ትራምፕ፡ ስለምንታይ ንቓዛ ክቈጻጸር ይደሊ፣ ክሕዛኸ ይኽእል'ዶ?

ኣብ ዝባን ዝፈራረሰ ኣባይቲ ዘሎ ፍልስጤማዊ መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣመሪካ ንቓዛ "ክትቈጻጸር"ን "ክትውንንን" ከም እትደሊ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ሓያል ስንባደን ኵነኔን ገጢሙዎ ኣሎ።

እዚ ርእይቶታት ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ተግባራዊ ንክኸውን ከምኡ'ውን መጻኢ ቓዛ ዝምልከት ሕቶታት ኣብ ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን'ዩ ተዋሂቡ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት ክልተ ሲሶ ኣባይቲ ቓዛ ብሰንኪ እቲ ን15 ኣዋርሕ ዘእተኻየደ ውግእ ከም ዝዓነዉ ወይ ከም ዝፈረሱ ይግምት።

ትራምፕ ዘቕረቦ ዘይንጹር እማመ፡ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝጸንሓ ፖሊሲ ከም ዝቐየረት ዘመላኽት ክኸውን ይኽእል።

እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ኣድላይነት ምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ዝጸንሐ- ቓዛን ዝተጐብጠ ምዕራባዊ ገማገም ባሕርን ዝሓቘፈ - ሰፊሕ ኣህጉራዊ ምርድዳእ ክዘርጐ ይኽእል።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ንእማመ ትራምፕ እኳ እንተደገፈ፡ ብሃገራት ዓረብን ገለ መሓዙት ኣመሪካን ተነጺጉ'ሎ።

ትራምፕ፡ ስለምንታይ ሕጂ ከምዚ ኢሉ?

ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ሓደ ነገር ልክዕ ኣሎ - ንዓሰርተታት ዓመታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን ፍልስጤማውያንን ክትክተሎ ዝጸንሐት ዲፕሎማሲ ነቲ ተደጋጋሚ ግጭት ክፈትሖ ኣይከኣለን።

ንዓመታት፡ ፕረዚደንታትን እማመታት ሰላምን ይመጽኡን ይኸዱን፤ እቲ ጸገማት ግን ይጋደድ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕትን እቲ ኣብ ቓዛ ዝስዓበ ኲናትን ዘስካሕክሕ እዩ ነይሩ።

ትራምፕ፡ ከም ዋና ሪል ስቴት ሚልዮናት ሃብቲ ኣጥሪዩ'ዩ፤ በዚ መንጽር ዝርኣዮ ቅኑዕ ትዕዝብቲ ኣቕሪቡ፣ ቓዛ ዳግማይ ክትህነጽ እንተዀይና፡ ኣብ ገለ ቦታታት ከም ብሓድሽ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሲቪላት ኣብቲ ፍርስራስ ምጽላል ትርጕም የብሉን።

ዕማም ዳግመ ህንጸት ቓዛ ተዘካሪ ክኸውን እዩ።

ዘይመኸኑ ተተኰስትን ኵምራ ፍርስራሳትን ክእለ ኣለዎ።

መስመራት ማይን ሓይሊ ኤሌክትሪክን ክጽገኑ ኣለዎም።

ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላትን ድኳናትን ዳግማይ ክህነጻ ኣለወን።

ኣብ ቓዛ ዝበጽሐ ዕንወት
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ልኡኽ ትራምፕ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ እዚ ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ድማ ፍልስጤማውያን ናብ ካልእ ቦታ ክኸዱ የድሊ ኢሉ።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ማእከላይን ደቡባውን ክፋላት ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ኰይኖም ናብ ገዛኦም ዝቐርብሉ መገድታት ምድህሳስ፡ ትራምፕ ክወጽኡ ክተባብዑ ኣለዎም ይብል - ንሓዋሩ።

ድሕሪኡ፡ ብኣመሪካውያን ዝውነን ምዕሩግ "ሪቨራ ማእከላይ ምብራቕ" ክንገብራ ኢና ይብል።

እዚ ድማ ኣሽሓት ዕድላት ስራሕ፡ ዕድላት ወፍሪ ብምፍጣር "ህዝቢ ዓለም ዝነብረሉ" ቦታ ክኸውን'ዩ ይብል።

እዚ ሓያል ነቐፌታን ክትዕን ኣልዒሉ ኣሎ።

ስለምንታይ? ካበይ እሞ ክንጅምር?

