ኣይኤስ-ሶማልያ ብኢትዮጵያውያን ኣዘዝቲ ድዩ ዝምራሕ ዘሎ?

ሶማልያ ብደርቂ ኣብ እትጥቅዓሉ እዋን ሰባት ኣልሸባብ ዝሓቶ ግብሪ ምኽፋል ይጽገሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ህርመት ልቢ ጉጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ) ዝኾኑ ዕጡቓት ኣብ ኣዕሙቕ ኣኽራናት ሰሜናዊ ምብራቕ ሶማልያ ዝተሓብኡ ስለዝዀኑ ሃዲንካ ክተጥፍኦም ከቢድ ስራሕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብቲ ከባቢ ደብዳብ ነፈርቲ ክካየድ ድሕሪ ምእዛዙ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ክንረኽበኩም ኢና፡ ክንቀትለኩም ድማ ኢና" ክብል ጽሒፉ።

ትራምፕ፡ እቲ ውጥን መጥቃዕቲ ኣይኤስ ኣብ ልዕሊ ዝሓንጸጹን ካልኦት ዕጡቓትን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑን፡ "ነቶም ዝነብሩሎም በዓትታት ከምዘዕነወንን፡ ብዝዀነ ይዅን መገዲ ንሲቪላት ከይጎድኡ ብዙሓት ኣሸበርቲ ከምዝቐተለን" ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጆ ባይደን ኣብ ዝፈሸለሉ ቦታ ከም ዝተዓወተ ብምግላጽ ዝተጀሃረ ትራምፕ "ባይደንን ብጾቱን ነቲ ስራሕ ንምፍጻም ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣይምወሰዱን፤ ኣነ ግን ፈጺመዮ" ኢሉ።

ሶማልያ ኣብ ትሕቲ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ናይ መጀመርታ ዓቢ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣመሪካ ዒላማ ምዃና ንብዙሓት ኣገሪምዎም።

ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ኣስታት 700 ወተሃደራት ኣሜሪካ ኣውጺኡ ዝነበረ ኮይኑ እቲ ውሳነ ብተካኢኡ ጆ ባይደን ተቐልቢሱ።

መንግስቲ ሶማልያ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ላዕለዋይ ናይ ዋሽንግተን ሎቢንግ ትካል ቢጂኣር ግሩፕ ዝፈረሞ ናይ ዓመት 600 ሽሕ ዶላር ውዕል፡ ክሳብ ክንደይ ከምዝተጨነቐ ዘመላኽት እዩ።

ኣብ ግዜ ባይደን፡ ኣብ ሶማልያ ዝርከቡ ሰራዊት ኣመሪካ፡ ፍሉይ ስርሒታት የካይዱ፡ ንሓይሊ ሶማል የሰልጥኑን ስሩዕ መጥቃዕቲ ኣየር የካይዱን ነይሮም።

ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ ኣየር ሓደ መዓልቲ፡ ዋሽንግተን ፖስት ምስ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ ኣመሪካ "ነቶም ንልምምድ ፍሉያት ሓይልታትና ዝድግፉ ዘለዉ ኣመሪካውያን ኣማኸርትን ከይትስሕቦም" ተማሕጺኑ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኤክስ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ'ውን "ኣመሪካ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣህጉራዊ ግብረሽበራ እትገብሮ ዘላ ዘይንቕነቕ ደገፍ" ኣፍልጦ ሂቡ፡ "ኣብ ትሕቲ ወሳኒ መሪሕነት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቀጻሊ ተወፋይነት" ድማ ብሓጎስ ተቐቢሉ።

መጥቃዕቲ ነፈርቲ ግን ካብቲ ኣብ ባይታ ዘለዉ ወተሃደራት ዝተፈልየ ስለዝኾነ ትራምፕ ካብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ጀሚሩ መጥቃዕቲ ኣየር ደው ኣየበለን። እኳ'ድኣስ ናብ ዳርጋ 400 ኣዕብይዎም እዩ።

