ምጽጻይ ዓሌት እንታይ እዩ፣ ካብ ምጽናት ዓሌትከ ብኸመይ ይፍለ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመርካ ንቓዛ "ክትቈጻጸርን" ቃዛውያን ኣብ ካልእ ከባቢ ክሰፍሩን ዘቕረቦ እማመ፡ ንሱ ምጻጻይ ዓሌት (Ethnic cleansing) ንምፍጻም ይሕልን ኣሎ ዝብሉ ክስታት ንኽለዓሉ ዝደረኸ ኰይኑ ኣሎ።
ሕቡራት ሃገራት፡ መራሕቲ ሃገራት ዓረብን ዓለምን ከምኡ'ውን ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኰኒኖሞ ኣለዉ።
ትራምፕ፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ናብ ዋይት ሃውስ ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ምኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ብምዃን ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ ምሸት እዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።
ኔታንያሁ፡ እዚ ሓሳብ " ኣቓልቦ ክግበረሉ ዝግባእ'ዩ" እንትብል፡ ተሓባባሪ ፀሓፊ ሊግ ዓረብ ሖሳም ዛኪ ግና፡ ኣብ ልዕሊ ክልተ ሚልየን ዝፍፀም ምምዝባል ገበን ኣንፃር ሰብኣውነት ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ሖሳም ዛኪ፡ "እዚ ሓሳብ ምጽጻይ ዓሌት ዘተባብዕ፣ ሰላማዊ ህዝቢ ካብ መሬቱ ብኣስገዳድ ዘግዕዝ እዩ። ቅድሚ ሒደት መዓልታት ድሕሪ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ዝተርኣዩ ኵሎም ክሩዓት ፍልስጤማውያን ቤትና ኢሎም ናብ ዝጽውዕዎም ዝፈራረሱ ኣባይቲ ንምኻድ ይጻደፉ ኣለዉ። ብፍቓዶም ካብ ግዝኣቶም ወጻኢ ክኸዱ እዮም ኢልካ ብኸመይ ምሕሳብ ይከኣል?" ኢሉ።
ግና እቲ ትራምፕ ዘበገሶ፡ "ኣብ ውሑስ፣ ጽቡቕ ማሕበረሰብን ኣብቲ ዞባ ሓደሽቲን ዘበናዊን ኣባይትን" ምህናጽ፡ ዝበሎ ዘይንፁር እማመ፡ ዳግመ ምጥያስ ፍልስጤማውያን ብሓቂ ምጽጻይ ዓሌት ድዩ? ምጽጻይ ዓሌትከ ካብ ምጽናት ዓሌት ብኸመይ ይፍለ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ምጽጻይ ዓሌት እንታይ ማለት'ዩ?
ብሰፊሑ እንክርኣይ፡ ምጽጻይ ዓሌት ሓደ ጕጅለ ካብ ሓደ ከባቢ ምእላይ ወይ ምስጓግ ማለት እዩ። እዚ ብምግዓዝ፣ ወይ ብኣስገዳድ ክመዛበሉ ብምግባር፡ ሓደ ዓይነት ዓሌት ጥራሕ ዝነብርሉ ከባቢታት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ።
ከም ኣገላልጻ መስራትን ዳይረክተርን እቲ ኣብ ኒውዮርክ ኮሌጅ ጀይ ዝርከብ ማእከል ሰብኣዊ መሰላት ፕሮፌሰር ጆርጅ ኣንድሬፖሎስ፡ ናብ ካልኦት ከባብታት ምዝውዋር ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ናይቲ ዒላማ ዝዀነ ጕጅለ ዝዀኑ "ኣሰራት፣ መቓብራትን ቤተ-ኣምልኾን ኵሉ ምዕናው ዘጠቓልል፡" እዩ።
ፈደራላዊት ዩጎዝላቭያ ኣብ 1990ታት ክትበታተን እንከላ፡ ዓሌታዊ ጐንጽታት ኣብ ዝተወልዓሉ እዩ እዚ ቃል ስሙይ ኰይኑ።
