ግጭት ኮንጎ ጠንቍ እንታይ'ዩ፣ ሩዋንዳ ስለ ምንታይ ትሳተፎ ኣላ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
ድሕሪ'ቲ ኣብ 1994 ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ርዋንዳ፡ ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝርከብ ብማዕድናት ዝሃብተመ ከባቢ፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት ብግጭት ተሓሚሱ እዩ ጸኒሑ።
ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ማእከላይ መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምእላይን ነታ ዓባይ ሃገር ንምቍጽጻርን ክነሓንሑ ጸኒሖምን ኣለዉን።
እቲ ዘይምርግጋእ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ሰፊሕ ዕንወት ዘስዐበ ኰይኑ፡ ኣብ 1990ታት ውግኣት ዓለም ኣፍሪቃ ተባሂሎም ዝጽውዑ ክልተ ዓበይቲ ውግኣት ተኻይዶም።
ነዚ ስዒቡ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም'ዮም።
ሕጂ ኣብ ጎማ እንታይ ይፍጸም ኣሎ?
ኣባላት ዕጡቕ ጕጅለ ኤም23፡ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ነታ ኣብ ምብራቕ ዲ.ኣር ኮንጎ እትርከብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ዓባይ ከተማ ጎማ ተቘጻጺሮም ኣለዉ።
እታ ከተማ፡ ምስ ሩዋንዳ ኣብ ዘዋስን ዶብን ገማገም ቀላይ ኪቩን ትርከብ።
ጎማ፡ ኣብ ጥቓ እቶም ልዑል ጠለብ ዘለዎም ማዕድናት ዝርከቡሎም ከባቢታት እትርከብ ብምዃና፡ ኣገዳሲት ማእከል ንግድን መጓዓዝያን እያ።
እቶም ዕጡቓት ሕጂ ነታ ከተማ ከም ዝቈጻጸርዋ'ኳ እንተገለጹ፡ መንግስቲ ኮንጎ ግን ሰራዊቱ ገና ገለ ወሰንቲ ቦታታት ተቘጻጺሮም ከምዘለዉ ይገልጽ።
ኤም23 መን'ዮም?
ኤም23 ብኣባላት ዓሌት ቱትሲ ዝምራሕ ኰይኑ፡ መሰል እቶም ውሑዳን ዝዀነ ዓሌት ቱትሲ ንምሕላው ብረት ከም ዘልዓለ ይገልጽ።
ቅድሚ ሕጂ ነቲ ውግእ ንምቍራጽ ዝተገብሩ ሓያሎ ስምምዓት ተጣሒሶም እዮም።
ሽም እቲ ጕጅለ፡ ካብቲ ብ23 መጋቢት 2009 [ኣ.ኤ] ዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም እዩ ተወሲዱ።
ኤም23፡ ኣብ 2012 ምስ ተመስረተ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ብቕልጡፍ ንጎማ ተቘጻጺሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ገበናት ኲናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ፈጺሙ'ዩ ዝብል ዓለምለኻዊ ክሲ ክቐርብ ጀሚሩ።
በዚ፡ ካብ ጎማ ምስ ወጽአ ብሰራዊት ኮንጎን ብዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራትን ድሕሪ ዝወረዶ ስዕረት ካብታ ሃገር ክወጽእ ተገዲዱ።
ብድሕሪኡ፡ መሰል ቱትሲ ክሕሎ እንተኽኢሉ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ክወሃሃዱ ተሰማሚዖም።
እንተዀነ፡ ኣብ 2021፡ እቲ ጕጅለ ዝተኣተወሉ መብጽዓ ፈሪሱ'ዩ ብምባል መሊሱ ብረት ኣልዒሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሩዋንዳ ኣብቲ ውግእ ትሳተፍ ድያ?
ጐረቤት ሃገር ሩዋንዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ንኤም23 ትድገፍ እያ ዝብል ተደጋጋሚ ክሲ ክትነጽጐ ጸኒሓ ኣላ።
ካብ 2012 ጀሚሩ ግን ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣጽዋርን ሎጂስቲካዊ ደገፍን ከምእትገብር ከምኡ'ውን ነቲ ጕጅለ ከም እትመርሖ ከሲሶም።
መንግስቲ ኮንጎ፡ ኣመሪካን ፈረንሳን'ውን ሩዋንዳ ነቲ ጕጅለ ትድግፍ ምዃና ኣረጋጊጸን ኣለዋ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ጸብጻብ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣስታት 4,000 ዝበጽሕ ወተሃደራት ሩዋንዳ ኣብ ጐድኒ ኤም23 ኲይኖም ይዋግኡ ከም ዘለዉ ገሊጹ ነይሩ።
ሩዋንዳ ብሰንበት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ንኤም23 ከም እትድግፍ ብግልጺ ኣይከሓደትን።
ኣብ ክንድኡ ግን እቲ ኣብ ጥቓ ዶባ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ን"ጸጥታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ሓደጋ" ምዃኑ ገሊጻ።
ሩዋንዳ መስዋእቲ ትኸፍል ከምዘላ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተላዕለ ግጭት፡ ሰበስልጣን ኮንጎ ተሓተትቲ'ዮም ብምባል ምስ ኤም23 ንምዝርራብ ፍቓደኛታት ብዘይምዃኖም ከም ዝተጋደደ ገሊጻ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣንጎላ ዘሸማገለቶ ሩዋንዳን ዲ.ኣር ኮንጎን ዘሳተፈ ዘተ ሰላም፡ ክሳብ ተዅሲ ምቍራጽ ክግበር ኣኽኢሉ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ተጣሒሱ ዳግማይ ውግእ ተጀሚሩ ኣሎ።
እዚ ምስ ሩዋንዳ እንታይ የራኽቦ?
