ዕጡቓት ንኣገዳሲት ከተማ ተቘጻጺሮም፣ ነበርቲ ክሃድሙ ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዕጡቓት ምንቅስቓስ ኤም23፡ ኣብ ምብራቕ ደሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ንእትርከብ ከተማ ጎማ ከም ዝተቘጻጸሩ ኣፍሊጦም።
መንግስቲ እታ ሃገር ግን ነዚ ይነጽጎ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ልዑል ሰብኣዊ ቅልውላው ከጋጥም ከም ዝኽእልን ዞባዊ ኲናት ከይለዓል ከም ዝሰግእን ኣጠንቂቑ።
ነበርቲ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝዘርግሑዎም ቪድዮታታት፡ ትማሊ ንሰራዊት እታ ሃገር ብምድፋእ ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ከም ዝኣተዉ የርእዩ።
ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ቀጻሊ ጐንጺ ክካየድ'ዩ ጸኒሑ።
ነዚ ስዒቡ፡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ነበርቲ ናብ ጐረባብቲ ከተማታት ክሃድሙ ጀሚሮም።
ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ፡ ንሰዓታት ዝቐጸለ ምልውዋጥ ተዅስን ነትጕን ከም ዝነበረ ጸብጻባት የመልክቱ።
ጎማ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢን ብዙሓት ተመዛበልትን ዝነብሩላ ከተማ እያ።
ኤም23፡ ኣብ ስታድዩም እታ ከተማ ኢዶም ካብ ዝሃቡ ወተሃደራት ኮንጎ ኣጽዋር ይእክብ ከም ዘሎ ይገልጽ።
መንግስቲ ኮንጎ ግን ስትራተጅያዊ ክፋላት እታ ከተማ ከም ዝተቘጻጸረ ይገልጽ።
ኬንያ፡ ምቍራጽ ተጻብኦ ክግበር ክትጽውዕ እንከላ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ክልተ መዓልቲታት ፕረዚደንትታት ደ.ሪ.ኮንጎን ርዋንዳ ኣብ ህጹጽ ዞባዊ ኣኼባ ከም ዝርከቡ ኣፍሊጣ።
ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዀነ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ነቲ ግጭት ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ባይታ ምጥጣሕ፡ መራሕቲ እቲ ዞባ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ተዛሪቡ።
ምኒስትሪ ጕዳይ ወጻኢ ደ.ሪ.ኮንጎ፡ ርዋንዳ ወተሃደራታ ንዕጡቓት ኤም23 ክድግፉ ብምስዳድ ኲናት ኣዊጃ ክብል ድሕሪ ምኽሳሱ'ዮም እቶም ዕጡቓት ናብታ ከተማ ኣትዮም።
ርዋንዳ ብወገና፡ ኪንሻሳ ኣብ ኪጋሊ መንግስቲ ክቕይሩ ንዝደልዩ ምሊሻታት ትድግፍ'ያ ብምባል ትኸስስ።
ጕጅለ ኤም23 [M23] ካብ 2021 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ጀሚሩ ሰፊሕ ክፋል ናይቲ ብማዕድን ዝሃብተመ ምብራቓዊ ከባቢ ደ.ሪ.ኮንጎ ተቘጻጺሩ ጸኒሑ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት፡ ጽዑቕ ውግእ ክካየድ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ ድማ ናብ ጎማ እናደፍአ መጺኡ።
ካብ መጀመርታ ጥሪ ጀሚሩ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኪቩ ኣብ ዝርከባ ምስ ዶብ ሩዋንዳ ዝዋሰና ዞባታት ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመዛበሉ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።
ተመዛበሊት ኣሊስ ፈዛ፡ ካብ ኪዋንጃ፡ ሩትሹሩ፡ ኪቡምባ፡ ሕጂ ድማ ካብ ጎማ ሃዲማ ከም ዝተሰደደት ብምግላጽ፡ ድሕሪ ሕጂ እንታይ ከም ዝገብር ኣይፈልጥን ኢላ።
