ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ዕግርግር ፈጢሩ ዘሎ መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ደሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝገነኑ ዕጡቓት ኤም23፡ እታ ሃገር ናብ ልዑል ሕንፍሽፍሽ ክትጥሕል ገይሮም ይርከቡ።
ኣገደስቲ ንዝበሃላ ከባቢታት እናተቘጻጸሩ ንሰራዊት እታ ሃገር ይፍትንዎ ኣለዉ።
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ዝፈነዉዎ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ድማ፡ ድሮ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ይእመን።
እዚ ቅልዉላዉ፡ ኣብ መንጐ ደሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ጐረቤታ ርዋንዳን እዉን ናይ ቃላት ኲናት ኣስዒቡ ይርከብ።
ኣብ ትሕተ ሰሃራ እታ ዝዓበየት ሃገር ግን፡ ከመይ ኢላ'ያ ኣብዚ ዕግርግር ጥሒላ?

ጠንቂ እዚ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጐንጺ፡ ብታሪኽ መራሒ ጕጅለ ኤም23 ዝዀነ ሱልጣኒ ማኬንጋ ከነረድኣኵም።
እዚ ውልቀሰብ፡ ብዙሕ ገበናዊ ክስታት እዩ ዝቐርበሉ።
ኣመሪካ፡ ህጻናት ናብ ውትህድርና ብምውፋር እገዳ ኣንቢራትሉ'ያ፤ ንሱ ግን ነዚ ይነጽጐ።
ሕቡራት ሃገራት'ውን ብጾታዊ ዓመጻት ይኸሶ።
ክሳብ ሕጂ ዘሎ ህይወት ማከንጋ ንድሕሪት ተመሊስና ብምርኣይ፡ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ኮንጎ፡ ምትእትታው ወጻእን ቀጻሊ ምምዝማዝ ጸጋታት ማዕድንን ደሞክራሲያዊት ኮንጎ ምጥማት ይክኣል።
'ህይወተይ፡ ትምህርተይ፡ ቋንቋይ ኲናት'ዩ . . .'
ማከንጋ፡ ኣብታ ለምለም ዝዀነት ከተማ ማሲሲ ኣብ በዓል ልደት 1973 ዓ.ም [ኣ.ኤ] እዩ ተወሊዱ።
ዓሌት ወለዱ ካብ ብሄረ ቱትሲ ይምዘዝ፥።
ቈልዓ 17 ዓመት እንከሎ ትምህርቲ ኣብኲሩ፡ ኣብ ስግር ዶብ ርዋንዳ ምስ ዝርከቡ ጕጅለ ዕጡቓት ቱትሲ ተጸንቢሩ።
እዚ ጕጅለ፡ ጸኒሑ ሃገራዊ ግንባር ሩዋንዳ (RPF) ተባሂሉ።
ኣብቲ እዋን፡ ብፖለቲከኛታት ዓሌት ሁቱ ኣብ ዝዕብለል ዝነበረ መንግስቲ ርዋንዳ ዝዓበየ ውክልና ቱትሲ ክህሉ ይጠልብ ነይሩ።
ብተወሳኺ እቶም ብሰንኪ ዓሌታዊ ዓመጽ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ዝተገደዱ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ቱትሲ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ይደሊ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ማከንጋ፡ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ርዋንዳ ኣንጻር እቲ ብሁቱ ዝዕብለል ሰራዊት ተቓሊሱ።
እቲ ቃልሲ ምስቲ ኣብ 1994 ዝተፈጸመ ምጽናት ዓሌት ዝተኣሳሰር እዩ።
ኣብ'ዚ ምጽናት ዓሌት'ዚ፡ ኣኽረርቲ ሁቱ 800,000 ቱትሲን ተደናገጽቲ ሁቱን ከም ዝቐተሉ ይፍለጥ።
ማኬንጋ ኣብ 2013 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ነቲ እዋን ክዝክር እንከሎ፡ "ህይወተይ ኲናት፡ ትምህርተይ ኲናት፡ ቋንቋይ ድማ ኲናት'ዩ... ኣነ ግን ንሰላም ዘኽብር ሰብ'የ፡" ኢሉ ነይሩ።
ሃገራዊ ግንባር ርዋንዳ በብቑሩብ ዝያዳ መሬት እናተቘጻጸረ ናብ ርእሰ ከተማ ኪጋሊ ብምግስጋስ ነቲ ብሁቱ ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ኣልዩዎ።
