'ኣፍልጦ ንምርካብ ክንብል ናብ ሲኦል ኣይንኣቱን' - ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊላንድ

ምንጪ ስእሊ, MFA Somlailand
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ዶብ ባሕሪ ዝፈረመትን ነብሳ ከም ነጻ ሃገር እትቆጽር ሶማሊላንድ 'ኣፍልጦ ንምርካብ ክንብል ናብ ሲኦል ኣይንወርድን' ከምዝበለ ተገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓብዲራሕማን ዳሂር ዓደን ትማሊ 6 ጥሪ 2025 ኣብ ባይቶ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ሃገሩ ኣፍልጦ ንምርካብ ዓቢ ኣገዳስነት እኳ እንተሃለዋ፡ እዚ ግን "ንህዝባ ይኹን ነታ ሃገር ክጎድእ" ከምዘይብሉ እዩ ኣመልኪቱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ናይ ወደብ ባሕሪ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ንጹርነት ከምዝጎድሎ እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ዓብዲራሕማን ዳሂር ዓደን፡ ነቲ ናይ ምርድዳእ መዘክር ዝፈረመ ፕረዚደንት ሶማሊላንድ ነበር ሙሴ ቢሂን መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ዘልዕልዎም ነገራት "ተጋራጫውነት" ከምዘለዎ'ውን ኣብሪሁ።
እቲ ሚኒስተር፡ ትማሊ ኣብ ባይቶ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ይቃወም ከምዝነበረ እዩ ገሊጹ።
"ንሳቶም [ኢትዮጵያ]ገማግም ባሕሪ ምስ ረኸብና ብዛዕባ'ቲ ኣፍልጦ ክንሓስበሉ ኢና እዮም ዝብሉ። ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ክንህባ ኢና ኣይበሉን" ኢሉ።
ኢትዮጵያ ምስታ ናጻ ሃገር ምዃና ዝገለጸትን ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ኣፍልጦ ዘይረኸበትን ሶማሊላንድ 20 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪ ክህልዋ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ከምዝፈረመት ይዝከር። ኣምሳያኡ ድማ ኢትዮጵያ ንሶማሊላንድ ኣፍልጦ ከምእትህብን ይጠቅስ።
እታ ንነብሳ ከም ኣካል መሬታ እትርእያ ሶማልያ ግን እቲ ስምምዕ ልኣላውነታ ዝጥሕስ ከምዝኾነ ብምግላጽ ክትቃወም ጸኒሓ እያ። ነቲ ጉዳይ'ውን ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሃገራት ክበጽሕ ከምዝገበረት ይዝከር።
ናይቲ ሓዱሽ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ግን ንሱ ይኸዉን እቲ ባይቶ ነቲ ናይ ምርድዳእ ስምምዕ ክምርምሩ ከምዘለዎም እዩ ኣመልኪቱ።
ኣብ ሻድሻይ ፕረዚደንታዊ መረጻ ሶማሊላንድ፡ ተቓዋሚ ፕረዚደንት ሙሴ ቢሂ ዝዀነ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዋዳኒ ዓብዲራሕማን መሓመድ ዓብደላሂ (ኢሮ) ከምዝተዓወተ ዝዝከር እዩ።
ን33 ዓመታት ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክትጠልብ ዝጸንሐት ሶማሊላንድ ንኣፍልጦ ቀዳምነት ከምእትህብ እቲ ሚኒስተር ኣብ ባይቶ ሓቢሩ'ዩ። ይዅን'ምበር ንኣፍልጦ ክበሃል ሃገሩ ክትጉዳእ ከምዘይብላ ኣተሓሳሲቡ።
"ኣፍልጦ ንምርካብ ክንብል ኵሉ ነገር ክንገብር ኢና፡ ንኣፍልጦ ክንብል ግን ናብ ሲኦል ኣይንወርድን፤ ህዝብና እውን ኣይነጥፍእን። እቲ ኣፍልጦ ንረብሓ ሶማሊላንድን ነታ ኣፍልጦ እትህብ ሃገርን ክኸውን ይግባእ" ክብል ኣስሚሩሉ።
ወሲኹ ድማ፡ ኣፍልጦ ንምርካብ "ሃገርና ንኻልእ ሃገር ምሻጥ፡ ጸጋታትናን ህይወትናን ክቆጻጸሩ ምግባር ትርጉም የብሉን" ኢሉ።
"ህዝብና ክስስን ኣለዎ። ቁጠባና ከነመሓይሽ ኣለና። ብስም ኣፍልጦ ዓመጽ ኣይንቕበልን። ኣየነይቲ ሃገር ምዃና ብዘየገድስ ነዚ ወሲደ ኣፍልጦ ክህበኩም' ዝበሃል ነገር የለን" ኢሉ።
ዋላ'ኳ ኣፍልጦ ዝሃበታ ሃገር እንተዘይሃለወት፡ ንዅሉ ረቛሒታት ሃገርነት እተማልእ ሶማሊላንድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተረኣዩ ዲሞክራስያዊ መረጻታት ሓደ ኣካይዳ እያ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋእ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ እያ።
ድሕሪ'ቲ መረጻ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሶማልያ "ሶማሊላንድ ዘደንቕ ናይ መረጻ ታሪኽን ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣንን ነቲ ዞባን ኪኖኡን ኣርኣያ" ክብል ከምዝነኣደ ይዝከር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







