ዕጡቓት፡ 13 ዓቀብቲ ሰላም ቀቲሎም፣ ሃገራት ዜጋታተን ክወጽኡ ጸዊዐን

ኣባላት ኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ከተማ ጎማ ኮንጎ ንዝካየድ ዘሎ ገስጋስ ዓመጽቲ ንድሕሪት ክደፍእዎ ጸኒሖም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣባላት ኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ሓይሊ ኣብ ልዕሊ ከተማ ጎማ ኮንጎ ንዝካየድ ዘሎ ገስጋስ ዕጡቓት ንድሕሪት ክደፍእዎ ጸኒሖም

ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ምስ ሓይልታት ዓቃቢ ሰላም ዘገልግሉ ዝነበሩ 13 ወተሃደራት ምስ ዕጡቕ ጕጅለ ኤም 23 [M23] ብዝተፈጥረ ግጭት ተቐቲሎም።

ሰራዊት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ትሽዓተ ካብ ወተሃደራቱ ኣብ ምብራቓዊ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ እትርከብ ከተማ ጎማ ንዝነበረ ገስጋስ እቶም ዕጡቓት ንምዕጋት ኣብ ዝሕግዝሉ ዝነበሩ እዋን ክሞቱ እንከለዉ፡ ሰለስተ ዜጋታት ማሊን ሓደ ኡራጋዊን'ውን ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ እቲ ግጭት ከብቅዕ ዓለማዊ ጻውዒት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ሃገራት ዴ.ኣር ኮንጎን ሩዋንዳን ከም ዝተዘራረበ ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ንዅሎም ኣገደስቲ ዘይኰኑ ሰራሕተኛታት ካብ ጎማ - ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ - ይስሕብ ኣሎ፤ እቲ ረጽሚ ድማ እናሓየለ ይኸይድ ኣሎ።

እዚ ኣዕናዊ ጐንጺ ዝምልከት ጽባሕ ሰኑይ ክካየድ መደብ ወጺእሉ ዝነበረ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግጭት ናብ ሎሚ ሰንበት ክሰሓብ ተገይሩ ይርከብ።

ጕጅለ ኤም-23፡ ምፍሳስ ደም ንኸይፍጠር ኣብ ጎማ ዝርከብ ሰራዊት ኮንጎ ኢዱ ክህቡ ጸዊዑ።

ዴ.ሪ.ኮንጎ ምስ ጎረቤት ሃገር ሩዋንዳ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክትበትኽ እንከላ፡ ሩዋንዳ ብድሕሪ እቲ ዓመጽ እቶም ዕጡቓት ከምዘላ ትኸስስ።

ዕጡቓት ኤም-23፡ ብሓሙስ ናብ ግንባር ዝበጽሕ ዝነበረ ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ ኮንጎ ድሕሪ ምቕታሎም እዩ።

ኣቐዲሞም ኣብ ጥሪ ነተን ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ሚኖቫን ማሲሲን ተቘጻጺሮም።

ፕረዚደንት ማክሮን ትማሊ ቀዳም ምስ መራሕቲ ዴ.ኣር ኮንጎን ሩዋንዳን ብተሌፎን ክዘራረብ እንከሎ፡ እቲ ውግእ ደው ክብል ጸዊዑ ክብል ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ፖሊሲ ጕዳያት ወጻኢ ሕብረት ኣውሮጳ ካጃ ካላስ፡ ኤም-23 ንዝገበሮ ዘሎ ገስጋስ ደው ከብል ከም ዝተማሕጸነን፡ ሩዋንዳ ነቲ ጕጅለ እትገብሮ ደገፍ ከም ዝዀነነን ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣንጎላ ጆኣው ሎረንኮ፣ ንኮንጎን ሩዋንዳን ዝሽምግል መንጐኛ ሕብረት ኣፍሪቃ እውን ብተመሳሳሊ ነዚ ምዕባለታት ኰኒኖም።

እቲ ግጭት ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ክሃድሙ ከም ዝገበረ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

መራሕቲ እቲ ከባቢ ዝሓለፈ ሰሙን ብኤም-23 ኣብ ዝተታሕዙ ከባቢታት ልዕሊ 200 ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉን ኣብ ጎማ ዝርከባ ሆስፒታላት ኣማኢት ጕዱኣት ይሕክማ ከም ዘለዋን ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ኣመሪካን ዝርከብአን ሓያሎ ሃገራት ዜጋታተን ካብ ጎማ ክወጽኡ ተማሕጺነን ኣለዋ።

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ዲ.ሪ.ኮንጎን ሩዋንዳን እትርከብ ከተማ ጎማ ይነብሩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብታ ኣብ ጥቓ ዶብ ዲ.ሪ.ኮንጎን ሩዋንዳን እትርከብ ከተማ ጎማ ይነብሩ

ሰራዊት ኮንጎ ምስ ዕጡቕ ሓይሊ ኤም-23 ኣብ ዝዋግኣሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዘጋጥም ሓደጋታት እናወሰኸ ከም ዝኸይድ ትካል ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣጠንቂቑ።

እቲ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ግህሰት ከም ዝፈጸሙ ይኸስስ።

እቲ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ኣብቲ ዞባ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው የጋድዶ ከምዘሎ ድማ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ኤም-23 ካብ 2021 ጀሚሩ ንሰፊሕ ከባቢታት ብማዕድናት ዝሃብተመ ምብራቓዊ ዴ.ኣር ኮንጎ ተቘጻጺሩ ይርከብ።

ብሰንኪ እዚ ድማ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

ዴ.ኣር ኮንጎን ሕቡራት ሃገራትን፡ ኤም-23 ብሩዋንዳ ዝድገፍ ጕጅለ ከም ዝዀነ ይገልጹ።

ሰበስልጣን ሩዋንዳ ግን፡ ነዚ ተቐቢሎምዎ ወይ ነጺጐምዎ ኣይፈልጡን።

ሩዋንዳ፡ ቅድም ኢሉ ሰብ መዚ ኮንጎ ምስቶም ኣብ 1994 [ኣ.ኤ] ኣብታ ሃገር ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ዓሌት ቱትሲን ተደናገጽቲ ሁቱን ተሓተትቲ ዝዀኑ ኣካላት ይሰርሑ'ዮም ክትብል ክትከስስ ጸኒሓ።

ኤም-23፡ ኣብ ምብራቕ ዴ.ኣር ኮንጎ ንዝርከቡ ዓሌት ቱትሲ ንምክልኻል ብዝብል ኣብ 2012 ጨንፈር ካልእ ዕጡቕ ጕጅለ ኰይኑ ዝተመስረተ ዕጡቕ ሓይሊ'ዩ።

ይዅን'ምበር ነቐፍቲ ሩዋንዳ፡ ንኤም-23 ተጠቒማ ከም ወርቂ፡ ኮባልትን ታንታለምን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ምብራቓዊ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ትምዝምዝ ኣላ ክብሉ ይነቕፉ።