ኣብ ናይሮቢ ዝመደበሩ ሳሃን ሪሰርች ስትራተጂያዊ ኣማኻሪ ማት ብራይደን፡ "እቲ መጥቃዕቲ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሶማልያ ወተሃደራዊ ጽምዶኡ ከሐይሎ'ዩ ማለት ኣይኮነን" ይብል።

"ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ስልጣን መሪሕነት ክሕዙ ትጽቢት ዝግበረሎም ሓያሎ ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ ድሕሪ ሕጂ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ከም ተኣማንነት ዘለዎ መሻርኽቲ ኣይርእይዎን እዮም፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ድማ ኣዝዩ ውሑድ ዝድነቕ ውጽኢት ዝረኸበ ልዑል ደረጃ ጸጥታዊ ሓገዝ ኣምሪሮም ክነቕፍዎ ተራእዮም ኣለዉ" ይብል።

ፑንትላንድ እትኽተሎ ኣገባብ ጸረ ግብረሽበራ ካብቲ ናይ መንግስቲ ሶማልያ ዝኽተሎ ፖሊሲ ዝተፈልየ እዩ።

ኣካይዳ ፑንትላንድ ዝያዳ ርእሰ-ተኣማንነት ዘለዎ ኰይኑ ኣብ ደገፍ ወተሃደራት ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣመሪካን ቱርኪን ሓዊሱ ዓለማዊ ሓይልታት ዝምርኮስ ኣይኮነን።

ዶናልድ ትራምፕ ኣንጻር እቶም ኣብ ሶማልያ ዝዓረዱ ዕጥቛት ኣይኤስ ተሓንዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ከምቲ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምውህሃድ ጸጥታ ፑንትላንድ መሓመድ ሙባራክ ዝጠቐሶ፡ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝመጹ ወተሃደራት እዮም ብውሑድ ሓገዝ ንዓመታት ኣንጻር ኣይኤስ ክቃለሱ ጸኒሖም።

ሙባራክ፡ "ኣብ መሬት ክንቃለስን ክንመውትን ጸኒሕና፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ቅድሚትን ማእከልን ምቕማጥ ፍትሓዊ ኣይኮነን" ይብል።

"ዓለም እንታይ ትገብር ከምዘላ ብዘየገድስ፡ ንኣህጉራዊ ጸገም ዝዀነ ኣይኤስ ኢና ንቃለሶ ዘለና" ይብል።

ንሱ ኣስዒቡ "ብዘይካ ካብ ኬንያ፣ ኢትዮጵያን ኢማራትን ብዙሕ ደገፍ ኣይረኣናን። ኣመሪካውያን ካብ ሓደ ንላዕሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከካይዱ ስለምዃኖም ርገጸኛታት ኣይኮናን" ኢሉ።

ፑንትላንድ፡ ሓይልታታ ዝሓለፈ ዓመት ምሉእ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምሩ ንደሓር፡ 48 በዓትታትን ድፋዓት ኣይኤስን ከም ዝሓዙ ከምኡ'ውን ዓሰርተታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ነታጒን ከም ዘዕነዉ ትገልጽ።

ዕጡቓት ኣይኤስ ዝሕብእሉ ሽንጥሮታት ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, @PuntlandSSR

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣይኤስ ኣብ ሶማልያ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመት ንጡፍ እኳ እንተነበረ፡ ካብቲ ሰፊሕ ክፋል እታ ሃገር ዝቆጻጸርን ምስ ኣልቓዒዳ ዝዓበየ ዕዉት ምትእስሳር ተባሂሉ ዝግለጽን እስላማዊ ጕጅለ ኣልሸባብ ዝወሓደ ስግኣት ከምዘስዓበ ይፍለጥ።

ይዅን እምበር፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣይኤስ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ኰይኑ ኣሎ - ኣብ ውሽጢ ዓዲ፡ ዞባውን ኣህጉራውን ደረጃ።

ሰበስልጣን ፑንትላንድን ስሞም ዘይተጠቕሰ ሰበስልጣን ኣሜሪካን፡ መራሒ ኣይኤስ-ሶማልያ፡ ዝዋዕውዓይ ዝጭሕሙ፡ መነጽር ዝለበሰ ዓብደልቓድር ሙሚን፡ ሕጂ ዓለማዊ ሓላፊ ኣይኤስ ምዃኑ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ብኣመሪካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ከምዝተቐትለ ዝሕብር ናይ መጀመርታ ጸብጻባት ተቓሊሑ እኳ እንተነበረ ተረጋጊጹ ግን ኣይፈልጥን።

