ፖሊሲ ትራምፕ 'ክልተ ጾታ'፡ ንዓለም እንታይ መልእኽቲ ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, Pool/Reuters
ብዛዕባ ሕደ-ጾታው ጐስጓስ ዘካይዱ ኣካላት፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ መደባት ብዙሕነት፡ ልውጠ-ጾታ [ትራንስጀንደር] መሰላት ሕደ-ጾታነት ዝሃቦ ፈጻሚ ትእዛዝ "ሓደገኛ" ምዃኑን ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዝገብርዎ ስራሕ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ከም ዝኽእልን ይገልጹ።
ዓቃባውያን ጕጅለታት ግን ነቲ ስጕምቲ ብሓጐስ ብምቕባል፡ ጸጋታት ናብ ካልእ ንምቕናዕ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።
እቲ "ንደቀንስትዮ ካብ ኣምር ጾታዊ ኣኽራርነት ምክልኻልን ስነ-ህይወታዊ ሓቂ ናብ ፈደራል መንግስቲ ምምላስን፡" ዝብል ስያመ ዝተዋህቦ ትእዛዝ፡ ኣመሪካ ንኽልተ ጾታታት፡ ማለት ደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ጥራይ ብወግዒ ኣፍልጦ ከም እትህብ ይእውጅ።
ኵሎም እቶም ዕላውያን ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብ ፖሊሲታትን ሰነዳትን፡ "ጾታ" (sex) ብዝብል እምበር፡ "ጀንደር" (ንወዲ፡ ጓል፡ ኣጓጕልን ካልኦትን ዘጠቓልል) ዝብል ቃል ክጥቀሙ ከም ዘይግባእ ይገልጽ። ኣብ ከም ፖስፖርት ዝኣመሰሉ ሰነዳት ድማ በቲ ኣብ እዋን ዕለተ-ልደት ዝተመዝገበ ጾታ ክኸውን ከም ዘለዎ ይሕብር።
ነዚ፡ "ናይ ሓደ ውልቀሰብ ዘይልወጥ ስነ-ህይወታዊ ምደባ" ከም ምዃኑ ብምግላጽ፡ ወዲ ተባዕታይ ወይ ጓል ኣንስተይቲ ክኸውን ከም ዘለዎ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኵሎም ኣብ መደባት ብዙሕነት፡ ምዕሩይነትን ምጽንባርን (DEI) ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣመሪካ፡ እቶም ኣብያተ ጽሕፈትን መደባትን ቅድሚ ምዕጻዎም፡ ዝኽፈሎም ዕረፍቲ ክወስዱ ኣዚዙ ኣሎ።
እዚ ነቲ ብምምሕዳር ባይደን ዝተጣየሰ፡ ሰራሕተኛታት ብጾታዊ መንነት ወይ ጾታዊ ዝንባለ ካብ ዝወርዶም ኣድልዎ ዝከላኸል ሕግታት ዝጻረር እዩ። ጆ ባይደን ኣመሪካውያን ኣብ ፓስፖርቶም 'ወዲ' ወይ 'ጓል' ክብሉ ምስ ዘይመርጹ x ከም ምልክት ከስፍሩ ዝብል ኣተኣታትዩ ነይሩ።
ዋና ዳይረክተር ዓለማዊ ፈደረሽን ኤልጂቢቲ+ ዝዀነት ጁልያ ኤህርት፡ እቲ ብፕረዚደንት ትራምፕ ዝተዋህበ መመርሒ፡ "ሓደገኛ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ነቲ ብዓለማዊ ደረጃ ዝዓቢ ዝነበረ ማዕርነት ኤልጂቢቲ+ ንድሕሪት ዝጐስስ እዩ፡" ትብል።
ቀጺላ፡ "ተመሳሳሊ ምንቅቓሕ ብምፍጣር ናብ ካልኦት ሃገራት ክልሕም ይኽእል እዩ፡" ብምባል ስግኣታ ትገልጽ። "ዘረባ ትራምፕ ነቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ምልካውያን መራሕቲ ኣንጻር ውሑዳን ምንእኣስን ጸለሎ ምቕባእን ኣበርቲዖም ከዘውትሩ ከተባባብዖም እዩ፡" ትብል።
መምርሒ ትራምፕ ምስቲ ፕረዚደንት ኣርጀንቲና ጃቪየር ሚለይ ኣብ ታሕሳስ 2023 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ዝገበሮ ዝመሳሳል እዩ።
ፕረዚደንት ሚለይ ንምኒስትሪ ደቀንስትዮ፡ ጾታን ብዙሕነትን፣ ከምኡ'ውን፡ ሃገራዊ ትካል ኣንጻር ኣድልዎ፡ ጽልኢ ወጻእተኛታትን ዓሌትነትን ዓጽዩዎ እዩ። "ዘየድሊ መንግስታዊ ወጻኢታት" ንምንካይ ኣድላዪ ስጕምቲ ምንባሩ ድማ ገሊጹ።
ትእዛዝ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ ኣመሪካ ወጻኢ'ውን ደገፍ ህዝቢ ክረክብ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ሆንዱራስ እትነብር ጓል 25 ዓመት ዶክተር ኣልማ ሳንቸዝ፡ "ትራምፕ ሓያልን ጸላውን'ዩ፡" ትብል። "ምምሕዳር ባይደን ኣብ ሃገርና ንዝካየዱ መደባት ጾታን ብዙሕነትን ይምውል ነይሩ - ናይ ትራምፕ ትእዛዝ ኣብ ከም ብዓል ሆንዱራስ ዝኣመሰላ ሃገራት ክወሃብ ዝጸንሐ ምወላ ደው ክብል ማለት እዩ፣ እዚ ንዓና ጽቡቕ ነገር እዩ።"
