ኣመሪካውያን ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ትራምፕ እንታይ ይብሉ፣ ተሓጒሶም፡ ፈሪሖም'ዶ ተገሪሞም?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ስምዒታት ህዝቢ ኣመሪካ መቓቒሉ እዩ፤ እቲ ናብ ስልጣን ዝተመልሰሉ ናይ መጀመርታ ሰሙን'ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይነበረን።
ንሱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 20 ጥሪ 2025 መበል 47 ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ብወግዒ ቃለ መሓላ ፈጺሙ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኣማኢት ትእዛዛት ፈጻሚ ፈሪሙ፡ ካብ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝተረከቦም ፖሊሲታት ንድሕሪት ክምለሱ ወይ ክቕየሩ ብምግባር ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ዝኣተዎም መብጽዓታት ክስዕብ ጀሚሩ።
ቢቢሲ፡ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ መርገጺ ንዘለዎም ዓሰርተ ኣመሪካውያን ኣዘራሪቡ፤ ቀዳማይ ሰሙን ትራምፕ ከመይ ነበረ? ብዝብል ኣዘራሪቡ'ሎ።

በዓለ ሲመቱ ንዅሎም ብምርኢት ዝተምለአ ነይሩ
ኵሎም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰባት ነቲ በዓለ ሲመት ብቐረባ ኣይተዓዘብዎን፣ ዳርጋ ኵሎም ግን ኣብቲ ብሰንኪ ኵነታት ኣየር ካብ ልሙድ ኣገባብ ወጻእ ኣብ ውሽጢ ዋይት ሃውስ ብዛዕባ ዝተኻየደ ጽንብል ርኢይቶ ኣለዎም።
ንትራምፕ ዝመረጸ ወዲ 39 ዓመት ካይል ፕሌሳ፡ "ፕሮፌሽናል ቅልስ - ረስትሊን [WWE'፡ ዝርኢ ዘለዅ'ዩ መሲሉኒ ነይሩ። በቃ እቲ ዕግርግር፡ ንካሜራታት ዝግበር ዝነበረ ምርኢታት . . . ። ካብ በዓለ ሲመት ባራክ ኦባማ ወይ ጆ ባይደን ብዝተፈለየ፡ ዓብይ ክፋል ስነስርዓት ቃለ-መሓላ ትራምፕ ምዝንጋዕ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓካ።"
ንትራምፕ ዝመረጸ ወዲ 67 ዓመት ሪፓብሊካን ግሬግ ብሩኖ፡ "ትራምፕ ኣብ ቅድሚ 20 ሽሕ ሰባት ነቲ ፈጻሚ ትእዛዛት ድሕሪ ምፍራሙ፡ ተባዕ ናይ ህዝቢ ሰብ ምዃኑ ዘመስከረ ይመስለኒ። ብሓቂ ንመን ይሰርሕ ከም ዘሎ ጥራይ እዩ ዘርኣየካ።"
ንካማላ ሃሪስ ዝመረጸ ወዲ 74 ዓመት ሪቻርድ ዋይል፡ "[እቲ ዘስምዖ መደረ] ከምቲ ናይ መጀመርታ መደረኡ [ኣብ 2017] ምሉእ ብምሉእ ዕሙት ኣይነበረን፣ ግን መሪር እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ኣመሪካ ጽቡቕ ነገር ኣይተዛረበን።"
ንሃሪስ ዝመረጸት ጓል 37 ዓመት ኣንጀላ ራሞስ፡ "መደረ ትራምፕ ብዙሕ ቅንዕና ዘይብሉ ኰይኑ'የ ረኺበዮ፣ ምኽንያቱ ከም ፍትሒ፡ ክብሪ፡ ቅንዕና፡ ተኣማንነት ዝበሉ ፍሉያት ነገራት ጠቒሱ። እዚኦም ግን ንፖሊሲታቱ ወይ ባህሪኡ ዘንጸባርቝ ኣይመስለንን . . . ስምዒት ዜግነታዊ ግዴታ ደሪዅኒ ጥራይ'የ ተኸታቲተለዮ።"

ደገፍቲ፡ ዝኣተወልና መብጽዓ ኣፈጺሙ ብዝብል ጸንቢሎም
ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ ሰሙኑ ንዓበይቲ ጕዳያት - ኢሚግሬሽንን ቍጠባን ሓዊሱ - ከምኡ'ውን ንኣሽቱ ጕዳያት ዝምልከቱ ኣማኢት ትእዛዛት ፈጻሚ ፈሪሙ። እዚኦም፡ ከም ምቕያር ስም ወሽመጥ ሜክሲኮን ምስ ቅትለት ፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝተኣሳሰሩ ሰነዳት ምዝርጋሕን ይርከቡዎም። ኣብዚ ኣቲዅም ከተንብቡ ትኽእሉ።
ንትራምፕ ዝመረጸ ወዲ 47 ዓመት ሪፓብሊካን ላሪ ኪስ፡ "[በቲ ትእዛዛት ፈጻሚ] ሕጕስ'የ፣ ብዙሓት ነይሮም፤ ክከታተሎም ኣይከኣልኩን። ፖለቲከኛ ከም ዘይኰነ ርዱእ'ዩ - መብዛሕትኦም ፖለቲከኛታት ግን ዝብሉዎ ካልእ ዘተግብሩዎ ካልእ እዩ።"
ንትራምፕ ዝመረጸ ወዲ 69 ዓመት ሪፓብሊካን ቶኒ ፍሌክሊን፡ "ብልሙድ ዘይትጽበዮ ባህሪያት ካብኡ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ብሓፈሻ ግን፡ ፖሊሲታቱ ብመንጽር ምክልኻል ዶባት፡ ቍጠባዊ ምዕሩይነት፡ ነዳድን ጋዝን ብምሉእ ልበይ እየ ዝድግፎ።"
ሪፓብሊካን ግሬግ ብሩኖ፡ "ነዚ'ዩ ክምረጽ ክኢሉ፤ብዙሓት ካብዞም ትእዛዛት ህዝቢ ኣመሪካ ክፍጸሙ ክርእዮም ዝደሊ ጕዳያት ዘጠቓልሉ እዮም። እቶም ኣብ እዋን ጐስጓስ መረጻ ዝተኣተዉ መብጽዓታት እዮም፡ ንሱ ድማ ይፍጽሞም ኣሎ።"