ብዙሓት ካብ ኣባላት እቲ መንግስቲ ድማ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሃዲሞም።
ሃገራዊ ግንባር ርዋንዳ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ማከንጋ ኣብ ወግዓዊ ሰራዊት ርዋንዳ መዓርግ ሳጅን ከምኡ'ውን ምክትል ኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት ኰይኑ።
ማከንጋ "ኣብ ምውዳብ ደባይ ዉግእ ኣዝዩ ንፉዕ'ዩ ነይሩ" ክብል ሓደ ካብ ብጾቱ ተዛሪቡ።
ኣብ ሰራዊት ርዋንዳ ዘርኣዮ ዕብየት ኣብ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ።
መሰረታዊ ትምህርቲ ስለ ዝነበሮን ቋንቋ ፈረንሳን እንግሊዝን እውን ክንድ'ቲ ዝድለ ስለ ዘይዛረብን ኣብ "ወተሃደራዊ ሞያኡ ማሕለኻ" ከም ዝፈጠረሉ ኢንስቲትዩት ሪፍት ቫሊ ይገልጽ።
ማከንጋ፡ ክሳብ ሎሚ ኣዝዩ ቍጡብን ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት ክዛረብ ዝጽገምን'ዩ።
ኣብ 1997 ኣካል ናይቲ ብርዋንዳ ዝድገፍ ሓይልታት ኰነ።
እዚኦም፡ ንገዲም መራሒ ሞቡቱ ሴሴ ሴኮ ካብ ስልጣን ዝኣለዩ ሓይልታት እዮም።
ኣብ ክንድኡ ድማ መራሒ ዕጡቓት ኮንጎ ላውረንት ካቢላ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ስልጣን ክሕዝ ገይሮም።
እንተዀነ፡ ማከንጋ ምስ ሓለፍቱ ክራጸም ጀሚሩ።
ናብ ርዋንዳ ክምለስ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ድሕሪ ምጥሓሱ፡ ብሰበስልጣን ርዋንዳ ከም ዝተኣሰረ ጸብጻብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።
ከም ዉጽኢቱ ከኣ ኣብ ደሴት ኢዋዋ ንሓያሎ ዓመታት ተኣሲሩ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ዝምድና ካቢላን ሓደስቲ መራሕቲ ርዋንዳን ክበላሾ ጀሚሩ።
ርዋንዳ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም በቲ ምጽናት ዓሌት ተሓተትቲ ዝዀኑ ምልሻታት ሁቱ ስጕምቲ ክትወስድ ጀሚራ።
ይዅን'ምበር እቶም ምልሻታት ሁቱ ኣብ 1994 ዶብ ሰጊሮም ናብ ደሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ተሰዲዶም።
ርዋንዳ፡ እቶም ምልሻታት ተመሊሶም ነቲ ድሕሪ እቲ ዝኸፍአ ታሪኽ እታ ሃገር ዝተረኽበ ርግኣት ክዘርግዎ'ዮም ዝብል ስግኣት ኣለዋ።
ካቢላ ግን ነቶም ዕጡቓት ከይውደቡ ክገብር ኣይክኣለን፤ ንወተሃደራት ርዋንዳ ድማ ብሓይሊ ከባርር ጀሚሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ርዋንዳ ኣብ 1998 ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ወራር ፈጺማ።
ማከንጋ'ውን ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ምስቲ ብርዋንዳ ዝድገፍ ጕጅለ ዕጡቓት፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ኣዛዚ ኰይኑ ከገልግል ተመዚዙ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ማከንጋ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ልዑል ስትራተጂካዊ ክእለትን ኣብ ውግእ ዓበይቲ ጕጅለታት ወተሃደራት ብምእዛዝን ምኵር ከም ዝዀነ ኣመስኪሩ'ዩ፤ በዚ'ውን ዝና ረኺቡ።
