ትራምፕ፡ ግብጽን ዮርዳኖስን ንፍልስጤማውያን ቓዛ ክወስዳኦም ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ግብጽን ዮርዳኖስን ካብታ "ዝዓነወት" ብምባል ዝገለጻ ቓዛ ዝመጽኡ ፍልስጤማውያን ክወስዳ ከም ዝደሊ ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ትማሊ ምስ ንጕስ ዮርዳኖስ ዓብደላ ብተሌፎን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ "ዝያዳ [ሰባት] እንተትወስዱ ደስ ምበለኒ፡ ምኽንያቱ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንመላእ ወሽመጥ ቓዛ ይርእዮ ኣለኹ። ዕግርግር፡ ናይ ብሓቂ ዕግርግር'ዩ ዘሎ፡" ኢሉ።
ንግብጺ'ውን ተመሳሳሊ ጠለብ ከም ዘቕርበላ ገሊጹ።
እቲ ስጕምቲ "ግዝያዊ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ወይ'ውን "ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ሓማስ ንዝዀነ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ከም ዝቃወሞ ገሊጹ።
እዚ ርእይቶታት ድማ ነቶም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ከቘጥዖም ይኽእል እዩ።
ፍልስጤማውያን፡ እቲ መሬት መበቈል ኣያታቶም ከም ዝዀነ'ዮም ዝኣምኑ።
"ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ዝርከብ ፍልስጤማዊ ህዝብና፡ ካብ መሬቱ እንከይወጽአ ን15 ኣዋርሕ ሞትን ዕንወትን ተጻዊሩ ጸኒሑ'ዩ። ስለዚ፡ ከምቲ ኣመሪካ ዝገለጸቶ ዳግመ ህንጸት ብዝብል [ጽቡቕ ዕላማ ዘለዎ እንተመሰለ'ውን]፡ ዝዀነ ይኹን እማመታት ፕረዚደንት ትራምፕ ኣይንቕበልን፡" ክብል ኣባል ፖለቲካዊ ቢሮ ሓማስ ባሰም ናይም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ህዝብና ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ንዅሉ መደባት ምምዝባልን ኣማራጺ ዓዲ'ቦን ዘፍሸሎ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ፕሮጀክትታት'ውን ከፈሽሎ'ዩ፡" ኢሉ።
መብዛሕትኦም፡ ክልተ ሚልዮን ነበርቲ ቓዛ ኣብቲ ምስ እስራኤል ን15 ኣዋርሕ ዝተኻየደ ኲናት ከም ዝተመዛበሉን መብዛሕትኡ ትሕተ ቅርጺ ቓዛ ዓንዩ ከም ዘሎን ይፍለጥ።
ሕቡራት ሃገራት፡ 60 ሚእታዊት መሰረተ ልምዓት ቓዛ ከም ዝተሃስየ ወይ ከም ዝዓነወ፡ ዳግማይ ህንጸት ንምክያድ ድማ ዓሰርተታት ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ገሚቱ ነይሩ።
ትራምፕ፡ "ምናልባት ብዛዕባ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ሰባት ኢኹም ትዛረቡ ትህልዉ፤ በቃ ነዚ ብምሉኡ ነጽርዮ። ዳርጋ ኵሉ ፈሪሱ'ዩ፤ ሰባት ከኣ ይሞቱ'ዮም ዘለው። ስለዚ ምስ ገለ ካብ ሃገራት ዓረብ ብምትሕብባር ምናልባት ንለውጢ ብሰላም ዝነብሩሉ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ኣባይቲ ክንሃንጽ ይመርጽ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ትራምፕ ብዛዕባ እቲ እማመ ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበን።
ኣብ ደቡባዊት ከተማ ካን ዩኒስ ዝተመዛበለ ኣቡ ያህያ ራሺድ፤"ብዛዕባ ዕጫናን እንታይ ንደልን እንውስን ንሕና ኢና። እዛ መሬት ብታሪኽ ናትናን ሓድጊ ኣቦታትናን እያ። ሬሳ እምበር ንሕና ይንወጽእን" ኢሉ።
ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ፡ ቓዛ ማእከላ ዝገበረት ሃገረ ፍልስጤም ክትምስረት ይእንፍት ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ግን ነዚ ይነጽጐ።
ኣመሪካ ኣቐዲማ ንዝኰነ ይኹን ካብ ቓዛ ወይ ካብቲ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም ብሓይሊ ዝግበር ምፍንቓል ፍልስጤማውያን ከም እትቃወም ገሊጻ ነይራ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኣንቶኒ ብሊንከን ዝሓለፈ ዓመት "ካብ ቓዛ ክወጽኡ ጸቕጢ ክግበረሎም የብሉን፡ ክግደዱ የብሎምን" ኢሉ ነይሩ።
ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ስደተኛታት - መብዛሕትኦም ዜግነት ዝተዋህቦም - ኣብ ዮርዳኖስ ከም ዝነብሩ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ካብዚኦም ኣስታት 750 ሽሕ ፍልስጤማውያን ኰይኖም ኣብቲ ኣብ ዙርያ ምቛም እስራኤል ዝነበረ ግጭታት ካብ ገዝኦም ዝሃደሙ ወይ ክስደዱ ዝተገደዱ እዮም።
ኲናት ምስ እስራኤል ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ናብ ግብጺ'ኳ እንተተሰደዱ፡ ኣብኡ ግን ከም ስደተኛታት ኣፍልጦ ኣይወሃቦምን።
ኣብ ጥቅምቲ 2023 ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፋታሕ ኣልሲሲ ናብ ደሴት ሲናይ ዝግበር ዝዀነ ይዅን ግዱድ ምምዝባል ፍልስጤማውያን ከም ዝነጸጐ ብምግላጽ፡ እቲ እንኰ ፍታሕ ንፍልስጤማውያን ናጻ ሃገር ክምስርቱ ምግባር ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ገለ ሕሉፋት የማናውያን እስራኤላውያን፡ ናብ ቓዛ ተመሊሶም ኣብኡ ሰፈራታት ክምስርቱ ይደልዩ።
ኣብ 2005 21 ሰፈራታት ክፈርሱን ኣስታት 9 ሽሕ ሰፋሮ ብሰራዊት ካብቲ ቦታ ክወጽኡን ተገይሩ ነይሩ።
እቲ ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ነበር ኢታማር ቤን-ግቪር፡ ትራምፕ "ነበርቲ ካብ ቓዛ ናብ ዮርዳኖስን ግብጽን ንምስግጋር ንዝወሰዶ ተበግሶ" ከም ዝንእዶ ገሊጹ።
"ሓደ ካብቲ ካብ ቀዳማይ ምኒስተር ቤንጃሚን ናታንያሁ ዝሓተትናዮ ጠለባት፡ ወለንታዊ ስደት ምድንፋዕ'ዩ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
እስራኤል ትማሊ ሓደ ኣውራ መገዲ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ከይምለሱ ተኸልኪሎም።
እዚ፡ ሓማስ ንውዕላት ምቍራጽ ተዅሲ ጥሒሱ ዝብል ክሲ እስራኤል ዝስዓበ ምዃኑ ተፈሊጡ።
"ኣብኡ ዝዀነ ነገር የለን - ህይወት የለን፡ ኵሉ ይፈርስ'ዩ ዘሎ። ሕጂ'ውን ናብ መሬትካ፡ ናብ ገዛኻ ምምላስ ግን ዓቢ ሓጐስ'ዩ" ክብል ሓደ ብሃንቀውታ ምምላሱ ዝጽበ ዝነበረ ሰብኣይ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







