ ሕጂ ከኣ ደረጅኡ ናብ 2.1 ክብ ኢሉ ብዙሓት ሃገራውያን ጋንታታትን ክለባትን ዝሳተፈኦ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየዱ ውድድራት ብሽክለታ ኣብ ቅድሚት'ዩ ዝስራዕ።

ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ሰንበት 23 ኣብ ኪጋሊ ብፕረሎግ ጀሚሩ ሸውዓተ መድረኻት ድሕሪ ምሽፋን ሰንበት 2 መጋቢት ኣብ ኪጋሊ'ዩ ተዛዚሙ።

ሳልሰይቲ መድረኽ ካብ ሙሳንዘ ተበጊሳ ኣብ ሩባቩ'ያ ተወዲኣ።

ሓሙሻይቲ መድረኽ ከኣ ካብ ሩሱዚ ጀሚራ ኣብ ሁየ ተዛዚማ።

ክልቲኤን እዘን ከተማታት ኣብ ዶብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከባ ከተማታት ርዋንዳ'የን።

ኣብ 2010 ንመጀመርታ ግዜ ፕሮፈሽናላዊ ውድድሩ ኣብ ርዋንዳ ዝጀመረን፡ ዓሚ ናይ መወዳእታ ውድድሩ ኣብ ዙር ርዋንዳ ዘካየደን ኢትዮጵያዊ ተቐዳዳማይ ጽጋቡ ግርማይ፡ ሎሚ ዓመት'ውን ንኮንቲነንታል ጋንታ ኣማኒ ኣሰልጣኒ ኮይኑ ኣብ ዙር ርዋንዳ ተረኺቡ።

ጽጋቡ፡ እዚ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ዋላ ሓንቲ ጽልዋ ከምዘይነበሮ'ዩ ዝገልጽ።

"እዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ኵሉ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ንፈልጦ ዝነበርና ዙር ርዋንዳ'ዩ ዘሎ" ብምባል ገሊጽዎ።

ጽጋቡ፡ "ብቕንዕና ንዓይ ኵሉ ውሑስ እዩ ነይሩ። ናብቲ ዶብ ምስ ቀረብና'ውን ናብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ዝቐረብኩ ኮይኑ ኣይተሰምዓንን፡ ዝኾነ ነገር'ውን ኣይርኣናን፡ ኣይሰማዕናን" ኢሉ።

ዩሲኣይ ኣብ ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ርዋንዳ ንቱሪዝምን ንግድን ምሉእ ብምሉእ ውሕስቲ ኰይና ትቕጽል ኣላ" ኢሉ ነይሩ።

ተወዳደርቲ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ምንጪ ስእሊ, BBC/GETTYIMAGES

ብዙሓት ንዙር ርዋንዳ ዝከታተሉ ዝነበሩ ሩዋንዳውያን እውን ንሓሳባት ናይ ዩሲኣይ ዘራጉድ ርእይቶ'ዮም ሂቦም።።

ኣብ ዙር ርዋንዳ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ዝተዛዘመሉ ከተማ ሁየ ዝረኸብናያ ኣምባሳደር ምውዕዋዕ ፋብሪካ ቢራ ኣመስተል ካምፓየር ኦቭሪነ "ንዅሉ ናብ ርዋንዳ ዝመጽእ ዘሎ ሰብ ውሑስ ምዃኑ ከረጋግጸሉ ይደሊ" ብምባል ኵሉ ነገር ኣማን ምዃኑ ሓቢራ።

ካምፓየር ኦቭሪነ "እቲ ካብዛ ሃገር ወጻኢ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ነዛ ሃገር ዝጸሉ ኣይኮነን" ትውስኽ።

ነባሪ ኪጋሊ ሃኪዚማና ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ'ውን፡ "ንዓና እዚ [ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ኲናት] ኣህጉራዊ ዜና ጥራይ'ዩ። ዶባትና ናይ ምውሓስ መሰል'ውን ስለዘለና፡ ኵሉ ነገር ከምቲ ትርእይዎ ዘለኹም ድማ ከም ቀደሙ'ዩ ዘሎ" ኢሉ።

ብመሰረት ወግዓዊ ንዙር ርዋንዳ ዝምልከት ዝተሓተመ መጽሓፍ፡ ጸጥታ ናይ ሎሚ ዓመት ብቃፍላይ ሃገራዊ ፖሊስ ርዋንዳ'ዩ ዝካየድ ነይሩ። 38 መኮንናት ፖሊስ፡ ኣብ 15 ሞተር ብሽክለታታት ኣርባዕተ ናይ ፖሊስ መካይንን ብምዃን ነዚ ውድድር ክዕጅብዎ ቀንዮም።

ሙሳ ካቤሩካ፡ ኣካያዲ ድሕነት ጽርግያ ዙር ርዋንዳ'ዩ።

ንሱ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕተት "ብሓፈሻ ጸጥታ 100 ሚእታዊት ጽቡቕ'ዩ ዘሎ፡ ሩባቩን ሩሲዚን'ዩ እቲ ኣዝዩ ናብ ዶበን ዝቐረበ'ዩ፡ ኣብኡ'ውን እንተኰነ ዝኾነ ጸገም ኣይነበረን" ኢሉ።

