ኣርሰናል፡ ፒኤስጂን ባየር ሙኒኽን ውዕል 'ናብ ርዋንዳ ግሹ' ክፈርስ ጻውዒት ቀሪቡለን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ኣብታ ሃገር ሰብኣዊ ቅልውላው እናበኣሰ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ኣርሰናል፡ ባየር ሙኒኽን ፓሪስ ሴንት ጀርመይንን እቲ ምስ 'ናብ ርዋንዳ ግሹ' (Visit Rwanda) ዘለወን 'ብደም ዝተዓለሰ' ዝበለቶ ናይ ምወላ ውዕል ከብቅዕ ጸዊዓ።
እዚ ጻውዒት ዝቐርብ ዘሎ፡ ዕጡቓት ኤም23 ንኸተማ ጎማ ተቘጻጺሮም ኣብ ዘለውሉን ወኪል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 400,000 ዝግመት ህዝቢ፡ ቤተ-ንብረቱ ራሕሪሑ ክፈናቐል ተገዲዱ ከም ዘሎን ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ጕጅለ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ "ስርሒታት ኤም23 ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር" ሰራዊት ርዋንዳ ከም ዘሎ ይኣምኑ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቴረዝ ካይክዋምባ ንወነንቲ እዘን ክለባት ኣብ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ንሞራላውነት ናይቲ ስምምዓት ኣብ ሕቶ ከእትዉ ተማሕጺና።
እታ ምኒስተር፡ ነቲ ኣብ ማልያታቶም ዝልጠፍ 'ናብ ርዋንዳ ግሹ' ዝብል መወዓውዒ ዝምውል ገንዘብ፡ እቶም ማዕድናት ዶብ ሰጊሮም ካብ ርዋንዳ ቅድሚ ምሻጦም፡ ኣብ ደ.ሪ.ኮንጎ ካብ ዝግበር ዘይሕጋውን ደም ዝፈሰሶን ዕደና ዝርከብ ምዃኑ ኣስሚራትሉ።
ኣብቲ ናብ ክለብ ኣርሰናል ዝጸሓፈቶ ደብዳበ፡ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 4,000 ወተሃደራት ርዋንዳ ኣብ ኮንጎ ከም ዘለዉ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ርዋንዳ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብንጹር ተሓታቲት ምዃና ከም ዘነጽር ገሊጻ።
"ኣርሰናል ምስዛ ጨቋኒት ሃገር ዝገበረቶ ብደም ዝተዓለሰ ናይ ምወላ ውዕል ደው ከተብሎ እዋኑ እዩ። ብሕልና እንተዀይኑ፡ እዘን ክለባት ነቲ ምወላ ኣብ ግዳያት ወራር ርዋንዳ ከውዕልኦ ይግባእ፡" ኢላ።
ኣርሰናል፡ ፒኤስጂ፡ ባየር ሙኒክን 'ቪዚት ሩዋንዳ'ን ኣብዚ ብመንግስቲ ደ.ሪ.ኮንጎ ዝቐረበ ምሕጽንታ ዘለወን ርእይቶ ክህባ ተሓቲተን ኣለዋ።
ውዕል 'ናብ ርዋንዳ ግሹ' ንምንታይ ኣዛራቢ ኰይኑ?