ትራምፕ፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ፖሊሲ ማእከላይ ምብራቕ ኣመሪካ ሓፍ ለጠቕ እናበለ እዩ ኣሕሊፉዎ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ተልኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ብምግዓዝ፡ ልኡላውነት እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቲ ዝተጎበጠ ጎላን ኣፍልጦ ምሃብ ሓዊሱ ብዙሕ ቀይሩ።

እዚ ናይ ሕጂ ዘገርም እማመ እዩ።

ግጭት እስራኤልን ፍልስጤምን ንምፍታሕ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንገለ ክፋል መሬት ፍልስጤም ምውሳድን ህዝቢ ክወጽእ ምግባርን ዘጠቓልል ክኸውን'ዩ ኢሉ ዝሓሰበ ፕረዚደንት ኣመሪካ የለን።

እዚ ንጹር ንምግባር፡ ነዚ ብሓይሊ ክፍጸም ምግባር ከቢድ ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ።

ገለ ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ወጺኦም ኣብ ካልእ ቦታታት ህይወቶም ዳግማይ ክጅምሩ ክመርጹ ተኽእሎ ኣሎ።

ካብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ፡ ኣስታት 150 ሽሕ ሰባት ድሮ ኣብ ካልእ ከባቢታት እዮም ዝነብሩ ዘለዉ።

ካልኦት ግን ከምኡ ክገብሩ ኣይክእሉን ወይ ኣየፍቕዱን፤ እዚ ከምኡ ንምግባር ፋይናንሳዊ ዓቕሚ ስለ ዘይብሎም ወይ ድማ ምስ ቓዛ – ኣካል ፍልስጤም ዝብልዎ መሬት – ዘለዎም ምትእስሳር ኣዝዩ ሓያል ስለ ዝዀነ ጥራይ'ዩ።

ፍርስራስ ኣባይቲ ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ክልተ ሲሶ ህንጻታት ቓዛ ከምዝዓነዉ ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት

ብዙሓት ነበርቲ ቓዛ፡ ደቂ እቶም እስራኤል ኣብ 1948 ክትፍጠር እንከላ ካብ ገዛኦም ዝሃደሙ ወይ ዝተባረሩ ፍልስጤማውያን እዮም - ፍልስጤማውያን ነዚ እዋን ናቕባ ኢሎም ይጽውዑዎ፣ እዚ ድማ ብቋንቋ ዓረብ ንመዓት ዝገልጽ ቃል እዩ።

ኣብ ዘይዓድኻ ካልእ ሰብ ኴንካ ምንባር ንብዙሓት ኣዝዩ ዘሕምም ብምዃኑ፡ ኣብቲ ኣብ ቓዛ ዝተረፈ ክነብሩ ክመርጹ እዮም።

ነቶም ኣብ ጐድኒ እስራኤል ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ዝሓልሙ ፍልስጤማውያን፡ ገለ ኽፋል እዚ ምጥፋእ ከም ምቝራጽ ኣካላት ኰይኑ ክስምዖም እዩ።

ቓዛ ካብ 1948 ጀሚሩ ካብ ምዕራባዊ ገማገም ባሕሪ ተፈልያ ኣላ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተኻየደ ዝርርባት ከምኡ'ውን ትራምፕ ኣብ 2020 ዘቕረቦ "ራእይ ንሰላም"፡ ንኽልቲኦም ከራኽብ ዝኽእል ጋለሪያታት ወይ መገዲ ባቡር ንምስራሕ ዘጠቓለሉ ነይሮም።