ወተሃደራት ርዋንዳ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ምስ ሰገሩ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ቱትሲ ዝፍጸም ኣድልዎ ወሲኹ።
ካቢላ፡ ቱትሲ ነቲ ወራር ከም ዝድግፍዎ ክኸስስ እንከሎ፡ ካልኦት ሰበ ስልጣን ድማ ህዝቢ ንኣባላት እቲ ብሄር ከጥቅዕ ኣለዓዒሎም።
ክሳብ ሽዑ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝነበረ ማኬንጋ፡ መራሒ ኮንጎ ንዕጡቓት ቱትሲ ጠሊሙ ክብል ከሲሱ።
"ካቢላ ፖለቲከኛ እዩ፡ ኣነ ግን ኣይኰንኩን። ኣነ ወተሃደር እየ፡ እቲ ዝፈልጦ ቋንቋ ድማ ቋንቋ ብረት'ዩ፡" ኢሉ።
ነዚ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዝተላዕለ ጐንጺ፡ ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራት ኢደን ከእትዋሉ ተራእየን።
ሕቡራት ሃገራት'ውን ዓቃብ ሰላም ክዋፈር ገበረ።
ኣብቲ እዋን ኲናትን ድሕሪኡ ብዝመጽአ ሳዕቤናትን ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ሰባት ከም ዝሞቱ ይእመን፤ መብዛሕትኦም ድማ ብጥሜት ወይ ሕማም ከም ዝሞቱ ይግመት።
እቲ ግጭት ኣብ 2003 ብወግዒ ተዛዚሙ። ማከንጋ ግን ምስቶም ንመንግስቲ ኮንጎ ዝቃወሙ ዕጡቓት ጕጅለታት ቀጺሉ።
ዕርቂ ንክወርድ ብዝብል፡ ከም በዓል ማከንጋ ዝኣመሰሉ ዓመጽቲ ቱትሲ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ዕጡቕ ሓይሊ መንግስቲ ኮንጎ ተዋሃሂዶም።
ፖለቲካዊ ኵነታት እታ ሃገር ግን ይቀያየር ስለ ዝነበረ፡ ማከንጋ ካብቲ ሰራዊት ወጺኡ ናብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዝነበረ ናዕቢ ኤም23 ተጸንቢሩ።
ኤም23፡ መሰል ቱትሲ ንምሕላው ከም ዝቃለሱን መንግስቲ ኣብ 2009 ንዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ከኽብር ከም ዘይከኣለን ብምግላጽ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም።
ማኬንጋ ኣብ ኤም23 መዓርግ ጀነራል ረኺቡ፡ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብቲ ጕጅለ ላዕለዋይ ስልጣን ክሕዝ ክኢሉ።
ኣብ ሕዳር 2012 ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ መሪሑ ጨካን ናዕቢ ብምክያድ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ዓባይ ምብራቓዊት ከተማ ጎማ ተቖጻጺሩ።
ደሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ሕቡራት ሃገራትን፡ ብቱትሲ ዝዕብለል መንግስቲ ርዋንዳ ንኤም23 ይድግፍ ከም ዘሎ ከሲሶም። ርዋንዳ ግን ነዚ ክሲ ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ።
ኣብ 2012፡ ማኬንጋን ካልኦት ኣባላት ኤም23ን ብከቢድ ክስታት ገበናት ኲናት ተኸሲሶም።
ኣመሪካ "ህጻናት ወተሃደራት ብምምልማል፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ብዝፍጸም ጐስጓሳት ዓመጽ" ተሓታቲ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ልዕሊ ማኬንጋ እገዳ ኣንቢራ።
ማኬንጋ ግን፡ ኤም23 ንህጻናት ወተሃደራት ከም ዘይምልምል ብምጥቃስ እቲ ክሲ "መሰረት ዘይብሉ" እዩ ብምባል ይነጽጐ።
ሕቡራት ሃገራት ድማ ከም ቅትለትን ኣካላዊ መጕዳእቲን፡ ጾታዊ ዓመጽን ጭውያን ዝኣመሰሉ ተግባራት ከም ዝፈጸመን፡ ተሓታቲ ምዃኑን ገሊጹ።
'ሰላም ከም ዘይደሊ ሰብ ክረአ የብለይን'

ምንጪ ስእሊ, AFP
