ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ሕጂ'ውን 'ምጽጻይ ዓሌት' ይቕጽል ከምዘሎ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣመልኪቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ብ2 ሕዳር 2022 ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለው ከባቢያዊ ኣመሓደርትን ሓይልታት ኣምሓራን፡ ብሓይሊ ተጋሩ ብምስጓግ ምጽጻይ ዓሌት ይፍጽሙ ኣለው ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።
እቲ ትካል ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ተግባራት ደው ከብሎ፡ ክምርምርን በቶም ተግባራት ዝኽሰሱ ዘለው ኣዘዝትን ኣመሓደርትን ብግቡእ ክቐጽዕን ይግባእ ኢሉ።
ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ኲናት ካብ ዝጅመር ንደሓር ሓይልታት ኣምሓራን ናይ ስግግር ሰብመዝን ገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ብምፍጻም ኣብ ምዕራብ ትግራይ “ኣንጻር ተጋሩ ጐስጓሳት ምጽናት ዓሌት” ክፍጽሙ ጸኒሖም’ዮም ክብል ይኸስስ።
ሂዩማንራይትስ ዎች ኣብ ቀረባ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ቅድም ኢሉ ብግህሰታት ተኸሲሶም ዝነበሩ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱን በላይ ኣያለውን ዝተባህሉ ክልተ ኣዘዝቲ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ስቅያት ከምኡ’ውን ተጋሩ ብኣስገዳድ ምስጓግ ይፍጽሙ ኣለው ይብል።
“እቲ ኣብ ሕዳር ዝተበጽሐ ምቍራጽ ተጻብኦታት ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ምጽጻይ ዓሌት ደው ኣየበሎን” ክትብል ምክትል ዳይሬክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ፡ ላቲሻ ባደር ገሊጻ።
ላቲሻ ወሲኻ፡ “መንግስቲ ነቶም ዝፍጸሙ ግህሰታት ብቕንዕና ፍትሒ ዘስፍን እንተዀይኑ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ንዝተፈጸሙ ግፍዕታት ዝካየድ ዘይሻራዊ ምጽራይ ምቅዋም ደው ከብልን ግህሰት ዝፍጽሙ ዘለው ሰብ መዚ ተሓተትቲ ክገብርን ኣለዎ” ኢላ።
ኣብዚ ጉዳይ መንግስቲ ፈደራል ይዅን ብግህሰተታት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱ ዘለው መራሕትን ሓይልታትን ኣምሓራ ዝሃብዎ መልሲ የለን።

ምንጪ ስእሊ, JOHN HOLMES FOR HUMAN RIGHTS WATCH AND AMNESTY INT
ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኵሎም ሓይልታት ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ሰብአዊ መሰላትን ሕቡራት ሃገራትን ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
ኣብ ሕዳር 2021 ዝወጽአ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኵሎም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኣካላት ግህሰት ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ብምግላጽ፡ ገሊኦም ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም ምባሉ ይፍለጥ።
እቲ ብምትሕብባር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ መረዳእታታት ገበናት ኲናት'ውን ረኺበ ይብል።
እቲ ጸብጻብ፡ ዘይሕጋዊ ቅትለትን ጃምላዊ ቅትለትን፡ ምስቓይ፡ ጾታውን ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ዝርዝራት ግህሰታት፣ መጥቃዕታትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ከምኡ'ውን ግዱድ ምፍንቓል ሰላማውያንን ዝሓዘ እዩ።
እቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ወተሃደራዊ ረጽሚ ዝጸንሑ ሓይልታት፡ ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ቅድሚ ምግባሮም፡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን'ውን ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ገበናት ‘ምጽናት ዓሌት’ ተፈጺሙ እዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ሓድሽ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች እንታይ የጠቓልል?