ሕጂ ትራምፕ ብመሰረቱ ንፍልስጤማውያን ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ቓዛ ውጽኡ እዩ ዝብሎም ዘሎ።

ንሱ ብኣስገዳድ ምስጓግ ሲቪላት ዝጕስጕስ ዘሎ ኣይመስልን - ምኽንያቱ እዚ ኣንጻር ኣህጉራዊ ሕጊ እዩ - ትራምፕ ንፍልስጤማውያን ክወጽኡ ከም ዘተባብዖም ግን ንጹር እዩ።

ሰበስልጣን ፍልስጤም ድሮ እስራኤል ቀረብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ቃፍላይ ግዝያዊ መጽንሒ መካይን ብምዕጋታ ከሲሶም ኣለዉ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ህንጸት ኣብ ዝካየደሉ ነበርቲ ቓዛ ኣብ ውሑድ ጕድኣት ዝበጽሖ ክፋል ናይቲ መሬት ክጸንሑ ክሕግዞም ዝእኽእል እዩ።

ትራምፕ ኣስታት 1.8 ሚልዮን ስደተኛታት ቓዛ ብቐንዱ ግብጽን ዮርዳኖስን ክቕበልኦም ኣለወን ምባሉ ንብዙሓት ሃገራት ዓረብ ኣቘጢዑ።

ክልቲአን፡ ኣይኰነን እዚ ተወሲኽዎ ናይ ገዛእ ርእሰን ከቢድ ሰኸም ዘለወን ሃገራት እየን።

ቓዛ ኣብ ኢድ መን ኣላ?

ቓዛ፡ ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ኲናት ብእስራኤል ቅድሚ ምሓዛ ን19 ዓመታት ብግብጺ ተታሒዛ ነይራ።

ሕጂ'ውን ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ብእስራኤል ከም ዝተጐብጠት ይእመን።

እስራኤል ግን ነዚ ትነጽጐ።

እቲ ጐበጣ ኣብ 2005 ከም ዘብቅዐን ብሓደ ወገን ሰፈራታት ኣይሁድ ፈሪሱ ወተሃደራታ ከም ዘውጽአትን ትገልጽ።

ኣስታት ሰለስተ ርብዒ ኣባላት ሕቡራት ሃገራት ቓዛ ኣካል ልኡላዊት ሃገረ ፍልስጤም ምዃና ኣፍልጦ ይህባ፤ ኣመሪካ ግን ኣፍልጦ ኣይሃበትን።

ቓዛ፡ ብሓጹራት እስራኤል ካብ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ዝተነጸለት፣ ብግብሪ ናጻ ቦታ ኰይና ኣይትፈልጥን።

ብዘይ ፍቓድ እስራኤል ዝኣቱን ዝወጽእን ዝዀነ ይዅን ነገር የለን።

ሓደ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ - ብ1998 ዝተኸፍተ - ኣብ 2001 ኣብ ካልኣይ ናዕቢ ፍልስጤም ብእስራኤል ዓንዩ።

ሓማስ ኣብ 2006 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ፍልስጤም ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት ድማ ድሕሪ ጽዑቕ ውግእ ንመነሓንሕቱ ካብታ ግዝኣት ድሕሪ ምስጓጕ፡ እስራኤልን ግብጽን ንጸጥታዊ ምኽንያታት ብምጥቃስ ኣብ ልዕሊ ቓዛ እገዳ ኣንቢረን።

ቅድሚ እቲ ዳሕረዋይ ኲናት፡ ፍልስጤማውያን ንቓዛ ከም ክፉት ቤት ማእሰርቲ ክቘጽርዋ ጀሚሮም ነይሮም።

ትራምፕ ስለ ዝደለየ ጥራይ ንቓዛ ክወስድ ይኽእል'ዶ?

