ቓዛ፡ እማመ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓያል ዓረባዊ ተቓውሞ ገጢምዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራት ዓረብን ፍስልስጤማውያንን ነቲ ብፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝቐረበ እማመ ቓዛ ከምዘይቅበልዎ ኣፍሊጦም።
ትራምፕ፡ ሃገሩ ነታ ብደብዳባት እስራኤል ዝዓነወት ወሽመጥ ቓዛ ባዕላ ክትቆጻጸራን ነበርታ ንሓዋሩ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዘለዋ ሃገራት ዓረብ ክጣየሱን ዝብል ሓሳብ'ዩ ኣቕሪቡ ዘሎ።
ነቲ እማመ ዝነጸገ ፕረዚደንት ምምሕዳር ፍልስጤም ማሕሙ ድዓባስ 'ቓዛ ኣካል ሃገረ ፍልስጤም'ያ' ክብል ተቓዊሙ። ብኻልእ ወገን፡ ስዑዲ ዓረብ ሃገረ ፍልስጤም ከይተመስረተት ምስ እስራኤል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዘይትፈጥር ኣፍሊጣ'ላ።
ናይ ዮርዳኖስ ንጉስ ዓብደላ ብወገኑ፡ ዝኾነ ንፍልስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ምግዓዝ ዝጠልብ እማመ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ'ሎ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሪካ ዘይመኸኑ ቦምባታት ኣብ ምውጋድን ግዝኣት ፍልስጤም ኣብ ምምዕባልን "ርኡይ ስራሕ ክትሰርሕ" እያ ብምባል ፍልስጤማውያን ክግዕዙ ከም ዝደሊ ደጊሙ ተዛሪቡ።
ንሱ፡ ኣብቲ ብሰሉስ 4 ለካቲት 2025 ምስ ቀዳማይ ምኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ኣብ ዝሃቦ ሓበራዊ መግለጺ፡ "ኣመሪካ ንወሽመጥ ቓዛ ብምቍጽጻር ክትውንኖ ከም እትደሊ፡" ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ነዚ ህንጸት ክትውግን ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ወጻኢ ናብ ዘለዋ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ክጣየሱ ኣለዎም ኢሉ፤ እዚ ቅድም ኢሉ'ውን ዝተነጽገ ሓሳብ'ዩ።
እቲ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝበጽሖ ፈላማይ መራሒ ቤንጃሚን ነታንያሁ ድማ ውጥን ትራምፕ "ትዅረት ክንገብረሉ ዝግባእ ሓሳብ'ዩ፡" ብምባል ደጊፉዎ።
ሕሉፋት ሃገራውያን የማናውያን እስራኤል፡ፍልስጤማውያን ካብቲ ዝተጐበጠ ግዝኣታት ክሰጐጕን ኣብ ክንድኦም ሰፈራታት ኣይሁድ ከስፍሑን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝጸንሐ ድልየት ነይሩዎም'ዩ።
ትራምፕ ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ፡ ግብጽን ዮርዳኖስን ካብታ "ዝዓነወት" ብምባል ዝገለጻ ቓዛ ዝመጽኡ ፍልስጤማውያን ክወስዳ ከም ዝደሊ ገሊጹ ከም ዝነበረ ኣይርሳዕን።
"ዝያዳ [ሰባት] እንተትወስዱ ደስ ምበለኒ፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመላእ ወሽመጥ ቓዛ ይርእዮ ኣለኹ። ዕግርግር፡ ናይ ብሓቂ ዕግርግር'ዩ ዘሎ፡" ኢሉ።
ትራምፕን ምስኡ ዘለዉ ሰበ-ስልጣንን ኣመሪካ፡ ከምቲ ንሱ ዝብሎ ንዅሎም ፍልስጤማውያን ካብ ቓዛ ንሓዋሩ ኣብ ካልእ ቦታ "ዳግማይ ክሰፍሩ" ዝብል ጻውዒት ብምቕራብ፡ ቓዛ "ዝዓነወ ቦታ" ስለ ዝዀነ ካልእ ኣማራጺ የለን ይብሉ ኣለዉ።
ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ፡ ህዝቢ ብሓይሊ ናብ ካልእ ቦታ ክሰፍር ምግባር ዝግበር ፈተነታት ዝተኸልከለ እዩ።
ፍልስጤማውያን ከምኡ'ውን ሃገራት ዓረብ'ውን፡ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ፍልስጤማውያን ካብ መሬቶም ምስጓግን ምጽናት ዓሌትን ዝዓለመ ንጹር እማመ ገይሮም'ዮም ዝርእዩዎ።
ነዚ'ዩ ድማ፡ መራሕቲ ዓረብ ድሮ ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ዝቐረበ ሓሳብ ትራምፕ ነጺጐምዎ ዘለዉ።
ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ቐጠር፡ በዓል መዚ ፍልስጤምን ሊግ ዓረብን ብቐዳም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ "ንምርግጋእ እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ከእቱ፡ ግጭት ክሰፍሕ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መንጐ ህዝብታት ንዝህሉ ተስፋ ሰላምን ሓባራዊ ህይወትን ከዳኽሞ፡" ከም ዝኽእልን ገሊጾም።
ትራምፕ ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዋይት ሃውስ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ፍልስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ናብ ግብጽን ዮርዳኖስን "ክግዕዙ" ካብ ዝሃቦ ሓሳብ ሕልፍ ብዝበለ፡ ምስ ግዓዙ፡ ኣመሪካ ነቲ መሬት ሒዛ ዳግማይ ክትሃንጾ ምዃና'ዩ ገሊጹ።
ፍልስጤማውያን ክምለሱ ይፍቀደሎም ድዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ "ህዝቢ ዓለም" ኣብኡ ክነብር ምዃኑ ብምግላጽ፡ ንፍልስጤማውያን'ውን ቅድሚ ምባሉ "ኣህጉራዊ፡ ዘገርም ቦታ" ክኸውን'ዩ ኢሉ።
ትራምፕ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ምውሳድ ቓዛ ክሳተፉ ድዮም ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ "ዘድሊ ክንገብር ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።
እቶም ሕጂ ዘቕርቦም ዘሎ እማመታት፡ እስራኤል ኣብ 1948 ክትፍጠር እንከላን ኣብ 1967 ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናትን ኣመሪካ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ መርገጺ ዝተርኣየ ሱር በተኽ ለውጢ ዝዳረግ ኰይኑ፡ ኣብቲ ግዜ እስራኤል ንመሬት ቓዛ ሓዊሱ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ወተሃደራዊ ኲናት ዝጀመረትሉ እዩ።
ቓዛ፡ ምስረታ እስራኤል ስዒቦም ክካየዱ ብዝጸንሑ ተኸታተልቲ ኲነታት ካብ ቤት ንብረቶም ክሃድሙ ዝተገደዱ ፍልስጤማውያን ዝነብርሉ ከባቢ እዩ።
ኣብ ቓዛ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዝነብር ይግለጽ።
ውጥን ትራምፕ ግብራዊ እንተዀይኑ፡ እዚ ህዝቢ "ንሓዋሩ . . ." ኣብ ካልእ ቦታታት ዓረብ ወይ'ውን ክንዮኡ "ክቕመጥ... ፡" ዘገድድ ክኸውን እዩ።
እቶም እማመታት፡ ኣብ መጻኢ ኣብቲ ዞባ ክመጽእ ዝድለ ተኽእሎ ፍታሕ ክልተ ሃገራት ዝዘርግ ኰይኑ፡ ፍልስጤማውያንን ዓረብ ዓለምን ከም ውጥን ምስጓግ ስለ ዝርእዩዎ ተቐባልነት ዘይህልዎ እዩ።
ፍልስጤማውያንን ሃገራት ዓረብን እንታይ ኢሎም?