ፖለቲከኛታትን መራኸብቲ ብዙሓንን፡ ነቲ ኣብ ቦዝንያ ሄርዘጐቨንያ ኣብ ልዕሊ ቦዝንያውያን እስላም፣ ኣብ ክሮሽያ ግዝኣት ክራጅንያ ኣብ ሰርቢያውያን፣ ኣብ ኮሶቮ ድማ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ኣልባንያ ደሓር ድማ ሰርቢያውያን ዝተፈጸመ ጭካነ ንምግላጽ ተጠቒሞምሉ።
ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ነበር ዘይድ ራዳ ኣል ሑሴን'ውን ነቲ ኣብ ግዝኣት ራክሂን ንእስላም ሮሂንጊያ ዒላማ ዝገበረ ብመንግስቲ እታ ሃገር ዝተፈጸመ ምጽጻይ ዓሌት ንምግላጽ ኣብ 2017 (ኣቈጻጽራ ኤውሮጳውያን) ተጠቒምሉ ነይሩ። ነቲ ተግባር ድማ "ኣብነት ምጽጻይ ዓሌት'ዩ፡" ብምባል ገሊጹዎ።
ኣብ ኲናት ትግራይ ብርክት ዝበሉ ክስታት ገበናት ኲናት ከም ዝተፈጸሙ ጸብጻባት- ምጽራያት ሕቡራት ሃገራት ዘመልክቱ ኰይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብዕጡቓት ኣምሓራ ምጽጻይ ዓሌት ከም ዝተፈጸመ መንግስቲ ኣመሪካን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናለን ምኽሳሶም ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ምጽጻይ ዓሌት ገበን ኵናት ድዩ?
ከም ኣገላልጻ ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ቃል ብሰንኪ ዝተፈጥሩ ዕጥቃዊ ጐንጽታት እዩ ብሰፊሑ ኣብ ኣገልግሎት ውዒሉ።
ሰብሞያ ኮምሽን ሕቡራት ሃገራት፡ ሰራዊት ቀልጢፉ ኢዱ ምእንታን ክህብ፡ ህዝቢ ካብ መረበቱ ለቒቑ ንኽወጽእ ናይ ምእማን ናይ ኣስገዳድ ስራሕቲ ክትግበሩ ከም ዝኽእሉ ይገልጹ።
እዞም ተግባራት ምስቓይ፡ ማእሰርቲ፡ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕትን፡ ምዕናው ኣባይቲ፡ ዝምታን ትካላት ሕክምና ዒላማ ምግባርን ዘጠቓልሉ እዮም።
ሕቡራት ሃገራት፡ ካብዚኦም ገሊኦም ብቴክኒካዊ መዳዩ ገበናት ኵናት እኳ እንተዀኑ፡ ምጽጻይ ዓሌት ብዓለምለኻዊ ሕጊ ክሳብ'ዚ እዋን ከም ገበን ከም ዘይተነጸረ (ኣፍልጦ ከም ዘይተዋህቦ) የመልክት።
ኣብ ዝተትሓዙ ግዝኣታት ፍልስጤም ፍልይቲ ወሃቢት ጽብጻብ ሕቡራት ሃገራት ፍራንሴስካ ኣልባኔዝ፡ እስራኤል "ንጹር ሓበሬታ ኣብ ዘይርከበሉ ኵናት ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን መጠነ ሰፊሕ ምጽጻይ ዓሌት፡" ምፍጻም ካብ ትፍትን ዓሰርተታት ዓመታት ከም ዝተቘጽሩ ትገልጽ።
"ከቢድ ሓደጋ'ዩ ዘሎ... እዚ ንምስክሮ ዘለና፡ ምናልባት እቲ ናይ 1948 'ናክባ' እዩ... እኳ ደኣ ካብኡ ዝገደደ፡" ትብል።
ነቲ ካብ 1947 ክሳብ 1949 ልዕሊ 750 ሽሕ ፍልስጤማውያን ካብ መረበቶምን መሬቶምን ክስጐጉ ዘገደደ ጐንጽታትን እስራኤል ከም ሃገር ክትምስረት ዝደረኸን ፍጻመ ንምግላጽ ዝጥቀምሉ ቃል ዓረብኛ ናክባ - ማለት'ውን መዓት ወይ መቕዘፍቲ ብምምልካት።
ኣብ መንጎ ምጽጻይ ዓሌትን ምጽናት ዓሌትን ዘሎ ኣፈላላይ እንታይ'ዩ?
ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ምጽጻይ ዓሌት ርእሱ ክኢሉ ከም ገበን ኣይተነጸረን ወይ ኣፍልጦ ዘይተዋህቦን እዩ። ምጽናት ዓሌት (ጀኖሳይድ) ግና ከም ገበን ተነጺሩ እዩ።
ጠቕላላ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ 1946 ፖሊሲታት ናዚ ኣብ ግዘ ሆሎኮስት ኣብ ልዕሊ ኣይሁዳውያን ንዝፈጸሞ ስልታዊ ቅትለት ግብረ መልሲ ኣብ ዝህበሉ፡ ምጽናት ዓሌት (ጀኖሳይድ) ገበን ከም ዝዀነ ኣነጺርዎ እዩ።
"ሓደ ሃገራዊ፡ ብሄራዊ ወይ ዓሌታዊ ጕጅለ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኽፋል ንምጥፋእ ዓሊሙ ዝፍጸም ዝዀነ ዓይነት ተግባር" ምጽናት ዓሌት ከም ዝበሃል ይድንግግ።
እዞም ተግባራት፡ ኣብ ውሱናት ጕጅለታት ቅትለት ወይ ከቢድ ጉድኣት ምፍጻም፣ ጕጅለኣዊ ዕንወት ንምውራድ ብመደብ (ዝተሰልሐ) ከቢድ ህይወት (መነባብሮ) ምፍጣር፣ ዒላማ ኣብ ዝተገበረ ጕጅለ ትውልዲ ከይቕጽል ምግባርን ህጻናት ካብ ስድርኦምን ማሕበረሰቦምን ብኣስገዳድ ነጺልካ ናብ ካልእ ጕጅለ ምጽንባርን ዘጣቐልሉ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ምኒስትር ሩዋንዳ ነበር ጆን ካምባንዳ፡ ንሓደ ሚልየን ዓሌት ቱትሲን ማእከሎትን ኣብ ምጭፍጫፍ ንዝነበሮ ግደ፡ ኣብ 1998 ብዓለምለኻዊ ቤት-ፍርዲ ብገበን ምጽናት ዓሌት ዝተበየነ ፈላማይ መራሒ ሃገር እዩ።
ሕቶ ዕላማ (ሃቐነ)?
ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝህቦ ትርጕም ግና፡ "ኣእምሮኣዊ" ባእታ ወይ ሃቐነ እዚ ተግባር፤ ሃገራዊ፡ ብሄራዊ፡ ዓሌታዊ ወይ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ንምጥፋእ (ካብ ገጽ ምድሪ) ዝዓለመ ከም ዝዀነ ብንጹር ኣቐሚጥዎ ኣሎ።
ኣብ መንጎ ምጽጻይ ዓሌትን ምጽናት ዓሌትን (ጃምላዊ ጨፍጫፍ) ዘሎ ዓብዪ ኣፈላላይ ድማ ብመሰረት "ሃቐነ" (ዕላማ) ናይቲ ገበነኛ ይውሰን።
ዋላ'ኳ ኣካላዊ ዕንወት ናይ ሓደ ዓሌት ወይ ሃይማኖታዊ ጕጅለ ቀንዲ ዕላማ ምጽናት ዓሌት ምፍጻም እንተዀነ፡ ቀንዲ ዕላማ ምጽጻይ ዓሌት ግና ምስጓግን ሓደ ዓሌት ዝነብሩሎም ከባቢታት ምምስራትን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