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣመሪካ ኣብቲ መሬት ሕጋዊ ጠለብ የብላን፤ ትራምፕ'ውን ከመይ ገይሩ ምሕደራ ኣመሪካ ክገብር ከም ዝሓስበ ፈጺሙ ንጹር ኣይኰነን።

ከምቲ ኣመሪካ ንግሪንላንድ ወይ መትረብ ፓናማ ክትቈጻጸር እያ ብምባል ክዛረቦ ዝቐነየ፡ ትራምፕ ናይ ብሓቂ ድዩ ዝዛረብ ዘሎ ወይስ ቅድሚ እቲ ኣብ ዛዕባ መጻኢ ቓዛ ዝካየድ ዝርርብ መደራደሪ ዝኸውን ነገር እዩ ዘምጽእ ዘሎ ዝብል ዛጊት ንጹር ኣይኰነን።

ድሕሪ ኲናት ዝህሉ ምምሕዳር ቓዛ ዝምልከት ዝተፈላለዩ መደባት ተዘትዩሎም እዩ።

ኣብ ታሕሳስ፡ እቶም ክልተ ቀንዲ ውድባት ፍልስጤም፡ ሓማስን ፋታሕን፡ ንምምሕዳራ ዝከታተል ሓባራዊ ኮሚተ ንምቛም ተሰማሚዖም - እዚ ስምምዕ ክሳብ ሕጂ ኣይተተግበረን።

ኣብ ካልእ እዋናት ድማ፡ ካብ ሃገራት ዓረብ ብዝመጽኡ ወተሃደራት ዝቘመ ክኸውን ዝኽእል ኣህጉራዊ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ምፍጣር ትዅረት ዝገበረ ዝርርባት ነይሩ።

ኣብ ገለ ክፋል ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ቍጽጽር ዘለዎ በዓል መዚ ፍልስጤም (PA) ስልጣን ክሕዝ ድሉው ክሳብ ዝኸውን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ቓዛ ግዝያዊ ምምሕዳር ንምቛም ተዘራሪበን ከም ዝነበራ ሮይተርስ ሓቢሩ ነይሩ።

ይዅን እምበር ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ቅድሚ ሕጂ ብግልጺ በዓል መዚ ፍልስጤም ድሕሪ ኲናት ቓዛ ኣብ ምምራሕ ዝዀነ ተራ ከም ዘይህልዎ ኣስሚሩሉ ነይሩ።

ብውሱን መገዲ ኣመሪካ ድሮ ኣብቲ መሬት ኣትያ ኣላ።

ሓደ ትካል ጸጥታ ኣመሪካ፡ ኣስታት 100 ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካ ነበር ቈጺሩ።

እዚኦም፡ ካብ ከተማ ቓዛ ንደቡብ ንዝርከብ ኣገዳሲ መፈተሺ ነቝጣ ንምምራሕን ናብ ሰሜን ዝምለሱ ፍልስጤማውያን መካይን ኣጽዋር ንምርካብ ንምፍታሽን ከም ዝሰርሑ ኣፍሊጡ።

ኣባላት ጸጥታ ግብጺ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ መፈተሺ ነቝጣ ተራእዮም እዮም።

እዚኦም፡ ኣፈናዊ ምልክታት ኣብ ቓዛ ዝሰፍሐ ኣህጉራዊ - ምናልባት'ውን ብኣመሪካ ዝምራሕ - ሓይሊ ክዀኑ ይኽእሉ።

እዚ ማለት ግን ኣመሪካ ነቲ ከባቢ ትወስዶ ኣላ ማለት ኣይኰነን። እዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምትእትታው ክሓትት ይኽእል።

ትራምፕ ግን ከምዚ ዓይነት ነገራት ከወግድ ከም ዝደሊ ንመረጽቲ ክዛረብ ጸኒሑ እዩ።