ሓማስን እስራኤልን፡ ብ15 ጥሪ 2024፡ ነቲ ን 15 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣዕናዊ ኲናት ቓዛ ደው ንምባል ከም ዝተሰማምዑ ይዝከር።
ነዚ ስዒቡ፡ ምፍታሕ እሱራትን ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ሰባትን ክካየድ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ቀረባ መዓልቲታት፡ እስራኤልን ሓማስን ዝርርብ ካልኣይ ምዕራፍ እቲ ስምምዕ ክጅምሩ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።
ቀዳማይ ምዕራፍ እቲ ስምምዕ፡ ክሳብ ሓደ መጋቢት 2025 [ን42 መዓልቲታት] ክጸንሕ ትጽቢት ዝግበር ኰይኑ፡ ሕጂ ብወገን ትራምፕን ነታንያሁን ዝወሃቡ ዘለው ርእይቶታት ነዚ ከየዐንቅፉዎ ተሰጊኡ ኣሎ።
ኣምባሳደር ፍልስጤም ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሪያድ መንሱር፡ ኣመሪካ ንቓዛ ክትሕዝን ነበርቲ ናብ "ጽቡቕን ሓድሽን መሬት" ክተስፍርን ትራምፕ ንዝሓንጸጾ መደብ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ነቶም ናብ ሕጕስን ደስ ዝብልን ቦታ ክሰዶም ዝደልዩ ናብቲ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ዝርከብ መበቆላዊ ገዛኦም ክምለሱ ግበር፡" ኢሉ።
ንሱ፡ ኣብቲ ብቪድዮ ኣብ ኤክስ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ይዅን እምበር ፍልስጤማውያን ናብቲ ኣብ ቓዛ ዝርከብ ገዛኦም'ዮም ክምለሱ ዝደልዩ ኢሉ።
"ዓድና ዓድና እያ... [ነበርቲ] ቓዛ፡ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ሆስፒታላት፡ ትሕተ ቅርጺ ዳግማይ ክሃንጽ ይደልዩ፤ ምኽንያቱ እዚ ዓዶም ስለ ዝዀነን ኣብኡ ምንባር ስለ ዝፈትውዎን። ስለዚ መራሕቲ ድሌት ህዝቢ ፍልስጤም ከኽብሩ ይግባእ፡" ኢሉ።
እታ እንኮ ፍልስጤማዊት ኣመሪካዊት ኣባል ኮንግረስ ኣመሪካ ራሺዳ ትላይብ፡ ትራምፕ "ብግልጺ ምጽናት ዓሌት ይጽውዕ ኣሎ፡" ክትብል ከሲሳ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ራሺዳ፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ነቲ ኣብ ቓዛ ዝተኻየደ ኲናት ዝሓዘሉ ኣገባብ ክትነቅፍ ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣብ ሕዳር 2023 ንመንግስቲ እስራኤል ዝዅንን ርእይቶ ድሕሪ ምሃባ ኮንግረስ ብዝህቦ ርእይቶ ክትንቀፍ ኣድሚጹ ነይሩ፤ እዚ ድማ ሓደ ኣባል ኮንግረንስ ቅድሚ ምስጓጕ ዝሕለፍ መስርሕ እዩ።
ትራምፕ ነዚ ኣካታዒ ዘረባ ቅድሚ ምሃቡ፡ ወሃቢ ቃል ሓማስ ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ቓዛውያን ናብ ዓዶም ዘይኰነ ክምለሱ ዘለዎም ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ኣለዎም ብምባል ንዝሃቦ ርእይቶ ነቒፉ።
እማመ ትራምፕ "ኣብቲ ዞባ ህውከትን ወጥሪን ዝፈጥር ቀመር'ዩ፡" ክብል ወሃቢ ቃል ሳሚ ኣቡ ዙህሪ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።
"ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዘሎ ህዝብና በዚ ውጥናት ክሓልፍ ኣየፈቅድን እዩ፤ እኳ ድኣ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝግበር ጐበጣን መጥቃዕትን ከብቅዕ እዩ ዝድለ እምበር ካብ መሬቱ ክስጐግ የብሉን፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ስዑዲ ዓረብ፡ ምስረታ ሃገረ ፍልስጤም ዘይብሉ ምስ እስራኤል ርክባት ከም ዘይትምስርት ዘነጽር መርገጺኣ ዳግም ኣረጋጊጻ።
ምኒስትሪ ጕዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ድሕሪ እቲ ትራምፕን ነታንያሁን ዝሃቡዎ መግለጺ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እዚ መርገጺ እዚ "ጽኑዕን ነቕ ዘይብልን'ዩ፡" ኢሉ።
እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ እዚ "ንዋጋ ዕዳጋ ዝቐርብ ጕዳይ ኣይኰነን፡" ብምባል ፍልስጤማውያን ሃገር ክምስርቱ ዘኽእሎም "ሕጋዊ መሰሎም" ከይተዋህቦም "ዘላቒ ሰላም" ኣይመጽእን ኢሉ።
ቓዛ ኣብቲ ን15 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ዓቢ ሰብኣዊ ጽልዋ ዘሕደረ ሰፊሕ ዕንወት በጺሑዋ እዩ።
ብሰንኪ እቲ ኲናት፡ልዕሊ 47 ሽሕ ፍልስጤማውያን ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይገልጽ።
ኣብ መላእ እታ ምምሕዳር ዝርከብ ትሕተ ቅርጺ ድማ ብመጥቃዕቲ ኣየር ከም ዝዓነወ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