ሙሚን ሓላፊ ኣይኤስ ይኹን ኣይኹን ብሂወት ይሃሉ ሞይቱ ብዘየገድስ ኣይኤስ-ሶማልያ ንወጻእተኛታት ሃገራት ዘተሓሳስብ ኰይኑ ኣሎ።

ከምቲ ትራምፕ ዝበሎ፡ "እዞም ኣብ በዓትታት ተሓቢኦም ዝረኸብናዮም ቀተልቲ፡ ንኣመሪካን መሻርኽትናን ስግኣት'ዮም"።

ኣብ ኣመሪካን ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ዲሲ ዳይረክተር ማእከል ፖሊሲ ጸረ-ሽበራ ትሪሻ ቤኮን ከም ዝበለቶ፡ "ኣይኤስ-ሶማልያ ኣብ ውሽጢ መርበብ እስላማዊ መንግስቲ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ግን ከኣ ክንዮ ኣህጉር'ውን ዝያዳ ሓላፍነት ይወስድ" ኢላ።

ጨናፍር ኣይኤስ ኣብ መላእ ኣህጉር፡ ካብ ሞዛምቢክ ክሳብ ማሊ፡ ካብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክሳብ ናይጀርያ ይንቀሳቐሱ ኣብ ዘለውሉ እዋን፡ ኣይኤስ-ሶማልያ ከም ወሳኒ ማእከል መብኳዕቲ ኰይኑ የገልግል ኣሎ።

ሚስ ቤኮን ኣይኤስ-ሶማልያ እውን ክንዮ ኣፍሪቃ ይጥምት ከምዘሎ የጠንቅቕ።

"ኣሜሪካ ሓዊሱ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ንዝፍጸሙ መጥቃዕትታት ኣይኤስ ንምምችቻእን ኣበርክቶ ንምግባርን ንገዛእ ርእሱ ኣዳልዩ ይርከብ። ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት መጥቃዕቲ ንምልዕዓል'ውን ይጽዕር" ትብል።

ሙሚን ሓላፊ ኣይኤስ ይኹን ኣይኹን ብሂወት ይሃሉ ሞይቱ ዝፍለጥ ነገር የለን

ምንጪ ስእሊ, al-kataib

"ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ነቲ ፑንትላንድ ኣንጻር እቲ ጕጅለ እትገብሮ ዘላ ቀጻሊ ጻዕርታት ዝያዳ ደገፍ ክህቡ ይግባእ"ክትብል ወሲኻ ትመክር።

ሚስተር ብራይደን፡ ምስ ብኢራን ዝድገፉ ዓመጽቲ ሑቲ ኣብ ስግር ቀይሕ ባሕሪ የመን ምትሕብባር እውን ጉዳይ ምዃኑ ይዛረብ።

"ኣይኤስ-ሶማልያን ኣልሸባብን ኣብ የመን ካብ ዝርከቡ ሑቲ ኣጽዋርን ስልጠናን ረኺባቶም'ዮም። እዚ ድማ ንመንግስቲ ኣሜሪካን መሻርኽቱን ምንጪ ስክፍታ'ዩ" ይብል።

ቁጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ወጻኢ ተቓለስቲ ናብቲ ጕጅለ ብምጽንባር፡ ብቑጽሪን ክእለትን ሓይሉ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ።

ቀንዲ ምንጪ ናይቶም ኣይኤስ-ሶማልያ ዝተመልመሉ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምዃኖም ዝግመት ኰይኑ ኣብ ወደባዊት ከተማ ፑንትላንድ ቦሳሶ ባሕሪ ንምስጋር ናብ ዝሓሸ ናብራ ወጻኢ ሃገራት ተስፋ ገይሮም ዝተኣኻኸቡ ስለምዃኖም'ውን ይግለጽ።