ስፖርት ከም መሕጸቢ ኣበሳ ፖሊቲካ

ኪጋሊ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ሻምፕዮና ዓለም ንምድላው'ያ ትሸባሸብ ዘላ
መግለጺ ስእሊ, ኪጋሊ ኣብ ዝመጽእ መስከረም ሻምፕዮና ዓለም ንምድላው'ያ ትሸባሸብ ዘላ

ትካላት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ መንግስቲ ርዋንዳ ዓለማዊ ምስሉ ንምዕባይን ነቲ ዝፍጽሞ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ንምሽፋን ኣብ ስፖርት ገዚፍ ወፍሪ ይገብር ኣሎ ብምባል ይኸስዎ'ዮም።

ከም ውድድር ፎርሙላ ዋንን ግራንድ ፕሪክስን ዝኣመሰለ ዓቢ ውድድር ኣብታ ሃገር ንኽካየድ'ውን ሕቶ ኣቕሪባ ኣላ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዳይረክተር ማእከላይ ኣፍሪቃ ሉዊስ ሙድጅ ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ርዋንዳ ናይ ገዛእ ርእሳ ውሽጣዊ ሕግታትን ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ክትጥሕስ ትረአ'ያ" ኢሉ ነይሩ።

ሉዊስ ሙድጅ ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ "ብዝያዳ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ኣብ ገለ ፖለቲካዊ ነጻነትን ብብቕሩብ እናነከየ ይኸይድ ከምዘሎ ክንርኢ ክኢልና ኢና" ኢሉ።

መንግስቲ ሩዋንዳ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ክስታት ብትሪ'ዩ ዝነጽጎ።

ዋና ሓላፊት ቱሪዝም ኣይሪን ሙረርዋ እዚ ከምዚ ዓይነት ክስታት "እታ ሃገር ዘመዝገበቶ ዘደንቕን ብሉጽን ዓወታ ትዅረቱ ንምስራቕ" ዝዝረብ ምዃኑ'ያ ገሊጻ።

ናይ መወዳእታ መድረኽ ዙር ርዋንዳ ተቋሪጹ

ኣብ ብጫ ማልያ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ዝወደአ ሄኖም ምሉእብርሃን ኣብ 2023 ተጫዋቲ ብጫ ማልያ ምንባሩ ይዝከር፡ ባሓፈሻ ኣብ 2023 ክልተ መድረኻት ኣብ 2025 ከኣ ሓንቲ መድረኽ'ውን ተዓዊቱ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ብጫ ማልያ ብሽዱሽተ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ኮይኑ ጸወታኡ ዝወደአ ሄኖክ ምሉእብርሃን

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ዙር ርዋንዳ ፈረንሳዊ ፋብያን ዶቢ'ዩ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድት ኰይኑ ዛዚምዎ። ሻውዓይ መድረኽ ስለዘይተኻየደ ግን በቲ ክሳብ ሻዱሻይ መድረኽ ዘዋህለሎ ግዜ'ዩ ተዓዋቲ ክኽውን ክኢሉ።

እቲ ጸወታ ንኽቋረጽ ዓቢ ግደ'ዩ ነይርዎ ዝተበሃል ፋብያን ዶቢ 'ኣዲሙ' እዩ ብምባል ብዩሲኣይ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ክብየነሉ እንከሎ፡ ንተወሳኺ ሕቶ ናብ ኮሚተ ዩሲኣይ ክቐርብ ምዃኑ'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እታ ሻውዓይትን ናይ መወዳእታን መድረኽ፡ እታ ኣብ መስከረም 2025 ሻምፕዮና ዓለም ክካየደላ ተመሪጻ ዘላ መድረኽ'ያ፤ ጸወታ ስለዝተቋረጸ ግን ከይተፈተነት ተሪፋ።

ኮምሽነር እቲ ውድድር እቲ ጸወታ ደው ክብል ኣብ ዝኣወጀሉ፡ እታ መራሒት ጕጅለ ጸወታ ክትዛዝም 12 ኪሎሜተር'ዩ ተሪፍዋ ነይሩ።

ኣብዚ ውድድር ሄኖክ ምሉእብርሃን ኣብ ሓፈሻዊ ግዜ ካብ ቀዳማይ ብሽዱሽተ ካልኢት ድሒሩ ካልኣይ ኮይኑ'ዩ ናብታ ዛዛሚት መድረኽ ኣትዩ።

ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሳምሶም ሰለሙን ድሕሪ ጸወታ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ኣብ መንጐ ጸወታ መስመር መወዳደሪ ምቕያሩ ብጫ ማልያ ንኽምንጥሉ ዝነበሮም መደብ ከምዘበርዓነሎም'ዩ ገሊጹ።

"ቴስዓ ክሳብ ቴስዓን ሓሙሽተን ሚእታዊት ኣብ ማውንት ኪጋሊ መጥቓዕቲ ብምፍጻም ብመንገዲ ሄኖክ ምሉእብርሃን ነታ ብጫ ማልያ ክንምንጥላ'ዩ ነይሩ መደባትን" ኢሉ።