ኣልማ ኣባል ናይቲ ንትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድመኦም ሰባት ዝሕግዝ ዓቃባዊ ጕጅለ እያ።
"ፕረዚደንትና ዚዮማራ ካስትሮ፡ ካብ ምምሕዳር ባይደን ዝመጽአ ኣንፈት ተኸቲሉ፡ ሓላፊ ጾታዊ ሓቛፍነትን ብዙሕነትን ብምሻም ጸጋታት ኣባኺኑ።"
ኣልማ፡ ሕጂ ሃገራ መንገዳ ክትቅይርን ንመሪሕነት ፕረዚደንት ትራምፕ ክትስዕብን ተስፋ ኣለዋ፣ "ሆንዱራስ ባህላዊ ክብርታት ዘለዋ ክርስትያናዊት ሃገር እያ። ጸጋታት ናብ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ክኸዱ ይግባእ፡" ትብል።
እዚ ተበግሶ'ዚ፡ ንኣምር ጾታዊ መንነት ብዝነቕፉን ሃይማኖታውያን ጕጅለታትን ደገፍ ረኺቡ ኣሎ።
ምክትል ፕረዚደንት ሕብረት ጴንጠቆስጠ ናይጀርያ ጳጳስ ጆን ፕሬዝ ዳንኤል ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ጾታ፡ ጓል ወይ ወዲ እምበር፡ ዝለዋወጥ ኣይኰነን፡" ብምባል ንትእዛዝ ትራምፕ ብሓጐስ ከም ዝተቐበሎ ገሊጹ።
"በዚ ምድንጋር ኣየድልየናን እዩ፡" ብምባል፡ "ቅንዕና፡ ወግዒን ልቦናን ናብ ሕብረተሰብ ዝመልስ እዩ።"
ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 1.6 ሚእታዊት ካብ ዓበይቲ ሰባት፡ ጾታ ዝለወጡ ምዃኖም ከም ዘለልዩ ማእከል ምርምር ፒው ይሕብር። ከምኡ'ውን፡ ኣብ 2023 ኣብ ዝተኻየደ ዓለማዊ መጽናዕቲ፡ 3 ሚእታዊት ካብቶም ካብ 30 ሃገራት ዝመጽኡ ሰባት፡ ልውጠ-ጾታ ኢና ኢሎም ከም ዝርድኡ ይገልጽ።
ገለ ዓለማውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እዚ ትእዛዝ ትራምፕ፡ ኣብተን ንሕደጾታ ንኡስ ደገፍ ዝግበረለን ገና ተተይ ዝብላ ዘለዋ ትካላት ክጸልወን ከም ዝኽእል ስክፍታ ኣለዎም።
ከም ኬንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ንሕደጾታ ኣፍልጦ ኣይህባን። እተን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰይነን ዝወሳወሳ ንኣሽቱ ትካላት ድማ ንኣባላት ኤልጂቢቲ+ ዝኸውን ገንዘባዊ ደገፍ ካብ ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) እየን ክረኽባ ጸኒሐን።
እቶም ንመደባት ደቀንስትዮን ማዕርነት ጾታን ዘተግብሩ ጕጅለታት'ውን ብዩኤስኤይድ እዮም ክምወሉ ጸኒሖም። ኣብ 2023 ብፕረዚደንት ባይደን ኣስታት 2.6 ሚልዮን ዶላር ባጀት ሰሊዑ። እዚ ካብቲ ናይ ቅድመኡ ዓመት ብዕጽፊ ይዓቢ።
"እቲ ምወላ፡ ነቶም ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ሰባት ሓድሕዶም ክራኸቡ ይሕግዞም፣ ከምኡ'ውን፡ ክንክን ጥዕና፡ ስነኣእምሮኣውን ማሕበራዊ ደገፍን ንምሃቦም'ውን ሓጋዚ ነይሩ፡" ትብል።
ዓለምለኻውያን ክኢላታት፡ ኣንጻር ሕደጾታ ዝውርወሩ ቃላት ናብ ካልእ ክፋላት ዓለም ከየስፋሕፋሕ ስግኣታት ኣለዎም። ህንዲ፡ ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኣብ 2014 ድሕሪ ዘሕለፎ ትእዛዝ ን"ሂጅራ" ከም ሳልሳይ ጾታ ብወግዒ ኣፍልጦ ሂባቶ።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ትእዛዝ ኣመሪካ፡ ንብዙሓት ኣብ ደቡብ እስያ ዝርከቡ የሻቕሎም ከም ዘሎ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ሮሂት ኬ ዳስጉፕታ ይገልጽ።
መብዛሕትኡ ግዜ ፈጻሚ ትእዛዛት ኣመሪካ ደረት ኣለዎም። ብሕጋዊ ብድሆ ኰነ ተቓውሞ ኮንግረስ ክድንጕይ ወይ ክዕገት ይኽእል።
ፕረዚደንት ትራምፕ ቅልጡፍ ስጕምቲ እኳ እንተ ወሰደ፡ እዚ ንኣመሪካውያን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት'ውን እንታይ ማለት ምዃኑ ንምፍላጥ ግዜ ክወስድ እዩ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