ማኬንጋ ኣብ ውሽጢ ኤም23 ሓያለ ብድሆ ገጢሙዎ'ዩ።
ሓደ ወገን ከም መራሒ ክድግፎ ከሎ እቲ ዝተረፈ ንመወዳድርቱ ዝዀነ ጀነራል ቦስኮ ንታጋንዳ ይድግፍ።
እዞም ክልተ ወገናት ኣብ 2013 "ምሉእ ኩናት" ከም ዘካየዱ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ 'ዘ ኢናፍ ፕሮጄክት' [The Enough Project] ይጠቅስ።
ብማኬንጋ ዝምራሕ ጕጅለ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ጀነራል ንታጋንዳ ናብ ርዋንዳ ሃዲሙ ንኤምባሲ ኣመሪካ ኢዱ ከም ዝሃበ'ውን ይንገር።
እቲ 'መጽነቲ' ብዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ዝነበረ ጀነራል ንታጋንዳ፡ ኣብ መወዳእታ ብዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን፡ ብገበናት ኲናት ማእሰርቲ 30 ዓመታት ተፈሪዱ።
ይኹን እምበር፡ ማኬንጋ ምስ ተዓወተ ድሕሪ ኣዋርሕ፡ ካልእ ዝዓበየ ስግኣት ተራእዩ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኮንጎ ንከተማ ጎማ ንክምልስ ዝድግፉ ኣስታት 3000 ወተሃደራት ስለ ዘዋፈረ፡ ኤም23 ካብታ ከተማ ክስሕብ ተገዲዱ።
እቲ ዕጡቐ ጕጅለ ድማ ካብታ ሃገር ተባሪሩ፡ ማኬንጋ'ውን ናብ ዩጋንዳ ሃዲሙ።
እታ ንኤም23 ከምእትድግፍ ትኽሰስ ዩጋንዳ ንማኬንጋ ኣሕሊፋ ክትህብ ካብ ደሞክራስያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ንዝቐረበላ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበትን። ነቲ ክስታት'ዉን ትነጽጐ።
ብኸምዚ ሸሞተ ዓመታት ሓሊፉ።
ካልኦት ዓሰርተታት ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብቲ ብማዕድናት ዝሃብተመ ምብራቓዊ ዞባ እታ ሃገር እናተንቀሳቐሱ ዕንወት የስዕቡ እኳ እንተነበሩ፡ ሰበስልጣን ኮንጎ ግን ካብቶም ዕሉላት ዝዀኑ ዕጡቓት ኤም23 ነጻ ኰይኖም'ዮም ጸኒሖም - እንተወሓደ ክሳብ 2021 ዓ.ም።
ብድሕሪ'ዚ ማኬንጋን ዕጡቓቱን መሊሶም ብረት ኣልዒሎን፤ ኣብ ግዝኣት ሰሜን ኪቩ ዝርከብ መሬት'ዉን ተቘጻጺሮም።
ኣብ መንጐ ኤም23ን ሰበ ስልጣን ኮንጎን ዝተገብረ ሓያሎ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ብተደጋጋሚ ተጣሒሱ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ሓደ ዳኛ ማኬንጋ ኣብ ዘየለሉ ንሞት ፈሪድዎ።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኤም23 ንከተማ ጎማ ክቈጻጸር እንከሎ ማኬንጋ ዳርጋ ኣይተራእየን ዘሎ።
ኣብ ክንድኡ ኣፈኛኡን ንኤም23 ሓዊሱ ኪዳን ዕጡቓት ጕጅለታት ዝመርሕን ኮርነይል ናንጋን እዮም ኣብ መደረታት ዝቐርቡ።
ማኬንጋ ግን ኣገዳሲ ተራ ሒዙ ይቕጽል ኣሎ፤ ብድሕሪ መጋረጃ ድማ ኣብ ስትራተጂ ትዅረት ዝገበረ ይመስል።
ንሱ፡ ሰለስተ ደቁ "ሓደ መዓልቲ ኣብዛ ሃገር ዝሓሸ መጻኢ ምእንቲ ክህልዎም፡" ከም ዝቃለስ ይገልጽ።
"ሰላም ከም ዘይደሊ ሰብ ክረአ የብለይን። ልቢ፡ ስድራ፡ ዝግደሰሎም ሰባት ኣለውኒ፡" ይብል።
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ተራ ሰባት ግን ዋጋ ናይዚ ግጭት ይኸፍሉ ስለ ዘለዉ ብሓይልታት ኮንጎ እንተተታሒዙ ማኬንጋ ናይ ሞት ፍርዲ እዩ ዝጽበዮ።
ንሱ ግን ተስፋ ኣይቈረጸን። "ኵሉ መስዋእቲ ክኸፍል ፍቓደኛ እየ፡" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







