ንኩዕሶ እግሪ ዓለም ዘሰንበደ ሞት ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ዲዮጎ ጆታን ሓዉን

ምንጪ ስእሊ, Diogo Jota via X/ Getty
ኣጥቃዓይ እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ዲዮጎ ጆታን ሓዉን ብሓሙስ ኣብ ዘጋጠሞም ሓደጋ መኪና ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ብሞት ምፍላዮም ኣብ መላእ ማሕበረሰብ ስፖርት ስንባደ ፈጢሩ።
እቲ ብዘሕዝን ፍጻመ ህይወቱ ዝሓለፈ ወዲ 28 ዓመት ጆታ ቅድሚ ሓደ ሰሙን'ዩ ምስታ ንነዊሕ ዓመታት ምስኡ ዝነበረት ኣፍቃሪቱን መጻምድቱን ቃልኪዳን ኣሲሩ።
ክልቲኦም ሰለስተ ቈልዑ ከምዘለዎም ይፍለጥ።
ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዝዀነ ሓዉ ኣንድረ ሲልቫ'ውን ኣብቲ ሓደጋ ሞይቱ'ሎ። እቲ ወዲ 25 ዓመት ዝነበረ ኣንድረ ኣብ ካልኣይ ዲቪዥን ፖርቱጋል ምስ እትርከብ ጋንታ'ዩ ዝጻወት ነይሩ።
ጆታ ብሰንኪ ዘጋጠሞ መጕዳእቲ፡ ሓኪሙ ብነፋሪት ከይበርር ብዝሃቦ ምኽሪ መሰረት'ዩ ካብ ሃገሩ ብመኪና ናብ ሓንቲ ኣብ ሰሜን ስጳኛ ትርከብ ወደብ ሳንታንደር እናተጓዕዘ እንከሎ ኣብ ዛሞራ (ስጳኛ) ዝተባህለ ከባቢ እቲ ሓደጋ ኣጋጢምዎም። ካብታ ወደብ ብጃልባ ናብ ሊቨርፑል ክምለስ'ዩ መደቡ ነይሩ።
ደቂ-ጋንታታቱ፡ ፍሉጣት ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ፡ መራሕቲ ዓለም፡ ኣሰልጠንቱን ሓያለ ክለባትን ብሞት ጆታን ሓዉን ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።

ምንጪ ስእሊ, Diogo Jota via X
ክለብ ሊቨርፑል ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ "በቲ ዘሕዝን ሕልፈተ-ህይወት ዲዮጎ ጆታ ከቢድ ጓሂ ተሰሚዑና ኣሎ" ኢላ።
"ክለብ ሊቨርፑል፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ተወሳኺ መግለጺ ኣይክትህብን እያ። ስድራቤት ዲዮጎን ኣንድረን፡ መሓዙቶም፡ ደቂ-ጋንታኦምን ኣባላት እቲ ክለብን ኣብዚ ክሕሰብ ዘይክእል ናይ ጓሂ እዋን ውራይ ሓዘኖም ክገብሩ ዕድል ክወሃቦም ንምሕጸን።"
ንጆታ ናብታ ክለብ ዘምጽኦ ውሩይ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ዝነበረ ጀርመናዊ የርገን ክለብ ብሞት እቲ ተጻዋታይ ከምዝሰንበደ ብምግላጽ "ልበይ ተሰይሩ" ክብል ገሊጹ'ሎ።
"እዚ ኣኻእሎ ዝስእነሉ ህሞት'ዩ። ዝዓበየ ዕላማ ክህሉ ኣለዎ። ግና ክርእዮ ኣይክኣልኩን" ክብል ኣብ ኢንስታግራም ጓሂኡ ገሊጹ።