እዚ 'ናብ ርዋንዳ ግሹ' ዝብል ኣብ ማልያ ናይዘን ክለባት ዝተለጠፈ ጽሑፍ፡ ነዛ ሃገር ምስላ ክብ ኣብ ምባል ተዓዊቱ እዩ።
እንተዀነ፡ መንግስቲ ርዋንዳ ምስሉ ኣብ ዓለም ንምጽብባቕ ዝገብሮ ዘሎ ስፖርታዊ ወፍሪ እዩ ብምባል ይውቀስ እዩ።
ገለ ነቐፍቲ ከኣ 'ስፖርታዊ ሕጽቦ' ክብሉ ይሰምዩዎ።
ኣፈናዊ ሽርክነት ምስ ኣርሰናል ኣብ 2018 ዝጀመረ ኰይኑ፡ እዚ ዳሕረዋይ ምወላ ኣብ ዓመት 12.39 ሚልዮን ዶላር ከም ዝግመት ይግለጽ።
'ናብ ርዋንዳ ግሹ' ኣብ ዝሰዓበ ዓመት ምስ ፒኤስጂ ምወላ ክግበር ተሰማሚዑ።
ኣብ 2023 ድማ ባየር ሙኒኽ ኣብ ምዅስኳስ ምዕባለ ኩዕሶ እግርን ምልላይ ቱሪዝምን ንሓሙሽተ ዓመት ዝጸንሕ ውዕል ምስ ርዋንዳ ተፈራሪማ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋመ ውድድር ፎርሙላ 1 ንምክያድ ድሌት ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ።
ኣብ መስከረም ናይዚ ዓመት'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን ሻምፕዮና ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ኣብ ኪጋሊ ክካየድ እዩ።
እቲ ንቕድድም ብሽክለታ ዓለም ዘካይድ 'ዩሲኣይ'፡ እቲ ውድድር ካብ ርዋንዳ ወጻኢ ክካየድ ዝዀነ ካልእ መደብ ከም ዘየሎ ብዓርቢ ኣነጺሩ።
ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዳይረክተን ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም ንዝፍጸሙ ግህሰታት ዝምርምርን ጸብጻቡ ዝህብን ጕጅለ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት፡ እዞም ስፖርታዊ ውዕላትን ፍጻመታትን ነቲ ርዋንዳ ኣብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ረጊጻቶ ዘላ ጨፈቃ ንምኽዋል ከም ዝሕግዙ ይዛረብ።
"ርዋንዳ ፍትሓውን ሕጋውን ኣገባባት ኣብ ምኽታል ዓቢዪ ጸገም ኣለዋ። እዚ ድማ ኣንጻር ናይቲ ሕግታት ገዛእ-ርእሳን ኣህጉራዊ ሕግታትን እዩ፡" ክብል ሉዊስ ሙድጅ ካብ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንቢቢሲ ስፖርት ኣፍሪቃ ተዛሪቡ።
"መድረኽ ሓሳብካ ምግላጽን ፖለቲካዊ ናጽነትን እናጸበበ ይመጽእ ከም ዘሎ ንርኢ ኣለና።"
መንግስቲ ርዋንዳ ነቲ ብመንገዲ ስፖርት ኣቢልካ ግናይ ምስልኻ ምሕጻብ ንዝብል ክሲ ነጺጉዎ።
ዋና ሓላፊት ቱርዝም ኢሪን ሙረርዋ፡ "እታ ሃገር ካብ ዘመዝገበቶ ዘደንቕ ብሉጽ ዓወታት ትዅረት ንምስራቕ፡" ዝቐርብ ክሲ እዩ ብምባል ነጺጋቶ።
ህልው ኵነታት ምብራቓዊ ደ.ሪ.ኮንጎ እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሕቡራት ሃገራት ካብ ሰንበት ጀሚሩ ኣብ ጎማ ብዝተኻየደ ጽዑቕ ውግእ፡ ብውሕዱ 700 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ይገልጽ።
ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፋን ዱጃሪክ፡ ዕጡቓት ኤም23 ንርእሰ-ከተማ ግዝኣት ሰሜን ኪቩ ኣብ ዝተቘጻጸርሉ እዋን፡ 2800 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ሓቢሩ።
ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ እቶም ብርዋንዳ ከም ዝድገፉ ዝንገረሎም ዕጡቓት ናብ ርእሰ-ከተማ ደቡብ ኪቩ ናብ ዝዀነት ቡካቩ ገጾም ይምርሹ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
ኣብ ምብራቕ ኮንጎ ግጭት ካብ 1990ታት ኣትሒዙ እኳ እንተ ጀመረ፡ ብቕልጡፍ ዝተጓሃሃረ ግና ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት እዩ።
ብዓሌት ቱትሲ ዝቘመ ኤም23 ንመሰል ውሑዳን ይቃለስ ከም ዘሎ ክገልጽ እንከሎ፡ መንግስቲ ደ.ሪ.ኮንጎ ድማ ብመንግስቲ ርዋንዳ ተሓጊዞም ነታ ብማዕድን ሃብታም ዝዀነት ምብራቓዊት ዞባ ክቈጻጸሩዋ ከም ዝደልዩ ይገልጽ።
ሰብመዚ ርዋንዳ ኣብዚ ግጭት ቀጥታዊ ተሳትፎ ከም ዘይብሎም ይምጕቱ።
ወተሃደራቶም፡ መሬቶምን ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጥ ህዝቦምን ንምሕላው ኣብ ዶቦም ጥራሕ ከም ዘለዉ ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