ኣይኤስ ኣብ ግዝኣታት ወሽመጥ ዓረብ ከይዶም ካብ ዝረኽብዎ መሃያ ዝሓሸ ደሞዝ የቕርበሎምን ገለ ላዕለዎት ኣዘዝቲ እቲ ጉጅለ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ክኢላታት ይዛረቡ።

ሚስተር ሙባራክ፡ "ኣይኤስ-ሶማልያ 80 ሚእታዊት ወይ ልዕሊኡ ናይ ወጻኢ ተዋጋእቲ፡ መብዛሕትኦም ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ታንዛንያን ማእከላይ ምብራቕን ዝመጹ ምዃኖም ንግምግም" ይብል ሚስተር ሙባራክ።

እቲ ጕጅለ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሓይሊ ሰብ ዘለዎ ምዃኑ ዝግመት ኮይኑ ተቘጻጸርቲ ሕቡራት ሃገራት ካብ 600 ክሳዕ 700 ከምዝዀነ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ሓላፊ ኮማንድ ኣፍሪቃ ኣሜሪካ ማይክል ላንግሊ፡ ኣይኤስ ኣብ ሰሜናዊ ሶማልያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብኣስታት "ኽልተ ዕጽፊ" ከምዝዓበየ ይርዳእ ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ኣብ ታሕሳስ ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዝረቐቑ መጥቃዕትታት ዘካየደ ኰይኑ ኣብ ዞባ ባሪ ፑንትላንድ ንዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር'ዩ ኣጥቂዑ።

እቲ ጕጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓደ ሶማላዊ'ውን ኣብዚ ጉዳይ ከምዘይተሳተፈ ገሊጹ። እቶም 12 መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ካብ 7 ሃገራት ማለት ካብ ታንዛንያ፡ ኣልጀርያ፡ ሞሮኮ፡ ሊብያ፡ ቱኒዝያ፡ የመንን ኢትዮጵያን ዝመጹ እዮም።

ትራምፕ ዝጀመሮ መጥቃዕቲ ኣየር ደው ከምዘይብል ተስፋታት ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, @USAfricaCommand

እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ምእካብ ገንዘብ እውን ዝያዳ ኣድማዒ ኰይኑ ኣሎ።

ክኢላታት ኣመሪካ፡ ሕቡራት ሃገራትን ሶማልያን፡ ሓደ ቀንዲ ክፋል ፋይናንሳዊ ትሕተ ቅርጺ ኣይኤስ ኣብ ፑንትላንድ ዝመደበሩ ቤት ጽሕፈት ኣል-ካራር ኰይኑ፡ ገንዘብን ሞያን ንኻልኦት ጨናፍር ናይቲ ጕጅለ ኣብ ኣፍሪቃን ክንዮኡን ይዝርግሕ ይብሉ።

ቤት ጽሕፈት ቍጽጽር ንብረት ወጻኢ ካዝና ኣመሪካ (OFAC) ኣይኤስ-ሶማልያ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2022 ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝርከቡ ትካላት ንግዲ፣ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ንብረት፣ ዘላቒን ሓረስቶትን ግብሪ ብምኽፋል ኣስታት 2 ሚልዮን ዶላር ከምዘዋህለለ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካ ነዊሕ ከይጸንሐ ፖሊስ ፑንትላንድ ሓላፊ ኣይኤስ-ሶማልያ ዓብዲራሕማን ሽርዋ ኣው-ሰይድ ኢዱ ከምዝሃበ ገሊጹ።

ኣብ ሶማልያ ንዘለዋ ዋህዮታት ኣይኤስ ንምህዳንን ካልኦት ንኸይጫጭሑ ደው ንምባልን ከምቲ ናይ ኣመሪካ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣየር ቀጻሊ ክኸውን ከምዘለዎ ክኢላታት ይዛረቡ።

ኣመሪካን እቲ ዘይተገማቲ መራሒኣን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣኽራናት ሶማልያ ቦምባታት ምድብዳብ ክቕጽሉ ሸውሃት ኣለዎም ድዩ የብሎምን ንጹር ኣይኮነን።