ካልኦት ኣመሪካውያን ኣጀንዳታቱ የጨንቘም
ንካማላ ሃሪስ ድምጾም ዝሃቡ መረጽቲ፡ ኣብ ክሊማ፡ ጥዕናን ምስቲ ብ6 ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተፈጸመ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር ገበናት ንዝተፈርዱ ደገፍቲ ምሕረት ንምሃብ ዝወሰዶ ውሳነን ሓዊሱ ንብዙሓት ውሳኔታቱ ከም ዘይፈትዉዎ ገሊጾም። ካልኦት ድማ ንመጻኢ ተግባራት ትራምፕ ክጸሉ ዝኽእል መን'ዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም።
ንሃሪስ ዝመረጸት ጓል 40 ዓመት ካርሊን ጆርገንሰን፡ "ኣብ ቅድሚት ዘምጽኦም ሰባት ፈጸምቲ ስራሕ ዓበይቲ ትካላት ምዃኖም ኣይፈተዅዎን - ኤሎን ማስክን [ጄፍ] ቤዞስን ኣብ ቅድሚት ምህላዎም። እዚ፡ ድማ በቃ ድዩ ናብ ምልኪ ውሑዳት [ኦሊጋርኪ] ነምርሕ ዘለና? ክብል ገይሩኒ።"
ኣንጀላ ራሞስ፡ "እቲ ኣመና ዘሻቕለኒ፡ ካብ ስምምዓት ክሊማ ፓሪስን ውድብ ጥዕና ዓለምን ምውጻእ'ዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ተግባራት ኣብ ውሽጢ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኰነ ንመላእ ዓለም ልዑል ሳዕቤን እዩ ዘለዎ።"
ንሃሪስ ዝመረጸ ወዲ 58 ዓመት ዲሞክራት ዴቪድ ሊክ፡ "ብመሰረቱ ኣብቲ ንይቕሬታን ምቅይያር ፍርድን ናይቶም ናዕበኛታት 6 ጥሪ ዝወሰዶ ስጕምቲ ንውሳነታት ዘተባብዕ ዘሎ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። እዚ ሕነ ምፍዳይን... ንህዝቢ ኣመሪካ ጌጋ መልእኽቲ ምሕላፍን እዩ።"

ኣብዚ ግዜ፡ ኣተሓሳስባን ኣተኣላልያን ትራምፕ ዝተፈለየ'ዩ
ደገፍትን ነቐፍትን ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብቲ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ብዝተፈለየ መገዲ'ዩ መጺኡ ዘሎ ኢሎም ይኣምኑ።
ሪፓብሊካን ግሬግ ብሩኖ፡ "ኣብ ቀዳማይ እብረ ፕረዚደንትነቱ ይጥቃዕ'ዩ ነይሩ ... ዝዀነ ሰብ ናብ ከምኡ ዓይነት መጥቃዕቲ ከተእትዎ እንከለኻ ናብ ምክልኻል ክኣቱ ኢኻ ትገብሮ። እዚ ናይ ሕጂ ፕረዚደንትነት እዚ ባእታ የብሉን። ስለዚ ንሱ ተጠቃዒ ኰይኑ ኣይመጽአን ጥራይ ዘይኰነ፣ ስልጣን ፕረዚደንትነት ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ ልዑል ተመኵሮ ዝሓዘ ሰብ ኰይኑ እዩ መጺኡ ዘሎ።"
ንሃሪስ ዘድመጸ ወዲ 58 ዓመት ዲሞክራት ሻንቶኑ ማዙምዳር፡ "ቅሩብ ተሪሩ፡ ዝያዳ ዘኽረረ ይመስለኒ። ብመረጽቱን ደገፍቱን ቅሩብ ምትብባዕ ዝረኸበ ይመስለኒ። ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮ ንላዕሊ የማናዊ ክኸውን ናጽነት ዝረኸበ ይመስለኒ።"
ሪቻርድ ዋይል፡ "ዝያዳ ትኵር ዝዀነ ይመስለኒ፣ ዝያዳ ሓራቕ'ውን። ዝያዳ ሕነ ዝፈዲ ይመስለኒ... ግን ናብ ዓርዓር ኣረጊት ሰብኣይ ዝቕየር ዘሎ ይመስለኒ። ብርግጽ ተቐይሩ'ዩ - ናብ ዝኸፍአ ዝተቐየረ ይመስለኒ።"
ቶኒ ፍሌክሊን - ሪፓብሊካን፡ "መብጽዓታቱ ይኽተል ብምህላዉ ሕጕስ'የ። ሓሓሊፉ ዝኽተሎም ኣገባባት ምሕረት የብሎምን። እዚ ባህሪ ዶናልድ ትራምፕ'ዩ። ዘርባዕባዕ ዝብል ሰብ ኣይኰነን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