"ዲዮጎ ብሉጽ ተጻዋታይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሉጽ መሓዛ፡ ኣፍቃሪን ለዋህ ብዓልቤትን ኣቦን እዩ ነይሩ። ኣዚና ክንናፍቐካ ኢና።"
በቲ ቀዛፊ ሓደጋ ዝሰንበዱ ደገፍቲ እታ ጋንታ ብወገኖም ጓሂኦም ንምግላጽ ናብ ከባቢ ቀጽሪ ስታድዩም ናይታ ጋንታ ብምውሓዝ ዕንባባታት የንብሩ ኣለዉ።
ብዘይካ'ዚ ሓዘኖም ብጽሑፍ ክገልጹ ንዝደልዩ ድማ ዲጂታላዊን ከምኡ'ውን ኣብቲ ዕንባባ ዝንበረሉ ዘሎ ቅርዓት መጽሓፍ ተዳልዩ ኣሎ።
"መሓዛ ኩሉ'ዩ ነይሩ. . .ፍሉይ ሰብ እዩ ነይሩ" ክብል ዝገለጾ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኣርነ ስሎት ብወገኑ "ተጻዋታይ ሊቨርፑል ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ዝገልጽ'ዩ" ብምባል ብሞቱ ከምዝሰንበደ ገሊጹ።
"ኣብ ጥቓኦም ጥራይ ብምዃኑ ንኻልኦት ጽቡቕ ክስምዖም ዝገብር'ዩ ነይሩ። ንስድራቤቱ ዝነበሮሓልዮት'ውን ዓሚቚ'ዩ" ክብል እቲ ሆላንዳዊ ኣሰልጣኒ ዝኽሩ ኣካፊሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ብጻዩ ዝዀነ ኮኾብ ተጻዋታይ ክርስትያኖ ሮናልዶ ብወገኑ፡ "ክርድኣኒ ኣይክልን'ዩ። ሕጂ እንዲና ኣብ ሃገራዊት ጋንታና ብሓንሳብ ኔርና፡ ሕጂ እንዲኻ ተመርዒኻ" ክብል ስንባደ ብዝሓዘለ ቃላት ጓሂኡ ገሊጹ።
ንስድራቤቱ፡ ብዓልቲ ቤቱ፡ ደቁን ምጽንናዕ ዝተመነየ ሮናልዶ፡ "ወትሩ ከምዘይትፍለዮም እፈልጥ'የ። ብሰላም ዕረፉ፡ ዲዮጎን ኣንድረን። ክንናፍቐኩም ኢና" ኢሉ።
ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ፖርቱጋል'ውን፡ ነቶም ተጻወትቲ ዘለዎ ናእዳ ብምግላጽ፡ "ክልተ ቻምፕዮናት ከሲርና። ሕልፈት ዲዮጎን ኣንድረን ንኩዕሶ እግሪ ፖርቱጋል ዘይትካእ ክሳራ'ዩ። ሓድጎም ንከይነዕብር ዝክኣለና ክንገብር ኢና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሞቱ ኣዝዮም ዝሰንበዱ ናይ ሊቨርፑል ደቂ-ጋንታኡ ብወገኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።
ዳርዊን ኑነዝ፡ "ወትሩ ብፍሽኽታኻ ክዝክረካ እየ" ክብል እንከሎ፡ ሃርቪ ኢልዮት ድማ "ኣብ ሓደ ሜዳ ምሳኻ ምጽዋተይ ዕድለኛ እዩ" ኢሉ።
ገለ ደገፍቲ ክለብ ሊቨርፑል እታ ዝኽደና ዝነበረ ቁጽሪ 20 ማልያ ንኽብሩ ክትሰናበት ጎስጓስ ጀሚሮም ኣለዉ።
እታ ዝጓዓዘላ ዝነበረት መኪና፡ ከኳልም ኣብ ዝፈተነሉ ድሕሪ ምግጫዋ ካብ መንገዲ ወጻኢ ከምዝጸደፈትን ከምዝተባረዐትን ሰብመዚ ትራፊክ ናይቲ ከባቢ ሓቢሮም።
ኣብቲ ባርዕ ዝነደደ ሬሳ ናይ ክልቲኦም ኣሕዋት ብመርመራ ዲ-ኤን-አ ክፍለ ምዃኑ ተገሊጹ'ሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