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ካብ መስከረም 2022 ክሳብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 35 መሰኻኽር፡ ግዳያት ግህሰትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ረድኤትን ብቴሌፎን ከም ዘዘራረበ ብምሕባር፡ መብዛሕትኦም ኣብ ከተማ ሑመራ ብዘይኣግባብ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ተጋሩ ከም ዝዀኑ የመልክት።
እዚኦም፡ ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ከተማታት ምዕራብ ትግራይ ዝዀና ሑመራ፡ ራውያንን ኣደባይን ኣሽሓት ተጋሩ ኣሲሮም ከም ዘለውን፣ ተጋሩ ብሰንኪ መንነቶም ካብ ሕዳር 2022 ክሳብ ጥሪ 2023 ብኣስገዳድ የውጽኡዎም ከም ዝነበሩን ሓቢሮም።
ተጋሩ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ከተማታት ሑመራን ራውያንን ወግዓዊ ከምኡ’ውን ወግዓዊ ኣብ ዘይኰኑ መዳጐኒ ማእከላት ብሓይልታት ኣምሓራን ሚሊሻታት ፋኖን ተኣሲሮም ኣብ ዘሰክፍ ኵነታት’ዮም ዝርከቡ ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሑመራ ተኣሲሩ ዝነበረ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ “ሕክምና የለን፤ ሰባት እንተሓሚሞም፡ ክሳብ ዝሞቱ ኣብኡ ይጸንሑ። ብዙሓት ሰኣን መግብን መድሃኒትን ሞይቶም’ዮም” ክብል ተዛሪቡ።
ካልእ ኣብቲ ቤት ማ'እሰርቲ ሑመራ ብሓምለ 2021 ተኣሲሩ ዝነበረ ወዲ 42 ዓመት ሰብኣይ፡ “ብሰንኪ መንነተይ ኣሲሮምኒ፤ ትግራዋይ ስለ ዝዀንኩ። መጀመርታ ገበነኛ መን’ዩ ዝብል ኣጻሪና ክንፈትሐካ ኢና ኢሎምኒ፤ ግን ኣይገበርዎን። ብውሑድ ክልተ ሽሕ ሰባት ነይርና። ኵላትና ተጋሩ ኢና፡” ክብል ነቲ ትካል ተዛሪቡ።
ብጥሪ 2023 ክሳብ ዝስጐግ ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝጸንሕ ዝገልጽ ሓደ ሓረስታይ ድማ፡ ንግዚኡ ኣእዳው ምንቅስቓስ ኣብዮም ከም ዝነበሩ ይዛረብ።
“እቶም ዋርድያታት ንብዙሕ መዓልታት ኢድና ንድሕሪት ጠውዮም ኣሲሮምና። በዚ ምኽንያት ንኣዋርሕ ምንቅስቓስ ኢደይ ኣይስምዓንን ነይሩ። ካልኦት ሰባት’ዮም ዝምግቡኒ ነይሮም” ይብል።
ብ9 ሕዳር 2022፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኣመሓደርቲ ምዕራብ ትግራይን ኣብ ከባቢ ሑመራ ካብ ዝርከባ መዳጐኒ ማእከላት ብዙሓት እሱራት ናብ ማእከል ትግራይ ክኸዱ ገይሮም’ዮም፡ ይብል እቲ ተሓላቒ መሰላት።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዘዳለውዎ ጸብጻብ ብምጥቃስ ሚሊሻታት ፋኖ ብ10 ሕዳር 2022 ልዕሊ 2800 ሰብኡት፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ካብ ሓሙሽተ ማእከላት ክሰጋገሩ ገይሮም’ዮም ክብል ሓቢሩ።
እቲ ትካል ዘዘራረቦም ብርክት ዝበሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ውልቀሰባት ድማ ኣብ መጀመርታ ጥሪ 2023 ኣስታት 70 ሰባት ብኣስገዳድ ካብ ምዕራብ ትግራይ ከም ዝተሰጐጕ ገሊጹ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ “ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዘሎ ህልው ኵነታት ንወለንታዊ፡ ውሑስ፡ ከምኡ እውን ክብሪ ዘለዎ ምምላስ ተጋሩ ስደተኛታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን ምቹእ ኣይኰነን” ብምባል ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።
ክሳብ ጥቅምቲ 2022 ዝወጽኡ ጸብጸባት ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምብራቕ ሱዳን 47 ሽሕ ስደተኛታት ምዕራብ ትግራይ ተመዝጊቦም ከም ዝርከቡ የመልክቱ።
ኣስታት ሓደ ሚልዮን ድማ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ተመዛቢሎም ከም ዝርከቡ ይግለጽ።
ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ መንግስቲ እቲ ሕጂ'ውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ይፍጸሙ ኣለው ዝበሎም ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ደው ከብሎምን በቶም ገበናት ዝኽሰሱ ኣካላትን ውልቀሰባትን ተሓተትቲ ክገብርን ኣተሓሳሰሲቡ።
ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተኻየደ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ኣብ እዋን እቲ ጐንጺ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብመሰጋገሪ ፍትሒ መዕለቢ ከም ዝረኽቡ ክገብር ምዃኑ መንግስቲ ምግላጹ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