"ሰባት ካብ ኵሉ ቦታ ይሃድሙ ኣለዉ፣ ድሕሪ ሕጂ ድማ ናበይ ከም እንኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና። ምኽንያቱ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን ኢና ክንሃድም ጸኒሕና። ሕጂ እቲ ኲናት ኣብ መንጎ እቶም ዘዕቘቡና ስድራቤታት'ውን እዩ ኣትዩ፣ ናብ እንኸዶ የብልናን፡" ትብል።
ኣብ ከባቢ ጎማ ዝርከቡ ኣገደስቲ ጽርግያታት ተዓጽዮም ከም ዘለዉን መዓርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ድሕሪ ሕጂ ሰባት ንምውጻእን ሰብኣዊ ጻዕርታት ንምስላጥን ክውዕል ከም ዘይክእል ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ: ርዋንዳ ሰራዊታ ካብ ግዝኣት ኮንጎ ከተውጽእን ዕጡቓት ኤም23 ዝገብሩዎ ገስጋስ ደዉ ከብሉን ጸዊዑ።
ጉተረዝ ብመንገዲ ኣፈኛኡ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ርዋንዳ "ንኤም23 እትህቦ ደገፍ ኣቋሪጻ ካብ መሬት ደ.ሪ.ኮንጎ ክትስሕብ፡" ጸዊዑ።
ብተወሳኺ፡ ኤም23 "ኵሉ ተጻባኢ ተግባራት ብቕልጡፍ ደዉ ኣቢሉ ካብ ዝተቘጻጸሮም ከባቢታት ክስሕብ፡" ኣተሓሳሲቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ዕጡቓት፡ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ምስ ሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ዘገልግሉ ዝነበሩ 13 ወተሃደራት ከም ዝቐተሉ ይፍለጥ።
ብሪጣንያ ኣብ ልዕሊ ዓቃብ ሰላም ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ደው ክብል ክትጽውዕ እንከላ፡ ወኪል ፈረንሳ ኒኮላስ ደ ሪቪየር ድማ ርዋንዳ ሰራዊታ ካብታ ሃገር ከተውጽእ ሓቲቱ።
ደ.ሪ.ኮንጎን ሕቡራት ሃገራትን፡ እቶም ዕጡቓት ብርዋንዳ ከም ዝድገፉ ይገልጹ።
ርዋንዳ፡ ነዚ ክሲ ኣይነጸገቶን። መራሕቲ እታ ሃገር ግን እቲ ሕጂ ኣብ ኮንጎ ተላዒሉ ዘሎ ጐንጺ ዝምልከት ንመራሕቲ ኮንጎ ተሓተትቲ ይገብሩ።
ወኪል ርዋንዳ ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዝዀነ ኤርነስት ሩዋሙቺዮ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንዝጥሓሰ ሰራዊት ኮንጎ ገዲፉ ንጕጅለ ኤም23 ክዅንን ምምራጹ ከም ዘሕዘኖ ተዛሪቡ።
ብቐዳም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዅሎም ኣገደስቲ ዘይኰኑ ሰራሕተኛታቱ ካብ ጎማ ከም ዝስሕቦም ገሊጹ። ኣብ ደ.ኣር ኮንጎ ኣገደስቲ ስርሒታት ይቕጽሉ ኣለዉ።
ሕቡራት ሃገራት ንዅሎም ኣገደስቲ ዘይኰኑ ሰራሕተኛታት ካብ ጎማ ይስሕብ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ኣመሪካን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ጎማ ክወጽኡ ተማሕጺነን ኣለዋ።
ኤም23፡ ኣብ ምብራቕ ደ.ሪ. ኮንጎ ንዝርከቡ ዓሌት ቱትሲ ንምክልኻል ብዝብል ኣብ 2012 ጨንፈር ካልእ ዕጡቕ ጕጅለ ኰይኑ ዝተመስረተ ዕጡቕ ሓይሊ'ዩ።
ይዅን'ምበር ነቐፍቲ ሩዋንዳ፡ ንኤም-23 ተጠቒማ ከም ወርቂ፡ ኮባልትን ታንታለምን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ምብራቓዊ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ትምዝምዝ ኣላ ክብሉ ይነቕፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