እቲ ሕጂ ዝካየድሎ ውግእ ብኸፊል ካብቲ ኣብ 1994 ኣብ ሩዋንዳ ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ዝተአሳሰር ክኸውን ይኽእል እዩ።
ኣብቲ ጨፍጫፍ፡ ኣስታት 800 ሽሕ ሰባት - መብዛሕትኦም ዓሌት ቱትሲ ዝዀኑ- ብኣኽረርቲ ዓሌት ሁቱ ተቐቲሎም።
እቲ ምጽናት ዓሌት፡ በቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፖል ካጋመ ዝምራሕ ሓይሊ ዕጡቓት-ቱትሲ ዝገበሮ ቃልሲ'ዩ ተዛዚሙ።
ድሕሪኡ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ስለ ዝተሰግአ፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሁቱ ዶብ ሰጊሮም ናብ ዲ.ኣር ኮንጎ ተሰዲዶም።
ሰራዊት ሩዋንዳ ክልተ ግዜ ንኮንጎ ወሪሩ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ምጽናት ዓሌት ፈጺሞም ናብ ኮንጎ ዝኣተዉ ሰባት ንምጥቃዕ ዝብል እዩ ነይሩ።
እቲ ጐንጺ፡ 30 ዓመታት እንተሓለፎ'ውን፡ ዲሞክራስያዊ ሓይልታት ሓርነት ርዋንዳ (FDLR) ዝበሃል ንገለ ካብቶም ንህልቂት ዓሌት ርዋንዳ ተሓተትቲ ብዝዀኑ ሁቱ ዝምራሕ ጕጅለ ሕጂ'ውን ኣብ ኮንጎ ይንቀሳቐስ እዩ ዘሎ።
ሩዋንዳ ንኤፍ.ዲ.ኤል.ኣር "ሚሊሻ ምጽናት ዓሌት" ኢላ ትጽውዖ።
ሰበስልጣን ኮንጎ ምስ እዚ ምልሻ ይሰርሑ ከም ዘለዉ ድማ ትኸስስ፡ ዲ.ሪ.ኮንጎ ነዚ ክስታት ትነጽጐ።
እዚ ዕጡቕ ጕጅለ ስግኣት ሩዋንዳ ምዃኑ ደዉ ክሳብ ዘየበለ ድማ ሩዋንዳ ካብ ኮንጎ ክትወጽኣሉ እትኽእል ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።
ሩዋንዳ፡ እቲ ኣብ ምብራቓዊ ኮንጎ ዘሎ ግጭት ተበሊጻ ማዕድናት ትወስድ ኣላ ዝብል ክስታት ይቐርበላ።
ሕቡራት ሃገራት እንታይ ይገብር ኣሎ?
ካብ 1999 [ኣ.ኤ] ጀሚሩ፡ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ቦታ ተዋፊሩ'ዩ።
እዚ 'ሞኑስኮ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓይሊ ልዕሊ 10 ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቘፈ እዩ።
እንተዀነ፡ ብርጌድ ሓይሊ ምትእትታው [ፎርስ ኢንተርቬንሽን ብርጌድ] ካብ ዝተባህለ ክንፊ ጥራይ'ዩ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት መጥቃዕታዊ ስርሒታት ከካይድ ዝፍቀደሉ።
እዚ ሓይሊ ኣብ 2013 ንኤም23 ንኽስዓሩ ዝሓገዘ እዩ ነይሩ።
ዜጋታት እዚ ዓቃቢ ሰላም፡ ስርሑ ብግቡእ ኣይሰርሕን ዘሎ ክብሉ ይነቕፉዎ።
ፕረዚደንት ፈሊክስ ቸሸኬዲ፡ እቲ ዓቃቢ ሰላም ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ዓመት ንክወጽእ ሓቲቱ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እቲ ሰራዊት ዝጸንሓሉ ግዜ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ።
ልፍንቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝዀነ ሳዴክ ወተሃደራቱ ኣብ ኮንጎ ክዋፈሩ'ኳ እንተገበረ፡ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ግን ክገትእዎ ኣይክኣሉን።
ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 9 ወተሃደራታ ከም ዝተቐትሉ ኣፍሊጣ እያ።
ሰለስተ ዜጋታት ማሊ፡ ኡራጋይ ዝዀኑ ዓቀብቲ ሰላም'ውን በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







